ትራምፕ፡ ስለምንታይ'ዩ ንመትረብ ፓናማ፡ ግሪንላንድን ካናዳን ክጥቕልል ዝደሊ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምሩጽ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ቅድሚ ምምላሱ ኣብ ዘለዋ ሒደት ሰሙናት፡ ንመትረብ ፓናማን ኣካል ዴንማርክ ዝዀነት ርእሰ ምምሕዳር ግሪንላንድን 'ንምጥቕላል' ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኣማራጺ ከም ዘይኰነ ብወግዒ ዘይምግላጹ ንብዙሓት ኣሰንቢዱ ይርከብ።
ክልቲአን ቦታታት ንቝጠባን ድሕነትን ኣመሪካ ኣገደስቲ ከም ዝዀና ትራምፕ ይገልጽ።
ትራምፕ ኣብዚ ጉዳይ፡ ብወግዒ ንሰራዊት ኣመሪካ ከልዕል እዚ ናይ መጀመርታኡ'ዩ።
ብተወሳኺ፡ ካናዳ ናብ ኣመሪካ ንምሕዋስ ቍጠባዊ ጸቕጢ ከም ኣማራጺ ከም ዝጥቀም ተዛሪቡ ኣሎ።
ፓናማ፡ ግሪንላንድን ዴንማርክን ከምኡ'ውን ካናዳ ነዚ ርእይቶታት ቍጥዐ ዝተሓወሶ መልሲታት ሂበን ኣለዋ።
መትረብ ፓናማ
ኣመሪካ፡ ኣብ መጀመርታ 20 ክፍለ ዘመን፡ ሓላፍነት ህንጸት እዚ መትረብ ምስ ወሰደትን ንዓሰርተ ዓመታት ድሕሪ ዝተኻየደ ዘተን ብ1999 ዓ.ም [ኣ.ኤ] እቲ መትረብ ምሉእ ንምሉእ ንፓናማ ኣረኪባታ።
ትራምፕ፡ ሕጂ ስግኣታት ሃገራዊ ድሕነት ብምግላጽ፡ እቲ መትረብ ክምለስ ከም ዝደሊ ይዛረብ።
"መትረብ ፓናማ፡ ንሃገርና ኣገዳሲ'ዩ፣ ኣብ ቻይና ኣብ ረብሓ ይውዕል ኣሎ። መትረብ ፓናማ ንፓናማ እምበር ንቻይና ኣይሃብናን። እቲ ውህብቶና ብዘይ ኣገባብ'ዮም ዝጥቀምሉ ዘለዉ፡" ኢሉ።
ወግዓዊ ጸብጻባት ግን፡ ነዚ ግምታት ዘራጕዱ ኣይኰኑን።
እቲ መትረብ ካብ ዘተኣናግዶ ጠቕላላ ኣገልግሎት ጽዕነት ዝበዝሐ ናይ ኣመሪካ ኰይኑ፡ 72 ሚእታዊት ይሽፍን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብመሰረት በዓል መዚ መትረብ ፓናማ ድማ ጽዕነት ቻይና ኣስታት 22 ሚእታዊት ጥራይ ከም ዝዀነ የመልክት።
ቻይና ኣብ ፓናማ ገዚፍ ቍጠባዊ ወፍሪ ኣለዋ።
ተንተንቲ፡ መትረብ ፓናማ ኣመሪካ ኣብ ፓስፊክ ንእተካይዶ ንግዲ ኣገዳሲ ምዃኑ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ መጻኢ ምስ ቻይና ዝዀነ ይዅን ወተሃደራዊ ጐንጺ እንተ`ጋጢሙ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ይገልጹ።
ትራምፕ ቅድሚ ሕጂ'ውን ፓናማ መራኽብ ጽዕነት ኣመሪካ ነቲ መትረብ ክጥቀማ እንከለዋ ልዕሊ ዓቐን ክፍሊት ተኽፍል ኣላ ክብል ከሲሱ ነይሩ።
ኣብቲ 'ትሩዝ ሶሻል' ዝተባህለ ማሕበራዊ ሚድያኡ ኣብ ማእከል መትረብ ፓናማ ባንዴራ ኣመሪካ ተተኺላ ከላ ዘርኢ ምስሊ ጠቂዑ ነይሩ።
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፓናማ ጃቪየር ማርቲነዝ - ኣቻ ኣብ ከተማ ፓናማ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ ልኡላውነት መትረብ ፓናማ ንዘተ ኣይቐርብን ኢሉ።
"እተን እንኮ ነቲ መትረብ ዝቈጻጸራ ኣእዳው ፓናማውያን እየን፣ በዚ መልክዑ'ዩ ክቕጽል፡" ኢሉ።
ግሪንላንድ
ግሪንላንድ ኣብ ትሕቲ ዴንማርክ እትርከብ ርእሰ-ምምሕዳር ዘለዋ ግዝኣት ኰይና፡ ሓንቲ ካብተን ውሑድ ህዝቢ ዝነብረለን ከባቢታት ዓለም እያ።
ትራምፕ ንግሪንላንድ ናይ ምዕዳግ ሓሳብ ኣብ 2019 [ኣብ ናይ ፈለማ ዕድመ ፕረዚደንትነቱ] እዩ ኣበጊሱዎ።
ቀዳማይ ምኒስተር ዴንማርክ ሜት ፍረደሪክሰን ምስ መጻኢ ምምሕዳር ትራምፕ ብሓባር ንምስራሕ ድልዊ'ኳ እንተዀነት፡ ግሪንላንድ ናይ ህዝባ ምዃና ግን ኣስሚርሉ።
"ግሪንላንድ ናይ ህዝቢ ግሪንላንድ እያ። ሕቡን ህዝቢ'ዩ፣ ናይ ባዕሉ ቋንቋን ባህልን'ውን ኣለዎ። ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ድማ ግሪንላንድ ኣይትሽየጥን፡" ይብል ፍረደሪክሰን።
ድልየት ትራምፕ ምናልባት ዘገርም ኣይኰነን።
እታ ምምሕዳር ብተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ሃብታም እያ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ጅኦሎጂካዊ ዳህሳስ ዴንማርክን ግሪንላንድን፡ ኣብ ዓለም ኣዝዮም ክቡራት ዝዀኑ ማዕድናትን ጸጋታት ጸዓትን ብዝርዝር ሰፊሮም ኣለዉ።
ከም ወርቅን ፕላቲኒየምን ዝኣመሰሉ ክቡራት ሓጻውን፡ ሊትየም፡ ታይታንየምን ካልኦት ኣገደስቲ ባእታታት ሓዊሱ ከም ከሰልን ዩራንየምን፡ ኣልማዝን ሩቢን ዝኣመሰሉ ክቡራት ኣእማን ይርከብዎም።
ብተወሳኺ ገዚፍ ዕቝር ነዳድን ጋዝን ከም ዘሎ ይግለጽ።
እዚ ድማ መብዛሕትኡ ገና ዘይተጸንዐን ኣብ ረብሓ ክውዕል ዘይኽእልን'ኳ እንተዀነ፡ ብሰንኪ ለውጢ ክሊማ ምምካኽ በረድ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ምህርቲ ንምውጻእ ኣፋፍኖት ክርከብ ከም ዝኽእል ይግመት።
ንግዚኡ ግን፡ ኣብ ውሽጢ ምህርቲ ባትሪ ብብዝሒ ኣብ ረብሓ ዝውዕሉ ክቡራት ሓጻዊን ምህላዎም፡ ግሪንላንድ ተጠማቲት ክትከውን ገይሩዋ'ዩ።
ባንኪ ዓለም፡ ኣመሪካ ጥራይ ዘይኰነ ቻይናን ካልኦት ሃገራት ዓለምን ዘለወን ጠለብ ንምምላእ፡ ክሳብ 2050 ነቶም መዓድናት ናይ ምውጻእ ድልየተን ብሓሙሽተ ዕጽፊ ክውስኽ ከም ዝኽእል ይገልጽ።
ኣብ መንጎ ሩስያን ኣመሪካን ኣብ ዘሎ ቦታ እትርከብ ብምዃና ድማ ሞስኮ'ውን ስትራተጅያዊ ረብሓ እታ ግዝኣት ትግንዘብ።
ዋሽንግተን ድሮ ኣብታ ደሴት ወተሃደራዊ መዓስከር ገይራ ኣላ። እዚ ድማ መጠንቀቕታ ስርዓት ባለስቲክ ሚሳይል ዝሓዘ እዩ።
ግሪንላንድ፡ ዓርሳ ዝኸኣለት ሃገር ክትከውን ብዝጕስጕስ ቀዳማይ ምኒስትር ሙቴ ቡሩፕ ኤጌዴ ትምራሕ።
እታ ደሴት ንመሸጣ ከም ዘይትቐርብ ብንጹር ብምግላጽ፡ ጐድና ጐድኒ እቲ ኣብ ሚያዝያ ዝካየድ ምርጫ፡ ባይቶ ድምጺ ህዝበ-ውሳነ ናጽነት ከም ዝካየድ ኣመልኪቱ።
ስለዚ መጻኢ ግሪንላንድ እንታይ ክኸውን ይኽእል?
ሰበስልጣን ዴንማርክን ኤውሮጳን ትራምፕ ንግሪንላንድ ክጥቕልላ እየ ምባሉ ብእወታ ኣይተቐበሉዎን።
ግሪንላንድ ንመሸጣ ስለ ዘይኰነት፡ ግዝኣታዊ ሓድነታ ክዕቀብ ኣለዎ ኢሎም።
እታ ደሴት፡ ን300 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ዴንማርክ እያ ነይራ።
56 ሽሕ ህዝቢ ኣለዋ፣ ባህጊ ናጽነት ከኣ ኣለዎ።
1. ትራምፕ ዝብሎ ዘሎ ምፍርራሕ ጥራይ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። እዚ ድማ ዴንማርክ፡ ሩስያን ቻይናን ኣብቲ ዞባ ዘለወን ጽልዋ ከዕብያ ንዘለወን ድልየት ንምግታእ፡ ንግሪንላንድ እትገብሮ ደገፍ ድሕነት ከተዕቢ ጸቕጢ ንምግባር ዝዓለመ'ዩ ዝብሉ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዴንማርክ ንግሪንላንድ ዝኸውን ሓድሽ ናይ 1.5 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ጥሙር-ውጥን ወግዓዊ ገይራ ነይራ።
ዋና ፖለቲካዊ ወኪል ጋዜጣ ፖሊቲከን ኤሊዛቤት ስቫነ፡ "ኣብቲ ትራምፕ ዝበሎ ኣገዳሲ ዝነበረ፡ ዴንማርክ ኣብ ኣርክቲክ ዘለዋ ግዴታታት ክትፍጽም ኣለዋ ወይ ድማ ኣመሪካ ንኽትገብሮ ክትሓድገላ ኣለዋ ዝብል'ዩ፡" ትብል።
ኣብ ሮያል ዴንማርክ ዲፈንስ ኮሌጅ ሓጋዚ ፕሮፌሰር ማርክ ጃኮብሰን፡ እዚ ኵነታት ትራምፕ ግሪንላንድ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ዝያዳ ኣህጉራዊ ስልጣን ንምርካብ ትጥቀመሉ ከም ዘላን ከም ኣገዳሲ ስጉምቲ ናጽነት ዝርአ ምዃኑን ይኣምን።
ስለዚ፡ ዋላ'ውን ትራምፕ ሕጂ ኣብ ግሪንላንድ ዝያዳ ተገዳስነት እንተ ዝስእን፡ እቲ ጕዳይ ግን ትዅረት ከም ዝረኸበ ይዛረብ።
እቲ ሕጂ ትራምፕ ዘርእዮ ዘሎ ዝንባለታት ከኣ ዝያዳ ተኽእሎ ምህሳስ ዘለዎ ተርእዮ'ዩ ኢሉ ይኣምን።
ናጽነት ግሪንላንድ ንነዊሕ ዓመታት ኣጀንዳ ኰይኑ ጸኒሑ'ዩ።
2. ኣብ ግሪንላንድ፡ ኣብ መወዳእታ ናጽነት ክመጽእ'ዩ ዝብል ሓፈሻዊ ምርድዳእ ኣሎ። ግሪንላንድ እንተ ኣድሚጻ ከኣ ዴንማርክ ክትቅበሎን ከተጽድቖን እያ።
ይዅን'ምበር፡ ህዝቢ ግሪንላንድ ነቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ካብ ዴንማርክ ዝረኽቦ ድጐማ ንኸም ክንክን ጥዕናን ስርዓተ ድሕነትን ዝኣመሰሉ ነገራት ንምኽፋል ክጽገም ስለ ዝኽእል ውሕስነት እንተ ዘይተዋሂብዎ፡ ግሪንላንድ ንናጽነት እትመርጸሉ ተኽእሎ ኣይክህሉን እዩ።
"ቀዳማይ ምኒስተር ግሪንላንድ ሕጂ ዓጢቑ ክለዓል ይኽእል። ብጭቡጥ ረፈረንደም ኣብ ዝጽውዓሉ እዋን ግን፡ ንቝጠባን ስርዓተ ድሕነትን ግሪንላንድ ብኸመይ ከም ዘረጋግጾ ገለ ዓይነት ዘእምን ተረኽ ክህልዎ ኣለዎ፡" ይብል - ላዕለዋይ ተመራማሪ ኢንስቲትዩት ዓለም ለኸ መጽናዕቲ ዴንማርክ ኡልሪክ ጋድ።
ግሪንላንድ ዋላ ካብ ዴንማርክ ክትገላገል እንተ ከኣለት ካብ ኣመሪካ ክትናገፍ ከም ዘይትኽእል ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ንጹር ኰይኑ ኣሎ።
ኣመሪካውያን ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ነታ ደሴት ድሕሪ ምቍጽጻሮም፡ ምሉእ ብምሉእ ኣይወጽኡን፣ ንጸጥታኦም ድማ ኣገዳሲት ገይሮም ይርእይዋ።
ኣብ 1951 ዝተገብረ ስምምዕ፡ መሰረታዊ ልኡላውነት ዴንማርክ ኣብታ ደሴት ዘረጋገጸ ኰይኑ፡ ብሓቂ ግን ኣመሪካ ካብታ ደሴት እትደልዮ ክትረክብ ጸኒሓ እያ።
ዶክተር ጋድ፡ ሰበስልጣን ግሪንላንድ ምስ ዝሓለፋ ክልተ ምምሕዳራት ኣመሪካ ርክብ ከም ዝነበሮም ገሊጹ።
"ሕጂ ኣመሪካ ፈጺማ ከም ዘይትወጽእ ፈሊጦም ኣለዉ፡" ኢሉ።
3. ትራምፕ ኣብ ዙርያ ቍጠባ ዘሰጕሞ ዘሎ መርገጺታት ንዴንማርክ ዝዓበየ ሓደጋ ክኸውን ከም ዝኽእል ግምታት ክቐርብ ጸኒሑ'ዩ - ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ካብ ዴንማርክ ዝኣትዉ ኣቝሑ፡ ወይ'ውን ሕብረት ኤውሮጳ ከይተረፈ እትገብሮ ቀረጽ ብዝለዓለ መጠን ምውሳኽ፡ ንዴንማርክ ኣብ ልዕሊ ግሪንላንድ ብገለ ዓይነት ሕድገታት ክትገብር ከገድዳ ይኽእል።
ፕሮፌሰር ጃኮብሰን፡ መንግስታት ዴንማርክ ነዚታት ክዳለዉ ጸኒሖም እዮም ይብል።
እዚ ግን ብሰንኪ መሬት ኣርክቲክ ጥራይ ከም ዘይኰነ ይዛረብ።
ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኵሉ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ኣቑሑ ኣመሪካ 10% ቀረጽ ክኸፍል ምዃኑ ይሕነ።
እዚ ድማ ንዕብየት ኤውሮጳ ብዓቢኡ ክዘርግ ይኽእል እዩ።
ሕጂ ድማ ገለ ኩባንያታት ዴንማርክን ካልኦት ኤውሮጳውያንን፡ ኣብ ኣመሪካ መደበራት ፍብረኻ ንምቛም ይሓስባ ኣለዋ።
ሓደ ካብቶም በዚ ክጽለዉ ዝኽእሉ ቀንዲ ኢንዱስትሪታት ዴንማርክ፡ መድሃኒት እዩ።
ኣመሪካ ከም መሳርሒ መስምዒ እዝንን ኢንሱሊንን ዝኣመሰሉ ፍርያት ካብ ዴንማርክ ከምኡ'ውን ብዴንማርካዊ ኵባንያ ኖቮ ኖርዲስክ ዝስራሕ መድሃኒት ሕማም ሽኮር ኦዘምፒክ ትጥቀም።
ካብዚ ስጕምትታት ዝመጽእ ወሰኽ ዋጋታት፡ ኣብ ህዝቢ ኣመሪካ ሞገስ ከም ዘይረክብ ተንተንቲ ይገልጹ።
4. ኣብ መወዳእታ ትራምፕ፡ ንግሪንላድ ክወርር ይኽእል። እቲ "ኒዩክለሳዊ ኣማራጺ" ርሑቕ ዝመስል'ኳ እንተዀነ፡ ትራምፕ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ከወግድ ስለ ዘይከኣለ ግን ኣብ ግምት ክኣቱ ኣለዎ።
ብመሰረቱ ኣመሪካ ድሮ ኣብ ግሪንላንድ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣለዋ።
ይዅን'ምበር፡ "ንግሪንላንድ እንተ ወሪሮም ንኔቶ ይወሩ ኣለዉ ማለት'ዩ። ስለዚ፡ ኣብኡ እዩ ደው ዝብል። ብመሰረት ዓንቀጽ 5 ድማ ሓንቲ ኣባል ሃገር ኔቶ ንኔቶ እንተ ወሪራ፡ ሽዑ ኔቶ የሎን፡" ትብል ዋና ፖለቲካዊ ወኪል ጋዜጣ ፖሊቲከን ኤሊዛቤት ስቫነ።
ዶክተር ጋድ ብወገኑ፡ ትራምፕ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ብዛዕባ ታይዋን ክዛረብ ወይ ሩስያዊ ቭላድሚር ፑቲን ብዛዕባ ዩክሬን ክዛረብ እንከሎ ይመስል ይብል።
"ነዚ ቍራጽ መሬት ምውሳድና ሕጋዊ እዩ ይብል ኣሎ።ብሓቂ ብዕቱብ እንተ ወሲድናዮ እዚ ንመላእ ኪዳን ምዕራባውያን ሕማቕ ምልክት'ዩ፡" ኢሉ።
ካናዳ
ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ጐረቤት ካናዳ፡ መበል 51 ግዝኣት ኣመሪካ ከም እትኸውን ብምግላጽ ዶብ ክልቲአን ሃገራት "ሰብ-ሰርሖ'ዩ" ክብል ጸኒሑ ኣሎ።
ንሱ፡ ንምሕላው ካናዳ ብዝብል ዝወጽእ ቢልዮናት ዶላራት እዩ ብምባል መካይን ካናዳ፡ ኣዕጻውን ምህርታት ጸባን ካናዳ ኣብ ፈተና ክወድቁ ገይሩ ይርከብ።
ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ምስ ተመልሰ፡ ልክዕ ከም ሜክሲኮ ካናዳ'ውን ናብ ኣመሪካ ኣብ እትልእኾም ሸቐጣት 25 ታሪኽ ከም እትኸፍል ኣተንቢሁ ኣሎ።
ትራምፕ፡ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ኣብ ዝሃቦ ነዊሕ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዶባት ሜክሲኮን ካናዳን ሰጊሩ ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ዕጸፋርስ ዝምልከት'ውን ስክፍታታት ከም ዘለዎ ይገልጽ።
ይዅን'ምበር ኣብ ዶብ ኣመሪካን ካናዳን ዝተታሕዘ መጠን ፈንታኒል ካብቲ ኣብ ደቡባዊ ዶብ ዝተትሓዘ ዝተሓተ ምዃኑ መረዳእታ ኣመሪካ ይሕብር።
ካናዳ ኣብ ልዕሊ ውዱባት ስግረ-ዶብ ገበናት ስጕምትታት ንምውሳድን ሓያል ክትትል ንምክያድን ሓደሽቲ ኣገባባት ተግባራዊ ከም እትገብርን ተመጻቢዓ ኣላ።
እዚ ዅሉ ካብ ቃላት ዝሓለፈ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምክትል ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣመሪካ ነበር ጄምስ ጀፍሪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ትራምፕ ንኣህጉራውያን መሻርኽቱ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዘለዉ ደገፍቱ መልእኽቲ ይሰድድ ከም ዘሎ ሓቢሩ።
ሃብታማት መሓዙት ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣህጉራዊ ጸጥታ ንምሕላው እኹል ስራሕ ብዘይምስርሐን ኣብ ኣመሪካ ሕርቃን ከም ዘሎ ይዛረብ።
ጀፍሪ ተኽእሎ ወተሃደራዊ ምትእትታው ትሑት እዩ ይብል።
"ናብ ግሪንላንድ ኣይንዘምትን፣ ናብ ካናዳን መትረብ ፓናማን'ውን ኣይንዘምትን። እዚ ክንደይ ዝኣክል ዘይምርግጋእ ክፈጥር ይኽእል ዝብል ግን ካልእ ሕቶ'ዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
"ትራምፕ፡ ስግኣት ኣህጉራዊ ስርዓት ኣይኰነን። ስግኣት ኣህጉራዊ ስርዓት ሩስያን ቻይናን'የን፡" ኢሉ።
ኣራሚ ኣብ ለንደን ዝርከብ ጋዜጣ ዘ ኢንዲፐንደንት ዴቪድ ማዶክስ ብወገኑ፡ ትራምፕ ብዕቱብ ክውሰድ ከም ዘለዎ ይዛረብ።
"ትራምፕ፡ ግዝኣት ናይ ምስፋሕ ድልየት ዘለዎ ሰብ'ዩ። ንሱ ሓድጊ ኣመሪካ ክኸውን'ዩ ዝደሊ። እዚኦም ከበድቲ ስግኣታት እዮም፡" ክብል ማዶክስ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ማዶክስ፡ "ካብቲ ፈላማይ ምምሕዳር ትራምፕ ኣዝዩ ዝተፈልየ ኣገባብ ክንርኢ ኢና። እዚ ድማ ንመላእ ዓለም ዘይምርግጋእ ዝፈጥር እዩ፡" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







