ብስም ምውጻእ ሓገዝ፡ ኣብ ልዕሊ ሕሙማት መንሽሮ ዝዀኑ ቈልዑ ዝተፈጸመ ምትላል

ምንጪ ስእሊ, Chance Letikva
መጠንቀቕታ፡ እዚ ዝርብሽ ትሕዝቶ ኣለዎ።
ሓደ ንእሽቶ ቈልዓ ናብ ካሜራ ገጹ ይጥምት። ገጹ ፍሕሽው ኢሉ'ዩ፣ ጸጕሪ የብሉን።
"ወዲ 7 ዓመት እየ፡ መንሽሮ ድማ ኣለኒ። በጃኹም ህይወተይ ንምድሓን ሓግዙኒ።"
ኸሊል - ስእሉ ኣብ ላዕሊ ዘሎ - ከምዚ እናበለ ክቕዳሕ ከም ዘይደለየ ኣዲኡ ኣልጂን ትዛረብ።
ርእሱ ክትላጽዮ ተሓቲታ ነይራ፤ ድሕሪኡ ሓደ ጕጅለ ፊልም ናይ ሓሶት መድረኽ ብምድላው፡ ስድርኡ ድማ ዕለተ ልደቱ ከም ዝዀነ ከምስሉ ሓተትዎም። ብእንግሊዝኛ ዘንብቦ ጽሑፍ ሂቦምዎ ነይሮም።
ንኽበኪ፡ ኣብ ጥቓኡ ዝተመተረ ሽጕርቲ ምስ ተቐመጠ፡ ኣብ ትሕቲ ኣዕይንቱ ድማ መንቶል ምስ ተገብረ ኣይፈተዎን ትብል ኣዲኡ።
ኣልጂን ዋላ'ውን እቲ ኵሉ ዝተገብረ ምድላዋት ናይ ሓሶት እንተ ነበረ፡ ኸሊል ግን ብሓቂ መንሽሮ ነይርዎ።
እዚ ቪድዮ ንዝሓሸ ሕክምና ገንዘብ 'ክራውድፋንድ' ንምርካብ ከም ዝሕግዝ ተነጊርዋ። በዚ መንገዲ፡ 27,000 ዶላር ብስም ኸሊል ክእከብ ክኢሉ እዩ።
ኣልጂን ግን እቲ ዕማም ከም ዝፈሸለ ተነጊርዋ፤ ካብዚ ገንዘብ ሳንቲም'ውን ከም ዘይረኸበት ትዛረብ። ኣብታ መዓልቲ ንዝተቐረጹዎ ግን 700 ዶላር ተኸፊሉዋ። ድሕሪ ሓደ ዓመት ኸሊል ሞይቱ።
ኣብ መላእ ዓለም፡ ብዅነታት ደቈም ኣመና ዝተጨነቑ ወለዲ ወይ ኣብ ኣፍ ሞት ዘለዉ ቈልዑ፡ ብኢንተርነት ብዝካየድ ወፍሪ ምትላል ይምዝመዙ ከም ዘለዉ ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ ኣረጋጊጹ።
ህዝቢ፡ ነቶም ንህይወት ዘድሕን ሕክምና ንምርካብ ገንዘብ ንእክብ ኣለና ዝብሉ ጐስጓሳት፡ ገንዘብ ይህቦም ኣሎ።
ካብቲ ዝተኣከበ ገንዘብ ውሑድ ወይ ሳንቲም እኳ ከም ዘይረኸባ ዝዛረባ 15 ስድራቤታት ግን ኣለሊና ኣለና። እዚኦም፡ መብዛሕትኡ ግዜ፡ ዋላ'ኳ እቲ ዘሕዝን ቪድዮ እንተ ተቐድሑ፡ እቲ ጐስጓሳት ንምክያድ ይሕተሙ ከም ዘለዉ ከም ዘይፈልጡ ይዛረቡ።
ትሽዓተ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ስድራቤታት ካብቲ ብስሞም ዝተኣከበ ዝመስል 4 ሚልዮን ዶላር ፈጺሞም ዝዀነ ነገር ከም ዘይረኸቡ ሓቢሮም።
ካብዚ ኔትዎርክ ብሕቡእ ሓበሬታ ዝሃበና ውልቀሰብ፡ "ዕድሚኦም ካብ ሰለስተ ክሳብ ትሽዓተ ዓመት ዝዀኑ... ጸጕሪ ዘይብሎም ጽቡቓት ቈልዑ፡" ከም ዝደለዩ ሓቢሩ።
ኣብ ካናዳ ዝነብር ኤረዝ ሓዳሪ ዝተባህለ እስራኤላዊ ኣብቲ ምትላል ቀንዲ ተዋሳኢ ምዃኑ ኣለሊና ኣለና።
ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2023 ዝጀመረ ኰይኑ፡ ሓደ ዘጨንቕ ናይ ዩቱብ መወዓውዒ ኣቓልቦና ስሒቡ።
ኣብዚ፡ ካብ ጋና ዝዀነት ኣሌክሳንድራ ዝተባህለት ጓል እናነብዐት፡ "ክመውት ኣይደልን እየ፤ ሕክምናታተይ ብዙሕ ወጻኢታት'ዩ ዝሓትት፡" ትብል።
ንዓኣ ዝተገብረ ናይ ክራውድፋንዲንግ ወፍሪ ዳርጋ 700,000 ዶላር ዝኣከበ ይመስል።
ኣብ ዩቱብ፡ ብዙሓት ቪድዮታት ካብ መላእ ዓለም ናይ ዝዀኑ ሕሙማት ርኢና።
ኵሎም ብዘደንቕ መንገዲ ዝመሳሰሉ - ብታህዋኽ ዝተሰርሑ፡ ከምኡ'ውን ገዚፍ ገንዘብ ዘዋህለሉ ይመስሉ። ኵሎም ስምዒታዊ ቋንቋ ተጠቒሞም ናይ ህጹጽነት መልእኽቲ ዘመሓላልፉ'ዮም።
በዚ ምኽንያት፡ ዝያዳ መርመራ ክንገብር ወሲንና።
እቶም ዝዓበየ ርኡይ ኣህጉራዊ ዝርግሐ ዝነበሮም ጐስጓሳት፡ ብስም ቻንስ ለቲክቫ (ብእንግሊዝኛ- ዕድል ንተስፋ) ኣብ እስራኤልን ኣመሪካን ዝተመዝገበ ትካል እዩ ነይሩ።
እቶም ኣብዞም ቪድዮታት ዝርኣዩ ቈልዑ ምልላይ ኣጸጋሚ እዩ ነይሩ። ስድራቤቶም ንምርካብ ጂኦሎኬሽን፡ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ገጽ መለለዪ ሶፍትዌርን ተጠቒምና ኢና። እዚኦም ካብ ኮሎምቢያ ክሳብ ፊሊፒንስ ዝርከቡ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Chance Letikva
ናይተን ናይ ጐስጓስ መርበብ ሓበሬታታት ጠቕላላ ገንዘብ ሓቀኛ ድዩ ኣይኰነን ብርግጽ ንምፍላጥ ኣጸጋሚ እኳ እንተ ነበረ፡ ንኽልተ ካብኣተን ንእሽቶ ገንዘብ ብምውፋይ እቲ ጠቕላላ ገንዘብ በቲ ዝኣተወ መጠን ገንዘብ ክውስኽ ርኢና።
ብስም ኣሌክሳንድራ ኣብ ዝተገብረ ወፍሪ 180 ዶላር ከም ዝሃበትን ድሕሪኡ ድማ ተወሳኺ ንምርካብ ብኣሌክሳንድራን ኣቦኣን ከም ዝተላእከ ገይሩ ከም ዝተጻሕፈ ዝገልጽ ሕቶ ከም ዝቐረበላን ንእትዛረብ ሰብ'ውን ኣዘራሪብና ኣለና።
ኣብ ፊሊፒንስ ኣልጂን ታባሳ ወዳ ኸሊል ድሕሪ ሻብዓይ ዓመት ልደቱ ከም ዝሓመመ ነጊራትና።
"መንሽሮ ምዃኑ ምስ ፈለጥና ምሉእ ዓለመይ ዝፈረሰት ኰይኑ ተሰሚዑኒ፡" ትብል።
ኣልጂን፡ ኣብ ከተማ ሴቡ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ዝረኽቦ ዝነበረ ሕክምና ብዙሕ ዘዕግብ ከም ዘይነበረን ናብ ኵሎም እትቐርቦም ሰባት ሓገዝ ንምርካብ መልእኽቲ ከም ዝሰደደትን ትዛረብ።
ሓደ ሰብ ምስ ሓደ ሮይ ይንሲርቶ ዝተባህለ ናይቲ ከባቢ ነጋዳይ ኣራኸባ - ንሱ ድማ ናይ ኸሊል ቪድዮ ሓቲቱ፡ እዚ ድማ ንድሕሪት ተመሊሳ ክትሓስቦ እንከላ፡ ብመሰረቱ ኣቐዲሙ ዝተዳለወ ምዃኑ ትግንዘብ።
ድሕሪኡ ካልእ ሰብኣይ ኣብ ታሕሳስ 2022 ካብ ካናዳ መጺኡ፡ ንነብሱ "ኤረዝ" ኢሉ ተላልዩዋ።
ንሱ ድማ ኣቐዲሙ ንኸሊል ንምቕራጽ ገንዘብ ከም ዝኸፈለላን እታ ፊልም ብዙሕ ወፈያታት እንተ ኣምጺኣ ኣብ ወርሒ ተወሳኺ 1,500 ዶላር ከም ዝወሃባ ቃል ከም ዝኣተወላን ትዛረብ።
ኤረዝ ንኸሊል ንምቕዳሕ ናብ ሓደ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሆስፒታል ከይዱ፤ ዳግማይ ናብኡ ክውሰድ'ውን ሓቲቱ - እቲ ስእሊ 12 ሰዓታት ከም ዝወሰደ ኣልጂን ትዛረብ።

ድሕሪ ኣዋርሕ፡ እቶም ስድራቤት፡ እቲ ቪድዮ ከመይ ከም ዝነበረ ክሳብ ሕጂ ከም ዘይሰምዑ ይዛረቡ። ኣልጂን ንኤረዝ መልእኽቲ ሰዲዳትሉ፣ "ከም ዘይሰመረ" ድማ ነጊሩዋ።
"ስለዚ፡ ከምቲ ዝተረዳእክዎ፡ እቲ ቪድዮ በቃ ዝዀነ ገንዘብ ኣየምጽአን፡" ትብል።
እቲ ወፍሪ ግን ክሳብ ሕዳር 2024 ኣብ ዝነበረ ግዜ $27,000 ዝኣከበ ይመስል፡ ገና ድማ ኣብ ኢንተርነት ከም ዘሎ ነጊርናያ።
"እቲ ዝተዋህለለ ገንዘብ እንተ ዝፈልጦ፡ ምናልባት ኸሊል ብህወይት ምሃለወ ነይሩ ኢለ ካብ ምሕሳብ ዓዲ ኣይወዓልኩን፤ ከመይ ገይሮም ከምዚ ክገብሩልና ከም ዝኽእሉ ኣይርድኣንን እዩ።"
ሮይ ይንሲርቶ ብዛዕባ ኣብዚ ጉዳይ ዝነበሮ ተራ ተሓቲቱ።
ስድራቤታት ንኽስኣሉ ርእሲ ደቆም ክላጽዩ ምንጋር ኰነ ስድራቤታት ንምምልማል ዝዀነ ክፍሊት ከም ዘይተቐበለ ገሊጹ።
ንሱ፡ ኣብቲ ዝእከብ ገንዘብ "ዝዀነ ቍጽጽር" ከም ዘይብሉን ድሕሪ'ታ ቪድዮ ዝሰኣሉላ መዓልቲ ምስቶም ስድራቤታት ዝዀነ ርክብ ከም ዘይነበሮን ገሊጹ።
እቶም ስድራ ግን፡ ካብቲ ናይ ጐስጓሳት ወፈያታት ከም ዘይተቐበሉ ምስ ነገርናዮ 'ተገሪሙ'፡ "በቶም ስድራቤታት ኣዝዩ ሓዚነ፡" ኢሉ።
ኤረዝ ዝተባህለ ሰብ ኣብ ሰነዳት ቻንስ ለቲክቫ ኣይርከብን።
ክልተ ካብቲ ዝመርመርናዮ ጐስጓሳቱ ግን ብኻልእ ኣብ እስራኤልን ካናዳን ዝተመዝገበ 'መናድቕ ተስፋ' ዝተባህለ ትካል እውን ዝተኣሳሰሩ ነይሮም። እቶም ሰነዳት ዳይረክተር እቲ ትካል፡ ኣብ ካናዳ ዝርከብ ኤረዝ ሓዳሪ ዝተባህለ ውልቀሰብ ምዃኑ የርእዩ።
ብኢንተርነት ዝተሳእሎ ኣሳእ ኣብ ፊሊፒንስ፡ ኒውዮርክን ሚያሚን ኣብ ዝካየዱ ሃይማኖታዊ ፍጻመታት ኣይሁድ ክሳተፍ የርእዩ።
ንኣልጂን ኣርኣናያ፡ ንሳ ድማ እቲ ዝረኸበቶ ሰብ ምዃኑ ኣረጋጊጻ።
ሚስተር ሓዳሪ ብዛዕባ ኣብ ፊሊፒንስ ኣብ ዝተኻየደ ወፍሪ ዝነበሮ ተሳትፎ ሓቲትናዮ። መልሲ ኣይሃበን።
እቲ ጐስጓሳት ወይ ብሚስተር ሓዳሪ ዝተወደበ ወይ ምስኡ ዝተኣሳሰር ምዃኑ ናይ ዘመልከቱ ተወሳኺ ስድራቤታት ረኺብና - እቲ ሓደ ኣብ ርሑቕ ማሕበረሰብ ደቀባት ኮሎምብያ፡ ካልእ ድማ ኣብ ዩክረይን ይነብሩ።
ከምቲ ኣብ ጉዳይ ኸሊል ዝነበረ፡ ናይቲ ከባቢ ሰባት ክንሕግዘኩም ኢሎም መጺኦም።
እቶም ቈልዑ ብቪድዮ ተሳኢሎም፡ ስማዊ ክፍሊት ንኽረኽቡ ክበኽዩ ወይ ናይ ሓሶት ንብዓት ተገይሩሎም ክምሕጸኑ ተገይሩ፤ ድሕሪኡ ግን ተወሳኺ ገንዘብ ተቐቢሎም ኣይፈልጡን።
ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኮሎምብያ ሱክረ ዝነብር ሰርጅዮ ኬር፡ ኣብ መጀመርታ ነዚ ሓገዝ ከም ዝኣበየ ይዛረብ።
ጓል ሸሞንተ ዓመት ጓሉ ኣና ሕማቕ ሕበጥ ሓንጎል ከም ዘለዋ ምስ ተረጋገጸ ግን፡ ኢዛቤል ዝተባህለት ካልእ ሰብ ገንዘባዊ ሓገዝ ሒዛ ከም ዝቐረበቶ ሓቢሩ።
ኢዛቤል፡ ኣና ናብ እትሕከመሉ ሆስፒታል ሓደ ኣብ ዘይመንግስታዊ ትካል እየ ዝሰርሕ ምስ ዝበለ ሰብ ኰይና ከይዳ።
ሰርጅዮ ብዛዕባ እቲ ሰብኣይ ዝሃቦ መግለጺ ምስ ኤረዝ ሓዳሪ ዝመሳሰል እዩ ነይሩ - ድሕሪኡ ኣብ ዘርኣናዮ ስእሊ ኣለልዩዎ።
"ተስፋ ሂቡኒ... ንመጻኢ ዝኸውን ገንዘብ ኣይነበረንን።"
ኣብ ልዕሊ እታ ስድራቤት ዝነበረ ጠለባት ቪድዮ ብምስኣል ኣየብቅዐን።
ኢዛቤል ብቐጻሊ ተለፎን ትድውል ከም ዝነበረት ሰርጅዮ ይዛረብ። ኣና ኣብ ሆስፒታል ኰይና ዝተሰኣለቶ ተወሳኺ ኣሳእል ትሓቶ።
ሰርጅዮ መልሲ ከይሃባ ስቕ ምስ በለ፡ ናብ ኣና መልእኽቲ ክትሰድድ ጀመረት - ነዚ ዘረጋግጽ ናይ ድምጺ መልእኽቲታት ሰሚዕና።
ኣና ክትሰዶ እትኽእል ስእሊ ከም ዘይብላ ነገረታ። ኢዛቤል ድማ፡ "እዚ ኣዝዩ ሕማቕ እዩ ኣና፣ ብሓቂ ኣዝዩ ሕማቕ እዩ፡" ኢላ መለሰትላ።
ኣብ ወጥሪ ናይዚ ዓመት፡ ኣና - ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ሓውያ - እቲ ቃል ዝተኣተወላ ገንዘብ ኣበይ ከም ዝበጽሐ ክትፈልጥ ፈቲና ነይራ።
ኢዛቤል፡ "ቪድዮኺ ስለ ዘይተሓትመ፡ ምንም ክግበር ኣይተኻእለን፡" ዝብል መልእኽቲ ድምጺ ሰዲዳትላ።
እቲ ቪድዮ ግን ተሓቲሙ'ዩ፤ ክሳብ ሚያዝያ 2024 ድማ ኣስታት 250,000 ዶላር ዝተኣከቦ ይመስል።
ኣብ ጥቅምቲ ንኢዛቤል ሄርናንደዝ ብቪድዮ ሊንክ ክትዛረበና ኣእሚንናያ።
ሓንቲ ካብ እስራኤል ዝመጽአት መሓዝኣ፡ ኣብ ሓደ መንሽሮ ንዘለዎም ቈልዑ ንምሕጋዝ ዝደሊ "ፋውንዴሽን" ስራሕ ምስ ዝህብ ሰብ ከም ዘላለየታ ገሊጻ። ንመን ከም እትሰርሕ ግን ክትገልጽ ኣይከኣለትን።
ካብቲ ገንዘብ ንምርካብ ዝግበሩ ጐስጓሳት ንምክያድ ዝተቐድሐ ሓደ ቪድዮ ግን ከም ዝተሓትመን ከም ዘይተዓወተን ተዛሪባ።
ንኢዛቤል ብሓቂ ክልተ ጐስጓሳት ከም ዝተሰቕሉ ኣርኢናያ - ሓደ ካብኣቶም ልዕሊ 700,000 ዶላር ዘዋህለለ ይመስል።
"[ነቶም ስድራቤታት] ይቕረታ ክሓትት ኣለኒ፤ እንታይ ይኸውን ከም ዘሎ እንተ ዝፈልጥ ከምዚ ዓይነት ነገር ኣይምገበርኩን።"
ኣብ ዩክረይን፡ እቲ ናብ ኣደ ዝሓመመ ቈልዓ ዝቐረበት ሰብ፡ ኣብቲ ናይ ጐስጓስ ቪድዮ ዝተቐድሐሉ ቦታ ተቘጺራ ነይራ።
ተቲያና ካልያቭካ ምስታ መንሽሮ ሓንጐል ዘለዋ ጓል ሓሙሽተ ዓመት ቪክቶርያ ኣብ ቸርኒቭትሲ ኣብ ዝርከብ ክሊኒክ ኣንጀልሆም ስእሊ ክትወስድ ተዳልያ።
ሓደ ምስ ጐስጓስ ቻንስ ለቲክቫ ዝተኣሳሰር ናይ ፈይስቡክ ጽሑፍ፡ ቪክቶርያን ኣዲኣ ኦሌና ፊርሶቫን፡ ኣብ ዓራት ኮፍ ኢለን የርኢ።
"ጓለይ ንምድሓን እትገብሩዎ ዘለኹም ጻዕሪ እርእዮ ኣለኹ፤ ንኹላትና ድማ ተንኪፉና እዩ። ንሕክምናታት ቪክቶርያ ዘድሊ ገንዘብ ንምእካብ ከኣ ምስ ግዜ ንጓየ ኣለና፡" ይብል ኣብ ትሕቲ እቲ ቪድዮ ዝንበብ ጽሑፍ።
ኦሌና፡ ከምዚ ዓይነት ጽሑፍ ጽሒፋ ኰነ ተዛሪባ ከም ዘይትፈልጥን፡ እቲ ወፍሪ ከም ዝተሓትመ ከም ዘይፈትልጥን ገሊጻ። በዚ ልዕሊ 280,000 ዩሮ ዝተዋህለለ ይመስል።
ተቲያና፡ ኣብ ኣንጀልሆልም ሓላፊት መወዓውዒን ርክባትን ከም ዝነበረት ተነጊሩና።
እቲ ክሊኒክ ኣብ ቀረባ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ቀጽሩ ቪድዮ ምቕራጽ ከም ዘየጽደቐ ገሊጹ - "እቲ ክሊኒክ ብዝዀነ ትካል ኣብ ዝተዳለወ ዝዀነ ይKWን ናይ ገንዘብ ምትእኽኻብ ተበግሶታት ተሳቲፉ ኣይፈልጥን፤ ደጊፉ'ውን ኣይፈልጥን፡" ኢሉ።
ኣንጀልሆም፡ ቴቲያና ካልያቭካ ካብ ስርሓ ከም ዝተሰጐገት ይገልጽ።

ኦሌና ነቲ ክትፍርሞ ዝተሓተተትሉ ውዕል ኣርኣየትና።
ብዘይካ'ቲ እታ ስድራቤት ኣብታ ቪድዮ ዝተቐድሓላ መዓልቲ ዝኽፈል1,500 ዶላር፡ ሸቶ ናይቲ ምትእኽኻብ ገንዘብ ምስ ሃረመ፡ 8000 ዶላር ከም ዝረኽቡ ይገልጽ።
እቲ ውዕል ኣብ ኒውዮርክ ዘሎ ኣድራሻ ቻንስ ለቲክቫ ዘርኢ እዩ ነይሩ። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ትካል - ካብ ኢየሩሳሌም ኣስታት ሓደ ሰዓት ርሒቑ ኣብ ቤት ሸመሽ ዝርከብ ካልእ ቤትጽሕፈት - ናብ ክልቲኡ ተጓዒዝና፤ ምልክት ግን ኣይረኸብናን።
ከምኡ'ውን ቻንስ ለቲክቫ ሓደ ካብ ብዙሓት ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ትካላት ኰይኑ ረኺብናዮ።
እቲ ንወፍሪ ቪክቶርያ ዝቐረጸ ሰብኣይ - ከም ዓርኪ ሕሙም ህጻን መሲሉ ዝቐርብ ዝነበረ - ኣብ ካልኦት ተመሳሰልቲ ትካላት ከም ዝሰርሕ ተዛሪቡ።
ነብሱ "ኦለህ" ኢሉ ዘላለየ ውልቀሰብ፡ "ነፍሲወከፍ ግዜ፡ ዝተፈላለየ'ዩ። ብኸምዚ ክገልጾ የጽልኣኒ፡ ግን ከም መተሓላለፊ ኰይኖም እዮም ዝሰርሑ፡" ኢሉ።
'ኣስታት 12 ዝዀኑ ተመሳሰልቲ ኩባንያታት'፡ 'ንዋት' ከም ዝሓተቱ ብምግላጽ፡ ክልተ ካብኣቶም - ሴንት ተረዛን ሊትል ኤንጀልስን - ክልቲኦም ኣብ ኣመሪካ ዝተመዝገቡ - ጠቒሱ።
ናይ ምዝገባ ሰነዳቶም ምስ ፈተሽና ዳግም ስም ኤረዝ ሃዳሪ ረኺብናዮ።
እቲ ንጹር ዘይኰነ ግን እቲ ንቘልዑ ዝተኣከበ ገንዘብ ናበይ ከም ዝኣተወ እዩ።
ቪክቶርያ ቪድዮ ምስ ተስኣለት ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ዓመት፡ ኣዲኣ ኦሌና ነዚ ንምፍላጥ ነታ ኣብ ኢንተርነት 'ኣሌክስ ኮሄን' ዝብል ሽም እትጥቀም ሓቲታታ።
ድሕሪ ቍሩብ ግዜ፡ ሓደ ሰብ ካብ ቻንስ ለቲክቫ ደዊሉ፡ እቲ ወፈያታት ንመወዓውዒ ከም ዝተኸፈለ ነጊሩኒ ትብል።
ሚስተር ሓዳሪ ንኣልጂን ኣደ ኸሊል ብተለፎን ክትሓቶ እንከላ፡ "ዋጋ መወዓውዒ ኣሎ። ስለዚ እቲ ኩባንያ ገንዘብ ከሲሩ፡" ዝብል መልሲ ካብ ምሃብ ወጻኢ ነዚ ዘረጋግጽ መርትዖ ከም ዘይሃባ ሓቢራ።
ክኢላታት ግብረ ሰናይ ከም ዝሕብርዎ፡ መወዓውዒ ካብቲ ብወፍሪታት ዝእከብ ልዕሊ 20% ክኸውን የብሉን።
ሓደ ቅድሚ ሕጂ ንወፍሪታት ቻንስ ለቲክቫ ቈልዑ ንምምልማል ዝተቘጽረ ሰብ፡ እቶም ቈልዑ ብኸመይ ከም ዝምረጹ ኣብሪሁ።
ኣብ ክሊኒካት ኦንኮሎጂ ክበጽሑ ተሓቲቶም ከም ዝነበሩ ጠቒሶም።
"ወትሩ ጻዕዳ ቈርበት ዘለዎም ጽቡቓት ቈልዑ ይደልዩ ነይሮም። እቲ ቈልዓ ካብ ሰለስተ ክሳብ ትሽዓተ ዓመት ክኸውን ነይርዎ። ጽቡቕ ናይ ምዝራብ ክእለት ክህልዎ ኣለዎ። ጸጕሮም ክኣ ዝተላጸየ ክኸውን ኣለዎ፡" ኢሎምና።
"እቲ ዝተሓረየ ቈልዓ ቅኑዕ ድዩ ዝብል ንምርግጋጽ ስእሊ ሓቲቶምኒ፤ ኣነ ድማ ናብ ኤረዝ ሰዲደሉ።"
ሓዳሪ ድሕሪኡ እቲ ስእሊ ናብ ሽሙ ፈጺሙ ተነጊሩዎም ዘይፈልጥ ካልእ ኣብ እስራኤል ዝርከብ ሰብ ከም ዝሰዶ ሓቢሮም።
ንሓዳሪ ኣብ ካናዳ ብዝርከብ ክልተ ኣድራሻታት ክንረኽቦ ፈቲንና ግን ኣይረኸብናዮን። ንሓደ ብድምጺ ዝልኣኽናሉ መልእኽቲ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ግን - ብዛዕባ እቲ ብክራውድፋንድ ክእከብ ዝጸንሐ ገንዘብ - እቲ ትካል "ንጡፍ ኰይኑ ኣይፈልጥን" ብምባል መሊሱ።
ኣየናይ ዝብል ግን ኣየነጸረን፤ ንዅሉ ሕቶታትናን ዝቐረቡ ክስታትን ዘንጸባርቕ ተወሳኺ ናይ ድምጺ መዘኻኸሪን ደብዳበን ተላኢኽሉ፤ መልሲ ኣይሃበን።

ምንጪ ስእሊ, Erez Hadari
'ቻንስ ለቲክቫ' ንኽልተ ዝሞቱ ቈልዑ - ኸሊልን ሄክተር ዝተባህለ ሜክሲካዊን - ዝጀመርሩዎ ጐስጓሳት ክሳብ ሕጂ ገንዘብ ዘምጽኡ ዘለዉ ይመለሉ።
ኣብ ኣመሪካ ዝርከብ ጨንፈር ቻንስ ለቲክቫ ምስ ሴንት ሩፋኤል ዝተባህለ ሓድሽ ትካል ዝተኣሳሰር ይመስል።
እዚ ትካል እዚ ዝያዳ ጐስጓሳት ዘፍረየ እዩ - እንተ ወሓደ ክልተ ካብዚኦም ኣብ ዩክረይን ኣብ ዝርከብ ክሊኒክ ኣንጀልሆልም ዝተቐድሑ ይመስሉ።
ኣደ ቪክቶርያ ዝዀነት ኦሌና፡ ጓላ ካልእ ሕበጥ ሓንጎል ከም ዘለዋ ትዛረብ። እቲ መርመራ ቢቢሲ ዝረኸቦ ውጽኢት ኣዝዩ ከም ዘሕዘና ገሊጻ።
"ውላድካ... ኣብ ኣፍ ሞት ኰይና፡ ካልእ ሰብ ብኣኣ ገንዘብ ይኸስብ። ረሳሕ ነገር'ዩ፤ ናይ ደም ገንዘብ'ዩ።"
ቢቢሲ ንቴቲያና ካሊያቭካን ኣሌክስ ኮሄንን ከምኡ'ውን ምስተን ትካላት ቻንስ ለቲክቫ፡ ዎልስ ኦፍ ሆፕ፡ ሴንት ሩፋኤል፡ ሊትል ኤጀልስን ሴንት ተረዛን ተራኺቡ።
ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐረበ ክሲ መልሲ ክህቡ ዕድል'ኳ እንተ ሃበ፡ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ኣይመለሰን።
ንመኽሰብ ዘይሰርሑ ትካላት እስራኤል ዝከታተል ብዓልመዚ ኮርፖሬሽናት እስራኤል፡ መስረትቲ ኣካላት ከም "መሸፈኒ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት" የካይዱ ከም ዘለዉ መርትዖ እንተ'ልዩ፡ ኣብ ውሽጢ እስራኤል ምዝገባ ክኽልከልን እቲ መስራቲ ኣብቲ ዓውዲ ከይሰርሕ ክእግደን ከም ዝኽእል ሓቢሩና።
ተቘጻጻሪ ዓባይ ብሪጣንያ ዝዀነ ኮምሽን ግብረ-ሰናይ፡ እቶም ንማሕበራት ግብረ-ሰናይ ከወፍዩ ዝደልዩ፡ እተን ማሕበራት ተመዝጊበን ምህላወን ክምርምሩን ጥርጣረ እንተ'ልዮም ድማ ምስቲ ዝምልከቶ ተቘጻጻሪ ምውጻእ ገንዘብ ክራኸቡ ከም ዘለዎምን ይመክር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







