ኣመሪካ፡ ኣብ ቓዛ ብጥምየት ንዝሳቐዩ ዘለው ሰባት ተወሳኺ ሓገዝ ክኣቱ ኣተሓሳሲባ

ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE/REX/SHUTTERSTOCK
ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ ካማላ ሃሪስ፡ ኣብ ቓዛ ሰባት “ብጥሜት ይሳቐዩ ኣለዉ” ብምባል እስራኤል ናብ ቓዛ ዝግበር “ዋሕዚ ሓገዝ ክትውስኽ” ኣተሓሳሲባ።
“ብውሑዱ ንዝቕጽሉ ሽዱሽተ ሰሙናት ቅልጡፍ ተዅሲ ደው ምባል ክህሉ ኣለዎ” ዝበለት ኰይና እዚ ድማ “ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ [እስራኤላውያን] ነፃ ከውጽኦም” ከም ዝኽእል ተዛሪባ።
ቅድሚ ሕጂ እስራኤል፡ ሓማስ ዝርዝር ብህይወት ዘለው ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባት ኣይሃበን ብዝብል ኣብቲ ኣብ ግብጺ ዝካየድ ዝነበረ ዝርርብ ኣይተሳተፈትን።
ሓማስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ቦምባ እስራኤል ከምኡ ክገብር ከም ዘይከኣለ ሓቢሩ።
“ብዕሊ መን ብህይወት ከም ዘሎ ምፍላጥ ኣይከኣልን” ይብል ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሓማስ ዶ/ር ባሴም ናይም።
ጕጅለ ልኡኽ ሓማስ ንመንጐኛታት ኣመሪካን ቐጠርን ኣብቲ ኣብ ካይሮ ዝካየድ ዘሎ ዘተ ይሳተፉ ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ድሕሪ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ፍልስጤም እትርከብ ከተማ ንረድኤት ዝመጽኡ ሰባት --ብውሑዱ 112 ሰባት ድሕሪ ምማቶም፡ ኣብቲ ዞባ ምቍራጽ ተጻብኦታት ክግበር ልዑል ጸቕጢ ይቐርብ ኣሎ።
ምኽትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ፡ “ኣብ ቓዛ መዓልታዊ እንርእዮ ዘለና ነገር ኣዕናዊ እዩ። ስድራቤታት ቈጽሊ ወይ ቀለብ እንስሳታት ከም ዝበልዑ፣ ሕጽረት መግቢ ዘለዎም ቈልዑ ዝወልዳ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ውሑድ ወይ ዋላ ሓንቲ ሕክምናዊ ክንክን ከም ዘይረኽባ፣ ህጻናት ብሕጽረት መግብን ማይን ይሞቱ ከም ዘለው ንሰምዕ ኣለና። ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝበልክዎ፡ ኣዝዮም ብዙሓት ንጹሃት ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም እዮም” ክትብል ተዛሪባ።
ካማላ፡ “ናይ ሓባር ሰብኣውነትና ክንዋሳእ የገድደና’ዩ” ክትብል እንከላ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን "ንዝተጸገሙ ንጹሃት ፍልስጤማውያን ብህጹጽ ዝያዳ ህይወት ዘድሕን ሓገዝ ክረኽቡ” ንምግባር ዝኣተዎ ቃል ደጊማ ኣረጋጊጻ።
ሃሪስ ሎሚ ኣብ ዋሽንግተን ምስ ኣባል ካቢነ ሚኒስተራት ኲናት እስራኤል በኒ ጋንትዝ ክትዘራረብ ኰይና፡ ብዛዕባ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲን ምውሳኽ ናብ ቓዛ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝን ክዛተዩ ትጽቢት ይግበር።
“ዝቐረበ ስምምዕ ኣሎ፤ ከምቲ ዝበልናዮ ድማ ሓማስ በቲ ውዕል ክሰማማዕ ኣለዎ፤ ተዅሲ ደው ይበል። ነቶም ጅሆ ዝተታሕዙ ምስ ስድራቤቶም ነራኽቦም፤ ንህዝቢ ቓዛ ድማ ቅልጡፍ ረድኤት ንሃብ” ኢላ።
ብተወሳኺ "መንግስቲ እስራኤል ዋሕዚ ሓገዝ ዝያዳ ክውስኽ ክገብር ኣለዎ። ዝዀነ መመኽነይታ ክቐርብ የብሉን” ክትብል ብትሪ ኣዘኻኺራ።
ሰራዊት እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ፡ ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለው ካልኦት 253 ድማ ጅሆ ሒዙ ብምውሳዱ እስራኤል፡ ብኣጋርን ነፈርትን ዝተሓገዘ ሓማስ ናይ ምጥፋእ ናይ ሓነ-ምፍዳይ ወፍሪ ከም ዝጀመረት ይፍለጥ።
ብሓማስ ዝመሓደር ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ፡ ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ 21 ሽሕ ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ብውሕዱ 30,410 ሰባት ከም ዝተቐትሉን፡ ኣስታት 7 ሽሕ ከም ዝጠፍኡን 71,700 ከም ዝቘሰሉን ገሊጹ።
ኣባል ፖለቲካዊ ቢሮ ሓማስ ዶ/ር ባሴም ናይም ንቢቢሲ ኒውስ ሃወር ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እቲ ጕጅለ ንእስራኤል ምሉእ ዝርዝር ናይቶም ብህይወት ዝተረፉ ጅሆታት ከቕርብ ከም ዘይከኣለ ገሊጹ።
“ብግብሪ ብሰንኪ ደብዳብን ዕጽዋን እስራኤል፡ መን ብህይወት ከም ዘሎ ምፍላጥ ኣይከኣልን። ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ምስ ዝተፈላለየ ጕጅለታት እዮም ዘለዉ። እቲ መረዳእታ ንምእካብ ተዅሲ ደው ምባል ሓቲትና ኣለና። ዝዀነ ቅድመ ኵነት ኣይንቕበልን ኢሉ”
ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ምዕራባውያን መሻርኽተንን ነቲ ብኢራን ዝድገፍ ሓማስ ከም ግብረ-ሽበራዊ ጕጅለ እየን በይነናኦ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







