ቱፓክ ምስ ሞተ ድሕሪ 26 ዓመት ብሉጽ ክብሪ ክረክብ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቱፓክ ብዝብል ዝፍለጥ ራፐር ቱፓክ ሻኩር ካብ ዝሞት ድሕሪ 26 ዓመታት ኣብ ‘ሆሊዉድ ዎክ ኦፍ ፌም’ ኮኾብ ክኸውን’ዩ።
እዚ ኮኾብ ሂፕ ሆፕ፡ ኣብ ዕለት 7 ሰነ ኣብቲ ውሩይ መንገዲ እግሪ ሎስ ኣንጀለስ ብስነ-ስርዓት ክዝከር እዩ።
ኣብ ሆሊዉድ 'ዎክ ኦፍ ፌም' ዝሰፍር ኮኸብ ታሪኻዊ ምልክት ናይቶም ከዋኽብቲ ኢንዱስትሪ መዘናግዒ እዩ።
መብዛሕትኡ ቀወምቲ ህዝባዊ ምልክታት ኰይኖም፣ ኣስማት ናይ ተዋሳእቲ፣ ዳይረክተራት፣ ኣሰናዳእቲ፣ ሙዚቀኛታት፣ ጉጅለታት ትያትር/ሙዚቃዊ፣ ልብወለዳውያን ገጸ ባህርያትን ካልኦትን ዝሓቖፉ እዮም።
ቤት ምኽሪ ትካል ሆሊዉድ፡ እቲ ራፐር ነዚ ድሕሪ ሞት ክብሪ ከም ዝረክብ ንማዕከን ዜና ኤል.ኤ.ታይምስ ኣረጋጊጹ።
ቱፓክ ካብቶም ኮኸቦም ናብ ዎክ ኦቭ ፌም ዝኣተወ መበል 2758 ክኸውን እዩ።
እቲ ራፐር፡ ኣብ ኒውዮርክ ዝተወልደ ኰይኑ፡ ንሂፕ-ሆፕ ዌስት ኮስት ኣዝዩ ዝጸለወ እዩ።
ሓፍቲ ቱፓክ ዝዀነት ሰኪዋ "ሴት" ሻኩር፡ ኣብቲ ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ናይቲ ኮኾብ፡ ነቲ ብስሙ ዝብርከት ክብሪ ክትቅበል እያ።
ኣቕራቢ ሬድዮ ሎስ ኣንጀለስ ቢግ ቦይ ነቲ ስነ-ስርዓት ከም ዝመርሕ’ውን ተፈሊጡ ኣሎ።
ዳይረክተር ኣለን ሂዩዝን ጸሓፊ ጀማል ጆሴፍን ድማ መደረ ዘስምዑ ዕዱማት ክዀኑ እዮም።
ናይ መድረኽ ስሙ ቱፓክ ብዘብል ዝተቐየረ ሻኩር፡ ናይ መጀመርታ ኣልበሙ ኣብ 1991 እዩ ኣውጺኡ።
ብድሕሪኡ፡ 'ካሊፎርንያ ላቭ'፣ 'ኦል ኣይዝ ኦን ሚ'፣ 'ቼንጅስን ኣይ ኤይንት ማድ ኣት ቻ'፣ 'ኦንሊ ጋድ ከን ጀጅ ሚን'' ዝኣመሰሉ ዕውታት ደርፍታት ብምፍናው፡ ስሙ ኣብ ደረጃ ዕዉታት ሰፊሩ’ዩ።
ኣብ ላስ ቬጋስ፡ ኣርባዕተ ግዜ ብጥይት ተወቒዑ ብ13 መስከረም 1996 ኣብ መበል 25 ዓመቱ ዓሪፉ።
ኣብ 2004፡ ‘ጌቶ ጎስፐል’ ዝተሰመየት ድሕሪ ሞቱ ዝተፈነወት ንጽል ደርፉ፡ ኣብ ደረጃ ንጽል ደርፍታት ዓባይ ብሪጣንያ ቁጽሪ ሓደ ክትከውን ክኢላ እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







