ሱዳን፡ ምልሶት መሓውራትን ሰዓብትን ኣልበሽር

ምንጪ ስእሊ, AFP
ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ብህዝባዊ ናዕቢ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ድሕሪ ሰለስተ ዓመታት፡ ኣባላት ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ (ኤንሲፒ) ነበር፡ በቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ወተሃደራዊ ጕጅለ ኣገዳሲ ጽፍሕታት ይወሃቦም ስለ ዘሎ፡ ፖለቲካዊ ምልሶት ከይከውን ብዝብል ስግኣት የለዓዕል ኣሎ።
ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ኣብ ልዕሊ እቶም ኣንጻር ምልካዊ ምሕደራ ስርዓት ኣልበሽር ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞታት ዓቢይ ተራ ዝነበሮም ሲቪላውያን መሻርኽቱ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕልዋ ድሕሪ ምፍጻሙ፡ እቲ ሰንኮፍ ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ሽዑ ኣኽቲሙ እዩ።
ላዕለዎት ጀነራላት ሱዳን፡ ኵሎም ኣባላት ናይቲ ኣብ ኣጋ ሕልቀት ስርዓት ኣልበሽር ዝተመዘዘ ሽማግለ ጸጥታ ዝነበሩ - ነቲ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ጽኑዕ ስርዓተ ሕጊ ሸሪዓ (እስላማዊ ሕጊ) ዘተግበረ ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ ከም ዝድግፉ እዩ ዝንገር።
ሃምዛ ባሎል - ላዕለዋይ ኣባል ናይቲ ክሳብ ዕልዋ መንግስቲ ምስቶም ጀነራላት ስልጣን ዝተላፈነ ደጋፊ ዲሞክራሲ ዝዀነ ምንቅስቓስ ሓይልታት ንናጽነትን ለውጥን (FFC) - እዚ ወተሃደራዊ ጕጅለ፡ ነቲ ሕሉፍ ሰልፊ 'ኤንሲፒ' ብምሕብሓብ ነቲ መስርሕ ሰውራዊ ለውጢ የበላሽዎ ከምዘሎ እዩ ዝኣምን።
እቶም መራሕቲ ዕልዋ መንግስቲ፡ "ፖለቲካዊ መሰረታቶም ንምጥጣሕ ምስ መራሕቲ ናይቲ ዝሓለፈ ስርዓት ጽኑዕ ምትሕብባር ክገብሩ ጸኒሖም እዮም፡" ክብል ከኣ ይገልጽ።
ባሎል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቶም ሓይልታት ሰውራ፡ ነቲ ዕልዋ ንምስዓር ሓድነት ክፈጥሩ ጥራይ ኣለዎም" ኢሉ።
ድሕሪ’ቲ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ፡ ሲቪላዊ ምሕደራ ክምለስ ጠሊቡ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ዛጊት ልዕሊ 100 ሰባት ተቐቲሎም።
ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ካብቶም ቀንዲ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዘተዋህቡ ቀዳሞት መምርሒታት፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ስርዓት ዝነበሩ መዋቕራት "ንምፍራስ" ዝተመስረተ ኮሚቴ ስራሕ ደው ከም ዘብልን፡ ኵሉ ውሳነታቱ ክቕልበስ ምግባርን እዩ ነይሩ።
እዚ፡ ድሕሪ ወተሃደራዊ ምምንዛዕ ስልጣን ዝተኣስረ ጠበቓ ዋጅዲ ሳልሕ ዝመርሖ ዝነበረ ኮሚቴ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኣልበሽር ሰፊኑ ዝነበረ ግኑን ብልሽውና ኣብ ምቅላዕ ዓቢይ ኣበርክቶ ነይርዎ።
እዚ ኮሚቴ፡ ዝርዝር ኣስማት ብልሹዋት ሰበስልጣንን ነጋዶን ኣቕሪቡ፣ ብልሹዋት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣባሪሩ፣ ንብረት ከም ዝተታሕዘ ኣፍሊጡ፣ ትእዛዛት ማእሰርቲ ኣመሓላሊፉ፣ ሕሳብ ባንክታት ኣደስኪሉ፣ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ኣብ መንጐ መሪሕነት ኤንሲፒን እቶም ጀነራላት ሰራዊትን ዝነበረ ውዕላት ከኣ ይምርምሮ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ እናዀነ ግን እቲ ኮሚቴ፡ ብገለ ወገናት ብዘይሕጋዊ መንገዲ ከምዝሰርሕ፣ ብገለ ድማ ዘይፍትሓዊ መቕጻዕቲ ንምውሳን መሳርሒ ኰይኑ የገልግል ኣሎ ተባሂሉ ክውቀስ ጸኒሑ እዩ።
ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ፡ እዚ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጕጅለ መሰረታት ስልጣኑ ንምዕማቝን ንምድላዳልን ናብ ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስን ተደናገጽቱን ገጹ ኣቕኒዑ ይርአ’ሎ።
ብኣማኢት ዝቝጸሩ ካብ ስራሕ ተባሪሮም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ማእከላይ ባንክ፡ ኣብያተ ፍርዲ፡ ኣገልግሎት ዓቃብ ሕጊ፣ ኣባላት መንግስታዊ ማዕከን ዜና፡ ሚኒስተራት መንግስትን ዝነበሩ ናብ ስርሖም ይምለሱ ኣለው።
እሙናት ኣባላት’ቲ ዝሓለፈ ስርዓት/ሰልፊ ዝነበሩ ቁልፊ ጽፍሕታት ክሕዙ ይረኣዩ ኣለው፤ ንኣብነት ኣመሓዳሪ ደቡብ ኮርዶፋን ነበርን ሓደ እዋን ኣብቲ ዞባ መራሒ ሰልፊ ኤንሲፒ ዝነበረን ጀነራል ኣሕመድ ሙፍዳል ክጥቀስ ይከኣል።
ንሱ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ነቲ - ኣብ እዋን ስርዓት ኣልበሽር ኣመና ተፈራሒ ዝነበረ ትካል ሃገራዊ ትካል ስለያን ጸጥታን - ሕጂ ‘ሓፈሻዊ ኣገልግሎት ስለያ (GIS)’ ዝብል ሓድሽ ስያመ ዝቐየረ ትካል ይመርሕ ኣሎ።
ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ሕሳብ ባንክታት ኣማኢት ኣባላት ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ ነበር ካብ እገዳ ናጻ ምዃኖምን፡ ሓያለ ካብቶም መሪሕ ኣባላቱ ካብ ማእሰርቲ ምፍትሖምን ድማ፡ መሓውራት ‘ቲ ሕሉፍ ስርዓት ናብ ህዝባዊ መድረኻት እታ ሃገር ይምለስ ምህላው ዘርኢ ተወሳኺ ምልክት እዩ።
ገለ ካብኣቶም
- ሓላፊ ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ዝነበረ ኢብራሂም ጋንዱር
- ኣመሓዳሪ ምብራቕ ዳርፉር ዝነበረን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተኸሲሱ ዝነበረን ኣናስ ዑመር
- ሓደ ግዜ ንዕጡቕ ጕጅለ ዳዕሽ ይድግፍ ምንባሩ ዝንገረሉ ሸኽ መሓመድ ዓሊ ኣ’ጂዞሊ ይርከብዎም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣልበሽር ብቐንዱ ግን በቲ ወተሃደራዊ ጕጅለ ገና ተኣሲሩ እዩ ዘሎ። ኣብ 2019 ብብልሽውና ተፈሪዱ፣ ካብ ሓምለ 2020 ጀሚሩ ድማ በቲ ኣብ 1989 ናብ ስልጣን ዝመጽኣሉ ዕልዋ መንግስቲ ተኸሲሱ ኣብ ቤት ፍርዲ ይመላለስ ኣሎ።
እዚ ድማ እቲ ደጋፊ ዲሞክራሲ ዝዀነ ምንቅስቓስ ዘበገሶ ኰይኑ፣ እቲ መስርሕ ፍርዲ ቅድሚ ጀነራል ኣልቡርሃን ስልጣን ምምንዝዑ ዝጀመረ እዩ።
እዚ ወተሃደራዊ ጕጅለ ግን፡ በሽር በቲ ምስ ግጭት ዞባ ዳርፉር ተኣሳሲሩ ዝኽሰሰሉ ገበናት ኲናት - ግን ከኣ ዝኽሕዶ ክስታት፡ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ክቐርብ ኣሕሊፉ ካብ ምሃብ ሓንጊዱ እዩ።
እቶም ጀነራላት ግን ኣብ መወዳእታ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ 2013 ግብጺ፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ዝተራእየ ፕረዚደንት ነበር ሑስኒ ሙባረክ ናጻ ዝተባህለሉ ኵነታት፡ ንበሽር’ውን ናጻ ክፈትሕዎ ይኽእሉ እዮም ዝብል እምነት ብዙሓት ተንተንቲ እዩ።
ሕኑን ኣባል ሰልፊ ሃገራዊ ኮንግረስ ሱዳን ከምኡ’ውን ግዝያዊ ዋና ጸሓፊ ናይቲ ሰፊሕ ኪዳን እስላማውያን ጕጅለታት ዝዀነ እስላማዊ ምንቅስቓስ ሱዳን - ዓሊ ካርቲ፡ እቲ ቐንዲ ተዋሳኢ ኣብ ዳግመ ትንሳኤ ኤንሲፒ ዘሎ ሰብ ምዃኑ ይግመት።
ዓሊ ካርቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ቱርኪ ዝነብር ዘሎ ኰይኑ፡ ድሕሪ ልዕሊ ሰለስተ ዓመት ንመጀመርያ ግዜ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ተሌቪዥን ቃለ መጠይቕ ኣካይዱ።
ኣብ ዘረባኡ፡ ንኤንሲፒ ብምክልኻል፡ እስላማውያን ዳግማይ ክውደቡን ኣብ ዝቕጽል ምርጫ ክወዳደሩን መሰል ከም ዘለዎም ገሊጹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ነበር ዓሊ ካርቲ፡ በታ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ስርዓት ኣልበሽር ነበር ስጕምቲ ንምውሳድ ዝቘመት ኮሚተ ዒላማ ዝተገብሩ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሰባት'ዩ ነይሩ።
ኣብ ሰሜን ካርቱም ብስሙ ዝተመዝገቡ ኣማኢት ቃጽዖታት መሬት ተታሒዞም፣ ገለ’ውን ነቲ ከባቢ ‘ካርቲስታን’ ኢሎም ክጽውዕዎ ምኽንያት ኰይኑ እዩ። ንሱ ግን ዝዀነ በደል ከምዘይፈጸመ እዩ ዝኽሕድ።
ዓሊ፡ ኣብ ግዜ ስርዓት በሽር ሓደ ካብቶም ሓራምዝ ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ እቲ መንግስቲ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ እስላማዊ ስምዒት ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣብ 1990ታት፡ ንዝተመስረተ ህዝባዊ ሓይልታት ምክልኻል ዘቘመ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ ሓይሊ፡ ኣንጻር ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ሱዳን (SPLM) - ደሓር ደቡብ ሱዳን ዝፈጠረ ምንቅስቓስ - ዝተገብረ ኲናት ንምምካት ኣስተዋጽኦ ከም ዝገበረ ይንገረሉ።
ሚኒስተር ዜና ስርዓት ኣልበሽር ዝነበረ ኣሚን ሓሰን ዑመር እውን ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ እስላማዊ ምንቅስቓስ፡ ንሱዳን ካብ ዝዀነ ስግኣታት ክከላኸሉላ ዝኽእሉ 500,000 ተዋጋእቲ ከም ዘለውዎ ይዛረብ።
እዚ ዘረባ’ዚ ብናጻ ወገን ክረጋገጽ’ኳ እንተዘይተኻእለ፡ እስላማውያን ክሳብ ክንድዚ ዝኣክል ዕጡቕ ሓይሊ እንተደኣ’ለዎም ኰይኑ፡ ነቲ ብጃንጃዊድ ምልሻ ዝቘመ፡ ኣብ ዳርፉር መጠነ-ሰፊሕ ግፍዒታት ብምፍጻም ዝኽሰስ ወተሃደራዊ ጕጅለ ይዕብልልዎ ኣለው ማለት እዩ።
እዚ ብህጹጽ ወሃብ ደገፍ ሓይሊ[ Rapid Support Force – RSF] ዝፍለጥ ወተሃደራዊ ክንፊ ካብ 50,000 ክሳብ 150,000 ኣባላት ከም ዘለውዎ እዩ ዝግመት።
ጀነራል ቡርሃን ዝርከቦም ላዕለዎት ወተሃደራውያን ሓለፍቲ ሱዳን፡ ነቲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ጽልዋ ናይቲ ኣዛዚ ናይዚ ወተሃደራዊ ሓይሊ RSF ዝዀነን ምክትል መራሒ’ቲ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ዓላዊ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ዝዀነ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ [ሕሜቲ] ንምቕልባስ፡ ነቶም እስላማውያን ክጥቀሙሎም ከም ዝኽእሉ ተንተንቲ ይግምቱ።
እዚ ወተሃደራዊ ሓይሊ፡ ዝመጽእ ዓመት ምርጫ ከም ዘካይድን ስልጣን ንሲቪላዊ መንግስቲ ከም ዘረክብን መብጽዓ ኣትዩ’ሎ።
ኣብዚ እዋን፡ ኣሜሪካን ስዑዲያን ነቲ ኣብ መንጐ ጀነራላት ሱዳንን ሓይልታት ምቅስቓስ ናጽነትን ለውጥን ዘሎ ፍልልይ ንምትዕራቕ፡ ዘይወግዓዊ ዝርርባት የካይዳ ከም ዘለዋ ይፍለጥ።
እንተዀነ፡ እቶም ኣንጻር’ቲ ዝተኻየድ ዕልዋ ደው ዝበሉ፡ ካብ ታሕቲ ተወዳዲቦም ናይ ዝቘሙ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት መራሕቲ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም ወተሃደራት እምነት የብሎምን፣ ናዕብን ተቓውሞን ድማ ይቕጽል ኣሎ።
እቲ ዘሎ ስግኣት፡ እቶም ላዕለዎት ጀነራላት፡ ነቲ ዝካየድ ዝርርብ ይሓስብዎ ንዘለው - ሓደ ዘሕንኽ ምርጫ ኣካይድካ ብሓድሽ እስላማዊ ቀጽሪ [ን ኤንሲፒ ሓድሽ ስም ኣልቢስካ] ስልጣን ምጭባጥ ዝብል ናይ መወዳእታ ዕላማኦም - ቅቡል ንምግባር ክጥቀምሉ ይኽእሉ እዮም ዝብል እዩ።
"ንሳቶም [ኤንሲፒ] ብውደባዊ/ትካላዊን ፋይናንሳውን ብልጫታቶም ኣብ ምርጫ እንተዝወዳደሩ ሕጉሳት ምዀኑ። እዚ እዩ እቲ ዘተሓሳስብ" ይብል ላዕለዋይ ተንታኒ ትካል ‘ክራይስ ግሩፕ’ ዮናስ ሆርነር።
ስለዚ፡ ሽማግለታት ተቓውሞ ሱዳን፡ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሱዳን ናብ መዓስከራቱ ክምለስ፡ ንሱዳን ናብ ዲሞክራስያዊ ምርጫ ክመርሓ ዝኽእል ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቐውም እዮም ዝደልዩ።
ነዚ ዕላማ’ዚ ክወቅዑ ይኽእሉ ዶ ኣይክእሉን ኣብዚ እዋን ንጹር ኣይኰነን።
እንተዀነ ሓይልታት ናጽነትን ለውጥን ምስቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ሓድሽ ምቕርሐ ስልጣን ከይሰማማዑን ሕድገታት ምእንቲ ከይገብሩን ግን ጸቕጢ ክገብሩ ተኽእሎ ኣሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







