ትራምፕን ኦባማን ዝካሰስሉ ዘለው ሓድሽ ጕዳይ እንታይ'ዩ?

ኦባማን ትራምፕን ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ጂሚ ካርተር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዶናልድ ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ መረጻ ይወዳደረሉ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ሩስያ ኣብቲ መረጻ ኢድ ነይሩዋ ብዝብል ምስምስ ክዕንቅፈኒ ፈቲኑ'ዩ ብምባል ብ"ክሕደት" ሃገር ከሲሱዎ።

ትራምፕ፡ ኣብ 2016 ኣብ ልዕሊ ሂላሪ ክሊንተን ዘመዝገቦ ዓወት ንምድኻም ኦባማ ጻዕሪ ገይሩ'ዩ ብምባል፡ ውጽኢት "እቲ መረጻ ክሰርቍ ፈቲኖም፡" ክብል ኣብ ዋይት ሃውስ ተዛሪቡ።

ወሃቢ ቃል ኦባማ ሳሕቲ ዝረአ መልሲ ብምሃብ፡ ትራምፕ ዝኸፍቶ ዘሎ መጥቃዕቲ "ድኹም ፈተነ ምጥምዛዝ ኣቓልቦ፡" ክብል ገሊጽዎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያ ኣመሪካ ቱልሲ ጋባርድ፡ ንኦባማ ከምኡ'ውን ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ምምሕዳሩ ንዝነበሩ ሰባት፡ "ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ትራምፕ ንዓመታት ዝቐጸለ ዕልዋ፡" ብምፍጻም ከሲሳ'ያ።

ዲሞክራት ነዚ ሓሶት ክብሉ ነጺጐምዎ።

ትራምፕ ነዚ መበገሲ ገይሩ ብሰሉስ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ 2019 ፍርዲ እናተጸበየ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንነብሱ ዝቐተለ ገበነኛ ጾታዊ ዓመጽ ህጻናት ጄፍሪ ኤፕስተይን ዝምልከት መብርሂ ክህብ ሕቶታት ይቐርበሉ ኣብ ዘሎ ዘቕርቦ ዘሎ ክሲ እዩ።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ብዛዕባ እቲ ምስቲ ክሱስ ዝነበሮ ጽቡቕ ምትእስሳር ዝያዳ ሓበሬታ ክህብ ጸቕጢ ይግበረሉ እዩ ዘሎ።

ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ክትዛረበሉ ዝግበኣካ ጕዳይ፡ ብዛዕባ ፕረዚደንት ኦባማ እዩ። ሕጂ ደድሕሪ ሰባት እንኸደሉ ግዜኡ'ዩ፤ ኦባማ ብቐጥታ ተታሒዙ'ዩ፡" ክብል ገሊጹ።

ወሲኹ፡ "ገበነኛ እዩ። እዚ ክድዓት እዩ ነይሩ፡" ኢሉ።

ወሃቢ ቃል ኦባማ ፓትሪክ ሮደንቡሽ፡ "ንቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ካብ ዘለና ኣኽብሮት ብዝነቅል፡ ቤት ጽሕፈትና ንቡር ኰይኑ ነቲ ካብዚ ዋይት ሃውስ ዝውሕዝ ቀጻሊ ዕሽነትን ግጕይ ሓበሬታን መልሲ ብምሃብ ቦታ ክረክብ ኣይገብሮን። እዚ ዝቐርብ ዘሎ ክስታት ግን ዘሕፍር'ዩ። እዚ ግርምቢጥ ክስታት መስሓቕን ድኹም ፈተነ ምጥምዛዝ ኣቓልቦን'ዩ፡" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ካብ ቤት ጽሕፈት ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ኣብ መንጐ ሓገዝቲ ኦባማ ዝነበረ ምልውዋጥ ኢመይላት ብምስጢር ካብ ዝትሓዘሉ ኣገባብ ብምውጻእ፡ ሩስያ ዳታቤዛት መረጻ ኣመሪካ ንምጭዋይ ዝገበረቶ ፈተነታት ኣብ ምጽራይ ከም ዝፈሸለት ዝገልጽ ርኽበታት ስለያ ሓቢኦም ብምባል ተማጒቱ።

ቅዳሕ ናይቲ ትራምፕ ንክሊንተን ድሕሪ ምስዓሩ ሰሙናት ጸኒሑ ብሓለፍቲ ኣገልግሎት ጸጥታ ኣመሪካ ንኦባማ ዝተዳለወን ብዕለት 8 ታሕሳስ 2016 ዝተጻሕፈን መዓልታዊ መግለጺ ናይቲ ፕረዚደንት፡ "ሩስያውያንን ገበነኛታትን ተዋሳእቲ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ውጽኢት መረጻ ኣመሪካ፡ ኣንጻር ትሕተ ቅርጺ መረጻ ሓደገኛ ናይ ሳይበር ንጥፈታት ብምክያድ ጽልዋ ከም ዘይገበሩ ገምጊምና ኢና፡" ይብል።

ኤፍ.ቢ.ኣይ ግን ካብቲ ኣብ መጀመርታ ብሓባር ኰይኑ ዘዳለዎ ጸብጻብ ብምቅዋም፡ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ምስ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣብ ዋይት ሃውስ ኣኼባ ከም ዝተኻየደ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።

ብድሕሪኡ ሓደ ሓጋዚ ናይቲ ሽዑ ዳይረክተር ሃገራዊ ስለያ ዝነበረ ጀምስ ክላፐር ንሓለፍቲ ስለያ ብኢመይል ብምልኣኽ "ብመሰረት ሕቶ ፕረዚደንት"፡ "ሞስኮ መረጻ 2016 ንምጽላው ዝተጠቐመቶ መሳርሒታትን ዝወሰደቶ ስጉምትታትን፡" ብዝርዝር ዝገልጽ ሓድሽ ምጽራይ ክግበር ሓቲቱ ኢሉ።

ጋባርድ፡ እቶም ኢመይላት ንትራምፕ ንምጕዳእ "ክድዓት ዝመልኦ ውዲት" ከም ዝተፈጸመ ዘርእዩ መርትዖ እዮም ኢላ ብምምጓት፡ ሰበስልጣን ምምሕዳር ኦባማ ንክኽሰሱ ናብ ክፍሊ ፍትሒ ከም ዝልእኽ ኣጠንቂቓ።

ወሃቢ ቃል ኦባማ ግን ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝወጽአ ሰነድ ነቲ ሩስያ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2016 ክትጸልዎ ፈቲና፤ ግን ድማ ዝዀነ ድምጺ ክትሰርቕ ኣይክኣለትን ዝብል ብሰፊሑ ተቐባልነት ዘለዎ መደምደምታ ኣይድህስስን፡" ኢሉ።

ማሕበረሰብ ስለያ ኣመሪካ ኣብ ጥሪ 2017፡ ሩስያ ንጐስጓስ ክሊንተን ክትሃስዮን ንትራምፕ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ ዝለዓለ ድምጺ ክህልዎን ክትገብር ፈቲና እያ ክብል ደምዲሙ።

ሰበስልጣን ኣመሪካ እዚ ጻዕሪ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምጥቃምን ኢመይላት ዲሞክራት ብምጥላፍን ዘጠቓለለ ምዃኑ ደምዲሞም፤ ኣብ መወዳእታ ግን እቲ ጽልዋ ድሩት ክኸውን ከም ዝኸኣለን ብጭቡጥ ውጽኢት መረጻ ከም ዘይቀየሮን ገሊጾም።

ኣብ 2020 ኮሚተ ስለያ ሰነት ዘቕረቦ ክልተኣዊ ጸብጻብ እውን ሩስያ ኣብ 2016 ጐስጓስ ትራምፕ ክትሕግዝ ከም ዝፈተነት ኣረጋጊጹ።

ኣብቲ እዋን ሴናተር ዝነበረ ጸሓፊ ክፍሊ ወጻኢ ማርኮ ሩቢዮ፡ ካብቶም ነቲ ጸብጻብ ብሓባር ዝፈረሙ ሪፓብሊካን እዩ።

ቀዳሞት ክልተ ዓመታት ቀዳማይ ፕረዚደንትነት ትራምፕ፡ ውጽኢት መረጻ 2016 ብውዲት ሩስያ ተጸልዩ ድዩ ዝብል መርመራታት ብምክያድ እዩ ሓሊፉ።

እቲ ውጽኢት፡ ትራምፕ ወይ ጕጅለ ጐስጓስ መረጻኡ ምስ ክረምሊን ከም ዝተዋደዱ ዘርኢ መርትዖ ከም ዘየሎን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ገበናት ተኸሲሱ ዝፈልጥ ሰብ ከም ዘየለን ይሕብር።

ድሕሪኡ ዝተገብረ ፍሉይ ናይ ጠበቓ መርመራ፡ እቲ መበገሲ መርመራ ኤፍ.ቢ.ኣይ "ትንታነ" ከም ዘይነበሮን ኣብ "ጥረ፡ ዘይተተንተነን ዘይተረጋገጸን ስለያ" ከም ዝተመርኰሰን ኣረጋጊጹ።