ንጋዜጠኛ ቢቢሲ ካብ ድቃሱ ሃንደበት ዘበራበረ ደወል ትራምፕ እንታይ'ዩ ነይሩ?

ዶናልድ ትራምፕ ካብቲ ልሙድ ኣሰራርሓ ወጻኢ ናብ ጋዜጠኛታት ናይ ምድዋል ልምዲ ኣለዎ። እቲ ፕረዚደንት ካብ ኣብ ካሜራ ኮፍ ኢልካ ቃለመሕትት ምግባር፡ ብተሌፎን ተደዋዊልካ ዝካየድ ቃለመሕትት ዝመርጽ'ዩ ዝመስል።
ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ምሸት ጋዜጠኛ ቢቢሲ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ጋሪ ኦ ደንሂዩ ተራኡ ነበረ'ሞ፡ ጦብላሕታኡ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣስፊርዎ'ሎ።
ሓቂ ንምዝራብ ካብ ዋይት ሃውስ ክድወል ከሎ ደቂሰ'የ ነይረ።
ምስ ትራምፕ ቃለመሕትት ክገብር ዝኽእለሉ ዝነበርኩ ዕድል ማህሚኑ ስለዝነበረ ዳርጋ ተስፋ ቈሪጸ እየ ነይረ። ቀንዲ ርእሰ ጉዳየይ ድማ ካብቲ ኣብ ባትለር ፔንሲልቨንያ ንህይወቱ ፈታኒ ዝነበረ ፈተነ ቅትለት፡ ሓደ ዓመቱ ንምዝካር እዩ ነይሩ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ትራምፕ ዝተገበረ ፈተነ ዝምልከት ዝረኸብክዎ ጸብጻብ ብደረጃ ዓለም ኣዘራራቢ ዜና ኰይኑ ስለዝነበረ፡ ኣቓልቦ እቲ ፕረዚደንት ስሒቡ ክኸውን ይኽእል እዩ። ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒመ እየ እምበኣር እቲ ንናይ ወጻኢ ትካላት ሚድያ ፈጺሙ ዘይሕሰብ ዝነበረ ቃለመሕትት ንምክያድ ዝመረጽኩ።
ሰንበት ምሸት ካብቲ ናይ ዋይት ሃውስ ደወል ኣብ ቀረባ ከምዘለኹ ስለዝተነገረኒ ኣነን ጋንታይን ንቐረጻ ድሉዋት ኴንና እኳ እንተነበርና ሽዑ ግን ኣይሰለጠን ሓዲሩ።
ሰኑይ ምሸት ግን እቲ ምስ ትራምፕ ከካይዶ ዝወጠንክዎ ቃለመሕትት ብዘይምስላጡ ተስፋ ቈሪጸ ኣብ ዝደቀስክሉ እዋን ተሌፎነይ ጭር በለት።
ኣነ ድማ ሓሪቐ ምስ ኣልዓልኩዎ እቲ ድምጺ ናይ ጸሓፊት ፕረስ ካሮሊን ሊቪት ነበረ እሞ "ሰላም ጋሪ፡ ኣነ ኣብዚ ምስ ፕረዚደንት ኣለኹ ክትቅጽሉ ትኽእሉ ኢኹም፡" ኢላትኒ።
ዲጂታላዊ መቕረጺይ ንምርካብ እናተሃንደድኩ ናብ ሳሎነይ ተጓየኹ፤ እቲ መስመር ተቛሪጹ እቲ ዕድል ዘምለጠኒ'ዩ መሲሉኒ ነይሩ።
እንተዀነ መሊሶም ስለዝደወሉ ካብቲ ኣብ ባትለር ዘጋጠሞ ፈተነ ቅትለት ክሳብ ምስ ቭላድሚር ፑቲን ዝነበሮ ብስጭት፡ ክሳብ ኣብ ኔቶ ዘሕደሮ ሓድሽ እምነትን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘለዎ ኣረኣእያን እናውጋዕና እንከይተፈለጠና ዳርጋ 20 ደቒቕ ኣሕሊፍና።
ካብቲ ዘገርም ዕላልና ዝወሰድክዎም ሓሙሽተ ቀንዲ እዚ እዩ፤
1. ትራምፕ ንባትለር ብምትንካፍ ዝተፈለየ ወገን የርኢ
ኣብ ሓደ ክልተ ነገራት ኣዝዩ የስተንትን ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ፈተነ ቅትለት ክዛረብ ከሎ ድማ ቅሩብ ተቓላዓይ ይመስል - ብዛዕባ እዚ ክዛረብ ዘይምቹእ ምዃኑ ንጹር እዩ።
እቲ ፕረዚደንት እቲ ፈተነ ቅትለት ንነገራት ቀይርዎ እንተዀይኑ ምስ ተሓተተ፡ "ኣብኡ ምኒን ምባል ኣይፈቱን እየ፣ ምኽንያቱ ከምኡ እንተዝኸውን ነይረ ክኸውን ይኽእል ነይሩ'ዩ። ህይወት ዝቕይር ክኸውን ይኽእል'ዩ፣ ከምኡ ክኸውን ግን ኣይደልን እየ።"
ኣስፊሑ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ "ሓይሊ ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ" ከም ዝፈቱ ገሊጹ። ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ትኣምኖ ዲኻ? ኢለ ምስ ሓተትክዎ እውን ክሓስበሉ ነዊሕ ዕረፍቲ ወሲድሉ።
ኣብ መወዳእታ፡ "ግልጺ ኰይነ ዝነግረካ ንዝዀነ ሰብ ኣይኣምንን እየ" ኢሉ መለሰ።
2. ብዝሒ ካብታ ሃገር ዝስጎጉ ስደተኛታት ንምግላጽ ፍቓደኛ ኣይኰነን
ናብ ውሽጣዊ ፖለቲካ ኣመሪካ ምስኣተና፡ እቲ ፕረዚደንት ንጃምላዊ ምስጓግ ስደተኛታት ዝሓንጸጾ መደብ ይሰርሕ ድዩ ዘሎ ኣይሰርሕን ኢለ ሓቲተ።
እቲ ፕረዚደንት፡ ካብ ደቡባዊ ጎረቤት ሃገር ሜክሲኮ ናብ ኣሜሪካ ዝሰግሩ ስደተኛታት ቍጽሮም ከምዝጎደለ ብምጥቃስ፡ ጋንታኡ ኣብ ጎስጓስ መብጽዓታቱ ኣብ ምፍጻም "ዓቢ ስራሕ" ከምዝሰርሐት ኣጽኒዑ።
ገለ ካብ ጋንታ ትራምፕ፡ ምስጓግ ኣዝዩ ብዝዘሓለ መገዲ ይካየድ ብምህላዉ ብስጭቶም ገሊጾም። ኣብዚ ካልኣይ ፕረዚደንታዊ እብረ ስልጣኑ ክንደይ ስደተኛ ክሰጉግ መደብ ከምዘለዎ ሓቲተዮ ኣሃዝ ንምጥቃስ ፍቓደኛ ኣይኰነን።
"ደሓን ቍጽሪ ኣይክጠቅስን እየ፤ ግን ነቶም ገበነኛታት ቀልጢፈ ከውጽኦም እየ ዝደሊ፡ ከምኡ ድማ ንገብር ኣለና" ኢሉ።
3. ዝያዳ ብስጭት ኣብ ፑቲን
ትራምፕ ብፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ሕጕስ ከምዘይኰነ ገሊጹ።
ትራምፕ ነቲ ኲናት ብቕልጡፍ ከብቅዕ ዝብል መብጽዓ ብምእታው ነቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ግጭት ንምቍራጽ ምስ ሩስያዊ መዘናኡ ገና ስምምዕ ክገብር ብዘይምኽኣሉ ዝተገረመ ይመስል።
ብወገን ፑቲን ኣብ መንጎ ቃላትን ተግባራትን ሃጓፍ ከምዘሎ ደጊሙ ኣመልኪቱ፡ "ኣርባዕተ ግዜ ውዕል ጌርና ነናብ ቤትና ንኸይድ ድሕሪኡ ኣብ ኪቭ ኣብ ዝርከብ መዕበዪ ህጻናት መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ዝብል ዜና ትሰምዕ" ኢሉ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪን ካልኦት መራሕቲ ኤውሮጳን ፑቲን ነቲ ኲናት ንምውዳእ ዕቱብ ከምዘይኰነ ካብ ነዊሕ እዋን ክኸስዎ ጸኒሖም እዮም። ንዓኣቶም ሓድሽ ነገር ኣይክኸውንን እዩ።
ንትራምፕ ምስቲ መራሒ ሩስያ ዘለካ ጉዳይ ተዓጽዩ ድዩ? ኢለ ምስ ሓተትክዎ፡ እቲ ማዕጾ ክፉት ምዃኑ ብምጥቃስ "ምስኡ ኣይወዳእኩን፡ ግን ተስፋ ቈሪጸ ኣለኹ" ኢሉ።
4. ሓድሽ ቃና ኣብ ልዕሊ ኔቶ
ንሓላፊ ኔቶ ማርክ ሩተ ኣብ ምእንጋድ ቅልጡፍ እዩ ነይሩ። ምስኡ ጽቡቕ ክሰርሕ ዝኽእል ሰብ ይመስል። እዞም መራሕቲ ኣብ ቅድሚ ካሜራታት ዓለም ምዉቕ ቃላት ተለዋዊጦም፣ ኣመሪካ ንኔቶ ኣጽዋር ክትሸይጥ ምዃናን ድሕሪኡ ድማ ናብ ኪቭ ከም ዝሰጋገር ኣፍሊጦም።
ትራምፕ ሃገሩ ካብ መሻርኽታ ንላዕሊ ኣብ ምክልኻል ዝያዳ ገንዘብ ተፍስስ ዝነበረትሉ ኵነታት ሕጂ ይቕይር ከምዘሎ ተዛሪቡ።
"ኣሜሪካ ዳርጋ ሚእቲ ሚእታዊት ወጻኢታት ኔቶ ትሽፍኖ ስለዝነበረት ዘይፍትሓዊ እዩ ነይሩ፣ ሕጂ ግን ነናይ ገዛእ ርእሰን ሕሳብ ይኸፍላ ኣለዋ፣ እዚ ድማ ኣዝዩ ዝሓሸ ይመስለኒ" ብምባል፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣባላት ኔቶ ካብ ሓፈሻዊ ኣታዊታተን ወጻኢታት ምክልኻል ናብ 5 ሚእታዊት ንምዕባይ ዝኣተውዎ መብጽዓ ዝጠቐሰ ይመስል።
"ኔቶ ብዙሕ ኢና ቀይርናዮ" ኢሉ።
5. ክብሪ ንስታርመርን ዓባይ ብሪጣንያን
ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ገለ ንግዳዊ ዕንቅፋታት ንምእላይ ስምምዕ ምስ ዝፈረመሎም ቀዳማይ ምኒስተር ዓባይ ብሪጣንያን ሰር ኬር ስታርመርን ዘለዎ ኣኽብሮት ኣስሚሩሉ። ትራምፕ፡ "እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ዋላ'ኳ ሊበራላዊ እንተዀነ፡ ብሓቂ ኣዝየ እየ ዝፈትዎ" ክብል ገሊጹ።
ትራምፕ፡ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ልክዕ ከምቲ ብዙሓት ብሪጣንያውያን ዝኣምንሉ "ፍሉይ" ምዃኑ ኣስሚሩሉ። ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝዀነ ውግእ ኣብ ጐድኒ ኣመሪካ ክትስለፍ እያ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







