ሑቲ ካብ ዘጥቅዑወን መራኽብ ንፈለማ ግዜ ሓንቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ጥሒላ

ምንጪ ስእሊ, EPA-EEE/REX/SHUTTERSTOCK
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝተመዝገበት ናይ ጽዕነት መርከብ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ብሑቲ መጥቃዕቲ ምስ ወረዳ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ጥሒላ።
መንግስቲ የመን፡ ሩቢማር ቅድሚ ምጥሓላ ንመዓልታት ትንሳፈፍን ማይ ተእቱን ከምዝነበረት ገሊጹ።
ኣብ የመን ብኢራን ዝድገፉ ዕጡቓት፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝርከባ መራኽብ ዒላማ ክገብሩ ካብ ዝጅምሩ ንፈለማ እዋን ዝጠሓለት መርከብ እያ።
እታ መርከብ ዘመናዊ ድኹዒ ሒዛ ከምዝነበረትን፡ ናታ ምጥሓል "ንከባብያዊ ጥዕና” ሓደጋ ከምዘስዕብ ክኢላታት ይገልጹ።
ሩቢማር ኣብ ወሽመጥ ዓደን ኣብ ጥቓ ወሽመጥ ባብ ኤል-መንደብ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣብ የመን ዝመደበሮም ዕጡቓት ሑቲ ብዝተተኮሰ ክልተ ሚሳይላት ተሃሪማ።
ቅድሚ ዓሰርተ መዓልቲ መንግስቲ እንግሊዝ እታ መርከብ ማይ ከተእቱ ከምዝጸንሐትን ኵሎም እቶም 24 ሰራሕተኛታታ ከምዝደሓኑን ገሊጹ ነይሩ።
ቢቢሲ ብ21 ለካቲት ዝረኸቦ ምስሊ፡ እታ መርከብ ብዳሕረዋይ ክፋላ ናብ ውሽጢ ማይ ክትጥሕል ከምዝጀመረት፡ ግን ከኣ ገና ተንሳፊፋ ከም ዝነበረት ዘርኢ እዩ።
ወነንቲ እታ መርከብ፡ ናብ ኣብ ጥቓኣ ዝርከብ ጅቡቲ ትስሓብ እኳ እንተነበረት፡ ገና ግን ክትጥሕል ከምእትኽእል ገሊጾም ነይሮም።
ኣብታ መርከብ ዝዀነ ሰብ ከምዘየለ ከረጋግጽ ከምዘይከኣለ ገሊጹ።
172 ሜትሮ ዝንውሓታ ሩቢማር ኣብ ቤሊዝ ባንዴራ እተንበልብል ዝነበረት ኰይና፡ ብሊባኖሳዊ ትካል ትመሓደር ነይራ።
ዋናኣ ጎልደን ኣድቨንቸር ሺፒን ኰይኑ፡ ኣድራሻኡ ኣብ ወደብ ሳውዝሃምፕተን ብሪጣንያ እዩ።
እታ መርከብ ጽዕነት ኣሞንየም ናይትሬት ዘመናዊ ድኹዒ ጽዒና ከምዝነበረት ይእመን።
ቀዳማይ ሚኒስተር መንግስቲ የመን ኣሕመድ ዓዋድ ቢን ሙባረክ፡ ምጥሓል እታ መርከብ "ተራእዩ ዘይፈልጥ ከባቢያዊ ሓደጋ" ከስዕብ ከምዝኽእል ስግኣቱ ገሊፁ።
ግሪንፒስ፡ ምፍሳስ ኣሞንየም ናይትሬት "ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ስነ-ህይወት ባሕሪ ርኡይ ጽልዋ ከሕድር ከምዝኽእል" ኣጠንቂቑ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮርዳኖስ ክፍሊ ሳይንስ ባሕሪ፡ ብዙሕ ድኹዒ ናብ ባሕሪ ምፍናው፡ ካብ መጠን ንላዕሊ ዕብየት ኣልጌ ከነቓቕሕ ከም ዝኽእልን፤ ኣዝዩ ብዙሕ ኦክስጅን ስለዝጥቀም፡ ስሩዕ ህይወት ባሕሪ ብህይወት ከም ዘይነብርን ገሊጹ።
ሓላፊ እቲ ክፍሊ ዓሊ ኣል-ሳዋልሚህ፡ ‘ጽሬት ንምክያድ’ ህጹጽ ውጥን ከምዘድሊ ገሊጹ።
ሓደ መራሒ ሑቲ መሓመድ ዓሊ ኣል-ሑቲ ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሪሺ ሱናክን መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያን "ናይ ረድኤት መካይን ናብ ቓዛ ብምፍቃድ ንሩቢማር ናይ ምድሓን ዕድል ነይሩዎም" ኢሉ።
ዕጡቓት ሑቲ ካብ ሕዳር ጀሚሮም ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ኣብ ልዕሊ ምስ እስራኤል ዝተኣሳሰራ መራኽብ መጥቃዕቲ ከካይዱ ጸኒሖም እዮም።
እዚ ተግባራት ንፍልስጤማውያን ኣብ ቓዛ ደገፎም ንምግላጽ ምዃኑ ይገልጹ።
ብቀዳም፡ ኣካል ንግዲ ባሕሪ ዓባይ ብሪጣንያ ዩኬኤምቲኦ፡ ካብ ወደብ ሞካ ንምዕራብ የመን መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ዝሕብር ጸብጻብ ከምዝበጽሖ ገሊጹ።
ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ግብረ መልሲ ናይዚ ድማ ኣብ ውሽጢ የመን ኣብ ዝርከቡ ዒላማታት ሑቲ
ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ኣካይደን እየን።
ወተሃደራዊ እዚ ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ካብ የመን ሑቲ ካብ ምድሪ ናብ ኣየር ዝውንጨፍ
ሚሳይል “ርእሰ ምክልኻል መጥቃዕቲ” ከምዘካየደ ገሊጹ።
እቲ ትእዛዝ፡ እቲ ሚሳይል ኣብ ልዕሊ ነፈርቲ ኣመሪካ 'ርኡይ' ስግኣት ከምዘስዓበ ሓቢሩ።
እቶም ዕጡቓት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ንግዲ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ፡ ብዙሓት ኩባንያታት
መራኽብ ነቲ ኣስታት 12 ሚእታዊት ካብ ዓለማዊ ብባሕሪ ዝመሓላለፈሉ መስመር ማይ ምጥቃም ደው ከብላ
ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።
ብኣመሪካ ዝምራሕ ጥምረት ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ሑቲ ልዕሊ ሓደ ወርሒ መጥቃዕቲ ኣየር እኳ
እንተገበረ፡ እቶም ዕጡቓት ግን ተሪር መጥቃዕቲ የካይዱ ኣለዉ።
እስራኤል ኣብ ወሽመጥ ቓዛ እትገብሮ ዘላ ወተሃደራዊ ወፍሪ ክሳብ እተቋርጽ፡ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ
ንዝርከባ መራኽብ ዒላማ ምግባር ክቕጽሉ ምዃኖም ይገልጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







