'ሽልማት ሆሊዉድ ብዓሌትነት ዝተቖማጠዐ’ዩ' ተዋሳኢት ዳኒለ ዴድዋይለር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣመሪካዊት ውርይቲ ተዋሳኢት ዳኒለ ዴድዋይለር፡ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ሽልማት ኦስካር ዋላ ሓንቲ ጸላም ተዋሳኢት ንሽልማት ከምዘይትሓጸየት ብምግላጽ፡ ሆሊዉድን ብዓሌትነት ዝተቒማጠዐ ከምዝኾነ ገሊጻ።
ዳኒለ ዴድዋይለር በታ ኣብታ ‘ቲል’ ዝኣርእስታ ድራማ ዝተላበሰቶ ገጻ ባህርን ዘርኣየቶ ናይ ምውሳእ ብቕዓትን ንሽልማት ኦስካር ክትሕጸ ከምእትክእል ናይ ብዙሓት ግምት’ዩ ነይሩ።
ብዘይከኣ ጸላም ተዋሳኢት ቭኦላ ደቪስ’ውን ንሽልማት ክትሕጸ ግምት ነይሩ፤ እንተኾነ ክልትኤን ኣብ ዝርዝር ሕጹያት ሽልማት ኦስካር ኣይኣተዋን።
ዳኒለ ዴድዋይለር፡ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝተፈላለየ ጽላታት ዓሌትነት ገኒኑ ከምዝርአ ተዛሪባ።
ንሳ ኣብታ ‘ቲል’ ዝኣርእስታ ድራማ ንኣዲኡ ናይቲ ኢምነት ቲል ዝተብሃል ወዲ 14 ዓመት ጸሊም ወኪላ’ያ ተዋሲኣ።
ኢምነት ቲል ኣብ 1955 ኣብ ሚሲሲፒ ንሓንቲ ጻዕዳ ሰበይቲ ፋጺኻላ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝተኸሰሰ ቖልዓ’ዩ።
ዳኒለ ዴድዋይለር ምስ ቢቢሲ ራድዮ 4 ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕተት “ታሪኽ ሲነማ ልዕሊ 100 ዓመታት ገይሩ ኣሎ፡ እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ብዓሌታውነት ኣዝዩ ተመራሲሑ ኣሎ” ኢላ።
“እዚ ሱር ዝሰደደ ዓሌታውነት ሞት ተይር ኒኮላስ የስዕብ ኣሎ፤ ሞት እምነት ቲል ኣስዒቡ፡ ካብ ስርዓተ ትምህርቲ ክሳብ ናይ ፊልም ኢንዳስትሪ ኩሉ ብዓሌትነት ዝተመልአ’ዩ” ኢላ።
ዳኒለ ዴድዋይለር፡ በቲ ኣብ ድራማ ቲል ዘርኣየቶ ብቕዓት ብብዙሓት ተወዲሳ’ያ፡ ንዝበለጸት ተዋሳኢት እዚ ዓመት ክትሕጸ’ውን ብዙሓት ትጽቢት ነይርዎም።
እንተኾነ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣስማት ሕጹያት ምስ ተፈለጠ፡ ጸሓፊትን ኣላይትን ፊልም ‘ቲል’ ናይጀርያዊት ኣሜሪካዊት ቺኖየ ችክዋ፡ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ዓሌታዊ ኣድልዎ የጋጥም ኣሎ ብምባል ንሆሊዉድ ከሲሳ ነይራ።
ዳኒለ ዴድዋይለር ንርእይቶ ቺኖየ ችክዋ ኣመልኪታ ንቢቢሲ ራድዩ 4 ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ “እወ፡ እቲ ቺኖየ ችክዋ ዝበለቶ ሓቂ’ዩ” ብምባል እቲ ዓሌታዊ ኣድልዎ ኣዝዩ ሱር ዝሰደደ ከምዝኾነ ገሊጻ።
ኦስካር ብዙሕ ነቐፌታታት ምስ በጽሖ ካብ 2015 ጀሚሩ ኣብ ኮሜተ ሮቋሕቲ ንሽልማት ኦስካር ቁጽሪ ጸለምትን ደቂ ኣንስትዮን ከምዝወሰኸ ዝዝከር’ዩ።
ውሑዳት ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ጥራሕ ኣብ ኦስካር ኣፍልጦ ከምዝተውሃቦም ዝገለጸት ዴድዋይለር፡ መብዛሕትኡ እዋን እንተኾነ “ኣብ መንጎ ናይ ዓሰርተታት ዓመታት ኣፈላላይ ኣሎ” ኢላ።
ነቲ ሃቲ ማክዳኒኤልስ ኣብ 1940 ብብልጽቲ ሓጋዚት ተዋሳኢት ከምኡ ድማ ሃሊ ቤሪ ኣብ 2002 ብብልጽቲ ተዋሳኢት ዝረኸበኦ ብሕታዊ ሽልማት ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ከም ኣብነት ጠቒሳ።
“ንምንታይ እቲ ሓጓፍ ተፈጢሩ ኢልካ ምሕታት ክንጅምር ኣለና” ዝበለት ዴድዋይለር፡ “ ነቲ ንነዊሕ እዋን ብስነ ሓሳብ ልዕልና ጸዓዱ ተታሒዙ ዝጸንሐ ዕድላት" ብከመይ ክመዓራረ ከምዘለዎ ክሕሰበሉ ጸዊዓ።
ሚሸል ዮህ፣ ኬት ብላንቸት፥ ኣና ዲ ኣርማስ፣ ሚሸል ዊልያምስን ኣንድርያ ራይዝቦሮን ኣብ ምድብ ብልጽቲ ተዋሳኢት ሕጹኣት ኮይነን ዝቐረባ እየን።
ነቲ ብፍሉጣት ተዋሳእቲ ተሓጊዙ ዝተኻየደ ወፍሪ ስዒቡ ድማ ተዋሳኢት ራይዝቦሮ ብጸብለልታ ተሓጽያ። ነቲ መደብ ዘዳሉ ኣካዳሚ እቲ ወፍሪ ስክፍታ ስለዝፈጠረሉ ነቲ ከይዲ ዘጻረዮ ኮይኑ፡ ካብ ዝርዝር ሕጹያት ግን ኣይኣለያን።
ብተመሳሳሊ ኣብ ዝርዝር ሓጋዚት ተዋሳኢት ብምቕራባ ኣዘራራቢ ዝኾነት ዊልያምስ እውን ኣብ ዝርዝር ሕጹያት ኣፍልጦ ተዋሂብዋ ኣሎ።
ሎሚ ዓመት ኣብ ዝርዝር ሕጹያት ብሉጽ ተዋሳኣይ ዝኣተወ ዋላ ሓደ ጸሊም የለን።
ኣንጀላ ባሰትን ብራያን ኣይሪ ሄነሪን ግና ኣብ ምድብ ሓገዝቲ ተዋሳእቲ ይወዳደሩ ኣለዉ።
ተዓወትቲ ኣብ ዝመጽእ 12 መጋቢት ዕላዊ ክግበሩ እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







