ክሊንተንን ብዓልቲ-ቤቱን ብዛዕባ ኤፕስተይን ክምስክሩ ተሰማሚዖም

ፕረዚደንት ነበረ ቢል ክሊንተንን ብዓልቲ ቤቱ ኢላሪን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተንን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረት ብዓልቲ ቤቱ ሂላሪን ኣብቲ ብዛዕባ ኮንግረስ ንጾታዊ ገበነኛ ጀፍሪ ኤፕስተይን ኣመልኪቱ ዘካይዶ መርመራ ምስክርነት ክህቡ ተሰማሚዖም።

እዞም መጻምድቲ ኣብ ቅድሚ ኮሚቴ ተቘጻጻሪ ባይቶ ምቕራብ ኣብዮም እዮም ጸኒሖም።

ቢል ክሊንተን ምስቲ ኣብ 2019 ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሞተ ኤፕስተይን ይፋለጥ እኳ እንተ ነበረ፡ ብዛዕባ ጾታዊ ገበናት ኤፕስተይን ከም ዘይፈልጥን ቅድሚ ዕስራ ዓመት ኣቢሉ ምስኡ ምርኻብ ከም ዘቋረጸን ይዛረብ። እቲ ቃለ-ምስክርነት ምዓስ ከም ዝወሃብ ንጹር ኣይኰነን።

ጀራልድ ፎርድ ኣብ ኮንግረስ ቀሪቡ ብ1993 ቃለ-መስክርነት ድሕሪ ምሃቡ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ፓነል ኮንግረስ ክቐርብ ፈላማይ ክኸውን እዩ።

ብሪፓብሊካን ዝምራሕ ተቘጻጻሪ ኮሚቴ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ብደገፍ ገለ ደሞክራትስ ስድራቤት ክሊንተን ንትእዛዝ ቤትፍርዲ እምቢ ከም ዝበሉ ገይሩ ክሕዞ ኣጽዲቑ።

ትማሊ ምሸት ወሃቢ-ቓል ክሊንተን ኣንጀል ኡሬና፡ እቶም መጻምድቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ፓነል ከም ዝቐርቡ ኣብ ኤክስ ብምጽሓፍ ኣረጋጊጹ።

ኣብቲ ናብ ኮሚቴ ምቍጽጻር ዘቕንዐ ጽሕፉ፡ "ብሰናይ ድሌት እዮም ተደራዲሮም፡" ኢሉ።

"እቲ ዝፈልጡዎ ብማሕላ ነጊሮምኹም እዮም፣ ግናኸ ኣይገደሰኩምን። እንተዀነ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበርን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረትን ኣብኡ ክህልዉ እዮም። ንዅሉ ዝጸሉ ኵነት ድማ ከቐምጡ እዮም።"

ክሊንተን ምስ ብዓልቲ-ቤቱ ቅድሚ ሕጂ ነቲ ኮሚተ ቃለ-መሓላ ከም ዝሃቡን ብዛዕባ ኤፕስተይን ዝነበሮም "ውሱን ሓበሬታ" ከም ዘቕረቡን ይዛረቡ።

እዞም መጻምድቲ ነቲ ሕጋዊ ጻውዒት "ከምቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝበሎ፡ ንፖለቲካዊ ተናሓናሕቲ ንምስኳን ካብ ዝግበር ተንኮል ዝሓልፍ ኣይኰነን፡" ክብሉ ነጺጎሞ ነይሮም።

ቢል ክሊንተን ካብ ግዳያት ኤፕስተይን ክሲ ቀሪብሉ ኣይፈልጥን።

ኤፕስተይን ኣብ ጾታዊ በደላት ተዋፊሩ ከም ዝነበረ ኣፍልጦ ከም ዘይነበሮ'ውን ይገልጽ።

መዝገብ ጕዕዞ ብሕታዊት ጀት ናይ ኤፕስተይን ከም ዘመልክቶ፡ ክሊንተን ኣብ 2002 ከምኡ'ውን 2003 ኣርባዕተ ኣህጉራዊ በረራታት ከም ዝገበረ ይሕብር።

እቲ ፕረዚደንት ነበረ፡ ኣብቲ ብኽፍሊ ፍትሒ ዝተዘርግሐ ሰነድ ስእልታቱ ይርአ።

ኣብ ሓደ ስእሊ ኣብ ፑል እናሓንበሰ ዘርኢ ኰይኑ፡ ካልእ ድማ ብሕቖኡ ተጋዲሙን ኣእዳዉ ብድሕሪት ኣብ ክሳዱ ተተርኢሱን የርኢ።

ቢል ክሊንተን ኣብ ጋብላ ምዉቕ ማይ ኢዱ ንድሕሪት ኣብ ክሳዱ ገይሩ ይርአ

ምንጪ ስእሊ, US Department of Justice

መግለጺ ስእሊ, ኣብ መዝገብ ኤፕስተይን ዝወጽአ ስእሊ ቢል ክሊንተን

ወሃቢ-ቓል ናይ ክሊንተን ኡሬና፡ እቶም ኣሳእል ኣብ ታሕሳስ ኣብ ዝተዘርግሕሉ እዋን፡ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተሳእሉ ምዃኖም ከምኡ'ውን ገበናት ኤፕስተይን ናብ ቃልዕ ቅድሚ ምውጽኡ ርክቦም ከም ዝተቛረጸ ገሊጹ ነይሩ።

ስድራቤት ክሊንተን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንኣቦ መንበር ኮሚተ ቍጽጽር ባይቶ ጀምስ ኮመር ኣብ ዝጸሓፉዎ ደብዳበ ንኣተሓሕዛ መርመራ ኤፕስተይን ነቒፎም ነይሮም።

ኣብቲ ደብዳበ፡ "ከም ኣቦ መንበር ዝገበርካዮ ምርጫታትን ንመርመራ ኤፕስተይን ዘቐመጥካዮም ቀዳምነታትን፡ ብዛዕባ ግደ መንግስቲ ዝምልከት ሓቅታት ካብ ምፍላጥ ዓጊቱና'ዩ፡" ኢሎም።

"እዚ ትገብሩዎ ዘለኹም ብዘይካ ፖለቲካዊ ውግንና ካልእ ኣእማኒ መግለጺ የብሉን፡" ክብሉ ወሲኾም።

ኮመር ኣቐዲሙ እቲ ንቤተሰብ ክሊንተን ዝቐረበ ጻውዒት ብኽልተ ውድባዊ ድምጺ ከም ዝጸደቐ ብምጥቃስ፡ "ዝዀነ ሰብ ልዕሊ ሕጊ ኣይኰነን፡" ኢሉ።

"ምስ ጠበቓታት ፕረዚደንት ክሊንተን ንኣዋርሕ ተዘራሪብና ኢና፡ ምሳና ክራኸቡ ዕድላት ሂብናዮም ኢና። ንሳቶም ግን ምድንጓዮም ቀጺሎም፡" ይብል እቲ ሪፓብሊካን።