ዓለምለኻዊ መጥቃዕቲታት ሚሳይል ምክትታል ዝግበረሉ መደበር ኣመሪካ እንታይ ይመስል?

ምንጪ ስእሊ, BBC/Matthew Goddard
እዚ ቢቢሲ ጥራይ ዝረኸቦ ሳሕቲ ዘጋጥም ዕድል'ዩ።
ኣብ ውሽጢ፡ "Launch Yemen!" [የመን ተኵሱ] ክብል ብዓውታ ይስማዕ።
እቶም ዩኒፎርም ለቢሶም ኣብ ቅድሚ ኮምፒዩተራት ኰፍ ኢሎም ዘለው ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኵሎም ብሓደ ድምጺ "Copy, Launch Yemen!" ኢሎም ይምልሱ።
ኣብ ሓይሊ ህዋ ኣመሪካ፡ ሓለውቲ እምበር ሰራዊት ኣይበሃሉን።
ኣብ ከባቢ ዴንቨር ኮሎራዶ ኣብ ዝርከብ መደበር እዮም ዘለው።
ካብ ዝዀነ ክፋል ዓለም ንዝተወንጨፈ ሚሳይል ድማ፡ ካብቲ ዝውንጨፈሉ ቦታ ክሳብ እቲ ጽልዋ ከሕድረሉ ዝኽእል ነጥቢ ክከታተልዎ ይኽእሉ።
ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ እቶም ናይ መጀመርታ ኣብ ውሽጢ ክፍሊ መጠንቀቕታን ምክትታልን ሚሳይላት ሓይሊ ህዋ ኣመሪካ ክኣትው ፍቓድ ዝረኸቡ ዓለምለኻዊ ጋዜጠኛታት እዮም።
ኣብ መደበር ሓይሊ ህዋ ባክሊ ሓለዋ ድማ፡ 24/7 ብተጠንቀቕ ነዚ ማእከል ይከታተልዎ።
ኣብ ህዋ ካብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ ሳተላይታት ዝተላእከ ካርታን መረዳእታን ብዝህቡ ዓበይቲ ሞኒተራት ዝተኸበቡ እዮም።
እዞም ሓለዋ፡ ሚሳይል ክውንጨፍ ከሎ ኣቐዲሞም ዝፈልጡ ሰባት እዮም።
ጋዜጠኛታት ቢቢሲ ኣብቲ ክፍሊ እንከለው ድሕሪ ቅሩብ ደቓይቕ ካልእ ድምጺ - "Launch Iran" - ስዒቡ ድማ "Copy launch Iran" ዝብል መልሲ ይስማዕ።
እዚ ንልምምድ እዩ ነይሩ።
ኢራን፡ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊኣ ንዝፈጸምኦ መጥቃዕቲ ግብረ መልሲ ንምሃብ ናብቲ ኣብ ቐጠር ኣል-ዑደይድ ዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ተኸታታሊ ሚሳይላት ምስ ተኰሰት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግን ናይ እማን ከምዚ ይገብሩ ነይሮም።
ኮሎኔል ኣን ሂዩዝ፡ ኣብታ መዓልቲ ዝነበረ ስምዒት "ከቢድ" ክትብል ትገልጾ።
ዘይከም መብዛሕትኦም ዝውንጨፉ ሚሳይላት፡ እዚ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፍጸመሉ ብኢራን መጠንቀቕታ ተዋሂቡ እዩ ነይሩ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ ነቶም ሚሳይላት ኢራን ክከታተልዎምን ነቲ ሓበሬታ ናብቲ ኣብ መሬት ዝነበረ ባትሪታት ምክልኻል ኣየር ክምግቡዎን ክኢሎም'ዮም።
"ኣብ መወዳእታ ንዅሉ እቲ መሳለጥያን ኣብኡ ዝነበሩ ሰራሕተኛታትን ኣድሒንናዮም፡" ትብል።
ኮሎኔል ሂዩዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብሰንኪ እቲ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኤውሮጳን ዝካየድ ዘሎ ውግኣት ካብ ካልእ እዋን ብዝተፈለየ ጽዑቕ ስራሕ ከም ዝነበሮም ትገልጽ።
ዩክረይን ካብ ሩስያ ክበጽሓ ንዝኽእል መጥቃዕቲ ሚሳይል መጠንቀቕታ ይህቡ እንተነይሮም ተሓቲታ፡ "ንዅሎም ሓይልታት ኣመሪካን መሻርኽታን ስትራተጂያውን ታክቲካውን መጠንቀቕታ ሚሳይል ኢና ንህብ፡" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Matthew Goddard/BBC
ኣመሪካ ብወግዒ ነዚ ኣይትበሎን እያ።
ይዅን'ምበር፡ ኪቭ ካብ ሩስያ መጥቃዕቲ ክፍጸማ ከም ዝኽእል መጠንቀቕታ ሂቦምዋ ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።
መደበር ሓይሊ ህዋ ባክሊ፡ ኣገዳሲ ኣካል ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ 'ጎልደን ዶም' ኢሉ ዝጸውዖ ዋልታ ምክልኻል ሚሳይል ኣመሪካ ንምስራሕ ዝሓንጸጾ መደብ ክኸውን እዩ።
ንሱ ነቲ ዓቢይ መደብ - ካብ ስርዓተ ምክልኻል ኣየር እስራኤል ኣይሮን ዶም ዝተቐድሐ - 175 ቢልዮን ዶላር ሰሊዑ ኣሎ።
ብዙሓት ግን፡ ኣዝዩ ልዑል ወጻኢታት ከም ዝሓትት ይኣምኑ።
ነዚ ዝኸውን መሰረት ግን ኣብ ባክሊ ተነጺፉ ኣሎ።
እቲ ሰማያት፡ ንኣንቴና ሓያል ሳተላይት ክከላኸሉ ብዝኽእሉ ዓበይቲ ከበብቲ መሸፈኒታት -ራንዶምስ - ዝተዓብለለ እዩ።
እዞም ሳተላይታት፡ ካብ 11,000 ናይ ብርሃን ዓመታት ርሒቓ ካብ እትርከብ 'ሱፐርኖቫ' ማዕበል ፍሪኴንሲ ራድዮ ይረኽቡ።
ኣዛዚ ስርሒታት ህዋ ኣመሪካ ሌተናል ጀነራል ዴቪድ ሚለር፡ ምምዕባል ጎልደን ዶም ገና ከም ዝዀነ ብምግላጽ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሓደጋታት ግን ኣፍልጦ ዝህብ ምዃኑ ይዛረብ።
ነዚ ድማ ብፍሉይ ንቻይናን ሩስያን ይጠቅስ።
ክልቲአን ሃገራት፡ ልዕሊ ሓሙሽተ ዕጽፊ ፍጥነት ድምጺ ክጓዓዙ ዝኽእሉ ሃይፐርሶኒክ ሚሳይላት ኣማዕቢለን እየን።
ክልቲአን ድማ፡ ፈተነ ንምክትታል ከበድቲ ዝዀኑ ዒላማኦም ንምህራም ትሑት ዑደት ምድሪ ዝጥቀሙ (Fractional Orbital Bombardment Systems) ስርዓታት ሚሳይል ገይረን እየን።
"ምስ ምዅላፍ ፍጥነትን ፊዚክስን እዞም ስርዓታት ዝተኣሳሰር፡ ኣብ ህዋ ዝተመርኰሱ መዅለፊታት ኣብ ግምት ምእታው የድሊ፡" ይብል ጀነራል ሚለር።

ምንጪ ስእሊ, Matthew Goddard/BBC
ረብሓታት ኣመሪካ ንምክልኻል ካብ ኣብ ህዋ ዘሎ ኣጽዋር፡ ብዛዕባ ዘለዎም "ዓቕሚ" ክዛረብ ይመርጽ።
ሓይሊ ህዋ ኣመሪካ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት'ዩ ቈይሙ። እዚ ድማ፡ ሕጂ ናይ ህዋ ውግእ ምዃኑ መርትዖ እዩ።
ፕረዚደንት ትራምፕ ነቲ ሓይሊ ዕማም ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ዘበገሶ ኰይኑ፡ ንጠፈር "እቲ ሓድሽ ዓውደ ውግእ፡" ክብል ይገልጾ።
ቻይናን ሩስያን ጸረ-ሳተላይት ሚሳይላት፡ ከምኡ'ውን ርክባት ዝዓግታሉ መገድታት ፈቲነን እየን።
ጀነራል ሚለር፡ ሩስያ "ኒዩክለሳዊ ሰኸም ከተስዕብ ዘኽእላ ዓቕሚ ከም ዘሎ ኣርእያ እያ፡" ኢሉ።
ስለ ዝዀነ፡ "ኣብ ጠፈር ንዝፍጠር ግጭት'ውን ክንዳሎ ኣለና፡" ይብል።
ኮሎኔል ፎኒክስ ሃውዘር ነቲ ብደልታ 7 ዝፍለጥ ኣሃዱ ስለያ፡ ምክትታልን ዳህሳስን ሓይልታት ህዋ ትከታተል።
ዕማም እዛ ኣሃዱ፡ ኣብ ጠፈር እንታይ ይፍጸም ከም ዘሎ ምፍላጥ እዩ።
ኣብ ጥቓ ኮሎራዶ ስፕሪንግ ኣብ ዝርከብ መደብር፡ እታ ኣሃዱ ኣብ መላእ ዓለም ዘለው ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ንኣሽቱ ነጥብታት ዘርእዩ ስክሪናት ትከታተል።
ድሮ ኣስታት 12 ሽሕ ሳተላይት ኣብ ጠፈር ኣለዋ።
እዚ ኣብ ዝቕጽል ዓሰርተ ዓመታት ናብ 60,000 ክዓቢ ይኽእል።
ኮሎኔል ሃውዘር ቀንዲ ትዅረቶም ኣብ ቻይና ምዃኑ ይዛረብ።
"ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ስግኣት እዩ፡" ትብል።
ቻይና ድሮ ኣስታት ሽሕ ሳተላይታት ኣለዋኣ፤ ፍርቀን ድማ ወተሃደራዊ እየን።
ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኮሎኔል ሃውዘር ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ካልኦት ዓሰርተታት ኣሽሓት ሚሳይላት ክህልውዋ ምዃኖም ትዛረብ።
ህዋ ድማ፡ እናተጨናነቐን ተወዳዳሪ እናዀነን ይኸይድ ኣሎ።
"ንነሓናሕ ኢና ዘለና፤ ካብ ተጻባእትና ናይ ቀረባ ዘይሞያዊን ዘይውሑስን ጽምዶታት ንርኢ ኣለና።"
እዚ ድማ ኤሌክትሮኒያዊ ጠለፋ፡ ሌዘርን ካልእ ሳተላይት ካብ መስመር ወጻኢ ንምንቅስቓስ ክውዕል ዝኽእል መርበብን ኣጽዋርን ዝተገጥመለን ሳተላይታትን የጠቓልል።
ገሊኦም ድሮ ኣብ ጠፈር ጐንጺ ይካየድ ከም ዘሎ ይሕብሩ።

ምንጪ ስእሊ, Matthew Goddard/BBC
"ከምኡ ዓይነት ጐንጺ ከም ዘሎ ኣይፈልጥን፤ ግን ብርግጽ ድሉዋት ክንኰነሉ ዘለና ነገር'ዩ፡" ትብል ኮሎኔል ሃሰር።
ሓይሊ ህዋ ኣመሪካ ኣብ ህዋ ግጭት ክካየድ ከም ዝኽእል ብምግማት ይዳሎ እዩ ዘሎ።
ኮሎኔል ሃውዘር ሕጂ፡ ትዅረቶም "ብምጥቃዕን ምክልኻልን ምቍጽጻር ህዋ ኣቢልና ልዕልና ህዋ ክንረክብን ክንዕቅብን ንፕረዚደንት ኣማራጺታት ምፍጣር'ዩ፡" ትብል።
ጀነራል ሚለር፡ ግጭት ንምክልኻል እቲ እንኮ መገዲ "ሓይሊ ብምፍጣር፡ ንብረትና ንምክልኻል ድማ ናይ ገዛእ ርእስና ዓቕሚ ክህልወና ኣለዎ፡" ኢሉ።
እዚ ብልክዕ እንታይ ማለት ምዃኑ ዝርዝር ኣይሃበን።
ኣብ ቀረባ እዋን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኒዩክለሳዊ መደብ ኢራን ዘካየደቶ መጥቃዕቲ ስርሒት ማርቴሎ ፍርቂ ለይቲ -Operation Midnight Hammer ግን፡ ሓይሊ ህዋ ኣመሪካ ድሮ እንታይ ክገብር ከም ዝኽእል ንእሽቶ ምልክት ዝህብ እዩ።
እቶም ቢ-2 ብዝተባህለት ነፋሪት ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት ቦምባ፡ ንወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ኣብ ህዋ ቀጻሊ ዕብለላ ክህሉ ምርግጋጽ ስለ ምንታይ ወሳኒ ከም ዝኸውን'ውን የጕልሕ።
"ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ነቲ ካብ ጠፈር እንረኽቦ ብልጫ ክሳብ ክንደይ ከም ዝወስዶ ክትግንዘብ ኣለካ፡" ይብል ጀነራል ሚለር።
እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ኣድማስ ናይ ምጕዓዝን ምዝርራብን ክእለት፡ ከምኡ'ውን ጂፒኤስ ተጠቒምካ ትኽክለኛ ዒላማ ምውቃዕ ክእለት የጠቓልል።
ሓለውቲ ሓይሊ ህዋ ኣመሪካ ኣብቲ ስርሒት ብኸመይ ከም ዝተሳተፉ ንቢቢሲ ቀዳማይ ዝርዝር ሓበሬታ ተዋሂብዎ።
"ሓደ ካብቲ ዝገበርናዮ ነገራት ሓደ፡ ኣብ ምሉእ እቲ ስርሒት ዘለና ልዕልና ንምርግጋጽ፡ ናይ ኤሌክትሮ-ማግኔታዊ ውግእ ዓቕምና ምጥቃም'ዩ፡" ይብል ጀነራል ሚለር።
እቲ ኤሌክትሮ-ማግኔታዊ ምድብ፡ ክልተ ማዕበላት ራድዮ፡ ማይክሮዌቫትን ዝርአ ብርሃንን ዘጠቓልል እዩ።
"እቲ ከባቢ ክጥለፍ ምዃኑ ፈሊጥና ነይርና" ይብል።
ሓይሊ ህዋ ኣመሪካ ድማ፡ ነፈርቲ ኣመሪካ ቢ-2 ቦምባታት ኣብ ዒላማአን በጺሐን፡ ብጂፒኤስ ዝምራሕ ማሲቭ ኦርድናንስ ቦምባታተን ብትኽክል ምእንቲ ክድርብያ፡ እዚ ምጥላፍ ከም ዘየጋጥም ክገብር ነይርዎ።
ካብ ሓይሊ ህዋ ኣመሪካ ደልታ 3 ዝመጽኡ ክኢላታት ኤሌክትሮኒያዊ ውግእ ድሮ ኣብቲ ዞባ (ማእከላይ ምብራቕ) ኣብ መሬት ይንቀሳቐሱ ነይሮም።
ኣዛዚኦም ኮሎነል ኣንጀሎ ፈርናንደዝ፡ ናብ ዝዀነ ቦታ ዓለም ክብገሱ ዝኽእሉ መስርዕ ሳተላይት ዲሻትን መአዘዚ ኮንተይነራትን ንጋዜጠኛታት ቢቢሲ ኣርእዩዎም።
እቶም ሸሓኒታት፡ "ዝዓበየ ድምጺ ብምፍናው"፡ ርክባት ሓይልታት ጸላኢ ንምዅላፍን ድሕሪኡ እቲ ርክባት ድምጺ ዘይብሉ ክኸውን ንምግባርን ክጥቀሙሉ ከም ዝኽእሉ ይዛረብ።
"ንብረት ኣመሪካ ክከላኸሉ ክኢሎም፡ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ድማ ናይ በረራ መገዲ ክኸፍቱ ክኢሎም፡" ኢሉ።
ቅድሚ እቲ ተልእኾ፡ ኣብ እዋንን ድሕሪን እቲ ተልእኾ፡ ሓለውቲ ሓይሊ ህዋ ኣመሪካ ደልታ 7 ልዕሊ ዓቐን ምክትታል ይገብሩ ነይሮም።
ኮሎነል ፎኒክስ ሃውዘር፡ "ኢራን እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ ትፈልጥ ድያ፡ እቲ መጥቃዕቲታት ክፍጸም ከም ዝኽእል ዝዀነ ታክቲካዊ መጠንቀቕታ ኣለዎም ድዩ ንምርዳእ፡" ነቲ ኤሌክትሮ-ማግኔታዊ ምድብ ክከታተልዎ ከም ዝኸኣሉ ትዛረብ።
በዚ ምኽንያት ከጋጥም ዝኽእል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ንምክልኻልን እታ ጕጅለ ዝተዋህባ ዕማም ከይተፈልጠ ክትዛዝምን ኣኽኢሉዋ።
ሓይሊ ህዋ ኣመሪካ እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ግን ንወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ወሳኒ እዩ።
ጀነራል ሚለር፡ ምሉእ ሰራዊት ኣመሪካ "ኣብ ልዕልና ህዋ ዝተመርኰሰ'ዩ፡" ይብል።
ከምኡ ምዃኑ ከረጋግጽ ድማ ይደሊ። ንዝዀነ ተጻባኢ ዘሕልፉዎ መጠንቀቕታ'ውን ኣለዎም።
"ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ኣብ ሓደ ነገር ከተኩር ከሎ - ኣምላኽ ይሓግዘካ!"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







