ካናዳ፡ ቍጽሪ ስደተኛታት ብ21 ሚእታዊት ክትንክዮ ወሲና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መንግስቲ ካናዳ ነቲ ብናህሪ ዝውስኽ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ንምግታእ ቍጽሪ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ክንክዮ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ሓያለ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ናብ ካናዳ ክስደዱ ከምዝጸንሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ካብኡ ዘይውሕድ ቍጽሪ ዘለዎም'ውን ኣብ መስርሕ ከምዘለዉ እዩ ዝግመት።
ብመሰረት መንግስቲ እታ ሃገር ኣታኣታትይዎ ዘሎ ሓድሽ ሕጊ፡ ኣብታ ሃገር ብቀዋሚ ነባርነት ዓመታዊ ክኣትዉ ዝጸንሑ 500 ሽሕ ናብ 395 ሽሕ ክንኪ እዩ። እዚ ከኣ 21 ሚእታዊት ማለት ምዃኑ ይፍለጥ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ ድሕሪ ክስተት ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ዝነበረ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ንምምላእ ብዝሒ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ከምዝውስኽ ገይሩ'ኳ እንተነበረ “እቲ ቅማረ ቅኑዕ ኣይነበረን ሚዛን ክሕዝ ኣለዎ” ብምባል ነዚ ሓድሽ ፖሊሲ ከምዘተኣታተዎ ኣብሪሁ።
ሚኒስትሪ ህዝባዊ ኣገልግሎት እታ ሃገር ብዝተኸሰተ ብዝሒ ህዝቢ፡ ሕጽረታት ኣባይትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ይሽገር ከምዘሎ ናብ መንግስቲ ክጠርዕ ጸኒሑ’ዩ።
መንግስቲ ካናዳ ኣቐድም ኣቢሉ’ውን ብትምህርትን ብግዝያዊ ስራሕን ናብታ ሃገር ናይ ዝእትዉ ብዝሒ ከምዝነከዮ ኣፍሊጡ ነይሩ’ዩ።
ብሓሙስ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጀስቲን ትሩዶ ሚኒስተር ኢሚግረሽን ማርክ ሚለርን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ’ዮም ነቲ ካብ 2025 ዝተኣቶቱ ምንካይ ቍጽሪ ስደተኛታት ኣፍሊጦም ዘለዉ።
ሚኒስተር ኢሚግሬሽን ማርክ ሚለር፡ ዕላማ እቲ ውጥን ብዝሒ ህዝቢ እታ ሃገር ንምቍጽጻር ኰይኑ ክሳብ 2027 ክቕጽል ምዃኑ ኣብሪሁ።
ጀስቲን ትሩዶ ምጕዳል እዚ ውሳነ ብዝሒ ህዝቢ ካናዳ ኣብ ዝቕጽል ክልተ ዓመት ኣብ ዘለዎ ደው ንኽብል ከምዝሕግዝ ብምግላጽ፡ እዚ ከኣ ኵለን ጽላታት እታ ሃገር ንዅሉ ዝኸውን ኣባይትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ንኸዳልዋ እኹል ግዜ ከምዝህበን ሓቢሩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ካናዳ ስደተኛታት ምቕባላ ሓበን ከምዝስምዖ ብምግልጽ፡ እዚ ከኣ ኣብታ ሃገር ንቍጠባ ዘጐልብት ብዙሕነት ዘለዎም ሕብረተሰብ ንኽህሉ ከምዝሕግዝ ኣተንቢሁ።
“እቲ ንስደተኛታት ናይ ምቅባል ፖሊሲና ብተዓጻጻፍነትን ብሓላፍነትን ክንሰርሓሉ ጸኒሕና ኢና፤ ድሕሪ ክስተት ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ነቲ ኣጋጢሙ ዝነበረ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ኢልና ፍንው ኣቢልናዮ ነይርና፤ እንተዀነ እዚ ኸኣ ምስቲ ናህሪ ብዝሒ ህዝቢ ሚዛኑ ሓልዩ ክኸይድ ኣይከኣለን” ኢሉ።
ካናዳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዘርኣየቶ ወሰኽ ብዝሒ ህዝቢ እቲ ኣስታት 97 ሚእታዊት ብስደተኛታት ዝመጽአ ከምዝዀነ’ውን ሚኒስትሪ ኢሚግረሽን እታ ሃገር ይሕብር።
ብዘይካ'ዚ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ቍጽሪ ሽቕለት ኣልቦነት ብ6.5 ሚእታዊት ወሰኽ ከምዘርኣየን ኣብ መንእሰያት ሽቅለት ኣልቦነት 14 ሚእታዊት ከምዝበጽሐን ይፍለጥ።
ካናዳ ኣብ ዝሓለፈ ሓያለ ዕቝዳት ብዝሒ ህዝቢ ንምውሳኽን ኣብታ ሃገር ዘሎ ሕጽረት ሰራሕተኛታት ንምምላእን ስደተኛታት ብብዝሒ ክትቅበል ጸኒሓ’ያ።
ጀስቲን ትሩዶ ኣብ 2015 ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኰይኑ ካብ ዝምረጽ፡ ቍጽሪ ዓመታዊ ብቀዋሚ ነባርነት ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ስደተኛታት ካብ 272 ሽሕ ናብ 485 ክብ ከምዘበሎ ዝዝከር’ዩ። እቲ ዝልዓለ ቍጽሪ ናብ ካናዳ ብመልክዕ ቀዋሚ ነባርነት ዝኣተዉ ስደተኛታት ድሕሪ ክስተት ለበዳ ኮሮናቫይረስ’ዩ ነይሩ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተርን መንግስቱን እኹል ኣባይትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ከየዳለዉ ቍጽሪ ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ስደተኛታት ክውስኽ ወሲኖም ተባሂሎም ብተሪር ክንቀፉ ጸኒሖም’ዮም።
ብዙሓት ካብ ኤርትራ ብዝተፈላለየ ምኽንያትን መገድን ወጺኦም ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ምስ በጽሑ በቲ ብ'ግሩፕ-5' ዝፍለጥ መስርሕ ይዅን ካልእ መገዲ ናብ ካናዳ ብብዝሒ ክኣትዉ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ።
ናብታ ሃገር ምስ ኣተው፡ ሕጋዊ ውሕስነት፡ ጥዕናን ትምህርትን ዘጠቓልል ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ብምሃብ ምስቲ ሕብረተሰብ ተወሃሂዶም ንኽነብሩ ደገፋት ስልጠና ቋንቋን መነባብሮ ከምዝረኽቡ ዝንገር እኳ እንተዀነ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ግን እዚ ኣገልግሎታትን ረብሓታትን ከምዝነከየ እዮም እቶም ስደተኛታት ክገልጹ ጸኒሖም።
ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቍጠባዊ ምንቍልቋል ብዙሓት ሰባት ካብ ስራሕ ወጻኢ ይዀኑን ብስእነት ስራሕ ይሳቐዩ ምህላዎምን ቢቢሲ ትግርኛ ዘዘራረቦም ስደተኛታት ሓቢሮም ምንባሮም ይዝከር።
ካብ 1977 ጀሚሩ ንጉዳይ ናብ ካናዳ ዝኣተዉ ስደተኛታት ኣብ ዝምልከት ጉዳያት መጽናዕቲ ከካይድ ዝጸንሐ ‘ኢንቪሮኒክ’ ዝተበሃለ ኢንስቲትዩት፡ ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ኣብ ዝዘርግሖ ውጽኢት ናይ ዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ኣብዚ እዋን 58 ሚእታዊት ካብ ብዝሒ ህዝቢ ካናዳ ቁጽሪ ናብ ካናዳ ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛታት ኣዝዩ ይበዝሕ ኣሎ ዝብል ስምዒት ከምዘለዎም ይሕብር።
ብኻልእ ወገን ‘ሚግራንትስ ራይትስ ኔትዎርክ’ ዝተበሃለ ተጣባቒ ጕጅለ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ጀስቲን ኣብ ዝልኣኾ ክፉት ደብዳበ፡ ነቲ ኣብ ካናዳ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ምስ ጉዳይ ስደተኛታት ምትእስሳሩ ዘይፍትሓዊ ከምዝዀነ ገሊጹ።
‘ሚግራንትስ ራይትስ ኔትዎርክ’ “ስደተኛታት ጠንቂ ናይቲ ኣብ ካናዳ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ኣባይቲ፡ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ዘይእኹል ማእከላት ጥዕናን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ኣይኰኑን” ድሕሪ ምባል፡ “ቀንዲ ጠንቂ ናይዚ ዅሉ ሕንፍሽፍሽ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ፖሊሲታት መንግስትን ንህዝባዊ ኣገልግሎታት ናብ ውልቀ ጽላት ምስግጋሮምን ውሑድ ድጐማን’ዩ” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







