ካናዳ ኣቋሪጻቶ ዝነበረት ምወላ ተፈናቐልቲ ፍልስጤም ክትጅምሮ ወሲና

ካናዳ ንፍልስጤማውያን እትልእኾ ሓገዝ ዳግማይ ክትጅምር'ያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካናዳ፡ ገለ ሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዝተሳተፉ ብምርመራ ምርግጋጹ ስዒቡ፡ ካናዳ ዘቋረጸቶ ብሕቡራት ሃገራት ንፍልስጤማውያን ስደተኛታት ዝውዕል ሓገዝ መሊሳ ክትቅጽሎ ምዃና ኣፍሊጣ።

እስራኤል ብሰራሕተኛታት ትካል ስደተኛታት ፍልስጤም ዝተፈጸመ ዓመጽ ዘርኢ መርትዖታት ድሕሪ ምቕራባ፡ ካናዳ ሓንቲ ካብተን ሓገዝ ደው ዘበላ 16 ሃገራት እያ ነይራ።

እቲ ናይ ካናዳ መግለጺ፡ ምወላ ዳግማይ ክጅምር ምዃኑን፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣባላት ሰራሕተኛታት ዝግበር መርመራታት ክቕጽል ምዃኑን ገሊጹ።

ካናዳ ኣብ ባጀት እቲ ትካል ስደተኛታት መበል 11 ዝዓበየ ኣበርክቶ ዝገበረት ሃገር ምዃና መረዳእታ 2022 ይሕብር።

ሚኒስተር ኣህጉራዊ ልምዓት ካናዳ ኣሕመድ ሑሰን ትማሊ ዓርቢ እቲ ካናዳ እትህቦ ሓገዝ ገንዘብ ክተቐጽሎ ምዃና ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ "ነቲ ዝካየድ ዘሎ ድልዱል መስርሕ መርመራ ኣፍልጦ ብምሃብ" ከምዝተወሰደ ገሊጹ።

ወሲኹ ድማ እቲ ተቛሪጹ ዝነበረ ግዝያዊ ዕረፍቲ ወፈያታት ይለዓል ስለዘሎ ፍልስጤማውያን ዘድልዮም ሓገዛት ንምምላስ ዝያዳ ክስራሕ ይከኣል’ዩ" ኢሉ።

ብተወሳኺ ሓይልታት ካናዳ ናብ ዮርዳኖስ ኣስታት 300 ናይ ጽዕነት ፓራሹት ከምዘወፍዩን ኣብ ጋዛ ብነፈርቲ ኣብ ዝካየድ ረድኤት ሓጋዛይ ከምዝኸውን ተገሊጹ።

መንግስቲ ካናዳ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ "እቲ ካናዳ ክትገብሮ ዝሓሰበቶ ኣበርክቶ ክቕጽል ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ እዚ ድማ ነዚ ኣገዳሲ ትካል ንከይፈርስ ክሕግዝ'ዩ" ኢሉ።

ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ክሲ ውሽጣዊ መርመራ የካይድ ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፈረንሳ ነበር ካትሪን ኮሎና እውን ናጻ ዳህሳስ ትመርሕ ኣላ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ኣመሪካን ካልኦትን ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ስርሑ ክጅምር ዝኽእል ሓገዝ ንምብጻሕ ናብ ጋዛ ዝወስድ መስመር ባሕሪ ክኸፍቱ መደብ ከምዘለዎም ትማሊ ዓርቢ ኣፍሊጦም።

ትካል ረድኤትን ስራሕን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጋዛ ዝንቀሳቐስ ዝዓበየ ትካል ሕቡራት ሃገራት እዩ። ኣብ ጋዛ፡ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ፡ ዮርዳኖስ፡ ሊባኖስን ሶርያን ንዝርከቡ ፍልስጤማውያን ክንክን ጥዕና፡ ትምህርትን ካልእ ሰብኣዊ ሓገዛትን ይህብ። ኣብ ውሽጢ ጋዛ ኣስታት 13 ሽሕ ሰባት ቆጺሩ ዘስርሕ’ዩ።