ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ስግኣት ፈጢሮም ዘለዉ ሑቲ መን እዮም፡ ዕላማኦም ከ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰፊሕ ክፋል የመን ዝቈጻጸሩ ዘለዉ ዕጡቓት ሑቲ፡ ነተን ናብ እስራኤል ዘቕንዓ ብቀይሕ ባሕሪ ዝሓልፋ መራኽብ ዒላማ ከምዝገብሩ ኣጠንቂቘም።
ሓይልታት ሑቲ፡ ምስ እስራኤል ዋንነት ዘለዋ መርከብ ጽዕነት ኣብ ሕዳር ጨውዮም ምንባሮም ይዝከር። ብሓፈሻ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ፡ ንሓያሎ ንግዳዊ መራኽብ እውን ብሮኬታትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ኣጥቂዖም እዮም።
ሑቲ ንዒላማታት እስራኤል ብኸመይ የጥቅዑ ኣለዉ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ወፍሪ ሕነ ምፍዳይ እስራኤል ኣብ ቓዛ ብ19 ጥቅምቲ ድሕሪ ምጅማሩ፡ ሓይልታት ሑቲ ሓያሎ ሚሳይላትን ድሮናትን ናብ እስራኤል ተኲሶም።
ኣሜሪካ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘለዋኣ መራኽብ ውግእ ተጠቒማ ንገለ ካብዚ ሮኬታትን ድሮናትን ከምዘበርዓነትን፡ ገሊአን ድማ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወይ ኣብ መሬት ግብጺ ከምዝወደቓን ገሊጻ።
ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረት ናይ እስራኤል እያ ዝበልዋን መርከብ ጽዕነት ብምሓዝ፡ ናብ ገማግም ባሕሪ የመን ኣጸጊዖምዋ።
እስራኤል፡ እታ መርከብ ናታ ከምዘይኰነትን፡ ካብ ሰራሕተኛታታ’ውን ዝዀነ እስራኤላዊ ከምዘይነበረ’ኳ እንተገለጸት፡ ገለ ጸብጻባት ድሒሮም ከም ዝሓበርዎ ግን እታ መርከብ ብእስራኤላዊ ከም እትውነን የመልክቱ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሓይልታት ሑቲ፡ ካብ 3 ታሕሳስ ጀሚሩ ብመስመር ቀይሕ ባሕሪ ንዝሓልፋ ሓያሎ መራኽብ ንግዲ፡ ካብቲ ዝሓዝዎ ገማግም ባሕሪ የመን ብዝውንጨፍ ባሊስቲክ ሚሳይላትን ድሮናትን ኣጥቂዖም።
መራኽብ ውግእ ኣሜሪካ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ፈረንሳን ሓያለ ካብዞም ተተኰስቲ ኣበርዒነን’ኳ እንተነበራ፡ ብርክት ዝበላ መራኽብ ግን ተሃሪመን እየን።
ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ትካል መራኽብ ዝዀነ ኩባንያ ሜዲተራንያን፡ መራኽቡ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ከምዘርሓቐ ገሊጹ። ብዘይካ’ዚ፡ ፈረንሳዊ ኩባንያ ሲኤምኤ ሲጂኤም፡ ደኒማርካዊ ትካል መርስክ፡ ጀርመናዊ ትካል ሃፓግ-ሎይድን ኩባንያ ነዳዲ ቢፒን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ወሲደን ኣለዋ።
ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ወተሃደራዊ ስርሒታት ኣመሪካ ዝከታተል ማእከል እዚ ኣመሪካ ‘ሰንትኮም’፡ “እዚ መጥቃዕትታት፡ ሑቲ የመን ምሉእ ብምሉእ ብኢራን ዝተደገፈ እዩ” ኢሉ።
ነዚ ምኽንያት ብምግባር፡ ኣሜሪካ፡ መራኽብ ንግዲ ካብ ተወሳኺ መጥቃዕቲ ሑቲ ንምክልኻል ሓባራዊ ሓይሊ ዕማም ሓይሊ ባሕሪ ክቐውም ኣሚማ ኣላ።
ዕጡቓት ሑቲ መን እዮም ዕላማኦምከ እንታይ እዩ?
ዕጡቓት ሑቲ፡ ካብቶም ኣብ የመን ዝርከቡ፡ ‘ዛይዲን’ ዝበሃሉ ውሑዳን ተኸተልቲ ሺዓ ኣስላም እዮም።
እቲ ጕጅለ፡ ነቲ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ‘ዘስፋሕፍሐ ብልሽውና ንምምካት’ ብዝብል ኣብ 1990ታት ዝተመስረተ እዩ።
ስም እቲ ምንቅስቓስ፡ ካብ መስራቲኡ ሑሴን ኣል ሑቲ ዝተወስደ ኰይኑ፤ እቲ ጕጅለ ንገዛእ ርእሱ ‘ኣንሳር ኣላህ’ ወይ መሻርኽቲ ኣላህ ኢሉ የቐምጥ።
ኣሜሪካ እትመርሖ ወራር ዒራቕ ኣብ 2003 ድሕሪ ምጅማሩ፡ ምንቅስቓስ ሑቲ፡ “ኣምላኽ ዓቢ እዩ! ሞት ንኣሜሪካ! ሞት ንእስራኤል! መርገም ንኣይሁድ! ዓወት ንእስልምና!" ዝብል ጭርሖ ኣልዒሎም።
ሑቲ፡ ምስ ሓማስን ሕዝቡላህን ኣካል ናይቲ ብኢራን ዝምራሕ ኪዳን ኣንጻር እስራኤል፡ ኣሜሪካን ምዕራባውያን ብሓፈሻ ምዃኑ ኣዊጁ እዩ።
እዚ ድማ ቀንዲ መበገሲ ናይቲ ኣብዚ እዋን ሑቲ ኣንጻር እተን ናብ እስራኤል ዝኸዳ መራኽብ ዘካይዶ ዘሎ መጥቃዕቲ ምዃኑ፡ ሕሻም ኣል-ዑመይሲ ተንታኒ ጉዳያት የመን ኣብ ትካል ሰላም ኣውሮጳ።
"ሕጂ ብርግጽ ኣንጻር ሃጸያውያን እዮም ዝቃለሱ ዘለዉ፤ ኣንጻር እቶም ጸላእቲ ህዝቢ እስልም እዮም ዝቃለሱ ዘለዉ" ይብል፡ "እዚ ድማ መበገሲ ዕላማታቶም እዩ ይብል።"

ምንጪ ስእሊ, BBC
ሑቲ ብኸመይ ሰፊሕ ክፋል የመን ተቘጻጺሩ?
ሑቲ ኣብ የመን ኣብ መጀመርታ 2014፡ ኣንጻር’ቲ ድሕሪ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ ስልጣን ዝሓዘ፡ ዓብዱረቦ መንሱር ሃዲ፡ ድሕሪ ምልዓሎም እዮም ፖለቲካዊ ሓይሊ ተጐናጺፎም።
ምስቲ ቀደም ጸላኢኦም ዝነበረ ዓብደላ ሳልሕ፡ ናብ ስልጣን ንኽመልስዎ ዕላማ ብምግባር ኣብ ስምምዕ በጺሖም።
ኣብ ሰሜን እታ ሃገር ንእትርከብ ኣውራጃ ሳዓዳ ድሕሪ ምቍጽጻር ድማ፡ ኣብ ፈለማ 2015 ንርእሰ ከተማ ሰንዓ ብምሓዝ ፕረዚደንት ዓብዱረቦ ሃዲ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክሃድም ኣገዲዶም።
![ዓብዱረቦ መንሱር ሃዲ [ጸ] ብምዕላው ነቲ ቀደም ጸላኢኦም ዝነበረ ዓብደላ ሳልሕ [የ]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/640/cpsprodpb/03c4/live/062fee60-9e79-11ee-8df3-1d2983d8814f.jpg.webp)
ምንጪ ስእሊ, AFP
ብድሕሪ’ዚ፡ ጐረቤት የመን ዝዀነት ስዑዲ ዓረብ ወተሃደራዊ ጣልቃ ብምግባር ንሑቲ ካብ ስልጣን ንምግላፍን ፕረዚደንት ዓብዱረቦ ናብ ስልጣን ንምምላስ ተንቀሳቒሳ፤ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ባሕሬንን ድማ ተጸንቢረናኣ።
ሑቲ፡ ነቲ ዝወረዶም መጥቃዕቲታት ብምምካት፡ ሰፊሕ ክፋል የመን ተቘጻጺሮም።
እቲ መሻርኽቶም ክኸውን ዝተሰማምዐ ፕረዚደንት ነበር ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ፡ ኣብ 2017 ምስ ስዑዳውያን ክጽንበር ኣሰላልፋኡ ክቕይር ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ድማ ቀቲሎምዎ።
ሑቲ መን ይድግፎም?
ዕጡቓት ሑቲ፡ ንገዛእ ርእሱ ሞዴል ሊባኖሳዊ ዕጡቕ ሓይሊ ሺዓ ዝዀነ ሕዝቡላህ ከም ዝወሰደ ገይሩ ይርእያ።
ሕዝቦላህ፡ ካብ 2014 ኣትሒዙ ገዚፍ ወተሃደራዊ ክእለትን ስልጠናን ክህቦም ከምዝጸንሐ ኣሜሪካዊ ትካል መጽናዕቲ - ማእከል ጸረ-ሽበራ ይሕብር።
ሑቲ ንኢራን ከም በዓልቲ ኪዳኖም ይቘጽርዋ፤ ስዑዲ ዓረብ ናይ ሓባር ጸላኢቶም ድማ እያ።
ኢራን ንሑቲ ኣጽዋር ከም እትህብ ይጥርጠር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሜሪካን ስዑዲ ዓረብን፡ እቲ ኣብ 2017 ናብ ርእሰ ከተማ ስዑዲ ዓረብ ሪያድ ብሑቲ ዝተተኰሰ ግን ከኣ ከምዝወድቕ ዝተገብረ ባሊስቲክ ሚሳይላት ካብ ኢራን ከም ዝረኸብዎ እየን ዝገልጻ።
ስዑዲ ዓረብ፡ ነቲ ዕጡቓት ሑቲ ኣብ 2019 ንትካላት ነዳዲ ስዑዲ ዓረብ ንምጥቃዕ ዝተተቕሙሉ ክሩዝ ሚሳይላትን ድሮናትን ኢራን ዘዕጠቐቶም እዩ ብምባል ትከስስ።
እዞም ዕጡቓት፡ ኣሽሓት ሚሳይላት ሓጺር ርሕቀት ናብ ስዑዲ ዓረብ ተኲሶም እዮም፤ ኣብ ኢማራት ዓረብ ንዝርከቡ ዒላማታት’ውን ኣጥቂዖም እዮም።
እዚ ኣጽዋር ምቕራብ ንእገዳ ኣጽዋር ሕቡራት ሃገራት ዝጥሕስ ምዃኑ እዩ ዝግለጽ፤ እንተዀነ ኢራን እዚ ተግባር ምስግጋር ኣጽዋር ከምዘይወዓለቶ እያ ትነጽግ።
ሑቲ ማዕረ ክንደይ ሓይሊ ኣለዎም፡ ምቍጽጻሮም ንየመን ከ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ዓብዱረቦ መንሱር ሃዲ ኣብ ሚያዝያ 2022 ስልጣኑ ድሕሪ ምስግጋሩ፡ ፕረዚደንትነት ቤት ምኽሪ ኣመራርሓ ወግዓዊ መንግስቲ ኰይኑ መደበሩ ኣብ ስዑዲ ዓረብ እዩ።
እንተዀነ መብዛሕትኡ ህዝቢ የመን ኣብ ትሕቲ’ቲ ሑቲ ዝቈጻጸሮ ከባቢታት ዝነብር ኰይኑ፡ እቲ ሓይሊ ግብሪ ብምእካብ ኣታዊ ይረክብ፤ ገንዘብ እውን ይሕትም እዩ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፡ ንሓደ ክኢላ ምንቅስቓስ ሑቲ ዝዀነ ኣሕመድ ኣልባህሪ ብምጥቃስ፡ ሑቲ፡ ክሳብ 2010 ካብ 100 ሽሕ ክሳብ 120 ሽሕ ደገፍቲ ከምዝነበርዎን፤ እዚኦም ድማ ዕጡቓት ሰራዊትን ዘይተዓጠቑ ደገፍትን ምዃኖም የመልክት።
ብተወሳኺ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 2020 ብ ሑቲ ዝተመልመሉ ኣስታት 1500 ህጻናት ኣብ ውግእ ከምዝሞቱ፤ ኣብ ዝቐጸለ ዓመት እውን ካልኦት ኣማኢት ህጻናት ከምዝሞቱ ገሊጹ።
ዕጡቓት ሑቲ፡ ሰፊሕ ክፋል ገማግም ባሕሪ ቀይሕ ባሕሪ ይቈጻጸሩ ኣለዉ፤ ካብኡ ድማ እዮም ኣብ ልዕሊ መራኽብ መጥቃዕቶም የካይዱ ኣለዉ።
ኣልዑመይሲ፡ እዚ መጥቃዕትታት ነቲ ኣብዚ እዋን ምስ ስዑዲ ዓረብ ዝገብርዎ ዘለዉ ዝርርብ ሰላም ከም ዝሕግዞም ይገልጽ።
"ብርግጽ ንመጻብቦ ባብ ኤልመንደብ ክዓጽውዎ ከምዝኽእሉ ብምርኣይ፡ ኣብ ልዕሊ ስዑዳውያን ዝያዳ ጸቕጢ ብምፍጣር ሕድገታት ክግበር ይጽውዑ ኣለዉ" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







