ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ዘልዓሎም ቀንዲ ጕዳያት

ምንጪ ስእሊ, Shabait
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ሰኑይ 12 ጥሪ ምስ ተለቪዝን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ምስ ፕሮጀክት 'ማጋ' ዝተኣሳሰር ፖሊሲ ኣመሪካ፡ ጽምዶ ኤርትራን ኣመሪካን፡ ጉዳይ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ እተካይዶ ዘላ ተዅታዂ ትረኻታት ኣንጻር ኤርትራ፡ ዝምድና ምስ ሃገራት ግብጺን ስዑድያን ኣልዒሉ ተዛሪቡ፤ ኣብ "ዘቤታዊ ጉዳያት" እዋን ዝተወሰኑ ጉዳያት ተንኪፉ።
ኣመሪካን ፕሮጀክት ማጋን
ኣብቲ ነዊሕ ዝርዝራት ዘቐመጠሉ መግለጺ ዓለማዊ ኵነታት፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ነቲ ጉዳይ ብስፍሓት ብመንጽር ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ እዩ ክድህስሶ ፈቲኑ።
እቲ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ኵነታት ንድሕሪት ምልስ ኢልካ፡ ካብ ዝሑል ኲናትን ድሕሪኡ - ድሕሪ ውድቀት ሕብረት ሶቭየት ዝተፈጥረ እንኮ ቀጽራዊ ዓለማዊ ስርዓት ምርኣይ ከምዘድሊ ጠቒሱ። እዚ ዓለም ድሕሪ ደጊም ናብ ትሕቲ ቍጽጽርና ከነ'እትዋ ኣለና ዝብል ኣካይዳ 30 ዓመታት ሓሊፉ፡ ዝፈጠሮ ጽልዋታትን ሳዕቤናትን ከምዘሎ ኣሚቱ።
ኣብ መግለጺኡ ኢሳይያስ፡ ኣብዚ ኣካይዳ'ዚ ኣመሪካ ብቝጠባ ይዅን ብተክኖሎጂ እናደኸመት ክትከይድ ከምዝጸንሐት ምምምልካት፡ እዚ ምስ ዳግመ-ምምጻእ ትራምፕ ዝተቐልቀለ፡ ፕሮጀከት ማጋ [ኣመሪካ ደጊምካ ዓባይ ምግባራ] ዝብል ሰረተ-እምነት ንባዕሉ ካብ ድኽመት ኣመሪካ ዝነቐለ ምዃኑ መርኣያ እዩ ኢሉ።
"እዞም ኣመሪካ ዳግማይ ዓባይ ንኽትከውን ዝውሰዱ ዘለዉ ስጕምትታት ኣብ መወዳእታ እንታይ እዩ ዕላማኦም?" ብምባል ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ እዞም ዛጊት ተረኺቦም ዘለዉ ኣመታት፡ ቀዳማይ ሸቶ ባህርያዊ ጸጋታት ምውናን ወይ ምቍጽጻር፡ እዩ ክብል ብምግላጽ፡ ንቬነዝዌላ ከም ኣብነት ጠቒሱ።
ምኽንያት ናይዚ ድማ፡ "ናይ ኣመሪካ ቍጠባዊ ጽልዋ ብደረጃ ዓለም እናደኸመ ስለ ዝመጽአ ንዓኡ ምእንቲ ከተሐይሎ ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲታት እዩ፡" ምዃኑ ኣመልኪቱ።
"ናይዚ ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲታትን ብሕጂ ዝውሰድን ሳዕቤናቱ እንታይ ክኸውን እዩ? እቶም ቀንዲ ዝጥመቱ ዘለዉ ቻይናን ሩስያን እዮም። ኣብ ግሪንላንድ ይዅን ቬንዙወላ ቻይናን ሩስያን እየን። ስለዚ፡ ኣመሪካ ዓባይ ምእንቲ ክትከውን ንቻይናን ሩስያን ቅድም ክትቈጻጸረን ኣለካ።"
ናይቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲታት ቀንዲ ዒላማ ቻይናን ሩስያን ምዃነን ዝገለጸ እቲ ፕረዚደንት፡ "ከም መሻርኽቲ ኔቶ፡ ህንዲ፡ ጃፓን፡ ኮርያ፡ ፓኪስታን፡ ኢንዶኖዥያ፡ ኣብ ላቲን ኣመሪካ፡ ኣብ ኤውሮጳ ከም ፈረንሳን ጀርመንን ኣብቲ መስርዕ ከም ዘለዋ ገሊጹ።
እዚ ኣመሪካ ዓባይ ንኽትከውን ብዝብል ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓሳት፡ ብዝተፈላለየ መንገዲታት ከምዝቐርብ'ውን እቲ ፕረዚደንት ኣመልኪቱ።
ኣብዚ ባህሪያዊ ጸጋታት ንምምዝማዝ፡ ብስም ምእዳብ ዝግበር ዘሎ ምትእትታውን - ኣብ ከም ቬነዝዌላን ካልኦት ኣብ መስርዕ ዘለዋ ሃገራትን፣ ብስም፡ ኣብ ናይጀርያን ደቡብ ኣፍሪቃን ከምዝተራእየ፡ 'ይግፍዑን ይቕተሉን' ኣለዉ እናበልካ ዝግበር ምትእትታው፣ ከም መንጐኛ ኴንካ ምቕራብ፡ ኣብ ከም ጉዳይ ሩስያ-ዩክረይን፣ ኣርመንያ-ኣዘርባዣን፣ ህንዲ-ፓኪስታን፡ ካምቦድያ-ታይላንድን ካልኦትን፡ ኣካል ናይቲ ማጋ ዝብል ኣመሪካ ደጊምካ ዓባይ ናይ ምግባር ኣጀንዳ ምዃኖም ኣስሚሩሉ።
ኣተሓሒዙ፡ "ቀረጽ፡ እዚ ታሪፍ ዝበሃል ንገዛእ ርእሱ ንምቍጽጻር እዩ፡" ብምባል፡ ብዛዕባ ንፍልሰት ዝምልከት ፖሊሲታት እውን፡ "ኣብ ኣመሪካ ክኣትዉን ዘይክኣትዉን ዝግበር ዘሎ ነዚ ንኣመሪካ ከዳኽም ዝጸንሐ ተርእዮታት ተባሂሉ ንዓኡ ንምውጋድ ዝውሰድ ዘሎ ስጕምቲታት እዩ፡" ብምባል ኣረዲኡ።
"ምምሕዳር ትራምፕ ኣብዘን ተሪፍናኦ ዘለዋ 3 ዓመታት ክወስዶ ዝኸእል ፍልስፍና ማጋ እንታይ ክመስል ይኽእል ንዝብል ክንግምግም እንተዄንና፡ ብሓፈሻ ኣብ ናይ መሰጋገሪ ቦታ ኣለና፡" ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ብድሕሪኡ ክመጸ ዝኽእል ንክንፈልጥ ግን ነዞም ሰለስተ ዓመታት ክንከታተሎም" ኣገዳሲ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።
ካብዚ ዝጸንሓናዮ ቀጽራዊ ኲናት ወጺና "ዓለም ብፍትሕን ብርትዕን ክትምራሕ ኣለዋ፡" ዝብል ሓድሽ ምህዞ ኣይኰነን፡ ኢሉ።
ምስዚ ኣተኣሳሲሩ እቲ ፕረዚደንት፡ ኣብ ዞባና ክንዛረብ እንተዄንና ጽልዋ ፖሊሲ ማጋ ኣብ ዞባና ቀይሕ ባሕሪ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማእከላይ ምብራቕን ጎደበናን ክንርእዮ ኣለና ብምባል፤
"ንሕና ፖሊሲታትና ክንሰርዕ እንድሕር ኮንና ናይ ሜድያ ኣጽማሚ ኣቀራርባታት ክውጥጠና የብሉን። ውድዓዊ ኣናብባ ክህልወና እንድሕር ኰይኑ ነቲ ኣቀራርባ ጐሲኻ ክትክይድ ኣለካ ምኽያቱ ዕዮ ገዛና ንኽንገብር ምእንቲ።'
ጽምዶ ኤርትራን ኣመሪካን

ምንጪ ስእሊ, @Eritrea_UN
ኣብቲ ቃለመሕትት፡ ነቲ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ሓምለ ቃለመሕትት ንዘልዓሎ ጉዳይ ጽምዶ ምስ ዋሽንግተን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ፖሊሲ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ እውን ዘለዎ ኵነታት መብርሂ ሂቡ።
ኣቶ ኢሳይያስ ኣብ መልሱ፡ "እንኮ ቀጽራዊ ስርዓት ምስ ናጽነት ኤርትራ ኢና ተቐቢልናዮ" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ማእዝኑ ዝሰሓተ ፖሊሲታት ኣመሪካ ዘኸተሎ ዕንወት ከይተጸባጸብና፡ ነቲ ጽምዶ ኣብ ቀዳሞት ዓመታት ናጽነት ኢና ጀሚርናዮ ኔርና ብምባል ድሕሪኡ ንዝነበረ ምዕባለታት ተናኺፉ።
ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ቃለመጠይቝ ዝበሎ ብምድጋም ድማ፡ ኣብ ቀዳማይ ዘመነ-ስልጣን ትራምፕ ኣብ ዝነበረ ሓደ ዓመት ዝጀመረ ተበግሶ፡ ብድሒኡ ዝተረፈ ሰለስተ ዓመትን፡ ተወሰኾ ኣርባዕተ ዓመት ምምሕዳር ባይደንን ዳርጋ ሸውዓተ ዓመት ተኸሲሩ እዩ ኢሉ።
ትራምፕ ምስ መጸ ነቲ ዝነበረ ጽምዶ ከምዝቐጸለ ዘመልከተ ፕረዚደንት፡ "ኣብዚ ሓደ ዓመት ዝተዓዘብናዮ፡" ዝብሎ፡ ጉዳይ "ኣማኸርቲ ኢና ዝብሉ" ነቲ ጽምዶ ጅምር ካብ ዘብል ዕድል ክህቡዋ ኣይደለዩን፡" ብምባል ሎቢታት ኣመሪካ'ውን ከም ዓቢ ጸገም ዕንቅፋትን ኣቐሚጡ።
ኣብ መግለጺኡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "መደወኒ ወይ ድማ መሰይጠኒ ዓይነት መልእኽቲ እዩ። ብኸመይ መገዲ ከምዚ ተጋራጫዊ መልእኽቲ ክመጽእ ይኽእል?።
"በቲ ሓደ ወገን ኮፍ ኢልና ክንዛረብ ንደሊና ብዛዕባ ወፍሪ ብዛዕባ ቍጠባዊ ምትሕግጋዝ እንድሕር ተባሂሉ፡ ኣብ ኤርትራ ኣይክኣልን'ዩ እንሕድር ዝብሃል ኰይኑ ንምንታይ'ዩ እቲ ዕላማ? ጸቕጢ ክትገብር፡ ወፍሪ ብናትካ ኵነት ከተገድድ ምእንቲ? ዶስ ነቲ ጽምዶ ንገዛእ ርእሱ ከትብትኖ ምእንቲ'ዩ ዝግበር ዘሎ?" ኢሉ ሕቶ ብምቕማጥ፤
"ኣነ ሕጂ እንታይ'የ ዝብሎ፡ ድብያን ጭውያን'ዩ፡ ከም ስልቲ እንተሪኢኻዮ ድብያን ጭውያን። ከትሪ፡ ትኸትር ኣብ መንገዲ፡ ነቲ ጉዳይ ከይከደ እንከሎ፡ ድሕሪኡ ናትካ ዝመስለካ ኣርእስቲ [ተምጽእ]።"
"እዚ ግን ንዓና ሓድሽ'ውን ኣይኰነን፡ ሓድሽ'ዩ ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን፡ ባህሪ ናይቲ ስርዓትን ኣሰራርሓኡን'ዩ። ትጕንጽ፡ ተፈራርሕ፡ ትህድድ ተሰይጥን፡ ድሕሪኡ ድደለኻዮ ትረከብ ዓይነት፡ ከም ሓደ ናይ ፖሊሲ 'ጋይድላይን' (መርሓ ናይ ፖሊሲ) እዩ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል። ግን ልምዲን ባህልን'ዩ፡" ኢሉ።
እንተዀነ ኣስመራ በቲ ገጢሙዋ ዘሎ ብድሆታት ተስፋ ከይቆረጸት ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ዝግበር ጽምዶ ከትቅጽሎ ምዃና'ውን እቲ ፕረዚደንት ኣሚቱ'ሎ።
ኣብቲ ጽምዶ ንክልተኣዊ ጉዳያት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያን፡ ሶማልያን ሱዳንን ዝበሉ ጉዳያት ናይቲ ዞባ ንኣመሪካ "ሓሳባትና ከነካፍል ኣለና" ኢሉ።
"ኣብ ኵሎም ኣጋጣሚታት፡ ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተላዕሉ እዋን፡ ቅድም ናትና ጉዳይ ክንሰርዕ ኣለና፡ ናትና ጉዳይ ቅድም ከነመዓራሪ ኣለና፡ ክልተኣዊ'ዩ ዝቕድም ዝመጽእ ዝብሃል፡ ክልተኣዊ ኣብ ልሳይ ራብዓይ ደረጃ ሰሪዕና ኢና ክንዛረበሉ ጸኒሕና"።
ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ምፍላጥን ምርግጋእን ቀዳምነት እቲ ዝመርሖ መንግስቲ ምዃኑ'ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ደጊሙ ኣረጋጊጹ'ሎ።
"ኣብዘን ዝመጻ ዘለዋ ሰለስተ ዓመታት'ውን እቲ ጽምዶ ክንቅጽሎ ኢና፡ ንቕይሮ ንብድሎ ኣይክኸውንን እዩ። እንታይ ፍረ ከምጽእ ይኽእል እንድሕር ተባሂሉ ግን፡ ሓንቲ ኢድ ንበይና" ኣይተጣቕዕን እያ ኢሉ።
ኵነታት ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Suna
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ መግለጺኡ፡ ንኣመጻጽኣ ኵነታት ሱዳን ኣመልኪቱ ታሪኻዊ ድሕረባይታኡ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ህዝቢ ሱዳን ደሓር ነዊሕ ምጽማም ነቲ ስርዓት [ኣልበሽር] ብፍኑው ናዕቢ ከምዝኣለዮ ብምግላጽ፡ "ሰራዊት ምስ ህዝቢ ሱዳን ደው ኢሉ፡" ብምባል ድማ ልኡላዊ ሃገራዊ ትካል ምዃኑ ዘረጋገጸሉ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ምንባሩ መስኪሩ።
ሰራዊት ከም ልኡላዊ ኣካል ኣብ ጐድኒ ሱዳን ደው ምባሉ፡ ናብ ሓድሽ መሰጋገሪ መድረኽ ኣእትይዎ። እዚ ድማ ናብ ግዝያዊ መሰጋገሪ ባይቶ ክምስረት ኣፍደገ ከምዝኸፍተ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጠቒሱ።
ነቲ ቅድሚ ኣስታት ሰለስተ ዓመት ዝተባርዐ ኲናት ሱዳን ኣመልኪቱ ድማ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "ንሱዳን ኣብ ዕልቕልቕ እንት ኣእቲኻ ወይ እንተ ተቘጻጺርካ፡ ንግብጺ፡ ጫድ፡ ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ ንቐይሕ ባሕሪ ትጸሉ ብዝብል ብውክልና ናይ ኢማራት ዓረብ ናብ ውግእ ከም ዘምርሐት፡" ገሊጹ።
"ኣብ ሱዳን ክሳዕ ሎሚ ሓድሕድ ኲናት ኣይነበረን፣ የለን'ውን። ናይ ጀነራላት ግጭት ወይ ውድድር ኣይኰነን። . . . እዞም ጀነራላት እዚኣቶም ይዅን ሰራዊት ከም ልዑላዊ ትካል ናይ ሱዳን እዋናዊ ሓላፍነት ወይ ድማ ተልእኾ ተዋሂቡዎ ዝኸይድ ዘሎ'ምበር፡ ኣብ ስልጣን ዘወዳድር ምኽንያት'ውን የብሉን፡" ድማ ኢሉ።
ኣብ 2011 ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተኸስተ ጉዳይ ምንጻል ሱዳን ኣልዒሉ ድማ፡ እቲ ሽዑ ዝተገብረ ፖለቲካዊ ጌጋ፡ "ሕጂ ኣብ ሱዳን ክድገም የብሉን" ኢሉ።
ሕድሪ ተሰኪሙ ዘሎ ልኡላዊ ትካል ዝዀነ ሰራዊት ሱዳን እዩ ዝብለ እቲ ፕረዚደንት፡ "ሰራዊት ሱዳን ኣገናዕ ተባሂሉ ክድገፍ ዝግቦኦ ዝነበረ እዩ፡" ኢሉ።
ሱዳን ከም መዝረጊ መድረኽ ሰላም ቀሪኒ ኣፍሪቃ ተባሂሉ ዝተወሰደ እዩ፡ ብምባል ድማ፡ "ናዓና ሓድሽ ኣይኰነን ካብ ነዊሕ ግዜ ዝተዓዘብናዮ እዩ፡ ነዚ ትማሊ ዝመጸ ንሕና ኣይንቕበሎን ኢና፣ እቲ ዝውሰድ ዘሎ ስጕምትታት እንታይ እዩ ዓላማኡ?" ይብል።
ጉዳይ ሱዳን ንምፍታሕ፡ ብተበግሶ ግብጺ ዝጀመረ ዋዕላ ጐረባብቲ ሃገራት ጽቡቕ ተበግሶ ከምዝነበረ ብምጥቃስ ድማ፡ ሃንደበት በርዒኑ ከም ዝጠፍአ ተዛሪቡ።
እቲ ብዝተፈላለየ መንገዲታት ዝቐርብ ተበግሶታት ብሓፈሻ ሕልኽልኽ ንምፍጣር ምዃኑ ብምጥቃስ፡ "ከም ናይ ዩኤን ልዝብ ሰላም፣ ተዅሲ ደው ምባል እናበልካ ነቲ ጉዳይ ተናውሖ፡" ኢሉ ንኸምዚ ዝበለ ተበግሶታት ከም ዝነጽግ ብምግላጽ፡ "እቲ ሕድሪ ተሰኪሙ ዘሎ ሰራዊት ሱዳን ዕድል ይወሃቦ፤ ነቲ ኵሉ ሞትን ጸገማትን ድማ መወልቱ ይተሓትትሉ፡" ክብል ኣነጺሩ።
"ክሳብ እቲ ሰነድ ተነዲፉ ህዝቢ ሱዳን ሕርይኡ ዝፈልጥን ዝውስንን ንዓኡ ዝዕንቅፍ ዝዀነ ነገር ክህሉ የብሉን። . . . እዚ ሓይሊ'ዚ ምስዚ ሓይሊ'ዚ ኣይተሰማምዐን ኢልካ ኣብዚ እዋን'ዚ ዘየሎ ኣርእስትታት ኣልዒልካ ንጉዳይ ሱዳን ምትሕልላኽ ብዝዀነ ይዅን መንገዲ ክምኽነ ዝኽእል ኣይኰነን።"
"ናብ ሱዳን ርግኣት፡ ሰላምን ልምዓትን ግን ንዅሉ ዘርብሕ እዩ። ንህዝቢ ሱዳን ጥራሕ ዝምልከት ኣይኰነን። ሕልናዊ ግዴታና ኣልዒልና ክንዋሳእ ጸኒሕና ኣለና፡" ኢሉ።
ጉዳይ ብልጽግና
ነቲ ኣብዚ እዋን'ዚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ኲናት ከይኣትዋ ስግኣት ፈጢሩ ዘሎ፡ ንሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ማእከል ዝገበረ፡ ብፍላይ ብወገን ኢትዮጵያ ዝስማዕ ዘሎ ንልዑላውነት ኤርትራ ዝጻባእ ቀጻሊ ተዅታዅ ትረኻታት ኣመልኪቱ ንዝቐረበሉ ሕቶ እንክምልስ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ዲፕሎማስያዊን ፕሮፖጋንዳዊን ምንቅስቓስ "ንመዳመቒ ዝቐርብ'ዩ" ክብል ኣነኣኢስዎ።
"ኣዋጅ ኲናት ኣንጻር ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ። ናይ ማያት ናይ ካልእ ዝብሃል መዳመቒ ዝቐርብ'ዩ።
"እዚ ኲናት'ዚ ዘይተኣወጀሉ የለን። ኲናት ናይ ማያት ኢልካ ምእዋጅ፡ ንመን? ንዓና ብቐጥታ ናይ ቀይሕ ባሕሪ ገለ ኣይኰነን. . .ናይ ናይል ኲናት ኢኻ ትእውጅ ዘለኻ፣ ንመን ኢኻ ትእውጀሉ ዘሎኻ? ንመን'ዩ ዝምልከት እቲ ኣዋጅ ናይቲ ኲናት?
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ መንግስቲ "ብልጽግና መጀመርታ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ'ዩ ኲናት ኣዊጁ፡ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶርያ ንፋኖ ንምጥፋእ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኲናት ተኣዊጁ፣ ኣብ ልዕሊ ትግራይ፡ ዓፋር፡ ኦሮምያ፡ ሶማል...፣ ድሕሪ ምባል፤
"እዚ ጸወታ'ዚ ናይ ብልጽግና ኣጀንዳ ኣይኰነን። ናይ ካልኦት ኣጀንዳ'ዩ እዚ። እቶም ድምውልዎ ዘለዉ፡ እቶም ገንዘቦም ዝህቡ ዘለዉ፡" ክብል ተንቲኑ።
"ናብ ከምዚ ድኣመሰለ ቅልውላው ዘምርሕ ሰብ ሰነፍ፡ ነዳይ፡ ፈራሕ፡ ስሱዕ ጥራይ'ዩ" ክብል ወቒሱ።
እንተዀነ፡ ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናትን) ኣጽዋራትን ካብ ደገ ናብ ኢትዮጵያ ይኣቱ ከምዘሎ'ውን ተዛሪቡ'ሎ።
"መን'ዩ ዘምጽአን ዘሎ 'ተን ድሮናት? መን'ዩ ነዚ ዅሉ ኣጽዋር ካብ ደገ እናሸመተ ደምጽእ ዘሎ፡ መን'ዩ ነዚ ዅሉ ውዲታት እዚ ድምውል ደሎ? ካበይ'ዩ ዝመጽእ ዘሎ እቲ ገንዘብ ብምልኡ ናብዚ ድኸይድ ዘሎ? መን'ዩ እቲ ዝግዛእ ዘሎ ዕሱብ፡ ስለምንታይ'ዩ ዝግዛእ ዘሎ፡ እንታይ ክበልዕ ኢሉ ዝኣቱ ዘሎ? ድሕሪ ምባል፤
እቲ ፕረዚደንት፡ "ግዜኻ ኣይተጥፍእ" ኢሉ ብምዝራብ "ዜና ናትና ከማን ክጠቕሶ የብሉን ክዛረበሉ ደይብሉ ጉዳይ'ዩ እዚ" ብምባል ኣነኣኢስዎ።
ኲናት እንተተኣዊጁልና ግን ናብ ምክልኻል መሰልና ንማንም እንሓተሉ ኣይኰነን ብምባል ድማ፡ ኣቶ ኢሳይያስ፡ "ኣብ ናታቶም ናይ ሓሶት መአዲ ክንዕደም የብልናን። ብናይ ስድታት ጠልቀፍቀፍ ኣብ ኲናት ኣይንዕደምን ኢና። ኣብዚ ዝተወደበ ፕሮፖጋንዳታት ዘጓዪ የብልካን፡" ኢሉ።
ርክብን ተራን ስዑድያን ግብጺን
ዞባዊ ርግኣት ምፍጣር ሕርያ ኣይኰነን ግዴታ እዩ። ነዚ ዞባዊ ርግኣት ንምርግጋጽ ኣርባዕተ ኣቘምቲ ንኡሳን ዞባታት ከፋፊሉ ብምርዳእ፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንርክብ ኤርትራን ስዑድያን ኣብ ዝምልከት "ክልተኣዊ ጽምዶ ምስ ስዑድያ ሓባራዊ ርድኢት ንምምጻእ፡ ምዃኑ ገሊጹ።
እዚ ርክብ'ዚ ድማ "ንዑ ዝረዩልና ንምባል ዘይዀነ ንዑ ግቡእኩም ግብሩ፡ ንምባል'ዩ፣ ስለዚ ናይ ምምኽኻር ርክባት ቀጻሊ'ዩ" ድማ ኢሉ።
ኣብ ዝተፈላለየ ኣገጣሚታት እውን ኣብዚ ዞባ ዝፍጠርን ዝተሓላለኽን ጸገማት ብቐንዱ ብግዳማውያን ሃገራትን ሓይልታትን ብዝግበር ምትእትታው ምዃኑ ዝገልጽ መራሒ ኤርትራ ኣብዚ ናይ ሕጂ ዘረብኡ'ውን፡ "ናይ ደገ ምትእትታው ኣብዚ ዞባና ዝፈጥሮ ጸገማት ካብ ኵሉ ዝተኸውለ ኣይኰነን፡" ብምባል "ስለዚ ተራ ናይ ግብጽን ሰዑድያን ክዓዝዝ ኣለዎ፡" ክብል ኣተሓሳሲቡ።
ሶማላውያን ነቲ ልዕሊ 3000 ኪሎሜትር ዝዝርጋሕ ገማግም ባሕሮም ናይ ምሕላው ሓላፍነት ናይ ባዕሎም ናይ ሶማላውያን ምዃኑ ዘመልከተ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ "ንገማግምካ፡ ኣየራትካን ብዘራያት ብሓያላት ከተውሕሶ ዝፍተን እንተዀይኑ ኣየስርሕን'ዩ፡ ናትና ጥምረት'ዩ ውሕስነት እዚ ዞባዊ መስመር ዘረጋግጽ፡" ክብል ንናይ ደገ ምትእትታዋት ነጺጉ።
ንርክባት ኤርትራን ስዑድያን ኣመልኪቱ ድማ፡ እቲ እንፈጥሮ ዝተፈላለየ ጽምዶታት፡ ናይ በይንና ኣጀንዳ ጌርና ኣይንርእዮን ኢና፡ ንዞባና ብዘርብሕ መንጽር ኢና ንርእዮ ብምባል፡ "ምስ መሓመድ ቢን ሳልማን፡ ግዜ ስለዝሓጽረና፡ ኣብ ሓሓጺር እዋን ክንራኸብ ኢና ተረዳዲእና፡" እውን ኢሉ።
ዘቤታዊ ጉዳያት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ዝቐረበሉ "ዘቤታዊ ጉዳያት"፡ ንሕተ ቅርጺ፡ ማይ፡ ትምህርቲን ሱታፌ ድያስፖራን እዩ ኣልዒሉ።
ኣብ 2026 "ቀዳምነትና ህንጸት ትሕተ ቅርጺ'ዩ ክኸውን ዘለዎ፡" ብምባል ድማ "ናይ ጽርግያታት ነገራት ከሊስና፡ ቅድሚ ሕጂ ወጢናን ዘይሰራሕናዮም ንምንታይ? ኣብ 2026 ግን ክንሰርሖም ዘለና ሓደ ክልተ ኢልና ከነቐምጦም ኣለና፣ ምስ ጐረባብትና ዘራኽበና መስመራት'ውን ክስርሓሉ ኣለዎ፡" ኢሉ።
ንትሕተ-ቅርጺ ማይ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ "ነዚ ዝስዕብ ከኣ ጽዓት'ዩ፡ በዳምንተ 360 ሜጋ ጸዓት ምምንጫው'ዩ፡" ክብል እንከሎ ኣብ ጉዳይ ጸዓት "ኑክሊየር ክንጥቀም ኣለና ኢለና እንሓስበሉ'ውን ርሑቕ'ዩ ክንብል የብልናን፡" ክብል ኣተንቢሁ።
ኣብ ጉዳይ ትምህርቲ'ውን እቲ ዝዓበየ ብድሆ "ጸጋታት ሰብና እዩ፡" ብምባል፡ "ካብ 2026 ክሳብ 2030 ዝኸይድ ዝዓበየ መደብና ንስርዓተ ትምህርትና ምቕያር እዩ፣ ናይ ትምህርቲ መደብ ቀዳምነት ናይ ቀዳምነንታትና እዩ፡" ኢሉ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ጉዳይ ድያስፖራ እዩ ኣልዒሉ።
"ሱታፌ ድያስፖራ ኣድማዒ ዝዀነሉ መንገዲ ክግበር ኣለዎ፡" ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዝሓለፈ 3 ዓመታት ዝወጸ መደብ ክንገብሮ ዘይምኽኣልና ስንፍናና ኣይኰነን፡" ኢሉ።
በዚ ድማ ኣብ ጉዳይ መኸተ፡ "ምሕዝነታቶምን ምስ ዝተፈላለየ ህዝብታት ዘለዎም ርክባት ብምስፋሕ ፖለቲካዊ መኸተ ከሐይሉ፣ ምስዚ ሕጂ ዘሎ ናይ ሜድያ ሓይሊ ዜናዊ መኸተ ንምግጣም'ውን ውዳበ የድሊ፡"
ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ብኣድማዕነት ኣብ ዝተፈላለየ መዳያት "ኣድማዒ ተሳትፎ ክገብሩ ክኽእሉ ምእንቲ፡ መዓልትን ንሰርሓሉ ኣለና፡" ድሕሪ ምባል "ነዚ ድማ ዘድሊ መርሓ-ጐደና ተዳልይሉ ኣሎ ሸቶኡ ከም ዝወቅዕ ድማ ዘጠራጥር ኣይኰነን፡" ብምባል ቃለመሕትቱ ዛዚሙ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







