ዘይጸረየ ኣስናን ጠንቂ ሕዱር ሕማማት ምዃኑ ትፈልጡ'ዶ?

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ምጽራይ ኣስናን፡ ብሕዱር ሕማም ንኸይንጥቃዕ ከምኡ'ውን ጥዕና ኣስናንናን ግርጻንናን ንኽሕሎ ይሕግዝ። መብዛሕትና ግን፡ ኣስናንና ነጽርየሉ መገዲ ቅኑዕ ኣይኰነን።
መብዛሕትና፡ ምጽራይ ኣስናን ካብ እዋን ቍልዕነትና ጀሚርና'ኳ እንተ ለመድናዮ፡ ምስ ዓበና እውን በቲ ቕኑዕ ኣገባቡ ኣይንገብሮን።
ኣብ ብሪጣንያ፡ ዩኒቨርሲቲ በርሚንግሃም በዓልቲ ሞያ ጽገናዊ ሕክምና ስኒ ጆሰፊን ሂርሽፌልድ፡ "ካብ ሓኪም ስኒ ወይ ሓኪም ጽሬት ኣስናን ወግዓዊ መምርሒ ዘይረኸበ ዝዀነ ይዅን ሰብ፡ ግጉይ ኣጸራርያ እዩ ዝኽተል። ካብ ተመኵሮይ ከም ዝረኣኽዎ እዚ ኣብ ዝዀነ ይዅን ሃገር ዘጋጥም እዩ፡" ትብል።
ኣስናንና ብኸመይ ክነጽሪ ከም ዘለና ዝገልጽ ዝተፈላለየ ሓበሬታ ስለ ዘሎ፡ እዚ ዝገርም ኣይኰነን። ሓደ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ እንተወሓደ፡ 66 ዝተፈላለየን ሓደሓደ ግዜ ኸኣ ንሓድሕዱ ዝጋጮን ምኽሪ ክኢላታት ኣሎ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ትካል ጥዕና ኣፍ ብሪጣንያ ናይጀል ካርተር፡ እዚ "ንሰባት ኣዝዩ ዘደናግር ኰይኑ ይስምዓኒ" ይብል።
እሞ ደኣ መብዛሕትና እንታይ ኢና እንጋገ ዘለና? ብኸመይ ከ ከነዐርዮ ንኽእል?
እቲ ዝበለጸ ሜላ ኣየናይ እዩ?
ሂርሽፌልድ፡ "መብዛሕትኦም ሕሙማት እቲ ክገብርዎ ዘለዎም ነገር፡ ተረፍ መግቢ ምውጋድ ምዃኑ ይርድኦም እዩ" ትብል።
"ባክተርያ ካብ ኣስናን ክወጽእ ምግባር ዝያዳ ኣገዳሲ እዩ።"
እዞም ባክተርያ እዚኣቶም ይዅኑ ካልኦት ደቀቕቲ ታህዋስያን፡ ኣብ ውሽጢ ኣፍ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ይዓብዩ'ሞ መጣግ ረቂቕ ሽፋን (ባዮፊልም) የቝሙ። እዚ ምስ ኣስናንና ዝጣበቕ ቀጢንን ድልዱልን ቀጸላ 'ሓንጋ' ኰይኑ፡ ባክተርያን ካልኦት ደቀቕቲ ተህዋስያንን ዝሕዝ እዩ።
እዚ ኣስታት 700 ዝተፈላለዩ ዓይነታት ባክተርያ ክሕዝ ዝኽእል ሓንጋ፡ ብቐሊሉ ክጸሪ ከምዘይክእል ሂርሽፌልድ ተረድእ።
እዚ ባዮፊልም ብቐንዱ ክለግስ ዘለዎ ካብ ኣስናን ዘይኰነስ ካብ መስመር ግርጻን እዩ። ኣብዚ ቦታ እዚ ኸኣ እዮም ደቀቕቲ ታህዋስያን ናብ ኣካል እቲ ግርጻን ሰሊኾም ብምእታው፡ ነድርን ሕማም ግርጻንን ዘስዕቡ።
"ኣስናንና ምጽራይ" ዝብል ሓሳብ ግጉይ እዩ። ኣስናንና ዘይኰነስ ግርጻንና ኢና ክነጽሪ ዘለና። ድሕሪኡ ኣስናንና ብቕጽበት እዩ ዝጸሪ" ትብል ሂርሽፌልድ።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
እሞ ደኣ ነዚ ንምግባር እቲ ዝበለጸ መገዲ እንታይ እዩ?
ሓደ ካብቲ ንባዮፊልም ንምጽራይ ዝሕግዝ ውጽኢታዊ መገዲ፡ "ዝተመሓየሸ ባስ ቴክኒክ" ተባሂሉ ዝፍለየጥ እዩ። እዚ ኸኣ ካብቲ መብዛሕትና ንነዊሕ ግዜ ክንጥቀመሉ ዝጸናሕና ኣገባብ ዝለዓለ ብልሓት ዝጠልብ እዩ።
እቲ "ዝተመሓየሸ ሜላ ባስ" ነቲ ብራሽ ኣብ ጽፍሒ ስኒ 45 ዲግሪ ኵርናዕ ምግባር ዘጠቓልል እዩ። ነቲ ታሕተዋይ ምንጋጋ ንታሕቲ ጌርካ፡ ነቲ ላዕለዋይ ድማ ንላዕሊ ገጽ ብምግባር፡ ኣብ ትሕቲ ግርጻን ዘሎ ጠበቕ ንምእታው ማለት እዩ። ድሕሪኡ ኣብቲ መስመር ግርጻን ንእሽቶ ምንቅስቓስ ንቕድሚትን ንድሕሪትን ንገብር።
እቲ ነጽርየሉ ጸቕጢ ካብ 150-400 ግራም ንላዕሊ ክኸውን ከምዘይብሉ ሂርሽፌልድ ትገልጽ። ኣመና ኣትሪርና እንተጽሪና ብፍላይ ከኣ ተሪር ብራሽ እንተተጠቒምና ኣብ ግርጻን ቁስልን በሰላን ከስዕብ ይኽእል እዩ። እንተቘሲሉ ድማ እቶም ባክተርያ ናብ ሰራውር ደም ንኽኣትዉ ዕድል ይፈጥረሎም።
ነቲ ብራሽ ኣብ ልዕሊ እቲ ላዕለዋይ ሽፋን ስኒ፡ ኢናመል፡ ጸቕጢ ገይርካ ምጽራይ ምስ ግዜ ሳዕቤናት ክህልዎ ይኽእል እዩ።
እቶም ብናይ ኢድ ብራሽ ዝጥቀሙ ሰባት፡ ካብቶም ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ብራሽ ዝጥቀሙ ንላዕሊ ጸቕጢ ይገብሩ፣ ምኽንያቱ እቲ ብኤሌትሪክ ዝሰርሕ ብራሽ ልዑል ጸቕጢ ምስ እትገብር መጠንቀቕታ ይህብ እዩ።
ክሳብ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ክንወስድ ኣለና?
ዝተፈላለዩ ማሕበራት ስኒ፡ ኣብ ሓደ እዋን እንተ ወሓደ ንኽልተ ደቒቕ ዝኣክል፡ ኣብ መዓልቲ ክልተ ሳዕ ክነጽሪ ከምዘለና ይላበዉ።
እቲ ጸገም ግን መብዛሕትና ክልተ ደቒቕ ኣብ ምግማት ጸገም ኣለና። ዝተፈላለየ መጽናዕትታት ገምጋም ንውሓት እቲ ነጽርየሉ ግዜ ካብ 33 ካልኢት ክሳዕ 97 ካልኢት ከምዝፈላለ ይሕብሩ። 25 ሚእታዊት ዝዀኑ ሰባት ጥራይ ግቡእ ጸቕጥን ምንቅስቓስን ጌሮም ኣስናኖም ከምዘጽርዩ መጽናዕቲ ፕሮፌሰር ካሮሊና ጋንስ ይገልጽ።
እንተዀነ፡ ነዚ መፍትሒ ቐሊል እዩ። ኣብ ሞባይልና ዝርከብ መቝጸሪ ግዜ ክንጥቀም ንኽእል ኢና።
ክንደይ ግዜ ክነጽሪ ኣለና?
ኣብ ከም ኣሜሪካ፡ ብሪጣንያን ኣውስትራልያን ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ መዓልቲ ክልተ ሳዕ ኣስናንና ክነጽሪ ከምዘለና ይንገር። ይዅን እምበር ማሕበር ስኒ ህንዲ ሰለስተ ሳዕ (እንተላይ ድሕሪ ምሳሕ) ምጽራይ ጠቓሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ይመክር።
ከቢድ ጸገማት ጥዕና ኣፍ ዘይብሎም ሰባት፡ ካብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ ንላዕሊ ምጽራይ ዋላ ሓንቲ ረብሓ የብሉን።
ሂርሽፌልድ፡ "ኣብ መዓልቲ ካብ ክልተ ሳዕ ንላዕሊ ምሕጻብ'ውን ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል እዩ" ትብል። ኣብ ርእሲኡ፡ "ምግቢ ብቐሊሉ ክቕርቅር ዝኽእል መላግቦ ስኒ 'ብረይስ' ዝገበሩ ሰባት፡ ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ምግቢ ስኖም እንተጽረዩ ዝሓሸ እዩ" ኢላ።
ካርተር ብወገኑ፡ "ኣብ መዓልቲ ሓንሳእ ምሉእ ብምሉእ እንተጽሪና እዅል ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ከመይሲ ስኒ ዘመሽምሽ ኰነ ኣብ ግርጻን ጸገም ዘምጽእ እቲ ኣብ ኣስናንና ነዊሕ ዝጸንሐ ባዮፊልም እዩ። ዋላ ሓደ ካባና ግን 100% ኣየጽርን እዩ። ክልተ ሳዕ እንተጽሪና ነቲ ኣብ መጀመርታ ዘምለጠና ክነጽርዮ ንኽእል፣ ስለዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ንዅሉ ነገር ነጽርዮ ኣለና ማለት እዩ፡" ይብል።
ቅድሚ ምግቢ’ዶ ድሕሪ ምግቢ?
ብዙሓት ሰባት፡ ካብ ኣፍረይቲ ሳምና ስኒ ኣትሒዝካ ክሳዕ ሆስፒታላት ስኒ፡ ቅድሚ ቝርሲ ኣስናንና ምሕጻብ ዝሓሸ ከምዝኾነ ይጣበቑ ። እዚ ግን ክሳዕ ሕጂ ዘካትዕ ዘሎ ዛዕባ እዩ።
ሂርሽፌልድ "ንጹር ዝዀነ ሓሳብ የለን" ትብል። "እንተዀነ ብዙሓት ሓካይም ስኒ፡ ነቲ ባዮፊልም ጥራይ ዘይኰነስ ካብቲ ቍርሲ ኣብ ኣስናንና ንዝተረፈ መግቢ እውን ስለ ዘልግሶ ድሕሪ ምግቢ ንኸጽርዩ ይምሕጸኑ።"
ቅድሚ ቍርሲ ወይ ድሕሪ ቍርሲ ዝሓሸ ዝኸውን ኣብቲ ንበልዖ ነገራትን መዓስ ከምንበልዖን ዝምርኰስ ይኸውን። ምኽንያቱ ባዮፊልም ንኽዓቢ ዘድልይዎ ክልተ ነገራት፡ ደቀቕቲ ታህዋስያንን ንሶም ዝበልዕዎ ምግብን እዮም።
"ብዘይ ባክተሪያ ወይ ብዘይ ምግቢ ጕድጓድ ኣስናን ኣይፍጠርን፡" ትብል ሂርሽፌልድ። "ቅድሚ ቍርሲ ነቶም ባክተርያ ኣጸቢቕና እንተጽሪናዮም ክንደይ ሽኮር ከም ዝበላዕና ኣየገድሰን እዩ። ከብኵዕዎ ዝኽእሉ ባክተርያ እንተ ዘየልዮም ጽቡቕ እዩ።"
እንተዀነ፡ ብፍላይ መብዛሕትኦም ሰባት ትሑት ልምዲ ምጽራይ ስለ ዘለዎም፡ ቅድሚ ቍርሲ ኣብ ሓደ እዋን ነቲ ባዮፊልም 100% ከምዝጸርግዎ ርግጸኛታት ክንከውን ኣይንኽእልን ኢና።
ብተመሳሳሊ ድሕሪ ቍርሲ ምሕጻብ ውጽኢታዊ ክኸውን ይኽእል እዩ። "ኣብ ልዕሊ እቶም ባክተርያ ዝርከብ ሽኮር እንተ ሓጺብናዮ፡ እዚ እውን ጽቡቕ እዩ፡" ትብል ሂርሽፌልድ።
ይዅን እምበር ድሕሪ ቍርሲ ምጽራይ ጐድናዊ ሳዕቤኑ ምስተመገብና ንኣስታት 60 ደቒቕ ክንጸንሕ ስለዘለና እዩ። ምኽንያቱ ኣብ መግቢ ዝርከብ ኣሲድ ንኣስናን ንግዜኡ ተቓላዒ ይገብሮ እዩ።
"ኣሲድ፡ ንቐጸላ ኣስናን ኢናመል የጥቅዖን ንእተወሰነ ግዜ ድማ የለስልሶን። እዚ ኸኣ ንገለ ካብቲ ቐንዲ ኣካል ኢናመል - ካልስየምን ፎስፌትን የጥፍኦ፣ ኰይኑ ግን ድሕሪ ዝተወሰነ ሰዓት ካብ ጥፍጣፍ ብዝርከብ ማዕድናት ይትካእ እዩ። ስለዚ፡ እዚ ክሳዕ ዝትካእ እንተ ዘይተጸቢና እቲ ዝባደመ ዝባን ስኒ ብቐሊሉ ኽጕዳእ ይኽእል እዩ" ብምባል ሂርሽፌልድ ተረድእ።
ካብ ናይ ንጉሆ ንላዕሊ፡ ዝያዳ ተመራጺ እቲ ናይ ምሸት እዩ - ቅድሚ ምድቃስና ወትሩ ናይ መወዳእታ ነገር ክኸውን ዘለዎ ኣስናንና ምጽራይ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
ብምንታይ ኢና ከነጽሪ ዘለና?
ሂርሽፌልድ ከም ትብሎ፡ ኣብ ዕዳጋታት፡ ንስኒ ዝጐድኡ ብራሻትን ሳምናታት ስንን ኣለዉ። መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ "መጻዕደዊ" ዝበሃል ሳምና ስኒ ምስ ተሪር ብራሽ እንተተጠቒምና ውጽኢቱ ኣብ ስንና ዝበጽሕ ጉድኣት እዩ።
"እዚ ቀስ እናበለ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ዝኽሰት እዩ። ድሕሪ ግዜ እቲ ኣስናን ብሙቐት ክጕዳእ ወይ ክጕድጕድ ይኽእል፡" ትብል ሂርሽፌልድ።
ንኣባጽሕ፡ ማእከላይ ትሪ ዘለዎ ብራሽ ዝበለጸ ይኸውን። ሳምና ስኒ ከኣ መጻዕደዊ ዘይበሉ እንተኾነ ይሓይሽ።
ሂርሽፌልድ ከም ትብሎ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣስናን ብዝያዳ ክቈጻጸሮ ዝኽእል ንእሽቶ ርእሲ ዘለዎ ብራሽ ዝሓሸ'ዩ፣ ከይኣረገ ከሎ ድማ ክትካእ ኣለዎ።
እቲ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን ደቡብ እስያን ብብዝሒ ዝዝውተር መዎጽ፡ ነቲ ባዮፊልም ኣብ ምውጋድን ጐዳጕዲ ኣብ ምክልኻልን እውን ውጽኢታዊ እዩ። እንተዀነ ብግቡእ ክንጥቀመሉ ይግባእ።
ብኤሌክትሪክ ዝሰርሕ ብራሽ ክቡር እንተዀነ እውን ዝበለጸን ውጽኢታውን እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Alamy
‘ፍሎስ’ ወይ ፈትሊ ክንጥቀም የድሊ ድዩ?
‘ፍሎስ’ ኣብ መንጎ ኣስናን ንዘሎ ምግቢ ንምጽራይ ዘገልግል ረቂቕ ፈትሊ እዩ። እዚ ፈትሊ ተጠቒምካ ኣስናን ምጽራይ ዘለዎ ውጽኢታዊነት ብዝምልከት ዝተፈላለየ ምጕት ኣሎ። እዚ ምስ ብራሽ ብሓባር ምጥቃም ከም ኣማራጺ ዝርእይዎ እውን ኣለዉ።
ሰባት ግን ኣስናኖም ንምጽራይ ኣየናይ መገዲ እንተተጠቐሙ ከምዝሕሾም ንምፍላጥ፡ ኵነታትን ጥዕናን ኣስናኖም ይውስኖ። ዝሓሸ ዝኸውን ድማ ሓኪም ስኒ ምውካስ እዩ።
ኣየናይ ዓይነት ሳሙና ስኒ እንተተጠቐምና ይሓይሽ?
ጕርጓሕ ስኒ ካብ ዝከላኸሉ ክሳዕ ዘጻዕድዉ ብርክት ዝበሉ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ሳምና ስኒ ኣለዉ። እንተዀነ ዋጋኦም ዝኸበሩ ናይ ግድን ነቲ ኣገዳሲ ስራሕ ይዋጽኡ እዮም ማለት ከምዘይኰነ ሂርሽፌልድን ካርተርን ይገልጹ።
ሂርሽፌልድ ከምትብሎ፡ እቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ነገር ካብቶም ተዋጽኦታት ብፍላይ ክንጥንቀቐሉ ዝግብኣና፡ "ትሕዝቶ ፍሎራይድ" እዩ። " እዚ ብርግጽ ቀንዲ ረቛሒ እዩ። "ንዓበይቲ ሰባት እንተ ወሓደ ካብ ሓደ ሚልዮን 1,350 ኢድ ክህልዎም ኣለዎ፣ ንቈልዑ ድማ ነቲ ኢናመል ካብ ኣሲድ ምእንቲ ክከላኸሉ ካብ ሓደ ሚልዮን 1,000 ኢድ ክህልዎ ይግባእ።
"ፍሎራይድ ናብ ሳምና ስኒ ካብ ዝኣቱ ኣትሒዙ ኣብ ስኒ ዝፍጠር ጕርጓሕ እናነከየ እዩ ዝመጽእ ዘሎ፡" ትብል ሂርሽፌልድ።
ኣጽሪና ምስ ወዳእና፡ ነቲ ሳምና ጡፍ ምስበልና ካብ ምጕጽጓጽ እንተተቆጢብና እቲ ፍሎራይድ ኣብ ኣስናንካ ንንውሕ ዝበለ ግዜ ንኽጸንሕ ዕድል ይህቦ እዩ።
እንተዀነ፡ ምዕሩግ ተዋጽኦታት ብዝምልከት ጥንቃቐ ክንገብር ኣለና። ንኣብነት ፈሓም (Charcoal) ንኣሽሓት ዓመታት ከም መጽረይ ስኒ ኣገልጊሉ እዩ። ፈሓም ኣስናን ጻዕዳ ከምዝገብር ዝሕብር ብዙሕ መርትዖ ግን የለን፤ ስኒ ንኽብስብስን ንኻልኦት ጸገማትን እውን ጠንቂ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ካልኦት ኣብ ሳሙና ስኒ ዝኣትዉ መወሰኽታታት ብዙሕ ኣከራኸርቲ ኣይኮኑን። መባዅዕቲ ሶዳ (baking soda) ዘለዎም ሳሙና ስኒ ካብቶም ዘይብሎም ብዝሓሸ ነቲ ባዮፊልም ይጸርግዎ።
መሕጸቢ ኣፍ (mouthwash) ክንጥቀም ኣለና’ዶ?
ካርተር ከም ዝገለጾ መሕጸቢ ኣፍ ክንዲ በራሽ ምጥቃም ዝኣክል ውጽኢት የብሉን።
ምስ ብራሽ ብሓባር ምጥቃም ግን ብዝሓሸ ከጽሪ ከምዝእኽእል ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







