ኔትፍሊክስ ንንግስቲ ክሊዮፓትራ ከም ጸላም ብምቕራቡ ግብጻውያን ተቖጢዖም

ምንጪ ስእሊ, NETFLIX
ንንግስቲ ክሊዮፓትራ ሻብዓይ ከም ጸላም ኣፍሪቃዊት ዝገልጽ ናይ ኔትፍሊክስ ተኸታታሊ ሰነዳዊ ፊልም [‘ዶኩድራማ’] ኣብ ግብጺ ክትዕ ኣለዓዒሉ።
ሓደ ጠበቓ፡ ኣብቲ “ንግስቲታት ኣፍሪቃ፡ ንግስቲ ክሊዮፓትራ” ብዝብል ዝተዳለወ ሰነዳዊ ፊልም ምጥሓስ ሕግታት ሚድያ ከምዘሎን "መንነት ግብጺ ንምድምሳስን" ዝዓለመ ከምዝኾነን ዝሕብር ጥርዓን ኣቕሪቡ።
ሓደ ላዕለዋይ ተመራማሪ ስነ-ጥንቲ እውን፡ ክሊዮፓትራ "ጸላም ዘይኮነትስ ብርህ ዝበለ ቆርበት” ከምዝነበራ ብምሕባር ሞጒቱ’ሎ።
ኣፍራዪት ናይቲ ፊልም "መቦቆላ ኣዝዩ ዘካታዕ እዩ" ክትብል እንከላ፡ እታ ንዓኣ መሲላ እተዋስአት ድማ "ነቲ ፊልም እንተዘይፈቲኹምዎ ኣይትርኣይዎ" ክትብል ንነቐፍቲ መልእኽቲ ኣሕሊፋ።
ተዋሳኢት ኣደል ጀምስ ነዚ ርእይቶ ኣብ ዘስፈረትሉ ናይ ትዊተር ጽሑፋ፡ ዓሌታዊ ጸርፊታት ዘጠቓለለ ዘይእሩም ርእይቶታት ከምዝበፅሓ ዘረድእ ስእልታት ኣተሓሒዛትሉ ኣላ።
ክሊዮፓትራ ብ69 ቅ.ል.ክ [ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ] ኣብ ግብጻዊት ከተማ እስክንድርያ ዝተወለደት ኮይና፡ ናይ መወዳእታ ንግስቲ ናይቲ ብጀነራል ቶለሚ (ናይ ኣሌክሳንደር ዓቢ) ዝተመስረተ፡ ቋንቋ ግሪኽ ዝዛረብ ስርወ መንግስቲ እያ።
ኣብ 51 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ፡ ንኣቦኣ ቶለሚ መበል 12 (Ptolemy XII) ብምትካእ ክሳብ ዕለተ ሞታ [30 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ] ገዚኣ። ብድሕሪኡ ግብጺ ኣብ ትሕቲ ዕብለላ ሮማውያን ወደቐት።
መንነት ኣደ ክሊዮፓትራ ስለዘይፍለጥ፡ ንሳ ወይ ካልኦት እኖሓጎታታ ካብ ግብጻውያን ደቀባት ወይ ካብ ካልእ ከባቢ ኣፍሪቃ ዝመፅኣ ክኾና ከምዝኽእላ ጸሓፍቲ ታሪኽ ይዛረቡ።
መሻርኽቲ ኔትፍሊክስ ዝኾነ መርበብ ሓበሬታ ‘ቱዱም’ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ሓድሽ ተኸታታሊ ሰነዳዊ ፊልም፡ ኣደል ጀምስ ንዝተባህለት ክልስ ዓሌት ብሪጣንያዊት ተዋሳኢት፡ ከም ክሊዮፓትራ ክትዋሳእ ምምራጹ "ነቲ ንዘመናት ዝቐጸለ ሞጎት ዓሌት እታ ንግስቲ ዘረጋግፅ እዩ" ኢሉ።
ዋና ኣፍራዪትን ኣዘንታዊትን እቲ ፊልም ዝነበረት ኣመሪካዊት ተዋሳኢት ጃዳ ፒንኬት ስሚዝ ብወገና "ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ጸለምቲ ንግስትታት ዝዛረቡ ዛንታታት ክንርኢ ወይ ክንሰምዕ ኣይንበቅዕን ኢና። እዚ ድማ ንዓይ፡ ከምኡ'ውን ንጓለይ ብሓቂ ኣገዳሲ እዩ ነይሩ። ማሕበረሰበይ እውን ነቶም ዛንታታት ክፈልጦም ምእንቲ" ኢላ።
ዝሓለፈ ሰሙን እታ ሓፃር መላለዪ ናይቲ ፊልም ምስ ተዘርግሐት ግን ብዙሓት ግብጻውያን ንውክልና ክሊዮፓትራ ኮኒኖሞ።
ፍሉጥ ተመራማሪ ታሪኽ ግብጺን ሚኒስተር ጥንታዊ ቅርስታት ነበርን ዛሂ ሃዋስ ንጋዜጣ ‘ኣልማስሪ ኣል ዩም’ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እዚ ፍጹም ሓሶት እዩ። ክሊዮፓትራ ግሪኻዊት እያ ነይራ፤ እዚ ማለት ድማ ጸላም ዘይኮነትስ ብርህ ዝበለ ቆርበት ከምዝነበራ የረጋግፅ" ክብል ኣረዲኡ።
ንሱ፡ ጸለምቲ ምዃኖም ዝፍለጡ ገዛእቲ ግብጺ ኣብ መበል 25 ስርወ መንግስቲ (747-656 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ) ዝነበሩ ነገስታት ኩሽ ጥራይ ምዃኖም ይገልፅ።
"ኔትፍሊክስ መበቆል ስልጣነ ግብጺ ጸሊም እዩ ዝብል ናይ ሓሶትን ምትላልን ዛንታ ብምዝርጋሕ ምድንጋር ክፈጥር ይፍትን ኣሎ" ክብል ዝነቐፈ እቲ ተመራማሪ፡ ግብጻውያን ኣንጻር ኔትፍሊክስ መርገጺ ክሕዙ ጸዊዑ።
ብሰንበት ድማ፡ ጠበቓ ማሕሙድ ኣል-ሰማሪ፡ "ኣድላዪ ሕጋዊ ስጉምትታት" ክወስድን ኣብ ግብጺ ኣገልግሎት ኔትፍሊክስ ክዕገትን ብምሕታት ናብ ዓቃቢ ሕጊ ጥርዓን ኣቕሪቡ ኣሎ።
ንሱ፡ እቲ ተኸታታሊ ፊልም ንሕግታት ሚድያ ግብጺ ዝጥሕስ ስእላዊ መግለፅታትን ትሕዝቶን ዘጠቓለለ ምዃኑን፡ "ንኣፍሮሰንትሪክ [ኣፍሪቃዊ መቦቆል] ኣተሓሳስባ ንምትብባዕ... እዚ ድማ ንመንነት ግብጺ ንምጥምዛዝን ንምድምሳስን ዝዓለመ ጭርሖታትን ጽሑፋትን ዘጠቓልል" ክብል ከሲሱ።
ቅድሚ ሰለስተ ዓመት፡ ብዛዕባ ክሊዮፓትራ እትገልጽ ፊልም ብእስራኤላዊት ተዋሳኢት ጋል ጋዶት ክትውከል ዝነበረ ውጥን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓያል ክትዕ ኣበጊሱ ነይሩ። ሽዑ ገለ ሰባት ውክልና ተዋሳኢት ኣብ ክንዲ ብእስራኤላዊት ናብ ዓረብ ወይ ኣፍሪቃዊት ተዋሳኢት ክኸይድ ኣለዎ ክብሉ ይሙጉቱ ነይሮም።
ብድሕሪኡ ጋዶት ነቲ ናይ ተዋሳእቲ ምምራፅ ውሳነ ተኸላኺሉ፡ "ንክሊዮፓትራ ክትሰማማዕ እትኽእል መቄዶንያዊት ተዋሳኢት ኢና ንደሊ ነይርና። ክትርከብ ግን ኣይከኣለትን” ክትብል ተዛሪባ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







