ኣፍሪቃ፡ ወተሃደራዊ ዕልዋ እናበዝሐ ዶ ይመጽእ ኣሎ?

ደገፍቲ ናይቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተኻየደ ዕላዋ ኣብ ጐደናታት ሓጐሶም እናገለጹ

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ደገፍቲ ናይቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተኻየደ ካልኣይ ዕልዋ መንግስቲ ናይዚ ዓመት፡ ኣብ ጐደናታት ሓጐሶም እናገለጹ

ኣብ ኣፍሪቃ፡ ድሕሪ ናጽነት ሃገራት ኣብ ዝነበረ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ወተሃደራዊ ዕልዋ ልሙድ ተርእዮ እዩ ነይሩ። ሕጂ ግን ዝያዳ እናወሰኸ ይኸይድ ምህላው ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብዚ ዓመት እዚ፡ ኣብ ቡርኪናፋሶ ክልተ ግዜ ዕልዋ መንግስቲ ተራእዩ። ኣብ ጊኒ ቢሳው ድማ ሓደ ዝፈሸለ ዕልዋ መንግስቲ ርኢና።

ኣብ 2021፡ ኣፍሪቃ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመታት ክነጻጸር እንከሎ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ምልክታት ዕልዋ መንግስቲ ርእያ ኣላ።

ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሕብረት ኣፍሪቃ ሙሳ ፋቂ ማሃማት፡ እቲ ብተደጋጋሚ ዝረአ ዘሎ "ዘይሕጋዊ ሕገመንግስታዊ ለውጥታት" ከም ዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።

መዓስ እዩ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዕልዋ ዝርአ?

እቲ ቐዳማይ ትርጕም፡ ዕጡቓት ወይ ወተሃደራት፡ ንሰበ ስልጣን ብሓይልን ብዘይ ሕጋዊ መገድን ካብ ሓላፍነቶም ክኣልዩዎም እንከለው እዩ።

ጆናታን ፓወልን ክለይተን ትይንን ዝተባህሉ ክልተ ኣሜሪካውያን ተመራመርቲ ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ካብ 1950ታት ንደሓር ኣብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 200 ተመሳሳሊ ፈተነታት ዕልዋ ከም እተገብረ ሓቢሮም። ዳርጋ ፍርቂ ካብቲ ተዓዊቱ ዝበሃል ፈተነታት ከኣ ንልዕሊ ሸውዓተ መዓልቲ ከምዝጸንሐ እዩ ዝግለጽ።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ እትርከብ ቡርኪናፋሶ፡ ትሽዓተ ዕውት ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱ። ሓንቲ ዕልዋ ጥራሕ እያ ፈሺላ።

እቶም ኣብ 2017 ኣብ ጉዳይ ፕረዚደንት ሙጋበ ጣልቃ ዝኣተዉ ሰራዊት ዚምባብወ ነቲ ኵነታት ከም ዕልዋ ኣይርእይዎን እዮም።

ኣብቲ ዓመት እቲ ወተሃደራት ዚምባብወ፡ ነቲ ን37 ዓመት ሰሪቱ ዝጸንሐ ግዝኣት ሮበርት ሙጋበ ኢዶም ብምትእትታው ኣተሃዳዲኦምዎ።

ሽዑ ሓደ ካብቶም መራሕቲ ሜጀር ጀነራል ሲቡሲሶ ሞዮ፡ ኣብ ተሌቪዥን ቀሪቡ ስጕምቲ ከምዝወስድ ሓቢሩ፤ ግን ከኣ ኢድ ኣእታውነት ወተሃደራት ዕልዋ ከምዘይኰነ ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መራሕ ጫድ ኢድሪስ ደቢ ድሕሪ ምማቱ፡ እቲ ሰራዊት ንወዱ፡ ከም ግዝያዊ ፕረዚደንት ብምሻም ንመሰጋገሪ ወተሃደራዊ ቤት ምኽሪ ክመርሕ ምስ ሸሞ፡ ተቓወምቱ፡ እዚ ንግስነታዊ ውርሻ እዩ ክብሉ ገሊጾምዎ።

ጆናታን ፖወል፡ "መራሕቲ ዕልዋ፡ ኵሉ ሳዕ ተግባራቶም ሕጋዊ መሲሉ መታን ክርአ ነቲ ዝገበርዎ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ይኽሕድዎ እዮም” ይብል።

2017 ዚምባብወ፡ ወተሃደራት ኢዶም ብምእታው እዮም ነቲ ኵነታት ኣህዲኦምዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, 2017 ዚምባብወ፡ ወተሃደራት ኢዶም ብምእታው እዮም ነቲ ኵነታት ኣህዲኦምዎ

ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ኣፍሪቃ ክሳዕ ክንደይ እዩ ዝውቱር?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ኣፍሪቃ ካብ 1960 ክሳብ 2000 ኣብ ዝነበረ ኣርባዕተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ብገምጋም ኣርባዕተ ግዜ ኣብ ዓመት ተኻይዱ።

ጆናታን ፓወል፡ “እቲ ጉዳይ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ዝነበረ ዓመታት ዝተራእየ ዘይምርግጋእ ብዙሕ ዘገርም ኣይኰነን” ይብል።

"ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ድኽነትን ድዅም ቊጠባዊ ኵነታትን ብዝኣመሰለ ጉዳያት እዩ ዕልዋ መንግስቲ ዝካየድ። ሓንቲ ሃገር ሓንሳእ ዕልዋ መንግስቲ እንተጋጢምዋ ከኣ ብተደጋጋሚ እዩ ዘጋጥማ” ይብል።

ክሳብ 2019 ኣብ ዝነበረ ዕስራ ዓመታት ግን እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዓመታዊ ናብ ክልተ ሳዕ ፈተነ ዕልዋ ወሪዱ እዩ።

ኣብ 2020 ሓንሳብ ኢና ዕልዋ መንግስቲ ርኢና። ኣብ 2021 ግን ብገምጋም ሽዱሽተ ሳዕ ፈተነ ዕልዋ ተመዝጊቡ’ሎ ።

ኣብታ ዓመት እቲኣ፡ ኣብ ጫድ፡ ማሊ፡ ጊኒን ሱዳንን ዕዉት ፈተነ ዕልዋ ተኻይዱ። ኣብ ኒጀርን ሱዳንን ግን ዘይዕዉት ወተሃደራዊ ፈተነ ተኻይዱ።

ኣብ መስከረም 2021፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒዮ ጉተረስ፡ "ወተሃደራዊ ዕልዋ ይምለስ ኣሎ" ብምባል ሻቕሎቱ ድሕሪ ምግላጽ፡ ወተሃደራዊ ዕልዋ ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን ማሕበረ-ሰብ ዓለም ሓድነት ብዘይምህላው ወቒሱ።

"ጂኦ-ፖለቲካዊ ምክፍፋል ንኣህጉራዊ ጥምረት የዳኽሞን ናይ ዘይምትእምማን ስምዒት ይፈጥርን ኣሎ” ኢሉ።

ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ዝርከብ ማእከል ስትራተጂያውያንን ኣህጉራውያንን መጽናዕትታት ዝነጥፍ ጁድ ዴቭርሞንት፡ መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ኣብ ዝዳለዉሉ እዋን ብዙሕ ሕድገታት እዮም ዝገብሩ ዝብል እምነት ኣለዎ።

ወዲ መራሕ ጫድ ማህማት ኢድሪስ ዴቢ ኢትኖ ኣብ ሚያዝያ 2021፡ ድሕሪ ሞት ኣቦኡ መራሒ ጫድ ንክኸውን ተሓጽዩን ኰይኑን።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኩዋዙሉ-ናታል ዝነብር ዱቡሲ ክርስትያን ኣኒ ከምዝበሎ፡ ኣንጻር እቶም ንነዊሕ እዋን ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ውልቀ-መለኽቲ ዝግበር ዘሎ ናዕቢ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዳግማይ ዕልዋ መንግስቲ ንኽምለስ ደፋፊኡ ኣሎ ይብል።

"ህዝባዊ ናዕቢ ብህዝቢ ስለዝግበር ተቐባልነት ዘለዎ ምንቅስቓስ’ኳ እንተዀነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ግን በቲ ወተሃደር እዩ ዝውሰን” ይብል።

ማሃማት እድሪስ ደቢ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ማህማት እድሪስ ደቢ፡ ኣብ ሚያዝያ 2021 ድሕሪ ኣቦኡ መራሒ ጫድ ኰይኑ

ብዙሕ ዕልዋ መንግስቲ ዝተኻየደለን ሃገራት ኣየኖት እየን?

እታ ዝበዝሐ ዕልዋ መንግስቲ ዝተገብረላ ሱዳን እያ። ካብቲ ዝተገብረ 17 ፈተነ ዕልዋ እቲ ሽዱሽተ ዕውት ነይሩ።

ኣብ 2019 እቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ መራሒ መንግስቲ ዑመር ኣልበሽር፡ ንኣዋርሕ ብዝቐጸለ ህዝባዊ ተቓውሞ ካብ ስልጣን ተኣልዩ። ዑመር ኣልበሽር ብ1989 እዩ ብወተሃደራዊ ዕልዋ ናብ ስልጣን መጺኡ።

ናይጀርያ ድሕሪ ናጽነታ ካብተን ብዕልዋ መንግስቲ ዝፍለጣ ሃገራት እያ። ካብ ጥሪ 1966 ኣትሒዛ ክሳብ ብ1993 ብጀነራል ሳኒ ኣባቻ ዝተታሕዘትሉ እዋን ሸሞንተ ሳዕ ወተሃደራዊ ዕልዋታት ተኻይድዋ።

ይዅን እምበር፡ ካብ 1999 ንደሓር ኣብታ ዝበዝሐ ህዝቢ ዘለዋ ኣፍሪቃ፡ ምስግጋር ስልጣን ብደሞክራሲያዊ ምርጫ’ዩ ተኻይዱ።

ታሪኽ ብሩንዲ ኣብ ማሕበረሰብ ሁቱን ቱትሲን ብዘሎ ውጥረት እተደረኸ ዓሰርተ ሓደ ዕልዋ መንግስቲ ተራእዩ።

ሰራልዮን ካብ 1967 ክሳዕ 1968 ኣብ ዝነበረ እዋን ሰለስተ ሳዕ ዕልዋ መንግስቲ ኣጋጢምዋ። ብድሕሪኡ እውን ካብ 1971፡ 1992፡ 1997 ካልእ ሓሙሽተ ተወሳኺ ፈተነ ዕልዋ ኣጋጢምዋ።

ጋና እውን ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ሸሞንተ ሳዕ ወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ኣጋጢሙዋ። እቲ ቀዳማይ ብ1966 ዝተገብረ ኰይኑ ብንኣሽቱ ወተሃደራት ንክዋሜ ንኩሩማ ካብ ስልጣን ንምእላይ ዝተኻየደ ፈተነ እዩ።

ብሓፈሻኡ፡ ኣፍሪቃ ካብ ካልኦት ኣህጉራት ዝበዝሕ ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዳ። ካብተን ካብ 2017 ንደሓር ኣብ መላእ ዓለም እተመዝገባ 14 ዕልዋ መንግስታት፡ ብዘይካ ሓንቲ ኣብ ሚያንማር ኵለን እተን ኣብ 2021 ኣብ ኣፍሪቃ ዝተኻየዳ እየን።