ቱሩዶ፡ ካናዳ ምስ ኣመሪካ ምጽንባር "በረድ ኣብ ሲኦል ከም ምጽባይ እዩ" ኢሉ

ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳማይ ምኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ፡ ነቲ ዶናልድ ትራምፕ ንካናዳ ናብ ኣመሪካ ብምውሓጥ ተጠቃምነት "ቍጠባዊ ሓይሊ" ዝበሎ ምፍርራሕ፡ ፍጹም ክሕሰብ ዘይክእል ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ዕዅላል በረድ ኣብ ገሃነመ-እሳት ከም ምጽባይ" ዝዓይነት ፍሉጥ ቍንቍኛ ተጠቒሙ፡ ክልቲአን ሃገራት ንምርኻብ ክሕሰብ'ውን ከም ዘይብሉ ገሊጹ።

ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ካናዳ መበል 51 ግዝኣት ኣመሪካ ምዃና ዘተንብህ መግለጺታት ብተደጋጋሚ ብምሃብ ክተዃቱኽ ጸኒሑ እዩ።

ንሱ ብሰሉስ ኣብ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "እቲ ሓሳባዊ መስመር [ንኽልቲኡ ሃገራት ዝፈሊ ዶብ]፡ ብምእላይ ከመይ ከም ዝመስል ምዕዛብ የድሊ፣ ንሃገራዊ ድሕነት'ውን ኣዝዩ ዝሓሸ እዩ፡" ኢሉ።

"ካናዳን ኣመሪካን፡ ብሓቂ ዝተፈለየ ነገር ምዀነ።"

ትራምፕ፡ እታ ሃገር ኣብቲ ምስ ኣመሪካ ዘራኽባ ዶባት ኵነታት ጸጥታ ንምሕያል ዝዀነ ስጕምቲ እንተ ዘይወሲዳ ኣብ ልዕሊ ኣቑሑት ካናዳ "ዓቢ" ቀረጽ ከም ዝጽዕን ዝገልጾ ዝነበረ ምፍርራሕ፡ ሕጂ'ውን ደጊምዎ እዩ።

እዚ ቀጻሊ ዝቐርብ ዘሎ ምፍርራሕ ወሰኽ ቀረጽ ኣብ ልዕሊ ንብረት ካናዳ፡ እታ ሃገር ብበዳሂ ፖለቲካዊ ኵነታት ትሓልፈሉ ኣብ ዘላ እዋን ዝመጽእ ዘሎ እዩ።

ዝሓለፈ ሰኑይ፡ ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ቍርቍስ ዘሎ ቀዳማይ ምኒስተር እታ ሃገር ስልጣኑ ይለቅቕ ምህላዉ ኣፍሊጡ፤ ሊበራላዊ ሰልፊ ክሳብ ሓድሽ መራሒኡ ዝመርጽ ግን ነታ ሃገርን ሰልፉን ክመርሕ ክጸንሕ እዩ።

ነዚ እዅል ግዜ ንምምችቻእ ድማ ባይቶ ካናዳ ክሳብ 24 መጋቢት ተናዊሑ ወይ ተኣጊዱ ክጸንሕ እዩ።

ትራምፕ፡ ዝመጽእ 20 ጥሪ ብወግዒ ናብ ዋይትሃውስ ተመሊሱ እዚ ዘፈራርሖ ዘሎ ወሰኽ ቀረጽ እንተ ኣተግቢርዎ፡ ንቝጠባ ካናዳ ዓቢይ ሃስያ ከውርደሉ ምዃኑ ክኢላታት ብኣጋኡ የጠንቅቑ ኣለዉ።

ኣብ 2023 ዝነበረ ጸብጻብ መንግስቲ ከም ዘመልክቶ፡ መዓልታዊ ኣስታት 3.6 ቢልዮን ዶላር ካናዳ [2.5 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ] ዝግመት ኣቑሑትን ኣገልግሎታትን ዶብ ይሰግር።

መንግስቲ ካናዳ፡ ትራምፕ ነዚ ምፍርራሕ ግብራዊ እንተ ገይሩ፡ "ጸረ-ቀረጽ" ስጕምቲታት ከተግብር መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

ትሩዶ ብተወሳኺ፡ "ሰራሕተኛታትን ማሕበረሰባትን ክልቲአን ሃገራት ብሓድሕዳዊ ንግድን ሽርክነት ጸጥታን ተጠቀምቲ እዮም፡" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ኣብቲ ትራምፕ ኣብ ማር-ኣ-ላጎ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛኡ ኰይኑ ዝሃቦ ነዊሕ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ዶባት ሜክሲኮን ካናዳን ሰጊሩ ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ዕጸፋርስ ዘሕደረሉ ስክፍታ ደጊሙ ገሊጹ።

ሜክሲኮ እውን ከም ካናዳ በቲ 25 ሚእታዊት ወሰኽ ቀረጽ ምፍርራሕ ትራምፕ ኣብ ስግኣት እያ ዘላ።

እዚ ኰይኑ ግን፡ ኣብ ዶብ ኣመሪካን ካናዳን [ሰሜናዊ ዶብ] ዝተሓዝ መጠን ፈንታኒል - ዕጸፋርስ፡ ካብቲ ኣብ ደቡባዊ ዶብ ዝተሓዝ ኣመና ዝተሓተ ምዃኑ ጸብጻባት እታ ሃገር ይሕብሩ።

ስግረ-ሃገራዊ ዝተወደበ ገበናት ንምክልኻል፡ ካናዳ "ሓባራዊ ሓይሊ" ምውሳኽ ዘጠቓልል ዝተፈላለየ ዓበይቲ ጸጥታዊ ስጕምትታት ከም እትወስድ ቃል ክትኣቱ ጸኒሓ እያ።

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ትራምፕ፡ ኣብቲ ብሰሉስ ዝሃቦ ንካናዳ ኣካል ኣመሪካ ንምግባር ዝብል ሓሳቡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምጥቃም ኣብ ኣብ ግምት ከም ዘየእተወ'ኳ እንተ ገለጸ፡ ንወተሃደራዊ ወጻኢታት ካናዳ ዝምልከት ዘለዎ ስክፍታ ግን ጠቒሱ እዩ።

"ኣዝዩ ንእሽቶ ወተሃደራዊ ሓይሊ እዩ ዘለዎም፣ ኣብ ወተሃደራዊ ሓይልና እዮም ዝምርኰሱ። እዚ እውን ምዀነ፡ ክኸፍልሉ ግን ኣለዎም። ፈጺሙ ዘይርትዓዊ እዩ፡" ኢሉ።

ካናዳ፡ ካብቲ ንኣባልነት ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ - ኔቶ ዝሕተት ረቛሒ ዝተሓተ ወተሃደራዊ ወጻኢታት ከተማልእ ብዘይምኽኣላ፡ ወተሃደራዊ ቍመናኣ ከተመሃይሽ ኣብ ጸቕጢ እያ ጸኒሓ። ወተሃደራዊ ባጀታ ኣስታት 27 ቢልዮን ዶላር ካናዳ ኰይኑ፡ ትሩዶ ኣብ 2030 ናብ 50 ቢልዮን ከዕብዮ ቃል ኣትዩ ነይሩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ግዝኣት ብሪቲሽ ኮሎምብያ - ካናዳ ደቪድ ኢቢ ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብዚ ዝመጽእ ቀረባ እዋን ሓያለ ቀዳሞት ምኒስተራት ግዝኣታት ካናዳ፡ ናብ ዋሽንግተን ተጓዒዞም ኣንጻር እቲ ክጽዓን ዝሕሰብ ዘሎ ወሰኽ ቀረጽ ጐስጓስ ከካይዱ ምዃኖም ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ኦንታርዮ ዳግ ፎርድ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ኣመሓዳሪ ኦንታርዮ ዳግ ፎርድ፡ "መልእኽተይ ብሓባር ንስራሕ፣ ሓያል ንግዳዊ ዝምድና ንህነጽ - ኣይነድክሞ ዝብል እዩ፡" ይብል።

ብሰኑይ መራሒ እታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ግዝኣት ኦንታርዮ ዳግ ፎርድ፡ ትሩዶ ኣብዘን ተሪፈናኦ ዘለዋ ሰሙናት፡ ስልጣኑ ምስተን ግዝኣታት ብዕቱብ ብምስራሕ ስግኣት ትራምፕ ኣብ ምፍታሕ ከሕልፎ ኣተሓሳሲቡ።

ንሱ፡ "እቶም ቀዳሞት ምኒስተራት እዮም ነታ ሃገር ኣብዚ እዋን ዝመርሕዋ ዘለዉ፡" ክብል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ተዛሪቡ።

ኦንታርዮ ማእከል ኢንዱስትሪ መካይን ካናዳ ኰይና፡ ምስ ኣመሪካ ጥቡቕ ንግዳዊ ምትእስሳር ዘለዋ ግዝኣት ካናዳ እያ። ኣብ 2023 ኣብ መንጎ ኦንታርዮን ኣመሪካን ዝነበረ ንግዲ፡ 350 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ከም ዝበጽሕ ይፍለጥ።

ፎርድ፡ "መልእኽተይ ብሓባር ንስራሕ፣ ሓያል ንግዳዊ ዝምድና ንህነጽ - ኣይነድክሞ ዝብል እዩ፡" ይብል።

እቲ ኣመሓዳሪ፡ ዝመጽእ ዘሎ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ነቲ ዝብሎ ዘሎ እንተ ተኸቲሉ፡ "ንሕና'ውን ብኸቢድ ሕነ ክንፈዲ ኢና፡" ኢሉ መጠንቀቕታ ብምሕላፍ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ጸዓት ዘጠቓለለ ጥቡቕ ቍጠባዊ ርክብ ምህላዉ ኣጕሊሑ።

ኣመሪካ፡ "ኣብ ቀረብ ኤለክትሪክ ኦንታርዮ እያ ትምርኰስ፣ ኣብ ኣመሪካ ንዝርከቡ ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ዝዀኑ ኣባይትን ትካላትን ብርሃን ንህብ ኢና፡" ኢሉ።