ንዘይፍወስ መንሽሮ ካብ ዋህዮታት ብምጽራግ ተስፋ ዝፈጠረ 'ሓድሽ ሰውራዊ ፍወሳ'

ኣሊሻ

‘በይዝ ኤዲቲን’ ዝተባህለ ፈላሚ ሰውራዊ ፍወሳ፡ ነቲ ዘይፍወስ ዓይነት መንሽሮ ካብ ኣካላት ሓንቲ መንእሰይ ብምጽራግ ተስፋ ከምዝሃበ ይንገር ኣሎ።

ኣሊሻ፡ ኵሉ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተገብረላ ሕክምናታት ሉኪሚያ ፈሺሉ እዩ።

በዚ መሰረት ሓካይም ሆስፒታል ግሬት ኦርሞንድ ስትሪት "በይዝ ኤዲቲን" ተጠቒሞም፡ ሓድሽ ህያው መድሃኒት ብምስራሕ ድንቂ ዝዀነ ቅያ ባዮሎጂካዊ ምህንድስና ፈጺሞም ኣለው።

እታ ንእስቲ፡ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ብዝተገብረላ መርመራ እቲ ዝነበረ መንሽሮ ከምዘየለ ተረጋጊጹ፤ እንተዀነ ኣሊሻ ገና ሕክምናዊ ክትትል ይግበረላ ከምዘሎ ተፈሊጡ’ሎ።

እታ ጓል 13 ዓመት ተቐማጢት ሌስተር ዝዀነት ኣሊሻ፡ ኣብ ግንቦት ዝሓለፈ ዓመት እዩ፡ እቲ ብ’T-cell acute lymphoblastic leukemia’ ዝፍለጥ ሕማም ከምዘለዋ ዝተረጋገጸ።

ዋህዮታት ቲ [T-cells] ስግኣታት ዘለልዩን ዘጥፍኡን ሓለውቲ ኣካላት ክዀኑ ዝግባእ’ኳ እንተዀነ፡ ኣብ ኣካላት ኣሊሻ ካብ ቁጽጽር ወጻኢ ብምዕባይ ንባዕሎም ሓደጋ ኰይኖም ነይሮም።

መንሽሮኣ ኣመና ሕማቕ እዩ ነይሩ፤ ኬሞቴራፒ፡ ድሕሪኡ ድማ ምእታው ኣንጕዕ ኣበዕጽምቲ፡ ነቲ ሕማም ካብ ኣካላታ ከውጽኦ ኣይከኣለን።

እዚ ፈላሚ መድሃኒት እንተዘይህሉ ነይሩ፡ እቲ እንኮ ዝነበረ ኣማራጺ፡ ብዝተኻእለ መጠን ኣሊሻ ከምእትረጋጋእ፣ ምቹእነት ከም ዝስምዓ ምግባር ጥራይ እዩ ነይሩ።

"ኣብ መወዳእታ ምሞትኩ ነይረ" ትብል ኣሊሻ። ኣደኣ ኪዮና ብወገና፡ ከምዚ እዋን ዝሓለፈ ዓመት፡ "እዚ ምስኣ እነሕልፎ ናይ መወዳእታና ቅንያት በዓል ልደት’ዩ፡ ኢልና ቀቢጽና ኔርና" ብምባል ብጓሂ ከም ዝበኸያ ትገልጽ፤ “ኣሊሻ፡ መበል 13 ዓመተ ልደታ ዝመጽእ ጥሪ እዩ።”

እቲ ቀጺሉ ዘጋጠመ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ፤ ብሳላ’ቲ ምእማኑ ዘጸግም ምዕባለታት ጀነቲክስ ግን ተኻኢሉ።

እቶም ኣብ ግሬት ኦርሞንድ ዝርከቡ ጕጅለ ሓካይም፡ ነቲ ቅድሚ ሽዱሽተ ዓመት ኣቢሉ ዝተማህዘ፡ ቴክኖሎጂ በይዝ ኤዲቲን ኣብ ግብሪ ኣውዒሎምዎ።

ኣሊሻ ቅድሚ ሕክምና ኪሞተራፒ

ምንጪ ስእሊ, FAMILY PHOTO

‘በይዝ’ ቋንቋ ህይወትና እዩ። እቶም ኣርባዕተ ዓይነታት በይዝ - ኣደኒን (A)፡ ሳይቶሲን (C)፡ ጉዋኒን (G)ን ታይሚን (T)ን - ስርዓተ ጀነቲካዊ ኮድና እዮም።

ከምቶም ኣብ ቃላት ዝርከቡ ፊደላት፡ ትርጕም ዘለዎም ቃል ዝህቡ፡ እቶም ኣብ ዲኤንኤ ዝርከቡ ቢልዮናት በይዝ ድማ ነቲ ንኣካላትና ዝኸውን መምርሒ ስርዓት’ዮ ዝጽሕፉ።

በዚ መሰረት በይዝ ኤዲቲን፡ ሳይንሰኛታት ነቲ ዝተደልየ ክፋል ጀነቲካዊ ኮድ ክዓብዩን/ኣዕብዮም ክርእይዎን፡ ድሕሪኡ ንሞለኲዩላዊ ኣቃውማ ሓደ በይዝ ክቕይሩን [ኤዲት ክገብሩ]፡ ነቲ ጀነቲካዊ መምርሒታቱ ክልውጥዎን የኽእሎም።

እዚ ዓቢይ ጕጅለ ሓካይምን ሳይንሰኛታትን እምበኣር፡ ነዚ ቴክኖሎጂ’ዚ ተጠቒሙ፡ ነቶም መንሽሮ ዘለዎም ዋህዮታት-ቲ ኣሊሻ ክሃድንን ክቐትልን ዝኽእል ሓድሽ ዓይነት ቲ-ሰል እዩ ሃንዲሱ።

ጃን ሹ፡ ላዕለወይቲ ተመራማሪት ነርስ፡ ግሬት ኣርሞንድ ሆስፒታል፡ ዝሓለፈ ግንቦት 2022 ንኣሊሻ ፍወሳ እናሃበት

ምንጪ ስእሊ, GREAT ORMOND STREET HOSPITAL

መግለጺ ስእሊ, ጃን ሹ፡ ላዕለወይቲ ተመራማሪት ነርስ፡ ግሬት ኣርሞንድ ሆስፒታል፡ ዝሓለፈ ግንቦት 2022 ንኣሊሻ ፍወሳ እናሃበት

ነዚ ድማ ካብ ሓደ ለጋሲ ዝተረኽቡ ጥዑያት ቲ-ሰላት ተጠቒሞም እቲ ምምሕያሽ ክጅምር ገይሮም።

  • እቲ ቀዳማይ በይዝ ኤዲቲን፡ ነቲ ቲ-ሰላት ናይ ምስንኻል ኣገባብ ኰይኑ፡ ኣካላት ኣሊሻ ዝወርዶ ዝነበረ ሃስያ ደው ንምባል እዩ ነይሩ
  • እቲ ካልኣይ ኣብ ኵሎም ዋህዮታት ቲ ዝርከብ ሲዲ7 ዝበሃል ኬሚካላዊ ምጽራግ እዩ
  • እቲ መስርሕ፡ ነቶም ዋህዮታት ብፍወሳ ኬሞቴራፒ ንኸይቕተሉ ዝኽልክል ዘይርአ ቀጸላ ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ኣብ መወዳእታ ዝተገብረ ጀነቲካዊ ምምሕያሽ፡ እቶም ዋህዮታት ቲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣካላታ ዝርከብ ዋህዮታት ቲ - እንተላይ እቶም ብመንሽሮ ዝተለኽፉ ዋህዮታት - ንኽጠፍኡ፣ ኬሚካል ሲዲ7 ዘለዎ ዝዀነ ነገር ክሃድኑ መምርሒ ከም ዝወሃብ’ዩ ተገይሩ።

 እቲ ፍወሳ እንተ ሰሪሑ፡ ስርዓተ ምክልኻል ኣሊሻ፣ ዋህዮታት ቲ ይዅኑ ኣንጕዕ ኣዕጽምቲ ዳግማይ ክህነጹ እዮም።

እቲ ሓሳብ ንስድራቤት ምስ ተገልጸሎም፡ ኣደ ኣሊሻ -ኪዮና "ብሓቂ ከምኡ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም?" ክትብል ሓተተት። እቲ ፈተነ ፍወሳ፡ ኣብ ነብሳ ክፍተን ዝወሰነት ግን ኣሊሻ ነበረት።

"በዚ ቴክኖሎጂ ዝተሓከመት ፈላመይቲ ሕምምቲ እያ" ይብል ፕሮፌሰር ዋሲም ቓስም፡ ካብ ዩሲኤልን ግሬት ኦርሞንድን።

እዚ ጀነቲካዊ ምትዕጽጻፍ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሕማማት "ዓቢይ ዕቝር ዓቕሚ" ዘለዎ "ኣዝዩ ቅልጡፍ ምዕባለ ዘርኢ ዘሎ ዓውዲ ስነፍልጠት" ምዃኑ ድማ ይገልጽ።

ኣሊሻ፡ እቶም ዝማዕበሉ ዋህዮታት ኣብ ኣካላታ ንዝርከቡ መንሽሮ ዘለዎም ዋህዮታት-ቲ ን ነቶም ካብ ሕማም ዝከላኸሉላ ዋህዮታትን ንኸጥቅዑ ኣብ ኣካላታ ከምዝኣትዉ ተገይሩ።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ ኣሊሻ፡ ስርዓተ ምክልኻል ዓቕማ ንምዕባይ፡ ዳግመ-ምትካል ኣንጕዕ ኣዕጽምቲ ተገይሩላ፤ ን16 ሰሙን ድማ ኣብ ሆስፒታል ጸኒሓ።

እቲ ኣብ ቀዳሞት ሰለስተ ኣዋርሕ ዝተገብረ መርመራ ዳግማይ ምልክታት መንሽሮ ምስ ተረኽቦ ስክፍታታት ፈጢሩ ነይሩ፤ እንተዀነ ኣብ ቀረባ እዋን ዝገበረቶ ናይ መወዳእታ ክልተ መርመራታት ግን ምሉእ ብምሉእ መንሽሮ ካብ ኣካላታ ከምዝተጸርገ ኣረጋጊጹ።

ፕሮፈሰር ዋስም ቓስም፡ ኣባል 'ቲ ንፍወሳ በይዝ ኤዲቲን ዘማዕበለ ጕጅለ ሓካይም እዩ
መግለጺ ስእሊ, ፕሮፈሰር ዋስም ቓስም፡ ኣባል 'ቲ ንፍወሳ በይዝ ኤዲቲን ዘማዕበለ ጕጅለ ሓካይም እዩ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ንነፍሲ ወከፍ ንእሽቶ ነገር ከተድንቕ ከም ዘለካ ጥራይ ኢኻ ትመሃር፤ ኣብዚ ብምምጻአይ ጥራይ እየ ዘመስግን" ትብል ኣሊሻ።

"ዘደንጹ'ዩ! በቃ እዚ ዕድል ክረክብ ምኽኣለይ ይገርመኒ፣ ኣዝየ'የ ዘመስግን፤ ኣብ መጻኢ ንኻልኦት ህጻናት ኣብ ክሕግዝ’የ።"

ንሳ ንበዓል ልደት እያ ተማዕዱ ዘላ፤ ኣብ መርዓ ኣሞኣ መሓዛ ኰይና ክትውዕል፣ ናብ ብሽክለታኣ ክትምለስ፡ ናብ ቤት ትምህርቲ ክትመላለስን፡ ብሓፈሻ "ንቡር ህይወታ ጥራይ ክገብርን" እያ ትደሊ ዘላ።

እቶም ስድራቤት እቲ መንሽሮ ፈጺሙ ከምዘይምለስ ተስፋ ኣለዎም፤ ኣመና ድማ ኣመስጊኖም ኣለዉ።

"እዛ ተወሳኺት ዓመት ንባዕላ፣ እዘን ኣብ ገዝኣ ዝጸንሓትለን ናይ መወዳእታ ሰለስተ ኣዋርሕ ንባዕለን ህያብ'የን ነይረን" ትብል ኪዮና።

ኣቦኣ ጀምስ፡ "ክሳብ ክንደይ ከም እንሕበን ምዝራብ ኣዝዩ ይኸብደኒ። እንታይ ከም ዝሓለፈትን ንነፍሲ ወከፍ ኵነታት ህይወታ ክትዕዘብ ከለኻን ፍሉይ'ዩ" ይብል።

መብዛሕትኦም ሉኪሚያ ዘለዎም ህጻናት እቲ ንቡር ቀንዲ ሕክምናታት ይረኽቡ እዮም፤ እንተኾነ ኣብ ዓመት ክሳብ ደርዘን ዝዀኑ ካብዚ ፍወሳ ተጠቀምቲ ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይግመት።

ኣሊሻ፡ ከም ኣካል ክሊኒካዊ ፈተነ፡ እቲ መድሃኒት ካብ ዝወሃቦም 10 ሰባት እታ ቀዳመይቲ እያ።

ኣብ ሆስፒታል ግሬት ኦርሞንድ ስትሪት ካብ ክፍሊ ምትካል ኣንጕዕ ዓጽሚ ዶክተር ሮበርት ቺሳ፡ "ኣዝዩ ዘሐጕስ'ዩ፤ ርዱእ'ዩ፡ እዚ ሓድሽ ዓውደ ሕክምና'ዩ፣ ስርዓተ-ምክልኻል ሕማም መንሽሮ ንምምካት ዳግማይ ኣንፈት ከነትሕዞ ምኽኣልና ድማ መሳጢ'ዩ" ኢሉ።

እዚ ግን፡ ቴክኖሎጂ በይዝ ኤዲቲን ንብድሕሪ ሕጂ ኣበየናይ ጫፍ ክበጽሕ ከም ዝኽእል መርኣዪ ጥራይ እዩ።

ሓደ ካብቶም ኣብ ብሮድ ኢንስቲትዩት መሃዝቲ በይዝ ኤዲቲን ዝዀነ ዶክተር ደቪድ ሊዩ፡ እቲ ቴክኖሎጂ ካብ ዝምሃዝ ኣብ ሽዱሽተ ዓመቱ ጥራይ ሰባት ክሕከሙሉ ምርኣይ "ክንዮ ክውንነት ወይ ከኣ ሕልሚ እዩ" ክብል ይገልጾ።

ኣብ ፍወሳ ኣሊሻ፡ ነፍሲ ወከፍ በይዝ ኤዲቲን፡ ንሓደ ክፋል ጀነቲካዊ ኮድ ምብታኽ ስለ ዘጠቓልል፡ ደጊሙ ኣይሰርሕን እዩ። እንተዀነ ብኻልእ ፕሮግራም ጌርካ፡ ነቲ ጉድለት ዘለዎ ዋህዮ ክትእርሞ ይከኣል’ዩ። ንኣብነት፡ ዋሕዲ ሉኬምያ [ዋሕዲ ደም] ሲክል-ሴል፡ ብሓደ ክእረም ዝኽእል በይዝ ብምልዋጥ ጥራይ ዝመጽእ እዩ።

ስለዚ ድሮ ኣብ ሕማም ሲክል-ሰል፡ ከምኡ’ውን ኣብ ስድራቤታት ዝርአ ልዑል መጠን ኮሌስትሮልን ጸገም ደም ‘ቤታ-ታላስሚያን’ ንምእራም ፈተነታት በይዝ ኤዲቲን ይካየድ ኣሎ።

ዶክተር ሊዩ፡ "ፍወሳዊ ኣጠቓቕማ በይዝ ኤዲቲን ገና ይጅምር እዩ ዘሎ" ብምባል፡ "ኣካል ናይዚ ዘመን ፍወሳዊ ኤዲቲን ሰብኣዊ ጂን ምዃን ክብሪ እዩ" ኢሉ።

"ስነፍልጠት፡ ንጂኖምና ‘ሕናተ-ሰረት’ ንምቁጽጻር ወሰንቲ ምዕባለታት ዝጐናጸፈሉ ዘሎ እዋን ኢና ዘሎና።"