ኣመሪካ ብዛዕባ ግሪንላንድ 'ምፍርራሕ' ደው ክተብል ዴንማርክ ኣተሓሳሲባ

ግሪንላንድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቀዳመይቲ ምኒስተር ዴንማርክ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ምቍጽጻር ግሪንላንድ ዝገልጾ ዘሎ "ምፍርራሕ ደው ከብል" ኣተሓሳሲባ።

"ኣመሪካ ንግሪንላንድ ክትቈጻጸር ከምትደሊ ምዝራብ ፍጹም ትርጕም የብሉን" ኢላ ቀዳመይቲ ምኒስተር ሜት ፍረደሪክሰን።

"ኣመሪካ ካብተን ኣብ ንግስነት ዴንማርክ ዝርከባ ሰለስተ ሃገራት ዋላ ሓንቲ ክትቈጻጸር መሰል የብላን።"

ሓደ ካብ ሓገዝቲ ትራምፕ ዝዀነ ስቲቨን ሚለር በዓልቲ ቤቱ ኬቲ ሚለር፡ ኣብ ትዊተር ብሕብሪ ባንዴራ ኣመሪካ ዝተሰርሐ ካርታ ግሪንላንድ ዝተሰነየ "ኣብ ቀረባ እዋን" ዝብል ጽሑፍ ድሕሪ ምዝርግሑ እያ እታ ምኒስተር ነዚ ትገልጽ ዘላ።

ትራምፕ፡ ግሪንላንድ ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣኣን ማዕድናዊ ሃብታን ብምጥቃስ፡ ኣካል ኣመሪካ ክትከውን ከምእትኽእል ብተደጋጋሚ ከልዕል ጸኒሑ እዩ።

ፍረደሪክሰን ኣብ መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ዴንማርክ ኣብ ዝዘርግሐቶ ጽሑፍ፡ ንኣመሪካ "ኣዝዩ ብቐጥታ" ትዛረብ ከምዘላ ገሊጻ።

ዴንማርክ፡ "በታ ሃገር ኣቢላ ድማ ግሪንላንድ" ኣባል ኔቶ ምዃናን ውሕስነት ጸጥታ ናይቲ ኪዳን ከምዘለዋን ወሲኻ ኣመልኪታ። ዴንማርክ ምስ ኣመሪካ ናብ ግሪንላንድ ክትኣቱ ዘኽእላ ስምምዕ ምክልኻል ነይርዋ። እታ ሃገር ኣብ ዞባ ኣርክቲክ ኣብ ጸጥታ እትገብሮ ወፍሪ ክብ ክብል ገይራ እያ።

"ስለዚ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ብታሪኽ ቅርበት ዘለዋ መሻርኽታን ኣብ ልዕሊ ካልእ ሃገርን ኣይንግዛእን ዝበለ ህዝቢን ትፍጽሞ ዘላ ምፍርራሕ ደው ከተብሎ ብትሪ እላቦ" ኢላ።

ድሕሪ ሒደት ሰዓታት ትራምፕ "ግሪንላንድ ብዓይኒ ሃገራዊ ድሕነት ተድልየና'ያ፡ ዴንማርክ ድማ ነዚ ክትገብሮ ኣይትኽእልን እያ" ኢሉ።

ኣቐዲማ ኣምባሳደር ዴንማርክ ኣብ ኣመሪካ ነቲ ብየማናዊት ፖድካስተርን ኣብ ቀዳማይ ስልጣኑ ሓጋዚት ትራምፕ ዝነበረትን ኬቲ ሚለር ዝጸሓፈቶ ጽሑፍ፡ ክልቲአን ሃገራት መሻርኽቲ ምዃነን ብምዝኽኻር ዴንማርክ መሬታዊ ሓድነታ ክኽበር ትጽቢት ከምዘለዋ ገሊጻ ነይራ።

ኣመሪካ ትማሊ ሰንበት ኣብ ልዕሊ ቬንዝወላ ዓቢ ወተሃደራዊ ስርሒት ብምክያድ፡ ንፕረዚደንት ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ማሪኻ ናብ ኒውዮርክ ድሕሪ ምግዓዛ'ዩ እዚ ምልውዋጥ ቃላት ዝካየድ ዘሎ።

ትራምፕ ድሒሩ ኣመሪካ "ውሑስ፡ ግቡእን ፍትሓውን መስርሕ ምስግጋር ስልጣን ክሳብ ዝግበር" ንቬነዝወላ "ክትመርሓ" እያ ክብል ተዛሪቡ።

ኩባንያታት ነዳዲ ኣመሪካ ድማ "እታ ሃገር እቶት ክትረከብ ክሰርሓ" ምዃነን እውን ወሲኹ ሓቢሩ።

ቅድሚ ሕጂ ነታ ኣብ ኣርክቲክ እትርከብ ሰፊሕ ደሴት ግሪንላንድ ንምቍጽጻር ኣመሪካ ሓይሊ ከምዘይትጥቀም ምርግጋጽ ምእባዩ ዝዝከር እዩ።

ትራምፕ፡ ግሪንላንድ ኣካል ኣመሪካ ምግባር ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣኣ፡ ንላዕለዋይ ጽላታት ቴክኖሎጂ ወሳኒ ዝዀነ ብዝሒ ማዕድናትን፡ ንረብሓታት ጸጥታ ኣመሪካ ከምዘገልግል ይገልጽ።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ግሪንላንድ ፍሉይ ልኡኽ ምሻሙ ድማ ኣብ ዴንማርክ ቍጥዐ ከምዘስዓበ ይዝከር።

ግሪንላንድ 57 ሽሕ ነበርቲ ኣለዋ። ምክልኻልን ፖሊሲ ወጻኢን ኣብ ዴንማርክ ዝምርኮስ እኳ እንተዀነ፡ ካብ 1979 ጀሚራ ሰፊሕ ርእሰ ምሕደራ ኣለዋ።

መብዛሕትኦም ግሪንላንዳውያን ኣብ መወዳእታ ናጽነት ክመጽእ'ዩ ዝብል ሓፈሻዊ ምርድዳእ ኣለዎም።

ዳህሳስ ርእይቶ ግን ኣካል ኣመሪካ ንምዃን ዓቢ ተቓውሞ ከምዘሎ የመልክት።