ቱፓክ ሻኩር፡ መን እዩ ? ብሓቂኸ ሞይቱ ድዩ?

ቱፓክ ኣብ 1994

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ቱፓክ ኣብ 1994

ራፐር ቱፓክ ሻኩር ተቐቲሉ ካብ ዝበሃል ዳርጋ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ።

ብ13 መስከረም 1996 ኣብ ላስ ቬጋስ ኣርባዕተ ግዜ ብጥይት ተወቒዑ ኣብ መበል 25 ዓመት ዕድሚኡ’ዩ ዓሪፉ።

እዚ ስሙይ ስነጥበበዊ ሂፕ-ሆፕ፡ ንዓመታት ኣድነቕቲ ሙዚቃኡ ክዛረቡሉ ጸኒሖም'ዮም።

እቲ ራፐር ብዛዕባ ዘጋጠሞ ነገር ዝምልከት ሚስጢር’ውን ከዘራረብ ፀኒሑ ኣሎ።

ቱፓክ መን እዩ ነይሩ?

ቱፓክ ሻኩር: ኣብ ምብራቕ ሃርለም ከተማ ኒውዮርክ እዩ ተወሊዱ። ናይ መጀመርታ ኣልቡሙ ‘2ፓካሊፕስ ናው’ ኣብ 1991 ፈንዩ።

ናይ መድረኽ ስሙ 2ፓክ ተባሂሉ ዝተቐየረ ቱፓክ፡ ‘ካሊፎርንያ ላቭ’፡ ‘ኦል ኣይዝ ኦን ሚ’፡ ‘ቸንጅስ’ን ‘ኣይ ኤይንት ማድ ኣት ቻ’ን ብዝኣመሰሉ ብዙሓት ህቡባት ስራሕቱ ይፍለጥ።

ሙዚቃኡ መብዛሕትኡ ግዜ ከም 'ዘይማዕርነት' ኣብ ዝኣመሰሉ ኣብ ዙርያ ማሕበራዊ ጉዳያት ዘተኰሩ እዮም።

ኣብ ሙዚቃ ዓለም ዝገበሮ ኣበርክቶ ግን ድሕሪ ሞቱ እውን ዝቐጸለ’ዩ።

ኣብ 2004፡ ‘ጌቶ ጎስፐል’ እትብል ድሕሪ ሞቱ ዝወጸት ንጽል ደርፊ፡ ኣብ ቻርት ንጽል ደርፍታት ዓባይ ብሪጣንያ ቁጽሪ ሓደ ኰይና ነይራ።

ቱፓክ፡ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 75 ሚልዮን ኣልበማት ተሸይጡሉ፤ ኣብ 2017 ድማ ኣብ ‘ሮክ ኤንድ ሮል ሃል ኦቭ ፌም’ ሰፊሩ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ድማ፡ ኮኸቡ ኣብ ‘ሆሊዉድ ዎክ ኦቭ ፌም’ ተነቢሩሉ፤ ከምዚ ዓይነት ክብሪ ዝረኸቡ ስነጥበባውያን ራፕ ንቱፓክ ሓዊሱ 12 ጥራይ እዮም።

‘ቱፓክ ብሓቂ ሞይቱ ድዩ?’

ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ብዙሓት ሰባት ዘልዐልዎ ሕቶ እዩ።

ኣብ ዝሓለፉ 27 ዓመታት ቱፓክ ብሓቂ እንታይ ከም ዘጋጠሞ ዝምልከቱ ማእለያ ዘይብሎም ወረታት ተሰሚዖም እዮም።

ገለ ካብዚኦም ሓደ ከም ዝሞተ ኣምሲሉ ኣብ ካልእ ሃገር ተሓቢኡ ይነብር ኣሎ ዝብል’ዩ።

ቱፓክ ኣብ ደርፍታቱ ፍንጪ ከም ዝሃበ ከይተረፈ ዝዛረቡ ገለ ካብ ኣድነቕቱ ኣለዉ። ንኣብነት፡ ኣብ ‘ላይፍ ጎስ ኦን’ ትብል ደርፉ ብዛዕባ ናይ ገዛእ ርእሱ ቀብሪ ራፕ ይገብር።

ኣብታ ‘ኦል ኣይዝ ኦን ሚ’ ዝተሰመየት ኣልበሙ እትርከብ ‘ኣይ ኤይንት ማድ ኣት ቻ’ ዝተበሃለት ደርፉ ምስ ተቐተለ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ እያ ተዘርጊሓ። ኣብ ቪድዮ እዛ ደርፊ ምስ ዓርኩ ድሕሪ ምብኣሱ ክቕተል ይርአ - ገሊኦም ኣድነቕቲ እዚ ምስቲ ብሓቂ ዘጋጠመ ፍጻመ ዝመሳሰል’ዩ ይብሉ።

ንዓመታት ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ከም ዝረኣይዎ ተዛሪቦም እዮም።

ኣብ 2012 ድማ ኪም ካርዳሽያን ከይተረፈት ዝረኣየቶ መሲልዋ።

ኣብ ሙዚቃ ዘለዎ ጽልዋ ጥራይ ዘይኰነ፡ ኣብታ ዝተቐትለላ ምሸት እንታይ ከም ዘጋጠመ ዝምርምሩ ፊልምታትን ሰነዳዊ ፊልምታትን እውን ተራእዮም እዮም።

ኣብ 2017፡ ሱጄ ናይት - እቲ ኣብታ ዝሞተላ ምሸት ምስ ቱፓክ ዝነበረ - ኣብ ሓደ ሰነዳዊ ፊልም፡ እቲ ራፐር ብህይወት ክህሉ ከም ዝኽእል ገሊጹ።

"'ፓክ ምስ ሞተ፡ ብሓቂ እንተሞይቱ..." ይብል ሱጄ ናይት ካብ ቤት ማእሰርቲ ቃለ መሕትት እናተገብረሉ።

 ኣሳእል ቱፓክ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ መናድቕ ይርአ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

መግለጺ ስእሊ, ኣሳእል ቱፓክ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ መናድቕ ይርአ

እንተዝህሉ ነይሩኸ...?

ኣብ ዙርያ ሞቱ ዘሎ ስነ-ሓሳባት - ከምኡ'ውን ምስጢር - ክሳዕ ሕጂ ኣዘራራቢ ካብ ዝዀነሉ ምኽንያታት ሓደ እዩ።

ንብዙሓት ግን ብኣግኡ እንተዘይመውት ነይሩ ኣብ ሞያኡ እንታይ ክፈጥር ይኽእል ነይሩ ዝብል ሕቶ የስዕብ።

ሓደ እዋን "ኣዝዩ ሓጺር ዕደመ’ዩ ዘለኒ፡ ብዙሕ ስራሕ ክሰርሕ ኣለኒ" ከም ዝበለ ይንገር።

ሙዚቃኡን ስብእነቱን ብሰፊሑ ሓደ ካብቶም ኣብ ኩሉ ግዜ ዝነበሩ ጸለውትን ዕዉታትን ራፐራት ክኸውን ኣኽኢልዎ’ዩ፤ ቱፓክ ኣብ ሂፕ-ሃፕ ብፍላይ ድማ ኣብ መድረኽ ራፕ ዌስት ኮስት ኣዝዩ ጽልዋ ኣሕዲሩ።

ራፐር 50 ሴንት "ኣብ 90ታት ዝዓበየ ኩሉ ራፐር” ካብ ቱፓክ ገለ ተማሂሩ’ዩ ይብል።

"ብርግጽ ናይ ገዛእ ርእሱ ቅዲ ኣማዕቢሉ፡ ንዝዀነ ቅድሚኡ ዝነበረ ሰብ ኣይመስልን።"

ኬንድሪክ ላማር’ውን ሞያኡ ብቱፓክ "ዝተደፋፍአ" ምዃኑ ይዛረብ።

ጸሓፊ ታሪኽ ሂፕ-ሃፕ ኬቪን ፓወል ድማ፡ "ኣብ ውሽጢ 50 ዓመታት ሂፕ-ሆፕ ካብ ዝረኸብናዮም ኣገዳሲ ኮኸብ ሂፕ-ሃፕ'ዩ" ይብል።