ጆን ሲምፕሰን፡ 'ብዛዕባ 40 ውግኣት ጸብጺበ'የ፤ ከም 2025 ዝኣመሰለት ዓመት ግን ርእየ ኣይፈልጥን'

ፕረዚደንት ዩክረይን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ሃገሩ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ናብ ኲናት ዓለም ክዓቢ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ዩክረይን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ሃገሩ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ናብ ኲናት ዓለም ክዓቢ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ
    • Author, John Simpson
    • Role, BBC world affairs editor

ተሃዋሲ ትሕዝቶ፦ እዚ ጽሑፍ፡ ንገለ ኣንበብቲ ዝርብሽ ስእላዊ መግለጺ ሞት ዝሓዘ እዩ።

ብሞያይ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 40 ውግኣት ሸፊነ ኣለኹ፤ እዚ ድማ ካብ 1960ታት ዝጅምር እዩ።

ዝሑል ኲናት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ክበጽሕ፡ ድሕሪኡ ብቐሊሉ ክሃፍፍ ተዓዚበ።

ግን ከም 2025 ምሉእ ብምሉእ ዘተሓሳስብ ዓመት ርእየ ኣይፈልጥን - ሓያሎ ዓበይቲ ጐንጺታት ስለ ዘለዉ ጥራይ ዘይኰነስ ሓደ ካብኣቶም መዳርግቲ ዘይብሉ ጂኦፖለቲካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ብምዃኑ እዩ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ሃገሩ ዝካየድ ዘሎ ግጭት ዓለማዊ ኲናት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ድሕሪ ናይ ኣስታት 60 ዓመታት ግጭታት ትዕዝብተይ፡ ሓቍ ክኸዉን ይኽእል እዩ ዝብል ስምዒት ኣለኒ።

መንግስታት ኣባል ሃገራት ኔቶ፡ ሩስያ ነቲ ንሕብረተሰብ ምዕራባውያን ኣገዳሲ ዝዀነ ኤሌክትሮኒካዊ ትራፊክ ዝስከም ገመዳት ትሕቲ ባሕሪ ትቘርጾ ከም ዘላ ዘርኢ ዝዀነ ይዅን ምልክታት ንምርካብ ብንቕሓት ይከታተሉዎ ኣለው።

ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ እዞም መንግስታት፡ ንምክልኻል ሃገራት ኔቶ ፈቲነን ተባሂለን ይኽሰሳ። ሰምሰርቶም፡ ምኒስትሪታት፡ ህጹጽ ኣገልግሎትን ዓበይቲ ኮርፖሬሽናትን ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝገብሩሉ መገድታት የማዕብሉ ኣለው።

ሰበ ስልጣን ምዕራብ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ምስጥራዊ ኣገልግሎትን ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ተዓቚቦም ንዝጸንሑን ቅትለት ከም ዝፈጸመት ርግጸኛታት እዮም።

ኣብ 2018 ኣብ ሳልስበሪ ኣብ ልዕሊ ወኪል ስለያ ሩስያ ነበር ሰርጌይ ስክሪፓል ዝተፈጸመ ፈተነ ቅትለት (ብተወሳኺ እቲ ጭቡጥ ቀታሊ መርዘን ናይ ሓንቲ ናይቲ ከባቢ ጓለንስተይቲ ዳውን ስቱርገስ) ዝተገብረ መርመራ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሩስያ ብዝለዓለ ደረጃ ስምምዕ ከም ዝተገብረሉ ደምዲሙ።

እዚ ማለት ፕረዚደንት ፑቲን ባዕሉ ማለት'ዩ።

ሕጂ ዝተፈለየ ኰይኑ ይስምዓካ

ኣብ 2025፡ ሰለስተ ኣዝዮም ዝተፈላለዩ ውግኣት ተኻይዶም።

ብርግጽ ዩክረይን ኣላ፤ ሕቡራት ሃገራት ኣብታ ሃገር ብዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ 14 ሽሕ ሲቪላት ሞይቶም ይብል።

ኣብታ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ብዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ኣስታት 1200 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎምን 251 ሰባት ጅሆ ምስ ተታሕዙን "ሓያል ሕነ ምፍዳይ" ከም ዝካየድ ዝተሓነየላ ቓዛ'ውን ካልእ ውግእ።

መሰረት ምኒስትሪ ጥዕና ሓማስ ቓዛ ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ልዕሊ 30 ሽሕ ደቀንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ልዕሊ 70 ሽሕ ፍልስጤማውያን ብወተሃደራዊ ስጕምቲ እስራኤል ተቐቲሎም። እዚ ኣሃዛት ሕቡራት ሃገራት ዘተኣማምን ምዃኑ ይገልጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ሱዳን ኣብ መንጐ ክልተ ወተሃደራዊ ጕጅለታት ብርቱዕ ኲናት ሓድሕድ ተኻይዱ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባት ተቐቲሎም፤ ኣስታት 12 ሚልዮን ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ ተገዲዶም ኣለዉ።

ምናልባት፡ እዚ ኣብ 2025 ዝነበረ እንኮ ኲናት እንተዝኸውን ነይሩ፡ እቲ ዝተረፈ ክፋል ዓለም ዝያዳ ንዕኡ ኣቓልቦ ምገበረ ነይሩ፤ ግን ኣይነበረን።

ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብ ውግእ ቓዛ ተዅሲ ደው ንምባል ድሕሪ ምዝርራቡ፡ "ኵናት ኣብ ምፍታሕ ንፉዕ እየ" ኢሉ።

ሓቂ እዩ ሕጂ ኣብ ቓዛ ዝሞቱ ሰባት ውሑዳት እዮም። ዋላ'ኳ ተዅሲ ደው እንተበለ፡ ብርግጽ ኲናት ቓዛ ዝተፈትሐ ኰይኑ ኣይስምዓካን እዩ።

ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዝርአ ዘሎ ዘስካሕክሕ ስቓይ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ካብዚ ፍጹም ዝተፈልየ ደረጃ እዩ ዘለዎ ምባል ዝገርም ክመስል ይኽእል እዩ፤ ግን እዩ።

ትራምፕ፡ "ኩናት ኣብ ምፍታሕ ንፉዕ እየ"

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ትራምፕ፡ "ኲናት ኣብ ምፍታሕ ንፉዕ እየ"
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ዝሑል ኲናት ንጐኒ ገዲፍና፡ መብዛሕትኦም ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ዝሸፈንክዎም ግርጭታት ንኣሽቱ ጕዳያት እዮም ነይሮም፤ ጽዩፍን ሓደገኛን፡ ብርግጽ፡ ግን ከኣ ንሰላም መላእ ዓለም ኣብ ሓደጋ ዘእትው ከበድቲ ውግኣት ኣይነበሩን።

ገለ ግጭታት፡ ከም ቬትናም፡ ቀዳማይ ኲናት ወሽመጥ፡ ከምኡ'ውን ኲናት ኮሶቮ፡ ሓሓሊፉ ናብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ነገር ክዓቢ ዝኽእል ይመስል ነይሩ፡ እንተዀነ ፈጺሙ ናብቲ ደረጃ እቲ ኣይበጽሐን።

እተን ዓበይቲ ሓይልታት ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባብያዊን ልሙድን ኲናት ናብ ኒዩክለሳዊ ውግእ ክቕየር ዝኽእል ሓደጋታት ኣዝየን ተሰናቢደን እየን።

እንግሊዛዊ ጀነራል ሰር ማይክ ጃክሰን ኣብ 1999 ኣብ ኮሶቮ ናይ ኔቶ ሓላፊኡ፡ ሰራዊት ሩስያ መጀመርታ ኣብኡ ምስ በጽሐ ኣብ ፕሪስቲና ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ እንግሊዝን ፈረንሳን ክሕዙ ምስ ኣዘዘ፡ "ኣነ፡ ንዓኹም ሳልሳይ ኲናት ዓለም ኣይክጅምረልኩምን'የ፡" ክብል ብራድዮ ከም ዝተዛረበ ይንገር።

ኣብ ዝመጽእ ዓመት 2026 ግን፡ ሩስያ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ኤውሮጳ ተገዳነስት ከም ዘይብሉ ብምግንዛብ፡ ኣዝዩ ዝዓበየ ዕብለላ ክትገብር ድልውቲን ፍቓደኛን ትመስል።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ [ታሕሳስ] ፑቲን ሩስያ ምስ ኤውሮጳ ናብ ኲናት ክትኣቱ መደብ ከም ዘይብላ፡ ኤውሮጳውያን እንተደልዮም ግን "ኣብዚ እዋን" ድልውቲ ከም ዘላ ገሊጹ ነይሩ።

ድሒሩ ኣብ ዝተዘርግሐ ናይ ተለቪዥን መደብ "ልክዕ ከምቲ ወትሩ ናትኩም ረብሓታት ከነኽብር እንፍትን ዝነበርና ረብሓታትና እንተ ኣኽቢርኩምልና፡ ብኣኽብሮት እንተርኢኹምና ዝዀነ [ወተሃደራዊ] ስርሒታት ኣይክህሉን'ዩ፡" ኢሉ።

ድሮ ግን ዓባይ ሓይሊ ዓለም ዝዀነት ሩስያ ንሓንቲ ናጻ ኤውሮጳዊት ሃገር ወሪራ፤ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣዝዩ ብዙሕ ሲቪላትን ወተሃደራዊን ሞት ኣስዒቡ።

ዩክረይን፡ ብውሕዱ 20 ሽሕ ህጻናት ብምጭዋይ ትኸሳ። ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን (ICC) ንፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ናይ ማእሰርቲ ትእዛዝ ኣውጺኡ እዩ፤ ሩስያ ግን ነዚ ወትሩ ትነጽጐ።

ሩስያ ካብ ወራር ኔቶ ንነብሳ ንምክልኻል ንዩክረይን ከም ዝወረረት እኳ እንተገለጸት፡ ፕረዚደንት ፑቲን ግን ካልእ ድራኸ ኣመልኪቱ ኣሎ፤ ንሱ ድማ ዞባዊ ጽልዋ ሩስያ ንምምላስ ዘለዎ ድሌት እዩ።

ፑቲን፡ ሩስያ ምስ ኤውሮጳ ናብ ኲናት ክትኣቱ መደብ ከም ዘይብላ፡ እንተኾነ ኤውሮጳውያን እንተደልዮም "ኣብዚ ሕጂ እዋን" ድልውቲ ከም ዘላ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፑቲን፡ ሩስያ ምስ ኤውሮጳ ናብ ኲናት ክትኣቱ መደብ ከም ዘይብላ፡ እንተኾነ ኤውሮጳውያን እንተደልዮም "ኣብዚ ሕጂ እዋን" ድልውቲ ከም ዘላ ገሊጹ

ኣመሪካ ዘይባረኸቶ

እዚ ዝሓለፈ ዓመት 2025፡ መብዛሕትአን ምዕራባውያን ሃገራት ከም ዘይሕሰብ ዝቘጽርኦ ዝነበራ ነገር ከም ዝተርኣየላ ይፈልጥ እዩ - ሓደ ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ነቲ ካብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ዝጸንሐ ስትራተጂያዊ ስርዓት ሕቘኡ ክህብ ከም ዝኽእል።

ዋሽንግተን ሕጂ ንኤውሮጳ ክትከላኸል ከም እትደሊ ርግጸኛ ኣይኰነትን ጥራይ ዘይኰነ፡ እቲ ኤውሮጳ እትኸዶ ኣላ ኢላ እትኣምነሉ ኣንፈት ኣይትቕበሎን እያ።

ምምሕዳር ትራምፕ ዘውጽኦ ሓድሽ ጸብጻብ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት፡ ኤውሮጳ ሕጂ "ጽኑዕ ስልጣነ ናይ ምድምሳስ" ኵነታት ከም ዘጋጥማ ይገልጽ።

ክረምሊን ነቲ ጸብጻብ ብሓጐስ ተቐቢልዎ፤ ምስ ራእይ ሩስያ ዝሰማማዕ ምዃኑ'ውን ገሊጹ። ከምኡ እዩ ኢልካ ትወራዘ።

ኣብ ውሽጢ ሩስያ ፑቲን ንመብዛሕትኡ ውሽጣዊ ተቓውሞ - ኣብ ልዕሊ ገዛእ ርእሱን ንኲናት ዩክረይንን - ከም ዝጨፍለቘ ኣብ ሩስያ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘተኰረ ጸብጻብ ፍሉይ ራፖተር ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ንሱ ግን - ማለት ፑቲን - ናይ ገዛእ ርእሱ ጸገማት ኣለዎ።

ድሕሪ ናይ ቀረባ እዋን ምዝሓል፡ ዝቕባበ ዋጋታት መሊሱ ክውስኽ ተኽእሎ ኣሎ፤ ኣታዊታት ነዳዲ ኣንቈልቊሉ'ዩ፤ መንግስቲ ድማ ንኲናት ንምኽፋል ክሕግዝ ቫት ክውስኽ ተገዲዱ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪን ኣብ ወርሒ ለካቲት 2025 ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ምስምማዕ ስኢኖም ከም ዝነበሩ ይዝከር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪን ኣብ ለካቲት 2025 ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ምስምማዕ ስኢኖም ከም ዝነበሩ ይዝከር

ቍጠባ ሕብረት ኤውሮጳ ካብ ናይ ሩስያ ብ10 ዕጽፊ ይዓቢ፤ ዓባይ ብሪጣንያ እንተ ወሲኽካ ድማ ካብኡ ንላዕሊ ይኸውን።

እዚ ተደሚሩ፡ 450 ሚልዮን ህዝቢ ኤውሮጳ ይኸውን - ልዕሊ ሰለስተ ዕጽፊ ናይቲ ሩስያ ዘለዋ 145 ሚልዮን ህዝቢ።

ምዕራብ ኤውሮጳ እቲ ዝነበሮ ምቾት ከይስእን ሰክፍታ ዝሓደሮ ይመስል፤ ኣመሪካ ንምክልኻል እተውጽኦ ዝነበረት ባጀት ከም እትንኪ ክሳብ እትገልጽ ክሳብ ቀረባ እዋን ድማ፡ ንመከላኸሊ ክትከፍል ፍቓደኛ ኣይነበረትን።

ኣመሪካ'ውን ኣብዚ ግዜ'ዚ ዝተፈልየት እያ፣ ውሑድ ጽልዋ፡ ዝያዳ ንውሽጢ ዝጥምት ፖሊሲ ትኸውን ኣላ። እዚኣ፡ ካብታ ንመላእ ሞያይ ዝሸፈንኩዋ ኣመሪካ ዝተፈለየት እናዀነት ትኸይድ ኣላ።

ሕጂ ድማ ከምቲ ኣብ 1920ታትን 30ታትን ዝነበረ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሳ ሃገራዊ ረብሓታት ከተተኩር ትደሊ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ኣብ ዝካየድ ናይ መፋርቕ መረጻ ብዙሕ ፖለቲካዊ ሓይሉ እንተስኢኑ'ውን፡ ነቲ ሒዙዎ ዘሎ መገዲ ክሳብ ናብ ተነጽሎ ከሰጋግሮ ይኽእል እዩ።

እዚ ድማ፡ ክሳብ'ቲ ኣብ 2028 ዝያዳ ናብ ኔቶ ዘዘንበለ ፕረዚደንት ኣመሪካ መጺኡ ንኤውሮጳ ንምሕጋዝ ከጸግሞ ይኽእል'ዩ።

ቭላድሚር ፑቲን ነዚ ዘየስተብሃለሉ ከይመስለኩም።

ሓደጋ ምብራኽ

እታ እትመጽእ ዓመት 2026 ኣገዳሲት ክትከውን እያ ትመስል።

ዘለንስኪ ንሰፊሕ ክፋል መሬት ዩክረይን ብምቝራጽ፡ ሕጂ ንዝቐርበሉ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ክቕበል ክግደድ ይኽእል እዩ።

ፕረዚደንት ፑቲን ድሕሪ ሒደት ዓመታት ዳግም ንኸይምለስ ደው ንምባል እኹል ውሕስነት ክህሉ ድዩ?

ንዩክረይንን ኔቶን ድሮ ምስ ሩስያ ኣብ ውግእ ከም ዘለዉ ዝስምዖም ዘሎ ደገፍታን ኤውሮጳውያንን፡ እዚ ኣገዳሲ ሕቶ እዩ።

ኤውሮጳ ዩክረይን ንኽትቅጽል ኣብ ምሕጋዝ ኣዝዩ ዝዓበየ ብጽሒት ክትሕዝ ክትግደድ እያ።

ኣመሪካ ከምቲ ሓደ ሓደ ግዜ እትገብሮ ዘስግኣ ንዩክረይን ሕቘኣ እንተሂባታ ግን፡ እዚ ዓቢ ጾር ክኸውን እዩ።

እቲ ውግእ ግን ናብ ኒዩክለሳዊ ኲናት ክቕየር ይኽእል ድዩ?

ፕረዚደንት ፑቲን ተጣላዒ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና።

ዝያዳ ጥንቁቕ መራሒ፡ ኣብ ለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ ምፍጻም ምተቘጠበ ነይሩ።

ንሱ፡ በቲ ሩስያ እትምክሓሉ ሓድሽ ኣጽዋር ንዓባይ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ካብ ካርታ ክድምስሰን ምዃኑ የፈራርሕ ነይሩ፤ መብዛሕትኡ ግዜ ግን ንነብሱ ዝያዳ ልጓም ክገብር ይርአ።

ኣመሪካውያን ንጡፋት ኣባላት ኔቶ ክዀኑ እንከለዉ፡ ብናይ ገዛእ ርእሶም ኣዕናዊ ኒዩክለሳዊ መጥቃዕቲ ምላሽ ክህቡ ዝኽእሉሉ ዕድል ግን ገና ኣዝዩ ዓቢ እዩ - ንሕጂ።

ዓለማዊ ተራ ቻይና

እንተ ቻይና ግን ፕረዚደንት ሺ ጂንፒን ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ እታ ባዕላ እትመሓደር ደሴት ታይዋን ውሑድ ምፍርራሕ ክገብር እዩ ተራእዩ።

ቅድሚ ክልተ ዓመት ግን ናይ ሽዑ ዳይረክተር ሲኣይኤ ዊልያም በርንስ ሺ ጂንፒን፡ ህዝባዊ ሰራዊት ሓርነት ክሳብ 2027 ንታይዋን ክወርር ድሉው ክኸውን ኣዚዙ ነይሩ።

ቻይና ንታይዋን ንምጥቕላል ገለ ዓይነት ወሳኒ ስጕምቲ እንተዘይወሲዳ፡ ሺ ጂንፒን ነዚ ኣዝዩ ድኹም ክመስል ክገብሮ ስለ ዝኽእል፡ ከምኡ ክገብር ኣይክደልን እዩ።

ቻይና ኣብዚ ግዜ እዚ ኣዝያ ሓያልን ሃብታምን ስለ ዝዀነት ብዛዕባ ውሽጣዊ ህዝባዊ ርእይቶ ክትግደስ ኣይትኽእልን ኢያ ኢልካ ምሕሳብ'ውን ይክኣል፤ ግን ከምኡ ኣይኰነን።

ኣብ 1989 ኣንጻር ደንግ ሺያኦፒን ዝተላዕለ ናዕቢ፡ ብጭፍጨፋ ቲያናንመን ካብ ዝዛዘም ጀሚሩ፡ መራሕቲ ቻይና እታ ሃገር ብውጥረት ዝመልኦ ኣተሓሕዛ ንእትህቦ ምላሽ ይከታተልዎ ኣለዉ።

እቲ ፍጻመታት ኣብ ቲያንመን ክግንፍል ተዓዚበ'የ፤ ሓሓሊፉ ኣብ ኣደባባይ'ውን እናነበርኩ ጸብጺበ እየ።

(ካብ ጸጋም ናብ የማን) ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡንን

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images, Sputnik, Pool

መግለጺ ስእሊ, ሺ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ልዕሊ ታይዋን ብዙሕ ምፍርራሕ ክገብር ኣይተራእየን

ዛንታ 4 ሰነ 1989 ከምቲ ኣብቲ እዋን ዝሓሰብናዮ ቀሊል ኣይነበረን።

ዕጡቓት ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ ዘይተዓጥቁ ተምሃሮ ጥይት ተኲሶም።

ኣብ በጂንን ካልኦት ብዙሓት ከተማታት ቻይናን ግን ካልእ ውግእ ይካየድ ነይሩ።

ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሸቃሎ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ​​ንመቈጻጸሪ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና ጠቕሊሎም ንምውዳቕ ከም ዕድል ክጥቀሙሉ ቈሪጾም ተላዒሎም፤ ናብ ጐደናታት ወጽኡ።

ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ብመኪና ኣብ ጐደናታት ክሓልፍ ከለኹ፡ እንተወሓደ ሓሙሽተ መደበራት ፖሊስን ሰለስተ ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ጸጥታ እቲ ከባቢን ክቃጸላ ርእየ።

ኣብ ሓደ ከባቢ እቲ ዝተቘጥዐ ህዝቢ ንሓደ ፖሊስ ሓዊ ኣንዲዱ ነቲ ዝነደደ ሬሳኡ ኣብ መንደቕ ኣደጊፉዎ ነይሩ። ኣብ ርእሱ ቈቢዕ፡ ኣብ መንጎ እተን ዝጸልመታ ከንፈሩ ድማ ሽጋራ ተሸኺላ ነበረት።

እቲ ሰራዊት ብተምሃሮ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ሰልፊ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብተራ ህዝቢ ቻይና ዝካየድ ዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ ይዕፍን ከም ዝነበረ ተረጋጊጹ።

ፖለቲካዊ መሪሕነት ቻይና፡ ዝኽሪ እቲ ቅድሚ 36 ዓመት ዘጋጠመ ክሳብ ሕጂ ክቐብሮ ኣይክኣለን።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ገለ ምልክታት ተቓውሞ ንምርካብ ብቐጻሊ ነቒሑ ምክትታል ይገብር - ካብ ከም በዓል ፋሉን ጎንግ ወይ ናጻ ክርስትያናዊት ቤተክርስትያን ዝኣመሰሉ ዝተወደቡ ጕጅለታት ይዅን ካብ ምንቅስቓስ ዲሞክራሲ ሆንግ ኮንግ፡ ወይ ድማ ኣንጻር እቲ ከባቢ ብልሽውና ሰልፊ ዝገብሩ ሰባት፡ ኵሎም ብዓቢ ሓይሊ ተዓፊኖም ኣለዉ።

ካብ 1989 ጀሚረ ብዛዕባ ቻይና ክጽብጽብ ከለኹ ጽቡቕ ግዜ ኣሕሊፈ እየ፤ እታ ሃገር ናብ ቍጠባውን ፖለቲካውን ዕብለላ ክትድይብ ተዓዚበ።

ምስ ሓደ ተቓዋምን መነሓንሕትን ሺ ጂንፒን ዝነበረ ላዕለዋይ ፖለቲከኛ ከይተረፈ ተላልየ።

ቦ ዢላይ ይበሃል፤ ብዛዕባ ፖለቲካ ቻይና ብግልጺ ብዘገርም መገዲ ዝዛረብ'ዩ ነይሩ።

ሓደ እዋን "ሓደ መንግስቲ - ብህዝቢ - ከም ዘይተመርጸ ምስ ፈለጠ ክሳብ ክንደይ ውሕስነት ከም ዘይስምዖ ፈጺሙ ኣይርድኣካን እዩ፡" ኢሉኒ።

እንተ ቦ ዢላይ ግን ብብላዕ፣ ምጥፍፋእን ስልጣን ብዘይግቡእ ምጥቃምን ገበነኛ ኰይኑ ምስ ተረኸበ ኣብ 2013 ንዕድመ ልክዕ ተኣሲሩ።

ብድምር እምበኣር 2026 ኣገዳሲት ዓመት እያ ትመስል።

ሓይሊ ቻይና ክዓቢ እዩ።

ታይዋን ንምሓዝ ዘለዋ ስትራተጂ - ዓቢ ህርፋን ሺ ጂንፒን - ዝያዳ ክዓቢ እዩ።

ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክፍታሕ ይኽእል እዩ፤ ግን ንፕረዚደንት ፑቲን ብዝጥዕም ውዕላት።

ድሉው ምስ ኰነ ንዝያዳ መሬት ዩክረይን ክምለስ ይኽእል እዩ።

ከምኡ'ውን ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ዋላ'ኳ ኣብቲ ኣብ ሕዳር ዝካየድ ናይ መፋርቕ ምርጫ ፖለቲካዊ ኣኽናፉ ክቑረጽ ዝኽእል እንተዀነ፡ ንኣመሪካ ካብ ኤውሮጳ ዝያዳ ከርሕቓ'ዩ።

ብዓይኒ ኤውሮጳውያን፡ እቲ ኣጠማምታ ካብዚ ንላዕሊ ጽልምትምት ዝበለ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።

ሳልሳይ ውግእ ዓለም ምስ ኒዩክለሳዊ ኣጽዋር ዝግበር ክኸውን እዩ ኢሉ ዝሓስብ እንተሃልዩ፡ ደጊሙ ክሓስበሉ ይግባእ።

ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ምትእኽኻብ ክኸውን ኣዝዩ ዝለዓለ ተኽእሎ ኣሎ።

እዚ ድማ ምልኪ ክዕንብብ ከርእየና እዩ። እዚ፡ ሕሉፍ ሓሊፉ ንምሕዝነት ምዕራባውያን ከይዘርጐ ከስግእ ይኽእል እዩ።

እቲ መስርሕ ድማ ድሮ ተጀሚሩ ኣሎ።