ዞባ ሳሕል፡ ስለምንታይ እዩ ኣብ ዓለም 'ሓደገኛ ቦታ' ኰይኑ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዞባ ሳሕል ኣፍሪቃ፡ "ማእከል ዓለማዊ ግብረሽበራ" ኰይኑ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ'ኳ እንተዀነ፡ ሕጂ ድማ ንመጀመርታ ግዜ "ካብቲ ኣብ መላእ ዓለም ብሰንኪ ሽበራ ዘጋጥም ሞት፡ ልዕሊ ፍርቂ ኣብዚ ዞባ ከምዝፍጸም" ዓለማዊ ዳህሳስ ራዕዲ (GTI) ይሕብር።
ሓድሽ ጸብጻባ እቲ ትካል ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ 2024፡ "ካብ ኵሉ ምስ ግብረሽበራ ዝተኣሳሰር ሞት፡ 51 ሚእታዊት " ኣብ ሳሕል ከም ዘጋጠመ የመልክት።
እዚ ማለት፡ ካብቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘጋጠመ ጠቕላላ 7 ሽሕን 555 ሞት፡ እቲ 3 ሽሕን 885 ኣብ ሳሕል እዩ ተመዝጊቡ።
እቲ ዓለማዊ ኣሃዝ ካብቲ ኣብ 2015 ዝነበረ 11 ሽሕ ክጐድል እንከሎ፡ ኣብ ሳሕል ግን ካብ 2019 ጀሚሩ ዳርጋ ብዓሰርተ ዕጽፊ ወሲኹ።
እዚ ድማ፡ ኣኽረርቲን ዕጡቓት ጕጅለታትን "ኣተኵሮኦም" ኣብቲ ዞባ ኰይኑ ከምዘሎ ዘርኢ እዩ።
እቲ ጸብጻብ፡ 'ኢንስቲትዩት ፎር ኢኮኖሚክስ ኤንድ ፒስ' ብዝተባህለ ዓለምለኻዊ ትካል ሰላምን ግጭትን እዩ ዝተዳለወ እዩ።
ካብ ምድረበዳ ሰሃራ ንኣንፈት ደቡብ ዝርከብ ሳሕል፡ ካብ ምዕራባዊ ገማገም ኣፍሪቃ ንሸነኽ ምብራቕ ኣብ መላእ እቲ ኣህጉር ዝዝርጋሕ እዩ።

ብመሰረት ዓለማዊ ዳህሳስ ሽበራ (GTI)፡ እቲ ዞባ ንገለ ክፋል ዓሰርተ ሃገራት የጠቓልል፤ ቡርኪና ፋሶ፡ ማሊ፡ ኒጀር፡ ካሜሩን፡ ጊኒ፡ ጋምብያ፡ ሰኔጋል፡ ናይጀርያ፡ ጫድን ሞሪታንያን።
እቲ ዞባ፡ ካብቶም ኣብ ዓለም ዝለዓለ መጠን ወሊድ ዘለዎም ከባቢታት ኰይኑ፡ ዳርጋ ክልተ ሲሶ ህዝቢ፡ ትሕቲ 25 ዓመት እዩ።
ኣብቲ ዞባ "ብውልቀ ግብረ ሽበራ ዝፍጽሙ ኣካላት ይውስኹ፡" ከም ዘለው ብምግላጽ፡ ቅልጡፍ ምስፍሕፋሕ ዕጡቓት ጅሃዳውያን ጕጅለታት ከም ዝተርኣየ እቲ ጸብጻብ ይሕብር።
መብዛሕትኦም ኣብቲ ዞባ ዝፍጸሙ መጥቃዕቲታት፡ ብኽልተ ኣካላት ከም ዝተፈጸሙ ድማ ይገልጽ።
እዚኦም፡ ኣብ ሳሕል ዝርከብ ጕጅለ እስላማዊ መንግስቲን፡ ጀምዓት ኑስራት ኣል-ኢስላም ዋል ሙስሊሚን (JNIM) - ጨንፈር ኣልቓዒዳ እዮም።
ኣደ መንበር መርበብ ጽላት ጸጥታ ኣፍሪቃ ኒያጋለ ባጋዮኮ "ሓድሽ ሕጋዊ ስርዓታት ንምትእትታው ይጽዕሩ ኣለዉ፡ ብፍላይ ኣብ ሸሪዓ ዝተመርኰሰ ሕጊ-ፍትሒ ከተኣታትው ይጽዕሩ፡" ትብል።
ኣብ መስርሕ ድማ፡ ብመሬትን ጽልዋን "ንሓድሕዶም ይነሓንሑ፡" ኢላ።
ኣብ 2020 ከምኡ'ውን 2021፡ ኣብ ማሊ ድሕሪ ዝተፈጸመ ዕልዋ መንግስቲ፡ ኣይኤስ-ሳሕል ስፍሓት ኣብ ማሊ ዝቈጻጸሮ መሬት ብዕጽፊ ከም ወሲኹ።
እዚ ብዓቢኡ ኣብ ምብራቕ ኣብ ጥቓ ዶባት ቡርኪና ፋሶን ኒጀርን እዩ ተራእዩ።

ጕጅለ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት፡ ጀኒም [JNIM] ዝርገሕኡ ምስፍሕፋሕ ከም ዝቐጸለ ሓቢሮም።
ጸብጻብ ጂቲኣይ፡ ክልቲኦም ህጻናት ዝርከብዎም ብዙሓት ወተሃደራት ከም ዝመልመሉ የመልክት።
ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ ዝዝረበለን ሃገራት እቲ ዞባ ተንታኒት ፖለቲካን ኣማኻሪት ጸጥታን ዝዀነት በቨርሊ ኦቼንግ፡ "ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ሰባት ምርጫ ክስእኑ እንከለዉ፡ ናብ ሓደ ዕጡቕ ጕጅለ ክጽንበሩ ይደፋፍኡ" ትብል።
"እዚኦም ኣዝዮም ተቓላዕቲ እዮም።"
ጸብጻብ ጂቲኣይ፡ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ድኹም ምሕደራን እቶም ዕጡቓት ጕጅለታት ንኽዓብዩ ምቹእ ኵነታት ይፈጥር ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ግጭት "ቀንዲ መንቀሳቐሲ ግብረሽበራ፡" ምዃኑ ይሕብር።
ሳሕል ሓሓሊፉ፡ "ማእከል ዕልዋ መንግስቲ" ኣፍሪቃ ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ካብ 2020 ጀሚሩ ኣብቲ ዞባ ሽዱሽተ ዕልዋታት ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዶም ኣለ - ክልተ ኣብ ማሊ፡ ክልተ ኣብ ቡርኪናፋሶ፡ ሓደ ኣብ ጊኒ፡ ሓደ ድማ ኣብ ኒጀር።
እዘን ሃገራት ሕጂ ኵለን ብወተሃደራዊ ጁንታታት እየን ዝመሓደራ።
ኣብ ለንደን ዩኒቨርሲቲ ኤስኦኤስ ተንታኒት እቲ ዞባ ዶ/ር ፎላሃንሚ ኣይና፡ "ሳሕል ምብትታን መንግስቲ ኣጋጢሙዎ'ዩ።ፖለቲካዊ መራሕቲ ንዓመታት፡ ንህዝቢ ማእከል ዝገበረ ምሕደራ ቀዳምነት ብዘይምሃቦምን፡ ዕሽሽ ብምባሎምን ኣብቲ ከባቢ ዘለው ቅሬታታት እናኸፍኡ ብምምጽኦምን፡ ጕጅለታት ራዕዲ ነዚ ክብለጽሉ ገይሩ'ዩ፡" ኢሉ።
ከም ጸብጻብ ጂቲኣይ፡ ብ2024 ቡርኪናፋሶ "ብተኸታታሊ ንኽልተ ዓመት ብሽበራ ዝተጠቕዐት ሃገር" ኰይና ጸኒሓ እያ።
እቲ ጸብጻብ ምውጻእ ካብ ዝጅምር ኣብ ዝሓለፉ 14 ዓመታት፡ ግዳይ ሽበራ ዝዀና ዒራቕ ወይ ኣፍጋኒስታን ዘይኰና ቡርኪና ፋሶ ኰይና ኣላ።
ጕጅለታት ጅሃዳውያን ኣብ ሳሕል ዝገብሩዎ ምንቅስቓስ፡ ብዝተፈላለዩ ዘይሕጋዊ ቍጠባዊ ንጥፈታት ዝድገፍ እዩ።
እዚ፡ ሰባት ብምጭዋይ በጃ ገንዘብ ምቕባል፡ ዝምታ ጥሪት፡ መሸጣ ማዕድንን ዕጸ-ፋርስን ዝኣመሰሉ ምንቅስቓሳት ከም ዝርከቦ እቲ ጸብጻብ የመልክት።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሳሕል ካብ ደቡብ ኣመሪካ ናብ ኤውሮጳ ኮኬይን ንዘምጽኡ ኣሰጋገርቲ ዕጸፋርስ'ውን ቀንዲ መስመር ኰይኑ ኣሎ።
እቲ ጸብጻብ ድማ "ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ሓደ ካብቶም ኣብ ሳሕል ምስ ግብረሽበራ ብምትእስሳር ንዝርከብ ዝለዓለ ገንዘብ ይውክል፡" ኢሉ።
ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ነቲ ብሃብቲ መዓድን ዝበልጸገ ከባቢታት ሳሕል ንምቍጽጻር ይነሓንሑ'ዮም ዘለዉ።
ኒጀር ኣብ ዓለም ሻብዓይቲ ዝዓበየት ኣፍራዪት ዩራንየም ኰይና፡ ኣብ መላእ እቲ ዞባ ዝርከቡ ብባህላዊ መገዲ ዝዕደን ወርቂ መብዛሕትኡ ግዜ ከም በዓል ኣይኤስ-ሳሕልን ጀኒምን ዝኣመሰሉ ትካላት ይጥቀሙሉ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተፈጸሙ ዕልዋታት መንግስቲ ስዒቡ፡ መንግስታት ሳሕል ነቶም ዕጡቓት ንምምካት ካብ ከም በዓል ፈረንሳን ኣመሪካን ዝኣመሰላ ምዕራባውያን መሻርኽቲ ሃገራት ርሒቘም ገጾም ናብ ቻይናን ሩስያን ኣቕኒዖም ይርከቡ።
"ኣብዚ እዋን፡ ሩስያ ኣብቲ ብኣፍሪቃ ኮርፕስ [ናይ ቀደም ቫግነር] ዝፍለጥ ወተሃደራት ጕጅለ ዝያዳ ጽኑዕ ቁጽጽር ትገብር ከም ዘላ ንርኢ ኣለና፡" ትብል በቨርሊ።
"ስርሖም ነቲ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ናዕቢ ንምምካት፡ ንወተሃደራት እቲ ከባቢ ከሰልጥኑን ክምልምሉን እኳ እንተዀነ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ውጽኢታዊ ኣይኰነን።"
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ጸብጻብ ጂቲኣይ ሕጂ ካብቲ "ማእከል ራዕዲ" ዝበሃል ከባቢ ንላዕሊ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ናይ ምፍሳስ ሓደጋ ከም ዘሎ የጠንቅቕ።
ከም ውጽኢቱ ድማ ቶጎ ኣብ 2024 10 መጥቃዕትን 52 ሞትን ኣመዝጊባ እያ።
እዞም መጥቃዕቲታት መብዛሕትኦም እታ ሃገር ምስ ቡርኪናፋሶ ዝኣብ እትዋሰነሉ ዶብ ዝተፈጸሙ'ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







