ተዋሳኢ ሆሊውድ ብክልተ ገበናት ፆታዊ ዓመጽ ገበነኛ ኰይኑ ተረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, LOS ANGELES TIMES VIA GETTY IMAGES
ኣሜሪካዊ ተዋሳኢ ዳኒ ማስተርሰን ካብ ሰለስተ ገበናት ዓመጽ ብኽልተ ገበነኛ ምዃኑ ዳያኑ ቤት ፍርዲ ሎስኣንጀለስ ውሳነ ኣሕሊፎም።
ኮኾብ ናይቲ ‘ሰቨንቲስ ሾው’ ['70s Show] ዝተባህለ ተኸታታሊ ናይ ተለቪዥን ፊልም፡ ክሳብ 30 ዓመት ማእሰርቲ ከም ዝፅበዮ ዝተገለፀ ኰይኑ ካብ ቤት ፍርዲ ብመቑሕ ተኣሲሩ ክወፅእ ተራእዩ።
ሰለስተ ኣባላት ቤተክርስትያን ሳይንትሎጂ [ኣብ ሳይንስ ዝኣምኑ ዝኽተልዎ እምነት] ነበር ዝዀና ደቂ ኣንስትዮ እቲ ተዋሳኣይ ካብ 2001-03 ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብ ሆሊዉድ ኣብ ዝርከብ ገዝኡ ኣብ ልዕሊኤን ጾታዊ መጥቃዕቲ ከም ዝፈጸመ እየን ከሲሰንኦ።
ሓንቲ ኣብ 2003 ዓ.ም ዝተዓመፀት ግዳይ “እቲ ዝበደለኒ ዳኒ ማስተርሰን ብገበናዊ ባህርያቱ ተሓታቲ ከም ዝኸውን ምስ ፈለጥኩ ሩፍታ፣ ድኻም፣ ጥንካረ፣ ጓሂ . . . ኰታስ ዝተሓዋወሰ ስምዒት ይስምዓኒ ኣሎ" ምባላ ፀብፃብ ኣሶሺየትድ ፕረስ የመልክት።
ተዋሳኢትን ሞዴልን ዝዀነት በዓልቲ ቤቱ ቢጆው ፊሊፕስ፡ ንሱ ብመቑሕ ተኣሲሩ ክውሰድ እንከሎ ከም ዝምዝነብዐት ሲቢኤስ ኒውስ ጸብጺቡ።
ቅድሚኡ ኣብ ዝፀንሐ መስርሕ ፍርዲ ዝነበረ ዳኛ ኣብ ታሕሳስ 2022 ፍርዲ ክህብ ኣይከኣለን ነይሩ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ንማስተርሰን ዳግማይ ናብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ከቕርብዎ ዝመረፁ ኰይኖም፡ ዳኛ’ውን ጠበቓታት ኣብቲ ቀዳማይ መስርሕ ፍርዲ ዝተኸልከለ ሓድሽ መርትዖታት ከቕርቡ ፈቒዱ።
እተን ደቂ ኣንስትዮ ቅድሚ ምዕማጸን ዘዐውን ነገራት ከም ዝተዋህበን ዝገልጽ ምስክርነት ንቤት ፍርዲ እንተቕረባ’ኳ እቲ ተዋሳኣይ ንግዳያቱ መዐወኒ ዕፃት ብምሃብ ኣይተኸሰሰን ነይሩ።
ማስተርሰን እቲ ብ2017 ዝተወለዐ ምንቅስቓስ #MeToo ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ኣብ ዝበፅሐሉ እዋን እዩ ንመጀመርያ ግዜ ብዓመጽ ተኸሲሱ። ንሱ ግን ብገበን ከም ዘይተኸሰሰ ወይ ከም ዘይተፈርደ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን “በቃ እንተተኸሲስካ ልክዕ በቲ ገበን ተሓታቲ ከም ዝዀንካ እዩ ዝቑፀር” ክብል እውን ተዛሪቡ።
ክፍሊ መርመራ ፖሊስ ሎስኣንጀለስ ድሕሪ ዘካየዶ ሰለስተ ዓመት ዝወሰደ ምፅራይ እዩ ክሲ ቀሪቡ።
ኣኽበርቲ ሕጊ ኣብ ካልኦት ክልተ ጉዳያት አውን እኹል መርትዖ ስለ ዘይቀረበን ገደብ ግዜ ስለ ዝተወደአን ክሲ ኣየቕረቡን።
ኣኽበርቲ ሕጊ፡ ቤተክርስትያን ሳይንትሎጂ ነቲ መጥቃዕቲ ንምሽፋን ከም ዝሓገዘት ይምጉቱ ነይሮም፤ እቲ ትካል ግን ነቲ ክሲ ምሉእ ብሙሉእ ነጺግዎ።
ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደሉ እዋን፡ ማስተርሰንን ሰለስቲኤን ከሰስቱን ሰዓብቲ እምነት ‘ሳይንቶሎጂስት’ እዮም ነይሮም።
ብዙሓት ካብተን ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ዓመጽ ናብ ፖሊስ ንከይሕብራ ሰበስልጣን ቤተክርስትያን ሳይንትሎጂ ተስፋ ስለ ዘቖረጽወን ንቕድሚት ንክመጽኣ ዓመታት ከም ዝወሰደለን ገሊጸን።
የግዳስ ጉዳየን ኣብ "ውሽጣዊ ስርዓተ ፍትሒ" እታ ቤተክርስትያን ክውዳእ ከምዝተገደዳ ድማ ኣኽበርቲ ሕጊ ይሕብሩ።
ሰበስልጣን ሳይንትሎጂ ንሓንቲ ግዳይ “ኣየቃልዕን” ዝብል ስምምዕ እንተዘይፈሪማን 400 ሽሕ ዶላር (320 ሽሕ ፓውንድ) ክፍሊት እንተዘይተቐቢላን ካብቲ ቤተክርስትያን ክትባረር ምዃና ከም ዝነገሩዋ እቶም ኣኽበርቲ ሕጊ ወሲኾም ይገልጹ።
ምክትል ዓቃቢ ሕጊ ኣሪኤል ኣንሰን ኣብ እዋን ፍርዲ ንመጋባእያ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "እታ ቤተክርስትያን ንግዳያት 'ፆታዊ ዓመጽ ዓመጽ ኣይኰነን፤ ልዕሊ ኩሉ ድማ ናብ ሕጊ ምኻድ ኣይፍቀድን' ክትብል እያ ምሂራ" ኢላ።
ኣብ መስርሕ እቲ ፍርዲ ማስተርሰን ካብ ተሓታትነት ነፃ ንምውፃእ ኣብ ዘቕርቦ ዝነበረ ናይ መከላኸሊ ክትዓት፡ በተን ግዳያት ኰነ ብመሰኻኻር ዝቐርብ ዝነበረ ምስክርነት ከም ዘይረብሕን ኣብ ልዕሊ እታ ዝኣምናላ ዝነበራ ቤተ ክርስቲያን "ሕነ ንምፍዳይ" ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ከም ዝዀነን ብምግላፅ ከዳኽም ፈቲኑ።
ጠበቓታት ማስተርሰን፡ እቲ ፍርዲ ጌጋ ፍርዲ ምዃኑ ክእወጅ ክንዲ ዝኸኣልዎ እንተፈተኑ’ኳ ክዐወቱ ግን ኣይከኣሉን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







