ሂላሪ ክሊንተን ናብ ኣባላት ባይቶ ቀሪባ ብዛዕባ ኤፕስተይን እንታይ ኢላ?

ምንጪ ስእሊ, REUTERS/Shannon Stapleton TPX IMAGES OF THE DAY
ሂላሪ ክሊንተን ብኣባላት ባይቶ ንዝቘመት መርመሪት ጕጅለ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ ብዛዕባ ገበናት ጀፍሪ ኤፕስተይን "እንዶ ከም ዘይነበራ" ሓቢራ።
ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ንፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ'ውን ብዛዕባ ምስ ኤፕስተይን ዝነበሮ ሕሉፍ ርክብ ክሓቱዎ ኣተሓሳሲባ።
እዛ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነበር፡ ድሕሪ'ቲ ንጉዳያት ኤፕስተይን ምስ ዝምርምር ሽማግለ ኮንግረስ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ንሰዓታት ዝተኻየደ ርክብ፡ "ሓቂ ወጺኣ ክርኢ እደሊ፡" ኢላ።
ብዓል-ቤታ ቢል ክሊንተን ንዓርቢ ምስክርነቱ ክህብ እዩ።
እዞም መጻምዲ ፈለማ ንጻውዒት እቲ ሽማግለ ኮንግረስ 'ፖለቲካዊ ድራኸ ኣለዎ' ብምባል ነጺጎሞ እኳ እንተ ነበሩ፡ ንሕቶ ኮንግረስ ምንጻግ 'ብንዕቐት' ከኽስስ ስለ ዝኽእል ኣብ መወዳእታኡ ምስክርነቶም ክህቡ ተሰማሚዖም።
ስድራቤት ክሊንተንን ትራምፕን ምስ ኤፕስተይን ዝተኣሳሰር በደል ከም ዘይፈጸሙ እዮም ዝምጕቱ።
ብተወሳኺ ኣቦ መንበር ጀምስ ኮመር ብዛዕባ እቲ መርመራ ኣገደስቲ ሕቶታት ብምሕታቱን ብዛዕባ እቲ ንሳ ክምርመሩ ኣለዎም እትብሎ ጉዳያት ምስምዑን ንኢዳ።
"ነዚ ኣድኒቐዮ። እቲ ሓቂ ወጺኡ ክርኢ እየ ዝደሊ፡" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ቃለመሕትት ነዊሕን ተደጋጋምን ምንባሩ ጠቒሳ።
ሂላሪ እቶም ሪፓብሊካውያን ኣባላት ሽማግለ ብዛዕባ ኤፕስተይን ወይ ናይ ገበን መሻርኽቱ ጊስላይን ማክስወል ንኻልኦት ሰባት'ውን ዘይምሕታቶም ከም ዝነቐፈቶም ሓቢራ።
ብዓል-ቤታ ክሊንተን፡ ብዛዕባ ገበናት ኤፕስተይን ኣፍልጦ ከም ዘይብሉን ርክቦም ቅድሚ ዕስራ ዓመታት ከም ዝተቛረጸን እዩ ገሊጹ።
ርክቦም ካብ ፕረዚደንትነት ምስ ኣልገሰ ኣብ ዝነጥፎም ዝነበረ ስርሓት ግብረሰናይ ከም ዝተፈጥረን ምስኡ ምርኻቡ ከም ዘጣዕሶን ገሊጹ።
ሂላሪ ክሊንተን ቅድሚ እቲ ናይ ሓሙስ ርክባ ምስ ኣባላት ኮንግረስ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘካፈለቶ ጽሑፍ፡ "ብዛዕባ ገበናዊ ንጥፈታቶም እንዶ ኣይነበረንን፡" ኢላ።
"ምስ ኤፕስተይን ተራኺብና ከም ንፈልጥ ዝዝክሮ የብለይን። ኣብ ነፋሪቱ ተሰቒለ ወይ ናብ ደሴቱ፡ ገዛኡ ኮነ ኣብያተ ጽሕፈቱ በጺሐ ኣይፈልጥን። ነዚ ዝውስኸሉ የብለይን።"
ቀጺላ፡ እቶም መርመሪት ሽማግለ ኮንግረስ እቲ ስሙ ኣብ ሰነዳት ኤፕስተይን ተረቚሑ ዘሎ ትራምፕ ብማሕላ ምስክርነቱ ንኽህብ ክጽውዕዎ ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲባ።
ኣስማት ስድራቤት ክሊንተን ኣብቲ ሰነዳት ብዙሕ ግዜ ይርአ። እንተዀነ፡ ኣብቲ ብሚልዮናት ዝቝጸር ሰነዳት ኣስማትካ ምጽራሕ ማለት ኣብ በደል ተሳቲፍካ ማለት ከም ዘይኰነ ክኢላታት ሕጊ የጠንቅቑ።
ሂላሪ ኣብ ዕጽው ማዕጾ ምስ ኣባላት ኮንግረስ ዝገበረቶ ርክብ ዘርኢ ስእሊ ልሒኹ ድሕሪ ምውጽኡ፡ እቲ ብሓሙስ ዝሃበቶ ምስክርነት ንሓጺር ግዜ ተቛሪጹ ነይሩ። ኣብቲ ሽማግለ ዝነበሩ ደሞክራስያውያን፡ እቲ ብኣባል ኮንግረስ ኮሎራዶ ሎረን ቦበርት ዝተወስደ ስእሊ፡ "ምሉእ ብምሉእ ኣንጻር ሕግታት፡" እዩ ኢሎም።
ቦበርት፡ እቲ ስእሊ ቃለመሕትት ቅድሚ ምጅማሩ ዝተወሰደ ምዃኑ ንቢቢሲ ሓቢራ።
እቶም ኣባላት ባይቶ ንሂላሪ እንታይ ዓይነት ሕቶታት ከም ዘቕረቡላ ዛጊት ኣይገለጹን። እቲ ርክብ ሓድሽ ነገር ዘይነበሮን ግዜ ዘባኽንን ምንባሩ ግን ገሊጾም።
ሓያሎ ጋዜጠኛታት እቲ ሃዋሁ ከመይ ከም ዝነበረ ንምፍላጥ ብዙሕ ሕቶታት እኳ እንተ ኣቕረቡ፡ ኣብቲ ሽማግለ ዝነበረ ኣባል ባይቶ ሮበርት (ካብ ደሞክራስያውያን) ግን ናብ ዝርዝራት ክኣቱ ኣይደለየን።
ህዝቢ፡ ሂላሪ ዝሃበቶ ምስክርነት ከይተቘራረጸ ብምልኡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ክርእዮ ከም ዝደሊ ገሊጹ። ብተወሳኺ፡ ትራምፕ ናብቶም ኣባላት ባይቶ ቀሪቡ ምስክርነቱ ክህብ ጠሊቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ በርሊን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ "ንሓብኦ ነገር የብልናን። እዞም ሰነዳት ምሉእ ብምሉእ ክዝርግሑ ደጋጊምና ጸዊዕና ኢና፡" ኢላ ነይራ።
ሂላር ምስ ኤፕስተይን ተራኺባ ከም ዘይትፈልጥን ምስ ማክስወል ግን "ኣብ ሒደት ኣጋጣሚታት" ከም ዝተራኸበት ኣብሪሃ።
ማክስወል ኣብ 2010 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ መርዓ ቸልሲ ጓሎም ተረኺባ ነይራ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



