'ዋላ እኳ እንተ ሓመምኩ፡ ሕልሚ ስለ ዘለኒ ክቃለስ እየ' - ኮምሽነር ኮምሽን ቱሪዝም ኦሮሚያ

ምንጪ ስእሊ, Lelise Dhugaa
ቅድሚ ሒደት መዓልታት እዩ ሕማም መንሽሮ ከም ዘለዋ ተረጋጊጹ።
ናይ ገዛእ ርእሳ ስእሊ ገይራ እያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ነዚ ሓበሬታ ንህዝቢ ኣካፊላ።
ሕክምና ይግበረላ ከም ዘሎ'ውን ሓቢራ።
እዛ ተባዕ ጓለንስተይቲ ሌሊሰ ዱጋ እያ ትበሃል፣ ኮምሽነር ኮምሽን ቱሪዝም ኦሮሚያ ድማ እያ።
ሌሊሰ ብፍሽኽታ ተመሊኣ ዝረገፈ ጸጕራ እናርኣየት፡ "ይሰርሕ፡ ይቃለስ፡ የሳኽዕ፡" ክትብል እትርከበሉ ኵነታት ኣካፊላ።
ነቲ ዘካፈለቶ መልእኽቲ ስዒቡ ብዙሓት ሰባት ጽቡቕ ትምኒቶም ገሊጾምላ። ብቝልጡፍ ክትሓዊ እውን ተመንዮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ሓያሎ ሰባት ኵነታት ጥዕንኦም ንህዝቢ ከካፍሉ ልሙድ ኣይኰነን። ስለዚ ድማ እዩ እታ ኮምሽነር ኵነታት ጥዕናኣ ንህዝቢ ብምክፋላ ኣድናቖት ዝወሓዘላ።
ኮምሽነር ኮምሽን ቱሪዝም ኦሮሚያ ሌሊሰ ዱጋ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ሕክምና ካብ እትርከበሉ ዮርዳኖስ ብተለፎን ምስ ቢቢሲ ጻንሒት ገይራ ኣላ።
ሌሊሰ ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ እያ ንኻልእ ጸገም ጥዕና ክትምርመር ናብ ሆስፒታል ከይዳ። ነዚ ስዒቡ ግን ሊምፎሚያ ዝተባህለ ዓይነት መንሽሮ ከም ዘለዋ ተነጊርዋ። እዚ ዓይነት መንሽሮ ንጻዕዳ ዋህዮታት ደም ዝጸሉ ኵነታት እዩ።
"ጸገም ሕማም ስርዓተ ምሕቃቕ መግቢ ኣለኒ ኢለ ናብ ሆስፒታል ከይደ፡ ኣብኡ መንሽሮ ምዃኑ ተነጊሩኒ፡" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።
"ቀሊል ኣይኰነን። ኣብ ራብዓይ ደረጃ መንሽሮ እየ ዝርከብ። ዋላ እኳ ዝጐድኣኒ ነገር እንተዀነ ኣብ ኣምላኽ እኣምን እየ። ንኣምላኽ እየ ዘቐድም። እጽሊ።"
"ብዓልቤተይ፡ ደቀይ፡ ቤተሰበይን ፈተውተይን ኣብ ጐድነይ ኣለዉ፤ ይጽልዩለይ፣ የተባብዑኒ። ሕልሚ ስለ ዘለኒ፡ ዋላ'ኳ እንተ ሓመምኩ፡ ምንባር፡ ምቅላስን ምስራሕን ኣየቋርጽን እየ፡" ትብል።
'ጸጕረይ ረጊፉ፡ ጽቡቕ ጸጕሪ ነይሩኒ'
ሌሊሰ ኣብዚ እዋን'ዚ ሕክምና ኬሞቴራፒ እናወሰደት ትርከብ። እዚ ሕክምና ብዙሕ ጐድናዊ ሳዕቤናት ከም ዘየስዓበላ ትዛረብ።
"ጸጕረይ ረጊፉ። ጽቡቕ ጸጕሪ ነይሩኒ። ጸጕሪ ምስኣን ንጓል ኣንስተይቲ ከቢድ እዩ። ጸጕሪ ምስኣን ፍሉይ ምድላው ዝጠልብ ነገር እዩ፡" ትብል።
"ኣምላኽ ሓጊዙኒ ናብ ሃገረይ እንተ ተመሊሰ፡ ንሕክምና ዓቕሚ ዘይብሎም ሕሙማት መንሽሮ ዝድግፍ ማእከል ከጣይሽ እደሊ፡" ክትብል ሕልማ ንቢቢሲ ትገልጽ።
ሕክምና መንሽሮ ክቡር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣእምሮኣዊ ጥንካረ ዝፍትን ኵነታት እዩ።
"ብብዓልቤተይ ኣቢለ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ጥዕና መድሕን ኣለኒ፤ መንግስቲ'ውን የሐክመኒ ኣሎ። ጸገም ገንዘብ ስለ ዘይብለይ ሕክምና ይረክብ ኣለኹ። ሓገዝ ዘድልዮም ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ዕድል ምስ ረኸብኩ ነዞም ሰባት ዝሕግዝ ማእከል ከጣይሽ እየ፡" ትብል።
'ፍልስፍና ህይወተይ ቀሊል'ዩ'
ክሳዕ ሎሚ ሓይሊ ዝሃባ ፍልስፍና ሕይወታ ከም ዝዀነ ሌሊሰ ትዛረብ።
"ፍልስፍና ህይወተይ ቀሊል እዩ። መዓልታዊ ዝኽእሎ ምግባር፡ ረብሓ ዘለዎ ነገር ምግባርን ለዋህ ምዃንን። ፈጣሪ ዝመሃረና እዚ እዩ። ኣብዚ ምድሪ ክሳዕ ዘለና ሰናይ ምግባር ጽቡቕ'ዩ፡" ትብል።
"እቲ ዘለኒ ህይወት ናተይ ኣይኰነን - ናይ ኣምላኽ እዩ። ንሱ ዝሃበኒ እየ ዝነብር። ብዘይ ጣዕሳ ክነብር እየ ዝደሊ። እዚ እዩ ንኽነብር ዝድርኸኒ፤ ብኸምዚ እየ'ውን ክቕጽል።"
ሌሊስ መዓልታዊ ጽቡቕ ነገር ከም ዝገበረት ንገዛእ ርእሳ ከም እትነግርን ቅድሚ ምድቃሳ ድማ ካብ ኣምላኻ ይቕረታ ከም እትሓትትን ትዛረብ።
ሕክምናኣ ንምውዳእ ካብ ኣርባዕተ ክሳዕ ሓሙሽተ ወርሒ ክወስደላ እዩ።
ብሕክምና መንሽሮ ዘይተቋረጸ ስራሕ
ሌሊሲ ንልዕሊ ሓሙሽተ ዓመታት ኮምሽነር ኮምሽን ቱሪዝም ኦሮሚያ ኰይና ኣገልጊላ እያ።
'ቪዚት ኦሮሚያ' ወይ ንኦሮምያ ብጽሑ ዝብል ጭርሖ ክስማዕ እንከሎ፡ ስም ሌሊሲ እውን ብሓባር እዩ ዝለዓል።
ኣብ ዮርዳኖስ ሕክምና እናተገብረላ ጐድኒ ጐድኒ ድማ ስርሓ እትሰርሓሉ ቤት ጽሕፈት ኣለዋ። ዋላ ሓንቲ መዓልቲ ሓሚመ እየ ኢላ ከም ዘይተብኩር ትዛረብ።
"ናይ ሓሙሽተ ዓመት ስትራተጅያዊ ትልሚ ኮምሽን ቱሪዝም ኦሮሚያ የዳሉ ኣለኹ። ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት እንታይ ክዕመም ኣለዎ ኣብ ዝብል እየ ዝሰርሕ ኣለኹ፡" ትብል።
ካብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ተማሂራ ኣብ ዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት እንታይ ክግበር ከም ዝኽእል ትዅረት ገይራ እናሰርሐት ከም እትርከብ ትገልጽ።
"ሕክምና ኬሞቴራፒ ክህልወኒ እንከሎ ናብ ሆስፒታል እኸይድ። ካልኦት መዓልታተይ ኣብ ስራሕ እየ ዝነጥፍ።"
ሌሊሰ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኤችኣይቪ/ኤይድስ ብንጥፈት ተሳቲፋ እያ።
መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ኤችኣይቪ/ኤይድስ ንምክልኻል ኣበርክቶ ከም ዝገበረት ይፍለጥ።
"ጸገም ክገጥመና እንከሎ እቲ ቀዳማይ ስጕምቲ፡ ብሰላም ክንነብር ንነብስና ምእማን እዩ፡" ትብል።
ብዙሓት ሰባት መንሽሮ ከም ዘለዎም ክፈልጡ እንከለዉ ብዛዕባ ኵነታት ጥዕንኦም ክዛረቡ ይፈርሑ፤ ናይዚ ምኽንያት ድማ ሕማም ዘይፍወስን ቀታሊ ምዃኑን ስለ ዝኣምኑ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሰባት ኣሽንኳይዶ ብዛዕባ መንሽሮ ሰባት ብዛዕባ ካልእ ሕማማት እውን ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ክዛረቡ ኣይደፍሩን እዮም።
ሌሊሲ ግን ብዛዕባ ጥዕንኣን መጻኢ መደባታን ተስፋ ብዝተመልአ ቃላት ኣሰንያ እያ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣካፊላ።
"ልክዕ ከምቲ ኣብ ኤችኣይቪ ዝገበርክዎ፡ ብዛዕባ መንሽሮ እውን ንሰባት ከስተምህር እደሊ፡" ትብል።
ሌሊሲ ብዛዕባ ክእለት ኣመራርሓ ዝምልከት መጽሓፍ እውን እናጸሓፈት ትርከብ። እቲ መጽሓፍ ኣብ ቀረባ እዋን ክሕተም ተስፋ ኣለዋ።
"መዓልታዊ ሓድሽ ነገር ንመሃር። ሓደ ሰብ መዓልታዊ ዝመሃሮ እዩ ዝኸውን። ሓድሽ ራእይ ኣለዎ፣ ወይ ድማ ካብ ተመኵሮኡ ተመርኲሱ ኣካይዳኡ ይቕይር።"
ሓደ መራሒ እውን በዚ መስርሕ ይሓልፍ ክትብል ትሕዝቶ እቲ መጽሓፍ ንቢቢሲ ሓቢራ።
"ካብ ቍልዕነተይ ክሳዕ ፍልጠት ኣብ ዝነበረኒ ተመኵሮ ተመርኲሰ እየ ብዛዕባ ኣመራርሓ ዝገልጽ መጽሓፍ ዝጽሕፍ ዘለኹ፡" ክትብል ትውስኽ።
ሌሊሰ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እያ ተወሊዳ ዓብያ።
ኣብ ዝተፈላለያ ዘይመንግስታውያን ትካላት እውን ኣገልጊላ እያ። ኣብ ኤምባሲ እንግሊዝን ቤትጽሕፈት ክልል ኦሮምያን ከም ኣማኻሪት ኰይና ንልዕሊ ሓደ ዓመት ከም ዝሰርሐት ይፍለጥ።
ንሳ እትመርሖ ኮምሽን ቱሪዝም ኦሮምያ፡ መሻርኽቲ ቱሪዝም ንምሉእ ዓለም ንምልላይን ጽላት ቱሪዝም እቲ ክልል ንምምዕባልን እዩ ተጣይሱ።
እቲ ኮምሽን ንብዙሓት መንእሰያት ዕድል ስራሕ ፈጢሩ'ዩ። ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም ለውጢ ካብ ዘምጽኡ ትካላት ተባሂሉ'ውን ይጥቀስ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







