ቀይሕ ባሕሪ፡ ሑቲ መርከብ ብሪጣንያ ኣዕንዮም

ባንዴራ ግሪኽ ዘለዋ ናይ ጽዕነት መርከብ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

ዋንነት ብሪጣንያ ዝዀነት መርከብ ጽዕነት፡ ብዕጡቓት ሑቲ የመን ብኽልተ ሚሳይላት ድሕሪ ምውቃዓ፡ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ከም ዝዓነወት ሰራዊት ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

እታ መርከብ ድሕሪ እቲ ብሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ወደባዊት ከተማ ዓደን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ጕዕዞኣ ትቕጽል ኣላ።

እቲ ሚሳይላት ኣብታ መርከብ ባርዕ ከምዘስዓበ ሰብመዚ ባሕሪ ብሪጣንያ ገሊጾም ነይሮም።

እታ ኣይስላንደር ዝተሰምየት መርከብ ዒላማ ከምዝተገበረት ዘረጋገጸ ወሃቢ ቃል ሑቲ፡ ኣብ ልዕሊ መርከብ ውግእ ኣመሪካ እውን ድሮናት ከምዝውንጨፉ ገሊጹ።

ሰራዊት ኣሜሪካ፡ "እቶም ሚሳይላት፡ ነታ ባንዴራ ፓላው ዝሰቐለት፡ ዋንነት ብሪጣንያ ዝዀነት መርከብ ኣይላንደር ዒላማ ብምግባር ቀሊል መጉዳእትን ዕንወትን ኣስዒቦም፤ እታ መርከብ ግን ጉዕዞኣ ትቕጽል ኣላ፡" ኢሉ።

ትካል ንጥፈታት ንግዲ ባሕሪ ብሪጣንያ (UKMTO) ኣቐዲሙ፡ ክልተ ሚሳይላት ንሓንቲ ካብ ዓደን ንደቡባዊ ምብራቕ ኣስታት 130 ኪ.ሜ ርሒቓ ንዝነበረት - ስማ ዘይጠቐሳ - መርከብ ከም ዘቃጸላ ብምግላጽ፡ እታ መርከብን ሰራሕተኛታትን ግን ውሑሳት ኮይኖም ኣብ ቀረባ ናብ ዝርከብ ወደብ ጕዕዞኦም ይቕጽሉ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እቶም ንመብዛሕትኡ ሰሜናዊ ምዕራብ የመን ዝቈጻጸሩ፡ ሓያል ደገፍ ኢራን ዘለዎምን ዕጡቓት ሑቲ፡ ካብ ሕዳር ጀሚሮም ነቲ መስመር ባሕሪ ንዝጥቀማ መራኽብ ንግዲ ከጥቅዑ ጸኒሖም እዮም።

እዚ መጥቃዕቲ ግብረመልሲ ናይቲ ኣብ ቓዛ ብእስራኤል ዝካየድ ዘሎ መጥቃዕቲታት ኰይኑ ንፍልስጤማውያን ዘለዎም ደገፍ ንምግላጽ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ምስ እስራኤል፡ ኣመሪካ ወይ ብሪጣንያ ምትእስሳር ንዘለወን መራኽብ ዒላማ ከምዝገብሩ እዮም ዝገልጹ።

መራኽብ ውግእ ኣሜሪካን ብሪጣንያን ነዚ ኣገዳሲ ንግዳዊ መስመር መራኽብ ቀይሕ ባሕሪ ውሑስ ንምግባር ዓለምለኻዊ ሓይሊ ዕማም ኣቚመን ኣለዋ።

እዚ ልፍንታዊ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ካብ መፋርቕ ጥሪ ኣትሒዙ፡ ኣብ የመን ንዝርከቡ ወተሃደራዊ ዒላማታት ሑቲ ከጥቅዕ’ኳ እንተጸንሐ፡ ሑቲ ግን ክሳብ ሕጂ ኣይተዓግተን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ማእከላይ እዚ ሰራዊት ኣመሪካ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሓይልታት ጥምረት ብመራኽብን ነፈርቲ ኲናትን ብዘካየዶ መጥቃዕቲ ንሽዱሽተ ሓደ ኣንፈት መጥቃዕቲ ዝፍጽማ ድሮናት ሑቲ (UAVs) ከምዘውደቐ ሓቢሩ።

ብመሰረት ትካል ጸጥታ ባሕሪ ኣምብረይ፡ እታ መርከብ "ሶርያውያን ሰራሕተኛታት" ከምዝዀኑ ብምግላጽ፡ታይላንድ ናብ ኣንፈት ቀይሕ ባሕሪ ትጓዓዝ ዝነበረት ትመስል።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ "ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ዝተለለየ ናብ እስራኤል ገጹ ዘቕንዐ ሚሳይላት" ብስርዓተ ምክልኻል ኣየር ብዓወት ከምዘምከነ ሰራዊት እስራኤል ገሊጹ ነይሩ።

ድሒሩ’ውን ወሃቢ ቃል ሑቲ ኣብቲ፡ “ዝተጐበጠ ደቡባዊ ፍልስጤም" ዝበሎ ዝተፈላለየ ዒላማታት፡ ሚሳይላትን ድሮናትን ከምዝውንጨፉ ኣረጋጊጹ።

መራሒ ሑቲ ዓብዱልማሊክ ኣል-ሑቲ ብሓሙስ ድሕሪ ቀትሪ ብተለቪዥን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ዛጊት 48 መራኽብ ዒላማ ከምዝተገብራን፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ 13 ስርሒታት ከምዝተኻየደን ብምግላጽ፡ ኣመሪካን ብሪጣንያን "ፈሺለን" እየን ኢሉ።

ዓብዱልማሊክ፡ "ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ መጻብቦ ባብ ኤል-መንዳብን ወሽመጥ ዓደንን ዝካየድ ዘሎ ስርሒታት፡ ብኣድማዕነት እናተጋደደን ክቕጽል እዩ" ክብል ኣስሚዑ።

"ንጸላኢ ዘሻቕል" ክብል ዝገለጾ፡ ዕጡቓት ሑቲ "ኣጽዋር ሳብማሪን" ከምዘተኣታተዉ ኣፍሊጡ።

ብብሪጣንያ ዝተመዝገበት መርከብ ጽዕነት ‘ሩቢማር’፡ ብሰኑይ ኣብ መጻብቦ ባብ ኤል-መንዳብ ብሚሳይል ሑቲ ተሃሪማ ድሕሪ ክትቃጸል ድሕሪ ምጅማራ፡ ኣባላታ ክገድፍዋ ከምዝተገደዱን ኣካላታ ክትሕል ከምዝተራእየን ተገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ሑቲ ብተወሳኺ፡ ኣብ ወሽመጥ ዓደን ክልተ ብኣሜሪካ ዝውነና መራኽብ ጽዕነት፡ ብሰኑይ ከምዘጥቅዑ ገሊጾም። ሰራዊት ኣሜሪካ ክልተ ሚሳይላት ከምዝተተኮሰሉ፡ እቲ ሓደ ባንዴራ ግሪኽ ዝሰቐለት መርከብ ኰይኑ፡ እታ መርከብ ግን እኽሊ ረዲአት ንምብጻሕ ናብ ዓደን ጕዕዞኣ ከምዝቐጸለት ኣፍሊጡ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ነቲ መጥቃዕቲ "ብኣላማማ ዝግበር ዘይሓለፍነታዊ" ክብል ኮኒንዎ። እዚ ድማ ናብ የመን፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ኣገዳሲ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምብጻሕ ዕንቅፋት ዝፈጥር ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ኣሜሪካን መሻርኽታን "ግቡእ ስጉምቲ" ክወስዳ ምዃነን ድማ ገሊጹ።