መንግስቲ ሱዳን ድሕሪ ኣስታት 3 ዓመታት ኲናት ናብ ካርቱም ተመሊሱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን፡ ኲናት ሓድሕድ ድሕሪ ምውልዑ ንኣስታት ሰለስተ ዓመታት ማእከሉ ኣብ ፖርት ሱዳን ገይሩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ርእሰ ከተማ ካርቱም ተመሊሱ።
ቀዳማይ ምኒስተር ሱዳን ካሚል እድሪስ ብሰንበት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ 'እቲ ናይ ተስፋ መንግስቲ' ብወግዒ ናብ ካርቱም ተመሊሱ ከምዘሎን፡ ነቶም ብክባን ስእነት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ላሕ ኢሎም ዝጸንሑ ነበርቲ ካርቱም፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ንኽረኽቡ ክሰርሕ ምዃኑን ቃል ኣትዩ።
ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ ሰሪዕን ኣብ 2023 ዝጀመረ ኲናት፡ ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት ሱዳን ቀልጢፉ'ዩ በቶም ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደጋሎ [ሕመቲ] ዝምርሑ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ተደፊኡ ካብ ካርቱም ወጺኡ።
ሰራዊት ሱዳን ድሕሪ ነዊሕ ዝወሰደ ምርባራብ ነታ ርእሰ ከተማ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ዳግማይ ተቘጻጺርዋ።
ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ነበርቲ እታ ከተማ ጥራይ ኣስታት ሓሙሽተ ሚልዮን ሃዲሞም ከምዝወጽኡ ይገልጽ።
ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሮም ግን ገለ ነበርቲ ናብታ ከተማ ይምለሱ ከምዘለዉ ይሕበር።
እቶም ካብታ ከተማ ክወጽኡ ዘይደለዩን ዘይክኣሉን፡ ኣብ እዋን ዳዕመ ሰሪዕ እታ ከተማ ኣልማሚ ስርቂን ዝምታን ከምዘጋጠማ'ዮም ዝመስክሩ።
ዝበዝሕ ክፋል እታ ከተማ ዓንዩ'ዩ።
ኣብ ጥቅምቲ ኡጋቺ ዳንኤልስ ዝተበሃለ ብዓል መዚ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ መሰረታዊ ዝብሃል ህዝባዊ ኣገልግሎታት እታ ከተማ ፈጺሙ ደው ኢሉ ናብ ዝብሃል ደረጃ ከምዝወረደ ገሊጹ ነይሩ።
ቀዳማይ ምኒስተር ካሚል እድሪስ ኣብቲ ብሰንበት ዝሃቦ መግለጺ፡ መንግስቲ ኣገልግሎታት ኤለትሪክ፡ ማይ፡ ማእከላት ጥዕናን ስርዓተ ትምህርትን እታ ከተማ ንምምሕያሽ ክሰርሕ ምዃኑ'ዩ ገሊጹ።
ብተወሳኺ፡ 2026 ነታ ኲናት ካብ ዝጅመር ብውሕዱ 150 ሽሕ ሰባት ዝተቐተሉላ ሱዳን 'ዓመተ ሰላም' ክትኰነላ ምዃና ገሊጹ።
ኲናት ሱዳን ካብ ዝጅመር፡ ኣስታት 12 ሚልዮን ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ተፈናቒሎም ኣለዉ።
ካብዚ ብምብጋስ ሕቡራት ሃገራት ንኵነታት እታ ሃገር ኣብ ዓለም ካብ ዝተራእዩ ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ክብል ገሊጽዎ።
እቶም ኣብ ኲናት ተጸሚዶም ዘለዉ ብኽልቲኦም ጀነራላት ዝምርሑ ሓይልታት፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ሰፍ ዘይብል ግፍዕታት ከምዝፈጸሙ'ዮም ዝኽሰሱ።
ክሳብ ሕጂ ንኽልቲኦም ወገናት ናብ መኣዲ ዘተ ኣቕሪብካ ሰላም ንኽፈጥሩ ዝተገበረ ዝተፈላለየ ፈተነታት'ውን ክሰምር ኣይክኣለን።
ምትእትታው ዝተፈላለየ ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ ነቲ ኵነታት ዝኸፍአ ከምዝገበሮን ጸብጻባት የመልክቱ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







