ፍቕሪ 'ስነ-ህይወታዊ ጉቦ' ድዩ?

ፍቕሪ፡ ምሕዝነት፡ ምውላድ ወይ ምፍራይ ድዩ ወይስ ካብዚ ዝብርኽ ነገር?
ዶክተር ኣና ማቺን፡ ፍቕሪ ክሕዘና ድልዋት እንዀነሉ ምኽንያት ክንተሓባበር ስለዘለና ምዃኑ ትገልጽ።
ኣብ ኣዝዩ መሰረታዊ ደረጃ፡ ፍቕሪ ብዛዕባ ህላወ ውልቀሰብን ዓሌትን እዩ።
ደቂ ሰባት ልዑል ምትሕብባር ኣለዎም፤ ንኽንነብር፡ ፍልጠት ንኽንረክብን ኣዝዮም ጽግዕተኛታት ዝዀኑ ደቅና ንምዕባይን ክንተሓባበር ኣለና።
ምትሕብባር ግን ቀሊል ኣይኮነን።
ኣብ ሓደ ምቹእ ዓለም፡ ኣብ ዝደለናዮ እዋን ዝደለናዮ እናገበርና ኣብ ዕግበት ዝመልኦ ብሕትውና ምነበርና፤ ብዛዕባ ድሌታት ካልኦት ወይ ካብ ካልኦት ዝመጽእና ስግኣታት ብዝምልከት ዘተሓሳስበና ነገር ኣይምሃለወን።
ጕጅለኣዊ ኣነባብራ ክብንል ከለና፡ ንጸጋታት ክንወዳደር፡ ምንቅስቓሳትና ከነወሃህድ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ስርዓተ-መሰረት ክንህሉን ነቶም ክሕስዉ፡ ከታልሉን ክሰርቁን ዝኽእሉ ሰባት ክንከታተሎም ኣለና ማለት እዩ።
ስለዚ ፍልቀት፡ ነዞም ንህላወና ወሳኒ ዝዀኑ ዝምድናታት ከም እንጅምርን - ዋላ’ኳ ዋጋ ዘኽፍሉ እንተዀኑ - ኣብዚኦም ከም እንነጥፍን ንምርግጋጽ እንታይ ኣምጺኡ?
እወ፡ ፍቕሪ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፍቕሪ ከሚካል ድዩ?
ፍቕሪ ነቶም ብህይወት ንምጽናሕን ጂናትና ንምቅጻልን ጥራይ እንጠልቦም ዝምድናታት - ምስ ኣፍቀርቲ፡ ቈልዑ፡ ስድራቤትን ፈተውትን - ንምጅማርን ንምዕቃብን ጉቦ ክዀነና ዝማዕበለ እዩ።
እዚ ስነ-ህይወታዊ ጉቦ ድማ ብመልክዕ ስሕበትን ፍቕርን ዝድግፉ ኦክሲቶሲን፡ ዶፓሚን፡ ሴሮቶኒንን ቤታ-ኢንዶርፊንን ዝተበሃሉ ኣርባዕተ ኒውሮከሚካላት ዝሓቘፈ እዩ።
ኦክሲቶሲን ኣብ እዋን ስሕበት ኣገዳሲ’ዩ።
ኣሚግዳላ ማእከል ፍርሒ ሓንጐልና ኰይኑ መበገሲ ሓድሽ ዝምድናታት ንምጅማር ዝህልወና ፍርሒ እዩ።
ኦክሲቶሲን፡ ንኣሚግዳላ ብምዕጋት እቲ ፍርሒ ክጕድል ይገብር።
ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ከም ሓድሽ ናብ እንላለዮ ሰብ ክንቀርብ ከለና ርእሰ ተኣማንነት ክህልወና የኽእል ማለት’ዩ።
ዶፓሚን ኵሉ ግዜ ምስ ኦክሲቶሲን ኣብ ሓደ ግዜ እዩ ዝፍነው። ናይ ዓስቢ ከሚካል ኰይኑ፡ ዘሐጕሰና ነገር ኣብ እንገብረሉ እዋን’ዩ ዝፍነው።
ኣብ ከምዚ ኵነታት ንርእሰ ተኣማንነትና ይሽልመና፣ ብተወሳኺ ምስ ኦክሲቶሲን ብምስራሕ ሓንጐልና ዝያዳ ክሰፍሕ – ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ሰብ ሓድሽ ክንፈልጥን ክንዝክርን የኽእለና። ከምኡ’ውን ሆርሞን ብርታዐ ስለ ዝዀነ፡ ካብ መንበርና ተሲእና ናብቲ ሰብ ክንቀርብ የተባብዐና።
እዞም ኬሚካላት ብቐንዱ ኣብቲ ንቕሓት-ኣልቦ ከባቢ ሓንጐል እዮም ዝሰርሑ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ ስሕበት ወይ ፍትወት ኣብ መጀመርታ ጽሩይ ባህርያዊን ኣብ ንቕሓት ዘይንፈልጦን ስምዒት ስለዝዀነ እዩ።
ምጕዳል ሴሮቶኒን ነቲ ውጥረት ዝመልኦ ባእታ ፍቕሪ ይፍንው። ዘይከምቶም ካልኦት ከሚካላት፡ ሴሮቶኒን ኣብ ምጅማር ርክብ ይንኪ፡ በዚ ምኽንያት ድማ እዩ ኣእምሮና ብዛዕባ እቲ ሓድሽ ፍቕርና ብሓሳባት ዝውሕዝ።
ኣብ መወዳእታ ድማ ቤታ-ኢንዶርፊን ኣሎ። እዚ ሆርሞን ናይ ነዊሕ ግዜ ፍቕሪ እዩ።
ደቂ ሰባት ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ዝምድና ክህልዉ ይኽእሉ እዮም፤ ብፍላይ ኦክሲቶሲን ድማ ኣብ ነዊሕ እዋን ንፍቕሪ ዝድግፍ ሓይሊ የብሉን።
ብተወሳኺ፡ ኦክሲቶሲን መብዛሕትኡ ግዜ ብዓቢ መጠን ምስ ጾታዊን ተፈጥሮኣውን ፍቕሪ ኣብ ዝተኣሳሰር ኵነታት ጥራይ’ዩ ዝፍኖ።
እዚ ማለት ማለት ነቲ ቁልፊ፡ ንህይወት ወሳኒ ዝዀነ ሰብኣዊ ምትእስሳር ዕርክነት ክድግፍ ዓቕሚ የብሉን።
ቤታ-ኢንዶርፊን ግን ከም ሄሮይን ወይ ሞርፊን ዝኣመሰለ መድሃኒት ዕጸፋርስ ስለ ዝሰርሕ ነዚ ክገብር ዓቕሚ ኣለዎ። ከም ዕጸፋርስ’ውን ወልፊ ይኸውን።
ብእንፈትዎም ሰባት ክንውለፍ ክንፈላለ ከለና ድማ ቀልጢፍና ናብኦም ክንምለስ ስለ ዝድርኸናን’ዩ።
ቤታ-ኢንዶርፊን፡ ኣክንዲ ንፍትወት ስጋ ንፍቕሪ ይድግፍ፡ ንክልተኡ - ዘይንቝሕን ንቝሕን ከባቢታት ሓንጐልና ይጸሉ።
እዚ ማለት ደቂ ሰባት ንፍቕሪ ከም ባህርያዊ ድፍኢት ወይ ስምዒት ፍትወት፡ ቍጥዐ ወይ ባህታ ኰይኑ ከነስተማቕሮ ንኽእል።
ግን ከኣ ከም ኣስተንትኖ፡ ምትእምማን፡ ርህራሀ፡ ኣቓልቦን ውጥንን ዘጠቓልል ሕልናዊ መስርሕ’ውን እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







