ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ እቲ ሓጺናዊ ሓይሉ ብሞቱ ኣኽቲሙ

ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ኣብ 2024 ዝተሰኣሎ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ንባብ: 8 ደቓይቕ

ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ብዝፈጸመኦ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣየር ከምዝተቐትለ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጡ።

ሞት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ንኢራን ዝመረሐ ወዲ 86 ዓመት ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ድሒሩ ኣብ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ኢራን'ውን ተረጋጊጹ።

ኢራን ድሕሪ 1979 ዝተካየደ እስላማዊ ሰውራ ክልተ ላዕለዎት መራሕቲ ጥራይ እዮም ነይሮምዋ።

ኣብ ኢራን ላዕዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ፡ እቲ ዝልዓለ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ'ዩ፡ ላዕለዋይ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኢራን ንሱ'ዩ፡ ላዕለዋይ ሓላፊ ሓለዋ ሰውራ ኢራን'ውን ንሱ፡ ኮታስ ልዕሊኡ ተጸዋዒ የለን።

ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ፡ ምሉእ ብምሉእ ውልቀ መላኺ ኣይኮነን፣ ኣብ ማእከል ዝተሓላለኸ መርበብ ስልጣን ዝተቐመጠ፤ ንዝኾነ ጉዳይ ህዝባዊ ፖሊስ ድምጺ ክህብን ንመንግስታውያን ሓለፍቲ ክመርጽን ግን ስልጣን ኣለዎ።

ኢራናውያን መንእሰያት ብዘይካ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ካልእ መራሒ ኣይርኣዩን ምኽንያቱ ነታ ሃገር ን37 ዓመታት'ዩ መሪሕዋ።

መንግስታዊት ማዕከን ዜና ኢራን፡ ሞቱ ኣብ ዘርድኣትሉ፡ ንሕሉፍ ዛንታኡ ብስእሊ ኣሰንያ ሰፊሕ ሸፈነ ሂባቶ።

ኣብ ኢራን ስእሊ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ኣብ ፈቐድኡ ተዘርጊሑ'ሎ፡ ኣብ ጎደናታት፡ ኣብ ዱኳናትን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ፡ ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ወዘተ።

ሞት ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ኣብታ ሃገር ኣንጻሩ ሰፊሕ ተቓውሞታት ኣብ ዝተኻየደሉ'ዩ ዘጋጥም ዘሎ፡ እዚ ከኣ ኣብ ኢራንን ኣብ መላእ እቲ ዞባን ሓዲሽን ዘይርጉጽን መጻኢ ዘስዕብ'ዩ።

ስእሊ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝሓዘት ኢራናዊት ሰበይቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, መብዛሕትኦም ኢራናውያን ብጀካ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ካልእ መራሒ ኣይርኣዩን

ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኢራን ኣብ እትርከብ ከተማ ማሽሃድ ብ1939'ዩ ተወሊዱ።

ኣብ ሃይማኖታዊት ስድራቤት ካብ ዝነበሩ ሸሞንተ ቆልዑ ካልኣይ ኮይኑ፡ ኣቡኡ ካብቲ ኣብ ኢራን ዓብላሊ ዝኾነ ሺዓ ዝመጸ ማእከላይ ደረጃ ዘለዎ መራሒ ሃይማኖት'ዩ ነይሩ።

ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ካብ ብንእሽትኡ "ድኻ ግን ከኣ ፍርሃት ኣምላኽ ዝመልኦ፡ ብጀካ ባንን ዘቢብን" ካልእ ከምዘይበልዕ እናተባሀለ'ዩ ዝግለጽ ነይሩ።

ትምህርቱ ብመጽናዕቲ ቁርኣን ዝተዓብለለ ኮይኑ፡ ኣብ መበል 11 ዓመት ዕድሚኡ ከም መራሒ ሃይማኖት ክሰርሕ ብቑዕ ነበረ። ግን ከም ኩሎም ናይቲ እዋን መራሕቲ ሃይማኖት፡ ንፖለቲካን ንሃይማኖትን ብማዕረ'ዩ ዝሰርሓሉ ነይሩ።

ኣያቶላህ መዳርን ቀንዲ ነቓፍን ናይቲ ብሰውራ ኢራን ዝተዓለወ ንጉስ ሻህ'ዩ ነይሩ።

ንዓመታት ኣብ ትሕቲ መሬት ይነብር ነይሩ፡ ሽዱሽተ ግዜ ብሚስጢራዊ ፖሊስ ሸዓ ኣብ ትሕቲ ምሬት ተኣሲሩ፡ ንስቅያትን ስደት'ውን [ኣብ ውሽጢ ኢራን] ተቓሊዑ።

ኣብ 1979 ሰውራ ኢራን ምስ ተዓወተ፡ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ናይ ጸሎት መደብ እናመረሐ

ምንጪ ስእሊ, Gamma-Rapho via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1979 ሰውራ ኢራን ምስ ተዓወተ፡ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ናይ ጸሎት መደብ እናመረሐ

ድሕሪ እስላማዊ ሰውራ፡ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ሩሆላህ ኻመኖ፡ መራሒ ናይቲ ዓርቢ ዓርቢ ኣብ ታህራን ዝካየድ ጸሎት ክኸውን ሸይምዎ።

ሰሙናዊ ፖለቲካዊ ስብከታቱ ኣብ መላእ ሃገር ይመሓላለፍ ነበረ። እዚ ኸኣ ንኻመኒ ከም ቀንዲ ኣካል ናይቲ ሓድሽ መሪሕነት እታ ሃገር ክኸውን ሓጊዝዎ።

ድሕሪ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ኣብ ዝነበረ ዕግርግር ዝመልአን ቀዳሞት ኣዋርሕ፡ ንኻመኒ እሙናት ዝኾኑ ዕጡቓትን ተማሃሮ ዩኒቨርሲቲን ንኤምባሲ ኣመሪካ ሒዞሞ።

ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ዲፕሎማሰኛታትን ሰራሕተኛታት ኤምባሲን ኸኣ ጅሆ ተታሒዞም።

መራሕቲ ሰውራ ኢራን - ኻመነይ ሓዊሱ - ነቲ ኣመሪካ ነቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ንጉስ ሻህ ዑቕባ ንምሃብ ዝወሰደቶ ውሳነ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዝነበሩ ተማሃሮ ደጊፎም።

እቶም ጅሆ ዝተተሓዙ ከኣ ን444 መዓልታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ጸኒሖም።

እዚ ኸኣ ኣብ ኣመሪካ ንዝነበረ ምምሕዳር ካርተር ሽሙ ንኽድውንን ንኢራን ኣብ ደንበ ጸረ ኣመሪካን ጸረ ምዕራባውያንን ዘለዋ መርግጺ ንክንጽርን ሓጊዙ።

እዚ ኸኣ መንቀሊ ናይቲ ንኢራን ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊኣ ዝተነበረ ዓለማዊ ተነጽሎ ኮይኑ።

 እቶም ብኢራን ጅሆ ዝተተሐዙ ኣመሪካውያን

ምንጪ ስእሊ, Bettmann via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እቶም ብኢራን ጅሆ ዝተተሐዙ ኣመሪካውያን

ድሕሪ እቲ ቅልውላው ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኻመኒ ዕድለኛ ኮይኑ ካብ ፈተነ ቅትለት ድሒኑ።

ኣብ ሰነ 1981 ሓደ ተቓዋሚ ጉጅለ ኣብ ውሽጢ ቴፕ መቕረጺ ድምጺ ቦምባ ሓቢኡ። ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ኣስተምህሮ እናሃበ እንከሎ እቲ ቦንባ ተፈንጂሩ።

ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ብኸቢድ ተጎዲኡ። ሳንቡኡ ንኽሓዊ ኣዋርሕ ወሲዱላ፣ ኣብ የማናይ ኢዱ ከኣ ነባሪ መልመስቲ ኣስዒብሉ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ዓመት ፕረዚደንት መሓመድ-ዓሊ ራጃይ ተቐቲሉ፡ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ድማ ኣብቲ ዝሰዓበ ምርጫ 97% ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ።

ፕረዚደት ኮይኑ ምስ ተመረጸ ኣብ ናይ መጀመርታ እቲ ንሱ ክኽተሎ ዝደሊ ኣካይዳ ብቓናኡ ገሊጽዎ፡ "ንሊበራሊዝምን ብኣመሪካ ዝተጸልዉ ጸጋማውያንን" ኮኒኑ።

በዚ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ምዕራባውያን ሃገራትን ዘለዎ መርገጺ ኣብ ቀዳማይ መዓልቱ ኣነጺሩ።

ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ብሰንኪ እቲ ኣብ 1981 ዝተፈጸመሉ ፈተነ ቅትለት ኣብ ሆስፒታል ደቂሱ እንከሎ

ምንጪ ስእሊ, Ayatollah Khamenei

መግለጺ ስእሊ, ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ብሰንኪ እቲ ኣብ 1981 ዝተፈጸመሉ ፈተነ ቅትለት ኣብ ሆስፒታል ደቂሱ እንከሎ

ኣያቶላህ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ ኢራን ካብ ኵናትን ወረ ኵናትን ኣየዕረፈትን።

ኣቐድም ኣቢላ ኢራቕ ኣብ ልዕሊ ኢራን ወራር ፈጺማ።

ፕረዚደንት ኢራቕ ሰዳም ሑሴን፡ እቲ ኣብ ኢራን ዝተኻየደ እስላማዊ ሰውራ ናብ ካልኦት ሃገራት ልሒሙ ንዕኡ'ውን ከይሽልብቦ ስለዝሰገአ'ዩ ኣብ ልዕሊ ኢራን መጥቓዕቲ ፈጺሙ።

እቲ ደማዊ ኵናት ኢራንን ኢራቕን ንሸሞንት ዓመታት ቀጺሉ፤ ብክልቲኤን ሃገራት ከኣ ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ሞይቶም።

ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ኣብ ግንባር ንኣዋርሕ ዓሪዱ፡ ብዙሓት ካብቶም ንሱ ዝፈልጦምን ዝረኸቦምን ወተሃደራውያ ንሓለፍቲ ኣብ ኵናት ኣንጻር ኢራቕ ተቐቲሎም።

 ወተሃደራት ኢራቕ ንኢራን ኣብ 1980 ወሪሮማ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ወተሃደራት ኢራቕ ንኢራን ኣብ 1980 ወሪሮማ

ሰራዊት ዒራቕ ኣብ ልዕሊ ዶባዊ ዓድታት ኢራን ኬሚካላዊ ኣጽዋር ተጠቒሙ፡ ርእሰ ከተማ ቴህራን ሓዊሱ ኣብ ርሑቕ ከተማታት ብሚሳይላት ቦምባታት ደብዳብ ኣካይዱ።

ኢራን ብወገና፡ መስመራት ድፋዕ ዒራቕ ንምስባር ሰብኣዊ ማዕበል ብምጥቓም ኣብ ዝፈተነትሉ ንዓቕሚ ኣዳም ዘይበጽሑ ዝርከብዎም ብዙሕ ዓቕሚ ሰብ ከሲራ።

እቲ ኲናት፡ ኻመኒ ኣብ ልዕሊ እቶም ሳዳም ሑሴን ኣብ ልዕሊ ኢራን ወራር ብምፍጻሙ ዝደገፉ ኣመሪካን ምዕራባውያንን ዝነበሮ ዘይምትእምማን ባይታ ከምዝዘብጥ ገይርዎ።

ኣብ 1989 ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ብባይቶ መራሕቲ ሃይማኖትን ባይቶ ክኢላታትን ተካኢ ናይቲ ኣብ መበል 86 ዓመቱ ዝሞተ ኮሜኒ ኮይኑ ተመሪጹ።

ብዙሓት ኣብ ሃይማኖታዊ መሪሕነቱ ዝርአ ዓወታት ኣይመዝገበን ዝብል ርእይቶ'ኳ እንተነበሮም፡ ንኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ግን ላዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ካብ ምዃን ኣይዓገቶን።

"ብዙሕ ጌጋታትን ጉድለታትን ዘለኒ ውልቀ ሰብ እየ፡ ብሓቂ ድማ ንእሽቶ እየ" ብምባል ንሱ'ውን ኣብ ናይ መጀመርታ መደረ ተኣሚኑ።

"እንተኾነ ግን ኣብ ዝባነይ ሓላፍነት ተሸኪመ ኣለኹ፡ ነዚ ከቢድ ሓላፍነት ንምሽካም ድማ ኩሉ ዓቕመይን ኩሉ እምነተይን ኣብ ኩሉ ዝኽእል ክጥቀመሉ እየ።"

ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ኣብ 1989'ዩ ናዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኮይኑ ተመሪጹ

ምንጪ ስእሊ, Hulton Archive via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ኣብ 1989'ዩ ናዕለዋይ ሃይማኖታዊ መራሒ ኢራን ኮይኑ ተመሪጹ

እቲ ካብ መራሕቲ ሃይማኖት ብዙሕ ተቐባልነት ዘይረኸበ ኣያቶላህ፡ ሓይሉ ንኸርእን ነቶም ዘይተቐበልዎ ንኸአምንን ዝያዳ ክጽዕር ነይርዎ።

ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት፡ ኣብ ባይቶ፡ ኣብ ፈራዶ፡ ኣብ ፖሊስ፡ ኣብ ማዕከናት ዜናን እምነት ንኽረክብ ከኣ ብዙሕ ጽዒሩ፡ ተዓዊቱ ኸኣ።

ግን ኩሉ ብዘይነቐፌታ ኣይነበረን፡ ኣብ ፖሎቲካ ንዝቓወምዎ ብምእሳር'ውን ልሉይ'ዩ ነይሩ።

ናብ ወጻኢ ሳሕቲ' ዩ ዝገይሽ።

ኣብ ታህራን ኣብ ዝርከብ ገፊሕ ቀጽሪ ኣብ ዘለዎ ቤቱ ብጽኑዕ ሓለዋ ምስ ሰበይቱ፡ ሽዱሽተ ደቁን ብዙሕት ደቂ ደቁን ብሓባር ይነብር።

ኣያቶላህ ዓሊ ኻማኒ በትረ ስልጣኑ ንምጽናዕ ልዕሊ ኣብ ሃይማኖት ኣብ ጸጥታን ወተሃደራዊ ሓይሊን'ዩ ጸቂጡ ዝሰርሕ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Hulton Archive via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣያቶላህ ዓሊ ኻማኒ በትረ ስልጣኑ ንምጽናዕ ልዕሊ ኣብ ሃይማኖት ኣብ ጸጥታን ወተሃደራዊ ሓይሊን'ዩ ጸቂጡ ዝሰርሕ ነይሩ

ንተቓወምቱ ብምጭፍላቕ'ዩ ዝፍለጥ።

ኣብ 1999 ተቓውሞ ተመሃሮ ሓደጋ ዝፈጠረሉ ህሞት እኳ እንተነበረ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣእትይዎ።

ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት፡ ኣንጻር እቲ ምጥፍፋእ ነይርዎ ዝተበሃለ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝተላዕለ ህዝባዊ ናዕቢ፡ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ብጥይት፡ ብማህረምትን በርበረ ብንጻግን ንሓያሎ ክቕተሉ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ኣብ 2019፡ ዋጋ ነዳዲ እናወሰኸ ብምኻዱ ኣብ ጎደናታት ተቓውሞታት ኣብ ዘስዓበሉ እዋን፡ ኻመኒ ዘይሕጋዊ ሰልፍታት ንምክልኻል ንመዓልታት ኢንተርነት ዓጽዩ።

ብመሰረት ጸብጻብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ብረት ብምትዃስ ሓያለ ሰባት ቀቲሎም።

ብርግጽ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ደቂ ኣንስትዮ ከይምሃራ ዝክልክል ሕጊ ኣልይዎ'ዩ፡ ኣብ ጾታዊ ማዕርነት ግን ዝኣምን ኣይነበረን።

ኣንጻር ምልባስ ሒጃብ ጎስጓስ ዝገበራ ደቂ ኣንስትዮ ተኣሲረንን ተሳቒየንን'የን።

እቶም ነተን ኣንጻር ሒጃብ ሰለማዊ ሰልፊ ዘካይዳ ዝነበራ ዝደገፉ'ውን ኣይገደፉን።

ብሰንኪ ከምዚ ሓደ ጠበቓ ሰብኣዊ መሰላት ን38 ዓመታት ማእሰርትን 148 መግረፍቲን ተፈሪዱ።

ከምኡ'ውን፡ ኣብ 2022፡ እቲ ሓደ ካብቲ ንእስላማዊ ሰውራ ኢራን ዓቢ ብድሆ ዝነበረ ህሞት፡ ሓንቲ ማህሳ ኣማኒ ዝተበሃለት ጓል 22 ዓመት ሒጃብ ብግቡእ ብዘይምኽዳና ድሕሪ ምቕታል ዝሰዓብ ሰለማዊ ሰልፊ ነይሩ።

ድሕሪ ሞታ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ፡ ልዕሊ 550 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ 20 ሽሕ ድማ ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተኣስሩ ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሮም።

 ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ኣብ 2024 ዝተሰኣሎ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ኣብ 2024 ዝተሰኣሎ ስእሊ

ኣብ ወጻኢ፡ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ንሓንቲ 'ፍንፍንቲ' ሃገር ዝመርሕ እናተበሃለ ወትሩ ምስ ተነቐፈ'ዩ።

ድሕሪ እቲ ብ11 መሰከረም 2001 ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝተፈጸመ ግብረሽበራዊ መጥቓዕቲ፡ ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ ጆርጅ ዳብሊው ቡሽ፡ ንኢራን ምስ ኢራቕን ሰሜን ኮርያን ኣብቲ 'ኪዳን ሸይጣውንቲ' ኢሉ ዝገለጾ እትውቲ ምዃና ኣዊጁ።

ኣያቶላህ ንእስራኤል ንምህራም ብቀጥታ ሰራዊቱ ኣይዋፈረን፡ ነቶም ኣብ ሊባኖስ ዝመደበሮም ሕዝቡላህ ብምዕጣቕን ብምስልጣንን'ዩ ንእስራኤል ዝወግኣ ነይሩ።

ዋላ ድኣ ኢራናውያን "ሞት ንኣመሪካ' ከምዝጭርሑ ይገብሮም እንተነበረ፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ ግን ኣዝዩ ጥንቁቕ'ዩ ነይሩ፡ ምስ ዋሽንግተን ብቀጥታ ናብ ምትዃስ ዘእትዎ ስጉምቲ ክወስድ ኣይርኣይን'ዩ።

እቲ ቀንዲ ምስ ኣመሪካ ዘፋሓፈሖም፡ ጉዳይ ንዩክለራዊ ኣጽዋር'ዩ።

ኣመሪካን እስራኤልን ዓሊ ኻመኒ ብሕቡእ ንዩክለራዊ ኣጽዋር የማዕብል ኣሎ ኢለን'የን ዝኣምና።

ብሰንኪ እዚ ኣብ ልዕሊኣ እገዳ ምስ ተነበረ፡ እታ ኣብ ሓደ እዋን ካብ ዓለም ብሰደድ ነዳዲ ቀዳመይቲ ዝነበረት ሃገር፡ ቁጠባኣ ክዳኸምን ሽቕለት ኣልቦነት ክስዕርርን ምኽንያት ኮይኑ። ብሰንኪ እዚ ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ካብ ውሽጢ ሃገር ተቓውሞታት ክበጋገስ ጀሚሩ።

ኻመኒ ኣብ 2015፡ ገለ ካብቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳታት ንኽልዓል፡ ኢራን ትገብሮ ንኹለሳዊ ንጥፈታት ክትድርቶ ተሰማሚዑ፡ እንተዀነ ኣመሪካ ምስ ምንዋሕ ግዜ ነቲ እገዳ ከተትርሮ ከምእትኽእል ጥርጠራ ነይርዎ'ዩ።

 ንስርዓት ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝድግፉ ኣብ 2026 ኣንጻር ዶናልድ ትራምፕ ተቓውሞ እናኣስምዑ እንከለዉ ዘርኢ ስእሊ፡ ኣብቲ ስእሊ ዶባልድ ትራምፕ ብኣእሳዉ ብደም ተዓሊሱ እንከሎ ዘርኢ ስእሊ ዝሓዛ ሕጃብ ዝተኸደና ደቂ ኣንስትዮ ይርኣያ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ንስርዓት ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ዝድግፉ ኣብ 2026 ኣንጻር ዶናልድ ትራምፕ ተቓውሞ እናኣስምዑ እንከለዉ ዘርኢ ስእሊ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ 2018 ትራምፕ ካብቲ ኣብ 2015 ዝተበጸሐ ስምምዕ ብምውጻእ ኣብ ልዕሊ ኢራን ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ከምዝጸንዕ ገይርዎ።

ድሕሪ ክልተ ዓመታት ናይቲ ውሳነ ከኣ ዶናልድ ትራምፕ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ሓላፊ ኢራን ቓስም ሱለይማኒ ክቕተል ትእዛዝ ኣማሓላሊፉ፡ ኣብ መኪናኡ እንከሎ ኸኣ ተቐቲሉ።

ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ሕነ ንምፍዳይ ምስ ሩስያን ቻይናን ጥቡቕ ዝዀነ ርክብ ጀመሩ።

ኣብ ሰነ 2025 እስራኤል ንመደበራት ንዩክለስ ኢራን ዕለማ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ኢራን ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ፈጺማ፡ ኣመሪካ'ውን ኣብ ጎኒ እስራኤል ብምዃን ነቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝግበር ዝነበረ መጥቃዕቲ ተጸንቢራቶ።

ኢራን'ውን መልሰ ግበሪ ንምሃብ ኣብ ልዕሊ ከተማታት እስራኤል ደብዳብ ኣካይዳ።

እስራኤልን ኣመሪካን ብሓባር ብምዃን ንሰለስተ መደበራት ንዩክለር ኢራን ምስ ደብደበኦ፡ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ኣላሽ ኣይበለን፡ በቲ ዝሃቦ ግብረ መልሲ ግን ሓይሉ ከምዝደኸመ ርኡይ ኮይኑ።

ኣብ ጥሪ 2026፡ መንግስቲ ኢራን ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ድኹም ቁጠባ ኣሽሓት ሰባት ናብ ጎደና ብምውጻእ ኣንጸሩ ተቃውምኦም ከስምዑ ጀሚሮም።

ስርዓት ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ነቲ ተቓውሞ ብሓይሊ ብረት ንምብታኑ ኣብ ዝፈተንሉ ብውሕዱ 6488 ሰባት ከምዝተቐተሉን ልዕሊ 53 ሽሕን 700 ሰባት ከምዝተኣሰሩ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ።

ኣብ ከምዚ ኩነታት'ዩ ትራመፕ፡ ኢራን ነቲ ብዛዕባ መደባት ንዩክለር ዝቐረበላ ነጥብታት ክትፍርመሉ እንተዘይክኢላ ክድብድባ ምዃኑ ዓዉ ኢሉ ክዛረብ ዝጀመረ።

ኣያቶላህ ዓሊ ኻማኒ ንሰለማዊ መዓላ ዝኸውን ዩራንየም ምፍራይ ደው ከምዘየብሎ ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ጥሪ ኣብ ዘስምዖ መደረ ከኣ "ኣመሪካውያን ክፈልጥዎ ዘለዎም ሓዲሽ ዅናት እንተጀሚሮም፡ ሕጂ ዞባዊ ዅናት'ዩ ክኸውን" ብምባል ኣጠንቂቑ።

እንታይ'ዩ ክስዕብ እናተባሃለ ኸኣ፡ እስኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሊ ኢራን ትማሊ ቀዳም ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍናው፡ ኣብ መንበሪ ገዛኡ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ምማቱ ኣመሪካን ማዕከናት ዜና ኢራንን ብወግዖ ከቓልሐኦ ጀሚረን ኣለዋ።