ኣብ ኣመሪካ መንሽሮ ዘስዕቦ ሞት ብ30 ሚእታዊት ነክዩ

ራጂ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኣሜሪካ ካብ 1991 ክሳብ 2019 ኣብ ዝነበሩ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ መጠን መንሽሮ ዘስዓቦ ሞት ብ32 ሚእታዊት ከም ዝነከየ ማሕበር መንሽሮ ኣመሪካ ሓቢሩ።

እዚ ለውጢ ሳላ ምክልኻል፡ መርመራ፡ ብኣግኡ ምፍላጥን ምሕካምን ልሙዳት መንሽሮታት፡ እንተላይ መንሽሮ ሳንቡእን ጡብን ዝመጸ እዩ።

ነዚ ስዒቡ፡ መንሽሮ ዘስዕቦ ቁጽሪ ሞት ብ3.5 ሚልዮን ከም ዝነከየ ተገሊጹ።

ይኹን እምበር፡ ሕጂ’ውን ኣብ ኣመሪካ ድሕሪ ሕማም ልቢ፡ መንሽሮ ካልኣይ ቀንዲ ጠንቂ ሞት ኮይኑ ይርከብ።

ኣብ 1991 መጠን መንሽሮ ዘስዓቦ ሞት ካብ 100 ሽሕ ሰባት 215 ክኸውን ከሎ ኣብ 2019 ድማ ናብ 146 ወሪዱ።

በብዓመቱ 230,000 ሰባት መንሽሮ ሳንቡእ ዝሓሙ ኮይኑ፡ እቲ ዝበዝሐ ሞት ዘስዕብ ሕማም ንሱ እዩ፤ ኣብ መዓልቲ 350 ሕሙማት ይቐትል።

ሰባት ግን ቀልጢፎም ይምርመሩ ኣለዉ፡ ምዕባለታት ቴክኖሎጂ ድማ መጠን ብህይወት ምንባር ብሰለስተ ዓመት ኣዕብይዎም ኣሎ።

ካብ መፋርቕ 2000ታት ጀሚሩ መጠን መንሽሮ ጡብ ኣብ ዓመት ብ0.5 ሚእታዊ ወሲኹ'ሎ፡ እዚ ድማ "ዝበዝሓ ደቂ ኣንስትዮ ክብደት ሰብነት ብምውሳኸን፡ ውሑዳት ቆልዑ ብምውላደን ወይ ድሕሪ 30 ዓመት ዕድሚአን ናይ መጀመርታ ቆልዓ ብምውላደን" ዝመጸ ከም ዝኾነ ጸብጻብ መጽናዕቲ ማሕበር መንሽሮ ኣመሪካ ይገልጽ።

ምውሳኽ ህላወ ስብሒ፡ መጠን ናይቲ ምስቲ መንሽሮ ዝተኣሳሰር ሆርሞን ኦስትሮጅን ክብ ከብሎ ይኽእል’ዩ።

ውሑድ ቆልዑ ምውላድ ወይ ድማ ድሒርካ ምውላድ ምጅማር ምስ ምውሳኽ ዕድል መንሽሮ ጡብ ዝተኣሳሰር እኳ እንተኾነ፡ ብዛዕባ እቲ ምትእስሳር ግን እኹል መረዳእታ የለን።

ብተወሳኺ፡ መንሽሮ ጡብ ዘስዕቦ መጠን ሞት ነክዩ ኣሎ።

እቲ መጽናዕቲ፡ "ብውሑዱ 42 ሚእታዊት ካብቶም ዝተገመቱ ሓደስቲ ሕማማት መንሽሮ ክውገዱ ዝኽእሉ እዮም" ይብል።

19 ሚእታዊት መንሽሮታት ብሰንኪ ምትካኽ ሽጋራ፡ 18 ሚእታዊት መንሽሮታት ድማ "ብውህደት ልዕሊ ዓቐን ክብደት ኣካላት፡ ኣልኮላዊ መስተ፡ ድኹም ኣመጋግባን ከምኡ'ውን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዘይምግባር ዝመጽእ" ምዃኑ እቲ መጽናዕቲ የመልክት።

እቲ መጽናዕቲ ኣብ ውጽኢት መንሽሮ ዘሎ ዓሌታውን ቁጠባውን ፍልልያት እውን መርሚሩ'ዩ።

ለበዳ ኮቪድ-19፡ ዝተገለሉ ወገናት መርመራን ሕክምና መንሽሮ ኣብ ምርካብ'ውን ዘጋጥሞም ዝነበረ ጸገም ክውስኽ ገይሩ’ዩ።

ዳርጋ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓይነት መንሽሮ፡ ጸዓዱ ካብ ጸለምቲ ዝለዓለ ብህይወት ምንባር ዕደል ኣለዎም።

መንሽሮ ጡብ ዘለወን ጸለምቲ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ጸዓዱ ደቂ ኣንስትዮ ብ41 ሚእታዊት ዝለዓለ መጠን ሞት የጋጥመን።

ሓደ ዘሐጉስ ነገር፡ መጠን ብመንሽሮ ዝሞቱ ህጻናትን መንእሰያትን ዓቢ ምንካይ ምርኣዩ እዩ።

ካብ 1970ታት ጀሚሩ፡ መጠን ብመንሽሮ ዝሞቱ ህጻናት ብ71 ሚእታዊት፡ ኣብቶም ካብ 15 ክሳብ 19 ዓመት ዝዕድሚኦም ድማ ብ61 ሚእታዊት ነክዩ።

ካብ ሓደ ክሳብ 14 ዓመት ዕድመ ኣብ ዝርከቡ ህጻናት፡ ካብ ሓደጋታት ቀጺሉ ዝበዝሐ ሞት ዘስዕብ መንሽሮ እዩ።

ገለ ምዕባለታት መጽናዕቲ መንሽሮ ህጻናት፡ "ኣብ ክሊኒካዊ ፈተነታት ዘሎ ትሑት ተሳትፎ፡ ፍልልይ ኣብ ስነ-ህይወት ሕበጥን ፕሮቶኮላት ሕክምናን፡ ከምኡ'ውን ምጽውዋርን ምኽባርን ፍወሳን" ብዘሎ ጸገም ክንዲ እቶም ኣብ መንሽሮ ዓበይቲ ሰባት ዝግበሩ መጽናዕቲ ንቐድሚት ከም ዘይሰጎመ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።