መንሽሮ፡ 'ከመይ ኢለ'የ ካንሰር ከምዘለኒ ንጓለይ ዝነግራ?'

ሆሊ ምስ ጓላ ሲድኒ

ምንጪ ስእሊ, HOLLIE MCFARLANE

ከመይ ጌረ እየ ንውላደይ ዝነግር? ሆሊ ማክፋርለን መንሽሮ ጡብ ከምዘለዋ ምስ ተረጋገጸ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣእምሮኣ ዝተቐጀለ ሕቶ’ዩ ነይሩ።

ንሳን ጓል ኣርባዕተ ዓመት ጓላ ሲድኒን ኣዝዩ ጥቡቕ ምቅርራብ ዘለወን ኰይነን፡ በዓል ቤት ሆሊ ድማ ሰሙን ምሉእ ኣርሒቑ ንስራሕ ዝወፍር’ዩ።

ሰሙናዊ ልምደን ቤተ መጻሕፍቲ፡ ናይ ምሸት ፒዛ፡ ምሕንባስ፡ ማክዶናልድን መካነ እንስሳን ዘጠቓለለ እዩ።

ቅድሚ ሸሞንተ ኣዋርሕ ግን ህይወተን "ኣብ ሓደ ለይቲ ተቐይሩ።"

እታ ጓል 43 ዓመት ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ዌልስ ብሪጣንያ ኣብ እትርከብ ፑልሄሊ ዝተባህለት ወደባዊት ከተማ እትነብር ጓል ኣንስተይቲ፡ ነታ ለይቲ ሃተምተም ኢላ ሰንቢዳ ዝተበራበረት ሲድኒ ናብ ዓራት ድሕሪ ምምላሳ፡ ኣብ ኣጥባታ ገለ ስኽፍክፍ ዝበላ ሕበጥ ረኺባ።

"ኵሉ ሰብ 'ዘጨንቕ የብልክን፡ ክብደትኪ ወሪዱ’ሎ፡ ኣካላትኪ ስለዝቕየር ዘሎ’ዩ’' ይብለኒ ነይሩ" ትብል ሆሊ። ብዝዀነ፡ ነገሩ ንምጥላል ቈጸራ መርመራ ሒዛ።

"እታ መዓልቲ መጺኣ፡ ዘጨንቕ ነገር ከምዘይከውን ፍጹም እምነት ነይሩኒ።"

እዛ መምህር እንግሊዝኛን ድራማን ኣብ ገጽ ሓኪማን ተሓጋጋዚታን ዝነበረ ትርኢት ድሕሪ ምዕዛባ ግን "ፍጹም ተረዂሚሸ" ትብል።

ብድሕሪ’ዚ፡ በዓል ቤታ ማይክ ስርሑ ገዲፉ ንዝቐጸለ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ካብ ጐድኒ ሰበይቱን ጓሉን ኣይተፈልየን።

መንሽሮ ጡብ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ እቲ ዝበዝሐ ዝርአ ዓይነት መንሽሮ ኰይኑ፡ ካብ ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮ ሓንቲ ኣብ ዝዀነ ደረጃ ዕድሚአን ከምዝተለኽፋ ሃገራዊ ኣገልግተት ጥዕና (ኤን-ኤች-ኤስ) እታ ሃገር ይሕብር።

'ከመይ ገይረ ክነግራ?'

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ካብ [ሲድኒ] ክሓብኦ ዝከኣለኒ ፈቲነ፡ ንሳ ግን ዓሻ ኣይኮነትን" ትብል ሆሊ።

"ካባይን ካብኣን ኣብታ ንእሽቶ ናይ ሓጎስ ዓንኬልና ምኽዋለይ፡ ድሕሪኡ ሃንደበት ኣቦኣ ኣብ ገዛ ኮፍ ኢሉ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ክወስዳ። ገለ ነገር ከም ዘሎ ተረዲኡዋ።"

እንታይ ከምዘጋጠማ ንከተርድኣ ዝሕግዛ ሜላታት ድማ ከተሰላስልን ሃሰው ክትብልን ጀሚራ። ብማክሚላን ዝሕተም ‘Mummy's Lump’ (ሕበጥ ማማ) ዘርእስቱ መጽሓፍ ክትውከስ ወሰነት።

እታ ን10 ዓመትን ትሕቲኡን ዝዕድመኦም ህጻናት ዝዓለመት መጽሓፍ፡ ሓንቲ ኣደ ነቲ ዝወደቐ ጸጕራ ብመስትያት እናጠመተት ዘርኢ ስእሊ ዘጠቓልል እዩ።

"ሲድኒ ነቲ ገጽ ምስ ተዓዘበት፡ ናባይ ጠሚታ፡ እዚኣ ኣደኣ ምዃና ምስ ተረድአት ጥራይ ዝርንዛሕ ነቢዓ” ትብል።

"'ማማ ደሓን ክትከውን እያ' ኢለያ።"

ሆሊ ነዊሕ ከይጸንሐት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኪሎሜተራት ካብ ምጉያይ ካብ መደያይቦ ክትወርድ ዳርጋ ዘይከኣለትሉ ኵነታት በጺሓ።

"ሲድኒ ብኸምዚ ኣብ ዓራት ተሓጺሩ ርእያትኒ ስለዘይትፈልጥ ኣዝያ ትበሳጮ ነይራ" ትብል ሆሊ።

"'ንዕናይ’ንዶ' ኢላ ነቲ መሸፈኒታት ገንጺላ፡ ናብ ትራምፖሊን ኬድና ክንሰራሰር፡ ብኢዳ ጎሲሳ ከተተስኣኒ ትፍትን ነይራ።"

"ኣነ ተዳኺመ ስለዝነበርኩ ብዙሕ ነገራት ሓሊፉዋ፡ እዚ ድማ ሕማቕ . . .ናይ በደል ስምዒት ከምዝሓድረኒ ገይሩኒ።"

እዞም ህሞታት እዚኣቶም ንሲድኒ “ናይ ብሓቂ ክትጽገም" ተራ ተጻዊቶም’ዮም። ሆሊ፡ ኣብ ዕድመ ሲድኒ ዝርከብ ህጻን፡ ነቲ ክውንነት ናይቲ መርመራ ንምግጣም ዘሎ ደገፍ ድሩት ስለዝዀነ ነቲ ጉዳይ ብቐርኑ ክትሕዞ ከምዝወሰነትን ትገልጽ።

ቅድሚ ሓያለ ዓመታት ሆሊ ብዛዕባ ሓንቲ መንሽሮ ጡብ ዘለዋ ጓል መጽሓፍ ክትጽሕፍ ጀሚራ፡ ድሕሪ ዓመታት ንርእሳ ከምታ ጓል ኰይና ክትረኽባ እያ ኢላ ግን ሓሲባ ኣይትፈልጥን።

ስለዚ ድማ ንሲድኒ ንምሕጋዝ ሓድሽ መጽሓፍ ምጽሓፍ ዝብል ሓሳብ ንኣእምሮኣ ገዚእዎ።

‘ጐዶሎ ንምምላእ’

እታ “Sometimes Mummy feels. . .” (ሓደ ሓደ ግዜ ንማማ ዝስምዓ... ) እትብል መጽሓፍ፡ ሆሊ ጓላ ክስምዓ ከም ዝኽእል ክትሰርሕ ክትፍትን ንምሕጋዝ፡ ብዓይኒ ሲድኒ ዝተጻሕፈት እያ።

"ዝዀነ ይዅን ዝስምዓኒ፡ ናብታ ገጽ ከይደ ከርእያ እየ - ሕጂ'ውን ብራድዮቴራፒ ክሓልፍ ኣለኒ" ትብል።

ቈልዓ ብዛዕባ መርመራኻ ክንገር ኣለዎደዶ? መዓስ፡ ብኸመይከ ክንገር? ዝብሉ ሕቶታት ክለዓሉ ይኽእሉ’ዮም።

ኣብ ብሪጣንያ ንዝነብሩ፡ ትካል መጽናዕቲ ካንሰር ከምኡ’ውን ማክሚላንን ዝርከብዎም ትካላት ግብረ ሰናይ ንከምዚኦም ዝበሉ ሕቶታት ንምምላስ ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታትን ጸጋታትን ኣለዎም። ኣብ ካልኦት ሃገራት’ውን ተመሳሳሊ ትካላት ወሃብቲ ደገፍ ክህልዉ ስለዝኽእሉ ሃሰስ ምባል ሓጋዚ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ሆሊ ከምእትብሎ፡ ጓላ ሲድኒ "ገለ ነገር ክትፈልጥ ኣለዋ፡ እንተዀነ ዝርዝር ክትፈልጥ ኣየድልያን’ዩ ነይሩ።”

ዝዝኰነ ቃላት መንሽሮ ካብታ መጽሓፍ ኣውጺኣ ኣብቲ ክልቲአን ብሓባር ዘሕለፋኦ ሕጕስ ህሞታት ጥራይ’ያ ኣተኲራ። ሲድኒ እትፈትዎ ገጽ፡ ክልቲአን ድሕሪ ናይ መወዳእታ ዙርያ ኬሞቴራፒ ሆሊ ናብ መካነ እንስሳታት ቸስተር ዝኸዱሉ ህሞት ዘርኢ እዩ።

"እቲ ዛንታ ብዛዕባይን ብዛዕባኣን ምዃኑ ትፈልጥ እመስለኒ።"

"ንጓል ኣርባዕተ ዓመት ቈልዓ ክትገልጸላ ኣጸጋሚ'ዩ ግን ካብ ተመኵሮና ተመርኲሳ ትርዳእ እመስለኒ።"

ኣብ መጀመርታ 10 ቅዳሓት ናይታ መጽሓፍ ንስድራቤት ጥራይ ተሓቲመን። ሆሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምስ ለጠፈታ ግን ካብ ኣውስትራልያን ዴንማርክን ዝርከብዎም ርሑቕን ቀረባን ቦታታት ኣዝዩ እወታዊ ግብረ መልሲ ረኺባ።

"ሓንቲ ካልእ ስድራቤት ክሕግዝ እንተኽኢለ ጥራይ. . . ካብ ናይ ብሓቂ ኣሉታዊ ኵነታት ናይ ብሓቂ እወታዊ ነገር ዝወጸ ኰይኑ ይስምዓኒ።"

'ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንበር'

ዕድል ጌራ፡ ሆሊ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ናይዚ ዓመት ምሉእ ብምሉእ ካብቲ ሕማም ናጻ ምውጻኣ ተገሊጹላ። መከላኸሊ ሕክምናን ራድዮቴራፒን ክትገብር ስለዘለዋ ግን ናይ መንሽሮ ጉዕዞኣ ኣይተዛዘመን።

"ካብዚ ዝተመሃርክዎ ትምህርቲ፡ መዓልታዊ ክነብር ከምዘለኒ'ዩ" ትብል።

"ሕጕስ ኩን ኣይትጨነቕ፣ ኣብታ ህሞት ምንባርን ንዅሉ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ምድናቕን ጥራይ።"

ንሲድኒ ድማ?

"ዕድመኣ ምስኣኸለ ኵሉ ክነግራ እየ" ትብል ሆሊ።

"ንሕጂ ግን፡ እዛ መጽሓፍ ከም ስድራቤት ዘጋጠመና ኵሉ ከም እትገልጽ ተገንዚባ’ላ፤ ኵሉ ጽቡቕ ከም ዝኸውን ድማ ሕጂ ፈሊጣ ኣላ።"