ወተሃደራት እስራኤል፡ ንፍልስጤማዊ ቈልዓ ብጥይት ሃሪሞም ክሳብ ዝመውት ደው ኢሎም ምርኣዮም ዘረጋገጸ ቪድዮ

እዚ ዛንታ እዚ ንገለ ኣንበብቲ ዘጨንቕ ኰይኑ ክረኽብዎ ዝኽእሉ ዝርዝራትን ቪድዮን ዝሓዘ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር፡ ጃድ ጃዳላህ ዝተባህለ ወዲ 14 ዓመት ፍልስጤማዊ ቈልዓ፡ ኣብ ዝተጐበጠ ምዕራባዊ ገማግም - ዌስት ባንክ - ኣብ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ብወተሃደራት እስራኤል ብቐረባ ብጥይት ተሃሪሙ።
ጃድ ኣብ ሓደ ጐደና ተደፊኡ ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ እቶም ወተሃደራት ኣብ ዙርያኡ ከቢቦም ክልተ ኣምቡላንሳት ፍልስጤማውያን ናብኡ ከይጽግዓ ዓጊቶምወን።
ብመሰረት ሓደ ቪድዮን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን፡ እቶም ወተሃደራት - ብጠቕላላ 14 - ድሕሪኡ ብውሑዱ ን45 ደቓይቕ ኣብ ዙርያ ጃድ ብዘይ ገለ ዕላማ ደው ኢሎም፣ ንሱ ድማ ካብ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ብጥይት ዝተሃረመሉ ክፍሊ ኣካላቱ ይደሚ ነይሩ።
ኵሎም ወተሃደራት እስራኤል ኣገልግሎት ህጹጽ ረዲአት ሕክምና ከመይ ከም ዝወሃብ ስልጠና ዝወሰዱ እየም። ይዅን'ምበር ካብቶም ወተሃደራት ንጃድ ህይወት ዘድሕን ሕክምናዊ ሓገዝ ዝህብ ዝነበረ ኣካል ኣይመስልን። ኣብ ገሊኡ፡ ጃድ ኣቓልቦኦም ንምርካብ ዝገብሮ ዝነበረ ተደጋጋሚ ፈተነታት ዕሽሽ ክብሉዎ ዝረኣዩ ይመስሉ።
ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል (IDF) ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ወተሃደራት "መጀመርታ ሕክምናዊ ረድኤት" ከም ዝሃቡ እኳ እንተገለጸ፡ ወሃቢ ቃል ግን ብዛዕባ እንታይነት ወይ ግዜ እቲ ሕክምና ዝዀነ ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ኣይደለየን።
ሰራዊት ምክልኻል፡ ንጃድ እምኒ ብምድርባይ እውን ከሲሱዎ ኣሎ፣ እዚ ድማ ብመሰረት ሕግታት ውግእ ወተሃደራት እስራኤል ቀታሊ ሓይሊ ክጥቀሙ ክፈቅድ ይኽእል።
ነቲ ፍጻመ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ግን ሓደ ወተሃደር ሰራዊት እስራኤል፡ ንጃድ ድሕሪ ምቕታሉ ኣብ ጐኒ ጃድ ዝነበረ ነገር ብምድርባይ ስእሊ ከም ዝወሰደ ዘርኢ'ዩ - እዚ ስጕምቲ ስድራቤት ጃድን ሓደ መሪሕ ጕጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላትን ንዕኡ ንምኽሳስ ዝተገብረ ፈተነ እዩ ይብሉ።
እቶም ወተሃደራት ኣብ መወዳእታ ንጃድ ኣብ ድሕሪት ወተሃደራዊት መኪና እስራኤል ጽዒኖምዎ። ኣብ ገለ እዋን ግን ቅድሚ ወይ ድሕሪ ምጽዓኖም ሞይቱ። ሰራዊት እስራኤል ሬሳኡ ናብቶም ስድራቤት ምምላስ ኣብዩ፤ ብዛዕባ መጕዳእቲ ንዝቐረበሉ ዝዀነ ሕቶ መልሲ ክህብ ስለ ዘይደለየ፡ ክሳብ ሕጂ ኣብ ኣበየናይ ክፍሊ ኣካላቱ ወይ ክንደይ ግዜ ብጥይት ከም ዝተሃርመ ንጹር ኣይኰነን።

ካብ ቀረባ ርሕቐት ዝተተኰሰ
ጃድ ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ኣስታት 10 ሽሕ ፍልስጤማውያን ዝነብሩሉ መዓስከር ስደተኛታት ኣልፋርዓ ተወሊዱ ዝዓበየ እዩ።
ምስ ካልኦት ተመሳሰልቲ መዓስከራት ኣብቲ ዝተጐበጠ ግዝኣታት ተደጋጋሚ ወተሃደራዊ ተፍትሽ እስራኤል ይፍጸም'ዩ፤ እዚ ድማ እስራኤል ኣብኡ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጕጅለታት ንምምካት ኣድላዪ እዩ ትብል።
ብብዙሕ መዳይ ሞት ጃድ ዘይተለምደ ኣይነበረን።
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ብሓይልታት እስራኤል 55 ህጻናት ክቕተሉ እንከለዉ፡ ድሕሪ'ቲ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ድማ 227 ኣብኡ ተቐቲሎም።
ኣብዚ ጉዳይ እዚ ግን ክልተ ነገራት ጐሊሖም ይረኣዩ። እቲ ቀዳማይ ጃድ ንነዊሕ እዋን ከይተሓከመ ኣብ መሬት ደቂሱ፡ ንሱ እናሞተ እንከሎ ኣብ ከባቢኡ ብዙሓት ወተሃደራት ምንባሮም፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ ቢቢሲ ከረጋግጾ ዝኸኣለ ርኡይ ዝዀነ ቪድዮ ናይቲ ፍጻመ ምውጽኡ እዩ።
ልክዕ ህሞት እቲ ተዅሲ ኣብቲ መዓስከር ብዘሎ ሲሲቲቪ ካሜራ ተቐሪጹ። እቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ሰለስተ ኣወዳት ኣብ ኵርናዕ ሓደ ጐደና ደው ኢሎም ከም ዘለዉ ዘርኢ እዩ።
መጀመርታ ንየማኖም ይጥምቱ፡ ኣብኡ፡ ብመሰረት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፡ ወተሃደራዊ መካይን እስራኤል ቅድሚ ቅሩብ ደቓይቕ ናብቲ መውጽኢ ናይቲ መዓስከር ገጸን ተጓዒዘን ነይረን።
ሓደ ካብቶም ኣብቲ ህሞት ምስ ጃድ ዝነበሩ ክልተ ኣዕሩኽ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ቈልዑ፡ ኣብ ሓደ ናይቲ መዓስከር ናይ መልእኽቲ ጕጅለ፡ ኣሃዱታት እስራኤል ይብገሳ ከም ዘለዋ ዝገልጽ ጽሑፍ ምስ ረኣዩ ንደገ ወጺኦም ድሕሪ ምጽናሕ ነዚ ንምርግጋጽ ኣብቲ ኩርናዕ ቁሊሕ ኢሎም ይጥምቱ ከም ዝነበሩ ገሊጹ።
ጃድን ኣዕሩኽቱን ከይፈለጡ፡ ኣርባዕተ ወተሃደራት እስራኤል ዝሓቘፈት ጕጅለ ብድሕሪት ኣርኪባቶም። ንሳቶም ድማ ሒደት ሜትሮታት ጥራይ ርሒቖም፡ ብጸጋሞም፡ ብድሕሪ ናብ ዝነበረ መንደቕ ተጸጊዖም ደው ኢሎም ነበሩ። ኣዕሩኽ ጃድ መጀመርታ ነቶም ወተሃደራት ርእዮም ናብቲ ጐደና ሃዲሞም። ጃድ ግን ወይ ኣይረኣዮምን ወይ ድማ ደንጉዩ ርእይዎም።
እቲ ብሲሲቲቪ ዝተቐድሐ ስእሊ ከም ዘርእዮ፡ እቲ መሪሕ ወተሃደር ካብ ጃድ ትሕቲ ሰለስተ ሜትሮ ርሒቑ ናብቲ ፍሬም ናይታ ካሜራ ኣትዩ፤ ድሕሪኡ ሽጉጡ ኣልዒሉ ተዅሲ ክኸፍት ይረአ። ጃድ እዚኣ እታ ዝተሃርመላ ህሞት ምዃና ዝሕብር ምንቅስቓስ ይገብር። ኣብቲ መዓስከር፡ እዚ መጥቃዕቲ ዝፈጠሮም ነዃላት ጥይት ኣብቲ መንደቕ ይርከቡ።
ድሕሪኡ ድሮ ቈሲሉ ክኸውን ዝኽእል ጃድ ናብቲ ጐደና ይጎዪ እሞ እቲ እስራኤላዊ ወተሃደር ድማ ሽጉጡ ደድሕሪ ጃድ እናወጣወጠ ዝዘውር ይመስል። እቲ ብሲሲቲቪ ዝተቐድሐ ስእሊ፡ ኣብ ቅድሚት ኣብ ዝነበረ ጐደና ሓመድ ረጊጹ ከም ዝድይብ ዘርኢ ኰይኑ፡ እቲ ወተሃደር ንጃድ ክሃድም ከሎ ብድሕሪት ተኲሱ ከም ዝቐጸለ ይሕብር።

ኣብቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ጃድ ድሕሪ ሒደት ሜትሮታት ጥራይ እናወደቐ ከሎ ካብ ፍሬም እቲ ቪድዮ ክጠፍእ ይርኣይ። ድሕሪ ቅሩብ ግዜ፡ ብሓደ ነባሪ መዓስከር ብጥንቃቐ ዝተቐድሐ ናይ ተዓዘብቲ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ካብቲ ካልእ ኣንፈት ናብ ሲሲቲቪ ዝተወስደ ምስሊ የርኢ። እዚ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ገለ ካብቲ ናይ መወዳእታ ህሞታት ህይወት ጃድ ዝቐድሐ እዩ።
በዚ፡ ጃድ ሓገዝ ደልዩ ኣቓልቦ እቶም ወተሃደራት ንምርካብ ተደጋጋሚ ፈተነታት ዝገብር ይመስል፣ ኣእዳው ብምውጥዋጥን ቈቢዑ ናብኦም ብምድርባይን እዚ ነዚ ሓገዝ ክሓትት ዝፍትን። እቶም ወተሃደራት ንጻዕሩ ሸለል ኢሎም ነታ ቈቢዕ ንድሕሪት ይሃርሙዋ።
በቲ ተኹሲ ዝተሰናበደት ኣደ ጃድ፡ ብእግራ ክትበጽሓሉ ፈቲና፤ ግን ወተሃደራት እስራኤል ከም ዝኸልከሉዋን ንሳን ካልኦት ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ገሊጾም። ካልእ ነባሪ ህጹጽ ጻውዒት ብምግባር ብቕጽበት ኣምቡላንስ ከም ዝተላእኸት፤ ድሕሪ ሸሞንተ ደቓይቕ ኣብቲ ቦታ ከም ዝበጽሐት ብናይ ፍልስጤም ቀይሕ ወርሒ ንቢቢሲ ዝተዋህበ መዝገብ ጻውዒት ስልኪ ይሕብር።
እቲ መሪሕ ፓራሜዲክ ሓሰን ፎውካ፡ ጋንታኡ ብወተሃደራት እስራኤል ብጠበንጃ ደው ከም ዝበለትን፡ ኣብ ቅድሚኦም ናብታ ሚእቲ ሜትሮ ጥራይ ርሒቑ ዝነበረ ጃድ ከይትበጽሕ ከም ዝተኸልከለትን ገሊጹ።

ድሕሪኡ ፎውካን ሰራሕተኛታት እታ ኣምቡላንስን፡ ጃድ እናደመየ እንከሎ ክዕዘቡዎ ጥራይ ተገዲዶም።
እቲ ጕጅለ ፓራሜዲክ፡ እንተወሓደ ን35 ደቓይቕ ከም ዝተዓዘበን፡ ዋላ ሓንቲ ክገብሩ ከም ዘይከኣሉን ገሊጹ።
ፎውካ ካብ ካልእ ኣንፈት ካልኣይቲ ኣምቡላንስ ክትመጽእ ጸዊዑ፡ እንተዀነ ነዚኣ እውን ወተሃደራት ደው ኣቢሎምዋ።
"ብዙሕ ግዜ ክንስጕም ፈቲንና፡ ናብቲ ህጻን ክንበጽሕ ምልክት ክንገብረሎም ፈቲንና፡ ግን ምሉእ ብምሉእ ተዓጺና፡" ይብል ፎውካ።
"ኣብኡ በጺሕና ሕክምናዊ ሓገዝ ክንገብር ንኽእል ኔርና ግን ተኸልኪልና። ዕላማ ናይዚ፡ ኣይንፈልጥን ኢና፡ ግን እዚ እዩ እቲ ዘጋጠመ።"
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንጃድ ሕቡእ ነታጒ ከም ዘይሓዘ ድሕሪ ምርግጋጹ "መጀመርታ ሕክምናዊ ረድኤት" ተገይርሉ'ዩ ኢሉ።
ነቲ ፍጻመ ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ከምኡ'ውን ጃድ ቅድሚኡ ካብ ገዛኡ ክወጽእ ከሎ ብቐረባ ዝተቐድሐ ብሲሲቲቪ ዝተርኣየ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ጃድ ማልያን ጂንስን ጥራይ ከም ዝለበሰ የርኢ።
ጃድ እንታይ ዓይነት ማህረምቲ ከም ዘጋጠሞን እንታይ ዓይነት ሕክምና ከም ዝተገብረሉን ከብርህ ምስ ተሓተተ፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል መልሲ ክህብ ኣይደለየን።
እምኒ ብምቕባር ዝተኸሰሰ ጃድ
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ጃድ እምኒ ከም ዝደርበየን "ነቲ ሓይሊ ከጥቅዕ ዝፈተነ" "ሽበራዊ" ምንባሩን ገሊጹ።
ስድራቤት ጃድ ግን ድሕሪ'ቲ ሓደ ካብቶም ወተሃደራት ካብ ዝተተኰሰሉ ቦታ ወጻኢ ናብቲ ጃድ ዝነበረሉ ቦታ ብምእታው ኣብ ጐኒ ጃድ ከቢድ ነገር ኣውዲቑ፡ ድሕሪኡ ነቲ ኣብ ጐድኑ ዝነበረ ነገር ክስእል ዘርኢ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ምውጽኡ፡ እዚ እቶም ወተሃደራት ንወዶም ንምኽሳስ ዝገበሩዎ'ዩ ክብሉ ከሲሶም ኣለዉ።።
"ፍሬም ክገብሩዎ ምእንቲ፡ ኣብ ጥቓኡ እምኒ ኣውዲቖም፤ እምኒ ዝደርበየሎም ከም ዝመስል ድማ ገይሮም፡" ትብል ኣደ ጃድ ሳፋ።
"ኣብቲ ቪድዮ ክትሪእዎ ትኽእሉ ኢኹም፡" ኢላ። "እቲ ቪድዮ ዝረኣየ ሰብ ድማ ነዚ ክርእዮ እዩ።"
ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ዝርከቡ ወተሃደራት እስራኤል፡ ብተደጋጋሚ ንህይወቶም ቅልጡፍ ሓደጋ ዘየስዕቡ ሰባት፡ እንተላይ ናብኣታቶም ኣንፈት ኣእማን ዝድርብዩ ህጻናት ሓዊሱ፡ ብተደጋጋሚ ብጥይት ከም ዝቐትሉ፡ ኣብኡ ዝርከቡ ወተሃደራት እስራኤል ብፖሊሲ "ቅሉዕ ተዅሲ" ከም ዝንቀሳቐሱ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይገልጹ።
ኣባል ቤተ ሰላም ዝተባህለ እስራኤላዊ ጕጅለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ዝዀነ ሻይ ፓርነስ፡ እቲ ጃድ እምኒ ሒዙ ምንባሩ ንምርኣይ ዝተሳእለ ምስሊ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንምምኽናይ ዝተገብረ ይመስል ኢሉ።
ፓርነስ፡ "እንታይ ንርኢ ከም ዘለና ብርግጸኝነት ንምፍላጥ ኣጸጋሚ'ዩ - እምኒ ድዩ እሞ ብእኡ ፍሬም ክገብርዎ ይፍትኑ ድዮም ዘለው ንምፍላጥ ኣጸጋሚ'ዩ፡" ኢሉ።
"ብቅኑዕ ኣእምሮ ዝዕዘቦ ሰብ ግን ምናልባት ኣብ ከምዚ መደምደምታ ክበጽሕ'ዩ ዝብል ግምት ኣለኒ።"
ከምዚ ዓይነት ተግባር ኣዝዩ "ሕማቕ" ክኸውን'ዩ ክብል ፓርነስ ወሲኹ ገሊጹ። "ግን ካልኦት ሓይልታት እስራኤል ብዝተፈላለየ መገዲ፡ ድሕሪ ዝውሰድ ስጕምቲ ንሓደ ፍልስጤማዊ ፍሬም ክገብሩ ዝፈተኑሉ ጉዳያት ረኺብና ኣለና። እዚ ብካሜራ ክንርእዮ ናይ መጀመርታና ኣይኰነን።"
እቲ ወተሃደር ኣብ ጐኒ ጃድ እምኒ ኣቐሚጦም ዝብል ክሲ ብፍሉይ ምስ ተሓተተ፡ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ነቲ ሕቶ ዕሽሽ ኢሉዎ።

ብዙሓት ንዅነታት ሞት ጃድ፡ ክንደይ ግዜ ብጥይት ከም ዝተሃርመን መዓስን ኣበይን ከም ዝሞተንን ዝገልጹ ሓበሬታታት ሓዊሱ ንጹር ኣይኰነን፤ ምኽንያቱ ሰራዊት እስራኤል ነቲ ሬሳ ምምላስን ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ንዝቐረበሉ ዝርዝር ሕቶታት መልሲ ምሃብን ኣብዩ እዩ።
እስራኤል ሬሳ ናይቶም ብሰራዊት ዝተቐትሉ ሰባት ምምላስ ምእባያ ዘይተለምደ ኣይኰነን – ኣብዚ እዋን'ዚ ሰበስልጣን እስራኤል ሬሳታት 776 ፍልስጤማውያን ወይ ካልኦት ብመጥቃዕቲ ፈጺሞም ዝተኸሰሱ ወይ ዝተጠርጠሩ ዜጋታት ከም ዝሓዙ ይግለጽ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል ስለ ምንታይ ሬሳ ጃድ ከም ዝሓዞ ንቢቢሲ መብርሂ ክህብ ኣይደለየን።
ኣደ ጃድ ሳፋ፡ እቲ ሓይሊ ወይ ገለ ነገር ክሓብእ ይፍትን ከም ዘሎ፡ ወይ ድማ ሓደ ዓይነት ኰነ ኢልካ ዝፍጸም ጭካነ ከም ዘሎ ዘርኢ'ዩ ኢላ።
"ምናልባት ንዓና ንምብስጫው፡ ንምድኻም፡ ትዕግስትና ንምቕታል ጥራይ ክኸውን ይኽእል'ዩ" ትብል።
"ግን ትዕግስቲ ኣለና፡ ተስፋ'ውን ኣለና፡ ክንጽበ ድማ ኢና። ሎሚ፡ ጽባሕ፡ ወይ ድሕሪ ሚእቲ ዓመት ክንመልሶ ኢና። ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንመልሶ ኢና።"













![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



