ኣብ 2026 ክህልው ዝኽእሉ ዓበይቲ ግጭታት ኣፍሪቃን ዓለምን

ክራይስስ ግሩፕ ዝተባህለ ኣብ ምክትታልን ትንታነተን ጐንጺታት ዝሰርሕ ትካል፡ ብቐንዱ ዝሓሸ ዓመት ክኸውን ተኽእሎ እኳ እንተሃለወ፡ ዓሰርተ ግጭታት ከም ዝህልው ይግምት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images/Reuters

ዓመተ 2025፡ ኣብ ናይ ቀረባ ታሪኽ ዓለም፡ እታ ዝኸፍአት ዓመት ኰይና ከም ዝሓለፈት ብዙሓት ተንተንቲ ይሰማምዑ።

ተንታኒ ዓለማዊ ጕዳያት ቢቢሲ፡ ኣብ ቀረባ ከም 2025 ምሉእ ብምሉእ ዘተሓሳስብ ዓመት ርእየ ኣይፈልጥን ክብል ጽሒፉ ነይሩ።

እዚ ድማ፡ ሓያሎ ዓበይቲ ግጭታት ስለ ዘለዉ ጥራይ ዘይኰነስ መዳርግቲ ዘይብሉ ጂኦፖለቲካዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ኲናታት'ውን ይካየድ ብምህላው እዩ ኢሉ።

እቶም፡ ኣብ ከም ሱዳን፡ ዩክረይን፡ ሚያንማርን ሳሕልን ዝበላ ሃገራትን ዞባታትን ክካየዱ ዝጸንሑ ደማዊ ኲናታት ሕጂ'ውን ደው ኣይበሉን።

ኣብ መንጐ ታይላንድን ካምቦዲያን'ውን ከበድቲ ግጭታት ነይሮም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት -2025- ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝሸምገሎም ጻዕርታት ሰላምን ምቍራጽ ተጻብኦታትን ተራእዮም።

እንተዀነ፡ ዘላቕነት ገለ ስምምዓት ምቍራጽ ተጻብኦታት ውዱእ ተስፋ ሰላም ዝህብ ኣይኰነን።

ኣብዚ ዓመት 2026- ድማ፡ ብደረጃ ዓለም ዲፕሎማስያውን ወተሃደራውን ምትእኽኻብ ክኸውን ኣዝዩ ዝለዓለ ተኽእሎ ከም ዘሎ ተንተንቲ ይገልጹ።

ክራይስስ ግሩፕ ዝተባህለ ኣብ ምክትታልን ትንታነተን ጐንጺታት ዝሰርሕ ትካል፡ ብቐንዱ ዝሓሸ ዓመት ክኸውን ተኽእሎ እኳ እንተሃለወ፡ ዓሰርተ ግጭታት ከም ዝህልው ይግምት።

ቬነዝወላ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ መወዳእታ 2025 ኣመሪካ፡ ኣብ ደቡባዊ ካሪብያን ኣብ ውሽጢ ዓሰርተታት ዓመታት ዝዓበየ ወተሃደራዊ ምትእኽኻብ ኣበጊሳ።

እዚ ድማ ንፕረዚደንት ቬንዝወላ ኒኮላስ ማዱሮ ካብ ስልጣን ንምእላይ ዝዓለመ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት። መንግስቲ ቬነዝወላ ኣመሪካ ነቲ መንግስቲ ንምውዳቕ ዝዓለመ ወጥሪ ኣብቲ ዞባ ኣለዓዒላ ኣላ ክብል'ዩ ከሲሱ።

"ምውፋር ዓቢ ሓይሊ ዕማም ሓይሊ ባሕሪ፡ ኣንጻር ጀላቡ ዕጸ-ፋርስ ዝበሃል መጥቃዕቲ፡ ​​ከምኡ'ውን ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኣመሪካ ነተን እገዳ ዝተገብረለን ዘይተጻረየ ነዳዲ ቬንዝወላ ናብ ወጻኢ ዝልእኻ ታንከራት ምሓዙን፡ ነቲ ወጥሪ ብዓቢኡ ኣጋዲድዎ ኣሎ፡" ይብል ክራይስስ ግሩፕ።

ኣመሪካ ኣብ ካሪብያን ወተሃደራዊ ህላወኣ ብምስፋሕ ኣብ ልዕሊ ብምስግጋር ዕጸፋርስ ዝጥርጠራ ጀላቡ ኣብ ዓለምለኻውያን ማያት ቬነዝወላን ኮሎምብያን ተኸታታሊ መጥቃዕቲ ኣካይዳ እያ።

እዚ ድማ ኣካል ናይቲ ትራምፕ ጸረ ዕጸፋርስ ዝብሎ ስርሒት እዩ። ካብ መጀመርታ መስከረም 2025 ጀሚሩ ድማ በቲ መጥቃዕቲታት ልዕሊ 80 ሰባት ተቐቲሎም።

ምምሕዳር ትራምፕ፡ ናብ ኣመሪካ ዝኣትዋ ዘይሕጋዊ ዕጸፋርስ ዝጸዓና ጀላቡ ብምዕናው ርእሰ ምክልኻል ይገብር ከም ዘሎ ይገልጽ። እቲ መጥቃዕቲ ምስ ቬነዝወላ ዝነበረ ወጥሪ እውን ብዓቢኡ ኣጋዲድዎ ኣሎ።

ትራምፕ ብተደጋጋሚ ናብታ ሃገር፡ ኣጋር ሰራዊት ኣመሪካ ንምውፋር ኣብ ግምት ከም ዘእተወ ገሊጹ'ሎ። እዚ ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ ኣብዚ ጉዳይ ምጽራይ ክውስኽ ገይሮም እዮም።

እቲ ብመራሒት ተቓዋሚ ቬንዝወላ ማሪያ ኮሪና ማቻዶ ዝተጸልወ ዝመስል ምምሕዳር፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝጭበጥ "ዓወት" ከይረኸበ፡ ንዝነበረ ምዕባለ ንምንካይ ቦታ ዝህብ ኣይመስልን።

"ምሉእ ወራር ክካየድ ዘይሕሰብ ኰይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ትካላት ዒላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ወይ'ውን ኣብ ልዕሊ ማዱሮ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ከይተረፈ ፍሉያት ተኽእሎታት ኰይኖም ክቕጽሉ እዮም፡" ኢሉ።

ዩክረይን

ፕረዚደንት ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, Reuters/Ukrainian Presidential Press Service

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ምስ ሩስያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ደው ንምባል ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም "90% ድሉው፡" ምዃኑ ገሊጹ።

ዘለንስኪ፡ እቲ ዝተረፈ 10% ናይቲ ንኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ዝጸንሐ ግጭት ንምቍራጽ ዝተገብረ ስምምዕ፡ "ዕጫ ሰላም፡ ዕጫ ዩክረይንን ኤውሮጳን ዝውስን'ዩ፡" ኢሉ።

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ሓድሽ ዓመት ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ንወተሃደራቱ "ብኣኻትኩምን ዓወትናን ንኣምን ኢና፡" ክብል ተዛሪቡ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ሞስኮ ኣስታት 75 % ዞባ ዶነስክ፡ ኣስታት 99% ድማ ዞባ ሉሃንስክ ትቈጻጸር። እተን ክልተ ዞባታት ብሓባር ዶንባስ ተባሂለን ይፍለጣ።

ሩስያ ቅድሚ ሕጂ ንቐንዲ ክፋላት ናይቲ ዝዝረበሉ ዘሎ ውጥን ነጺጋቶ እያ።

ዋይት ሃውስ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ምስ ፑቲን ብተሌፎን "ኣወንታዊ ዝርርብ" ከም ዘካየደ ሓቢሩ።

ብረቡዕ ሞስኮ ዩክረይን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ሩስያ ኣብ ዝርከብ ቀላይ ቫልዳይ ዝርከብ ናይ ብሕቲ ገዛ ፑቲን ዒላማ ንምግባር ድሮን ከም ዝተጠቕመት መርትዖ እዩ ዝበለቶ እውን ኣውጺኣ ነይራ፣ እዚ ክስታት ኪቭ ብትሪ ነጺጋቶ።

ኣብ 2026 ዝያዳ ተኽእሎ ዘለዎ ተርእዮ፡ ቀጻሊ ኣረሜናዊ ክስተት ምህላው'ዩ ዝበለ ክራይስስ ግሩፕ፡ "እቲ ዝኸበደ ሓደጋ ፕረዚደንት ትራምፕ ዓቕሊ ብምስኣን ኣብ ልዕሊ ኪቭን ኤውሮጳውያን ስምምዕ ክግበር ከገድድ ክፍትን ይኽእል እዩ፤ እዚ ውጽኢት'ዚ ንዩክረይን ተቓላዒት ዝገብራን ንዝያዳ ወራር ሩስያ ዕድል ዝኸፍትን'ዩ፡" ኢሉ።

እስራኤልን ፍልስጤምን

እቲ ኣብ መንጐ እስራኤልን ዕጡቓት ሓማስን ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ሰለስተ ወርሒ ኣቝጺሩ'ሎ። እንተዀነ ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ብጫ መስመር ዳርጋ መዓልታዊ ኣንጻር ዕጡቓት ሓማስ ይዋግኡ ምህላዎም'ዮም ዝገልጹ።

እቶም ኣብ ቅድመ ግንባር ዝርከቡ ሰራዊት እስራኤል'ውን ብረቶም ኣጻዊዶም ወትሩ ኣብ ተጠንቀቕ ኢኻ ትርእዮም።

እቲ ቓዛ ቅድሚ እዚ ኲናት ዝነበራ መልክዕ ካብ ዝኽሪ ብዙሓት ሃሲሱ'ዩ፣ ኣብ ክንድኡ ብዝተዀመረ ፍርስራስ፡ ኣብ ባይታ ብዝተሰጥሐ ህንጻታት ተተኪኡ።

እቲ ዝቕጽል መድረኽ ናይቲ ስምምዕ እንታይ ክመስል ከም ዝኽእል ንጹር ኣይኰነን።

እቲ ስምምዕ ንቓዛ ካብ ንጡፍ ኲናት ድኣሉ ኣድሒንዋ'ምበር ንዝያዳ ወጥሪ'ዩ ኣቓሊዑዋ ዘሎ።

ኣመሪካ'ውን እቲ ስምምዕ ክሳብ ክንደይ ናብ ሓደጋ ተቓሊዑ ከምዘሎ ዝተረድኣ ይምስል፤ ድሮ'ኳ እቲ ስምምዕ ክልተ ግዜ ተጣሒሱ'ሎ።

ካብዚ ብምብጋስ ኣመሪካ ነቲ ስምምዕ ንሓማስ ጠቕሊሉ ዕጥቑ ከምዝፈትሕ ብምግባር ሰላም እቲ ከባቢ ከተውሕስ ትደሊ'ያ።

ሓማስ ብረቱ ቅድሚ ምፍትሑ፡ ሰላም እቲ ከባቢ ንምውሓስ ኣየኖት ሃገራት'የን ናብቲ ቦታ ሰራዊተን ክሰዳ ዝተገለጸ ነገር የለን።

እስራኤል ኣብ ቓዛን ኣብ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግምን ዝሰርሑ 37 ኣህጉራውያን ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ብመሰረት ሓድሽ ሕጊ ምዝገባ ዘድሊ ረቛሒታት ኣየማልኡን ብምባል ፍቓድ ክትስርዞም ምዃና ተፈሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እስራኤል ኣብ ቓዛን ኣብ ዝተጎበጠ ምዕራባዊ ገማግምን ዝሰርሑ 37 ኣህጉራውያን ዘይመንግስታዊ ትካላት፡ ብመሰረት ሓድሽ ሕጊ ምዝገባ ዘድሊ ረቛሒታት ኣየማልኡን ብምባል ፍቓድ ክትስርዞም ምዃና ተፈሊጡ

እቲ ንሓማስ ከመሓድር ዝምዘዝ ሓድሽ ኮሚተ ፍልስጤማውያንን'ውን ብመንን ብኸመይን ከም ዝምረጽ ዝርዝር ኣይሰፈረን።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ካልኣይ ምዕራፍ ውጥን ሰላም ቓዛ ክብጻሕ ተስፋ ከም ዘለዎ ሓማስ ብምግላጽ" ኣብ ቀረባ እዋን ዕጥቁ እንተዘይፈቲሑ "ዋጋ ክኸፍል'ዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ኣብ ጉዳይ ፖለቲካዊ መጻኢ ፍልስጤማውያን ብዕቱብ ክነጥፍ ብዘይምድላይ ይኽሰስ።

ሰበስልጣን ሓማስ፡ ምሉእ ምፍታሕ ዕጥቂ ጐድኒ ጐድኒ ናብ ናጻ ሃገር ፍልስጤም ዝግበር ምዕባለታት ክካየድ ከም ዘለዎ ገሊጾም።

እስራኤል ካልኣይ ምዕራፍ ናይቲ ውጥን ንምትግባር ቅልጡፍ ምንቅስቓስ ከም ዘይትገብር ስክፍታ ኣለካ ድዩ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ ትራምፕ "በቲ ውጥን ተሰማሚዓ" እያ ኢሉ።

"እስራኤል ትገብሮ ዘላ ዝዀነ ነገር ኣይግድሰንን'ዩ፤ ካልኦት እንታይ ይገብሩ ኣለው ወይ ምናልባት ዘይገብርዎ ነገር ኣሎ ድዩ ዝብል'ዩ ዘሻቕለኒ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ተዅሲ ደው ምባል ተግባራዊ ካብ ዝኸውን ጀሚሩ ብውሕዱ 414 ፍልስጤማውያን ብወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ኣብ ቓዛ ከም ዝተቐትሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ሓቢሩ።

ሱዳን

ኣብታ ሃገር፡ ኣብ ዓለም ዝኸፍአ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢሙ ይርከብ።

እቲ ኣብ መንጐ ሰራዊት እታ ሃገርን ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕን (RSF) ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን፡ ምኽንያት ምዝንባል ሚልዮናት ኰይኑ፡ ሞት ኣሽሓት ሰባት ኣስዒቡ ኣሎ።

ኣብቲ ኲናት ኢዶም ዝሓወሱ መንግስታት ወጻኢ እቲ ግጭት ክጋደድ ምኽንያት ከም ዝዀኑ ይግለጽ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዳዕመ-ሰሪዕ ክትድግፍ እንከላ፡ ግብጺ፡ ቱርኪን ኢራንን ድማ ነቲ ሰራዊት ኣደልዲለንኦ ኣለዋ።

ኣልፋሸር ድሕሪ ናይ 18 ኣዋርሕ ክባ ኣብ ኢድ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ክትኣቱ እንከላ፡ እቲ ዕጽዋ ብፍላይ ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ኣረሜናዊ ምዕራፍ እዩ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2025 ኣብ ኣልፋሸር ዝተፈጸመ ግፍዕታት ድማ ኣህጉራዊ ውግዘት ኣስዒቡ እዩ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ካብ ሚያዝያ 2023 ጀሚሩ ምስ ሰራዊት እታ ሃገር ብዝተፈጥረ ናይ ስልጣን ምስሕሓብ ናብ ኲናት ከም ዝኣተወ ይፍለጥ።

ንኣልፋሸር ምቍጽጻር ንሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ዓቢ ዓወት ብምንባሩ፡ ነቲ ሰራዊት ካብቲ ኣብ ዳርፉር ዝነበሮ ናይ መወዳእታ ድፋዑ ደፊእዎ።

ንኽልተ ዓመትን መንፈቕን ብሰንኪ ኲናት ዝተበታተነት ሱዳን ብኸቢድ ዓንያ ትርከብ።

ብኣጻብዕ ዝቝጸሩ ተበግሶታት ሰላም ፈሺሎም፣ ሓደ ካብኦም'ኳ ንዞባውያን ሓይልታት ጸቕጢ ክገብር ወይ ከእምን ኣይከኣለን። ኣመሪካ ድማ እቲ ግጭት ንኸብቅዕ ኣብ ምፍታን ኣተኲራ'ላ።

"ዋሽንግተን መሻርኽታ ነቲ ዋሕዚ ኣጽዋር ደው ከተብሎ ንምግዳድ ዝተዋደደ ጸቕጢ እንተዘይተገይሩሉ፡ ምቍራጽ ተጻብኦ- ናብ ዝዀነ ነባሪ ሰላም ዝወስድ ኣገዳሲ ቀዳማይ ስጕምቲ - ክመጽእ ኣይክለልን፡" ይብል ክራይስስ ግሩፕ።

ኢትዮጵያን ኤርትራን

ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ፈኸም ዝብል ዘሎ ወጥሪ፡ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዝኸፍአ ኵነታት ከየእትዎ ይስጋእ።

እቲ ወጥሪ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ሃገሩ ኣፍ ደገ ባሕሪ ክትረክብ ዘለዎ ክቱር ህርፋን ስዒቦም ዝስምዑ ዘለው ተረኻት እታ ሃገር ዘንቀሎ እዩ።

እቲ ትካል ምክትታል ጐንጺታት፡ "ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝውላዕ ግጭት፡ ነቲ ድሮ ብግጭት ትግራይን ሕጂ ድማ ብኲናት ሱዳንን ዝዓነወ ዞባ ከቢድ ዕንወት ክኸውን'ዩ፡" ክብል የጠንቅቕ።

ኣብ ሃዋሁ 'ኣይኲናት ኣይሰላም' ንልዕሊ 20 ዓመታት ዝቐጸለ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ንውዕል ኣልጀርስ ከም ዘተግብሮ ብቐጥታ ድሕሪ ምግላጹ፡ ዝምድና ክልተአን ሃገራት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክምለስ ተራእዩ ነይሩ።

ኣብ 2020 ኣብ ኲናት ትግራይ ብሓባር ዝወፈሩ ኰይኖም፡ ድሕሪ ውዕል ፕሪቶሪያ ዝምድናኦም ክሕርፍፍ ተራእዩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ላዕለዎትን ማእከሎትን ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ካብ ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዞም፡ ብዛዕባ ተጠቃምነት ባሕሪ ሕቶ ካብ ዘልዕሉ ክሕሽክር ንዝጸንሐ ዝምድና እዘን ክልተ ሃገራት ንቓልዕ ክወጽእ ገይሩዎ።

ክልተኦም መንግስታት ዘካይዱዎ ዘለዉ ናይ ቃላት ምምልላስ ናብ ኲናት ተሰጋጊሩ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካልእ ሓድሽ ግጭት ከይለዓል ድማ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።

ኣብ ታሕሳስ ብምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝወጽአ ሓድሽ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት፡ ኣመሪካ ምስ ኣፍሪቃ ኣብ እተካይዶ ሽርክነት፡ ተኽእሎ ኲናት ኢትዮ-ኤርትራ ንምዅላፍ ከም እትሰርሕ ገሊጹ።

እቲ 33 ገጻት ዝሓዘ ሰነድ፡ "ቀዳምነት ኣመሪካ" ንዝብል መትከል ትራምፕ ዘራጕድ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ድሌታ እንታይ ክኸውን ኣለዎ፣ ድሌታ ንምርካብ እንታይ መንገድታት ኣለዉ፣ ከምኡ'ውን ውጽኢታትን መስርሓትን ብኸመይ ምስ ስትራተጂ ሃገራዊ ድሕነት ግብራዊ ምትእስሳር ይህልዎም ንዝብል ሓባራዊ ርድኢት ንምፍጣር ዝወጽአ እዩ።

ክራይስስ ግሩፕ ነቲ ወጥሪ ንምጕዳልን ኣብ ልዕሊ እቲ ዞባ ኣዕናዊ ግጭት ንከይፍጠርን፡ "ካብ ከም በዓል ኬንያን ደቡብ ኣፍሪቃን ዝኣመሰላ ሓይልታት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን ካብ ኣመሪካ፡ ቻይናን ሕብረት ኤውሮጳን ዝዓበየ ዲፕሎማስያዊ ምትእትታው ህጹጽ የድሊ፡" ኢሉ።

ማሊን ቡርኪናፋሶን

ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃ፡ ማእከል ዓለማዊ ግብረሽበራ ኰይኑ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃ፡ ማእከል ዓለማዊ ግብረሽበራ ኰይኑ ከም ዝጸንሐ ይፍለጥ

ኲናት ሳሕል ናብ ሓደገኛ ሓድሽ ምዕራፍ ኣትዩ ኣሎ።

ኣብ መላእ ቡርኪናፋሶ፡ ማሊን ኒጀርን ዝሰፍሐ ዘሎ ጅሃዳዊ ምንቅስቓስ፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ዞባ ሳሕል ምርግጋእ ከይስእን ኣመና ኣሰካፊ እናገበሮ ይመጽእ ኣሎ።

ጀማዓት ኑስራት ኣል-ኢስላም ዋል-ሙስሊሚን (JNIM) ኣብ ውሽጢ ሒደት ዓመታት ጥራይ ሓደ ካብቶም ቀተልቲ ጅሃዳውያን ጕጅለታት ኣፍሪቃ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ ማሊ ዝተመስረተ ጀኒም፡ ሕጂ ኣብ መላእ ሳሕል - ካብ ምዕራባዊ ገማግም ኣፍሪቃ ናብ ምብራቕ - ኣብ መላእ ኣህጉር ኣብ 10 ሃገራት ዘጠቓለለ ሰፊሕ ዞባ ይንቀሳቐስ ኣሎ።

እዚ ጕጅለ'ዚ፡ ኣብ መንጎ መጋቢት 2017ን መስከረም 2023ን ኣብ መላእ ማእከላይ ሳሕል ዝተፈጸመ ዓመጽ፡ ልዕሊ ፍርቂ ባዕሉ ተሓታቲ ምዃኑ ይግመት።

ኣብ ክልቲኡ - ማሊን ጎረቤት ሃገር ቡርኪናፋሶን - ኵነታት ጸጥታ ናብ ንቡር ንምምላስ መብጽዓታት ብምእታው ስልጣን ዝሓዙ ወተሃደራዊ ጁንታታት፡ ምስ ሓይልታት ሩስያ ድሕሪ ዝጀመሩዎ ምሕዝነት፡ ነቶም ዕጡቓት ደው ንምባል ኣይከኣሉን።

ኣብ ቡርኪናፋሶ፡ ኒጀርን ማሊን ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ፡ ውሑዳት ጋዜጣታትን ፈነወታትን ከምኡ'ውን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ መራኸቢ ብዙሓን ዝያዳ ቍጽጽር ከም ዝህሉዎ ገይሩ'ዩ።

ብሰንኪ እዚ ድማ እቲ ብዕጡቓት ጕጅለታት ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ሰፊሕ ሸፈነ ከይረክብ ገይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣብ 2023 ኣብ ኒጀር፡ ኣብ 2022 ኣብ ቡርኪናፋሶ፡ ኣብ 2020 ድማ ኣብ ማሊ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱ።

ሕጂ ሰበስልጣን ማሊ ኣብ ዘይተኣደነ ጸቕጢ ይርከቡ።

"ኣብ ስትራተጂ መሰረታዊ ለውጢ እንተዘይተገይሩ ክልቲአን ሃገራት እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ሓደጋ ምፍራስ ስርዓትን ዝያዳ ህውከትን የጋጥመን፡"።

ዓለማዊ ዳህሳስ ራዕዲ (GTI) ኣብ 2024፡ "ካብ ኵሉ ምስ ግብረሽበራ ዝተኣሳሰር ሞት፡ 51 ሚእታዊት " ኣብ ሳሕል ከም ዘጋጠመ የመልክት
መግለጺ ስእሊ, ዓለማዊ ዳህሳስ ሽበራ (GTI) ኣብ 2024፡ "ካብ ኵሉ ምስ ግብረሽበራ ዝተኣሳሰር ሞት፡ 51 ሚእታዊት " ኣብ ሳሕል ከም ዘጋጠመ የመልክት

ሶርያ

ድሕሪ'ቲ ኣብ መወዳእታ 2024 ዘጋጠመ ዘደንጹ ውድቀት ስርዓት ኣሳድ፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ሶርያ ኣሕመድ ኣልሻራ፡ ዘደንቕ ዲፕሎማስያዊ ዓወታት ኣመዝጊቡ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣብ መፋርቕ ሕዳር ኣብ ዋይት ሃውስ ምስ ፕረዚደንት ሶርያ ኣሕመድ ኣልሻራ ተራኺቡ - እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ንፈለማ እዋን ከምዚ ዓይነት ምብጻሕ ዝገበረ መራሒ ሶርያ ይገብሮ።

ንሱ፡ ምስ ኣልቓዒዳ ዝነበሮ ርክብ ቅድሚ ምብታኹ፡ ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም፡ ንሓንቲ ጨንፈር ኣልቓዒዳን ካልኦት ብዙሓት ጕጅለታትን መሪሑ'ዩ።

ክሳብ እዚ ዓመት እውን እንተዀነ መራሒ ናይቲ ክሳብ ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ኣመሪካ ብወግዒ ከም ግብረሽበራዊ ትካል ትቘጽሮ ዝነበረት ዕጡቕ እስላማዊ ጕጅለ ሓያት ኣታሕሪር ኣል ሻም ኰይኑ፡ ንዕኡ ንምሓዝ ዝሓበረ 10 ሚልዮን ዶላር ጕንዖ ወጺኡዎ ከም ዝነበረ ኣይርሳዕን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ደቡባዊ ሶርያ ብዝተላዕለ ግጭት 594 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሓደ ተቘጻጻሪ ጕጅለ ገሊጹ። እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ማሕበረሰባት በደዊንን ድሩዝን ብዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ዝተበገሰ እዩ።

እስራኤል ድማ ንድሩዛውያን ንምክልኻልን ሓይልታት መንግስቲ ካብ ሱወይዳ ከም ዝስሕቡ ንምግባርን መጥቃዕቲ ፈጺማ ነይራ።

ዓሌት ድሩዝ፡ ኣብ ሶርያ ናይ ገዛእ ርእሶም ዝተፈለየ መንነትን እምነትን ዘለዎም ጨንፈር ሺዓ እስልምና እዮም።

እዞም ስግኣታት እዚኣቶም ብሓባር፡ "ዘቤታዊ ግጭት፡ ናይ ወጻኢ ምትእትታው፡ ከምኡ'ውን ዘይተፈትሐ ውሽጣዊ ናይ ስልጣን ቁርቁስ፡ ንገስጋስ ኣልሻራ ብቐሊሉ ክመልስን ንሶርያ ናብ ዝሰፍሐን ብዙሕ ሸነኻት ዘለዎን ግጭት ክመልሳ ይኽእል እዩ።"

ካብዚ ብዝሰገረ፡ ሚያንማር፡ ኣፍጋኒስታንን ፓኪስታንን'ውን ግጭት ክርኣየለን ዝኽእላ ሃገራት ምዃነን እቲ ጸብጻብ የመልክት።