ዊል ስሚዝ፡ ካብ ኣካደሚ ኦስካር ተኣልዩ

ክሪስ ሮክን ዊል ስሚዝን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣመሪካዊ ህቡብ ተዋስኣይ፡ ዊል ስሚዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ስነስርዓት ምዕዳል ሽልማት ኦስካር፡ ንተዋዛዪ ክሪስ ሮክ ምስ ጸፍዖ፡ ካብ ኦስካር ኣካደሚ ብገዛእ ፍቓዱ ከም ዝተኣለየ ኣፍሊጡ።

"ኣብ መበል 94 ስነ ስርዓት ሽልማት ኣካዳሚ ኣዋርድስ፡ ዝፈጸምክዎ ተግባር ዘሰነንብድ፣ ዘቐንዙን ይቕረ ዘይበሃሎን እዩ፡" ኢሉ። ኦስካር ኣካዳሚ፡ ነቲ መልቀቒ ደብዳበ ዝተቐበለ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብ ጕድለት ስነምግባር ኣመልኪቱ ክወስዶም ዝጀመሮም ስጕምቲታት ግን ከም ዝቕጽለሉ ገሊጹ ኣሎ።

ዊል ስሚዝ ናብ መድረኽ ብምድያብ ንክሪስ ሮክ ኣምሪሩ ብጽፍዒት ክሃርሞ እንከሎ፡ ናብ መንበሩ ተመሊሱ ኰፍ ምስ በለ ድማ ብሕርቃን፡ "ሽም በዓልቲ ገዛይ" ኣይተልዕል ክብል ንክሪስ ሮክ ገኒሕዎ።

በዓልቲ ገዛ ዊል ስሚዝ ጄዳ ፒንኬት ናብቲ መድረኽ ሽልማት ክትመጽእ ከላ ጸጉሪ ርእሳ ምሉእ ብምሉእ ዝተላጽየ ነይሩ።

ፒንኬት፡ 'ኣለፒሽያ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ጸጕሪ ዘጥፍእ ጸገም ጥዕና ከም ዘለዋ ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ኣቢላ ኣፍሊጣ ነይራ።ጸኒሑ ግን ስሚዝ፡ ብሉጽ ተዋስኣይ ብዝብል ሽልማቱ ኣብ ዝተቐበለሉን መደረ ኣብ ዘስምዓሉን ይቕሬታ ሓቲቱ'ሎ።

ንሱ ኣቦ ናይተን ኣብ ግጥማት ቴኒስ ስሙያት ዝኾና ቬነስን ሰሪና ዊልያምን ኮይኑ ብዝተዋስአሉ 'ኪንግ ሪቻርድ' ኣብ ዘርእስቱ ፊልም ብዘርኣዮ ብሉፅ ብቕዓት'ዩ ነቲ ሽልማት ተዓዊቱ።

ስሚዝ፡ "ዝጐዳእኹዎም ዘርዚርካ ኣይውዳእን። ክሪ፡ ኣባላት ስድራኡ፡ ኣዕሩኽተይ፡ ፈተውተይ፡ ነቲ ስነስርዓት ዝከታተሉ ዝነበሩ ዕዱማት ኣጋይሽ፡ ኣብ ደገ ኾይኑ ካብ መላእ ዓለም ነቲ ስነስርዓት ዝነበረ ተዓዛቢ" ኢሉ።

"እምነት 'ቲ ኣካደሚ እየ ኣጕዲለ። ኣብቲ ስነስርዓት ምዕዳል ሽልማት ብብቕዓቶምን ክእለቶምን ብሉጻት ኮይኖም ሽልማት ዝቕበሉ ዝነበሩ፡ ከይሕጎሱ ገይረ፤ ልበይ ተሰይሩ 'ዩ።"

እቲ ተዋስኣይ፡ ደጊም ዓለምለኻዊ ትኹረት ናብቶም ብሉጻት ተዓወትቲ ክኸውን ከምዝደሊ'ውን ሓቲቱ።

ከምዚ ክብል ድማ ዛዚሙ፡ "ለውጢ ግዜ ይሓትት እዩ። ንኻልኣይ ግዜ፡ ምኽንያታዊ እምበር፡ ዓመጸኛ ንዘይምዃን በርቲዐ ክሰርሕ እየ" ኢሉ።

ፕረዚደንት እቲ ኣካዳሚ፡ ዴቪድ ሩቢን፡ ደብዳበ መልቀቒ ስራሕ ዊል ስሚዝ ተቐቢሉ ከምዘሎ ብምርግጋጽ፡ እንተኾነ፡ እቲ ትካል ዝጀመሮ ስጉምቲ ጉድለት ስነምግባር ከምዝቕጽለሉ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ድሕሪ እቲ ተጓንፎ፡ ሮክ፡ ንፈለማ እዋን ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ እቲ ኩነታት ኣብ ኣእምሮኡ ይመላለሶ ከምዘሎ ተዛሪቡ።ክሪስ ክሮ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝተፈላለዩ ከባብታት እናዞረ ናይ ምውዛይ ስራሓቱ ቀጺሉ ኣሎ።

እቲ ወዲ 57 ቀያዒ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣመሪካ ዋዛኡ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን፡ ዕዱማት ኣጋይሽ ደው ኢሎም ክቕበልዎን ከኽብርዎን ተራእዩ።

ሮክ ኣብ ልዕሊ ስሚዝ ዝኾነ ገበናዊ ክሲ ከም ዘይመስርት ምፍላጡ ዝዝከር እዩ። በዓልቲ ገዛኡ ንዊል ስሚዝ፡ ተዋሳኢት ጄዳ ፒንኬት፡ ኣብ ኢንስተግራም "ሕጂ ናይ ሕውየት ግዜ'ዩ" ክትብል ጽሒፋ ነይራ።