ቫይረስ ማርበርግ እንታይ እዩ? ብኸመይከ ንከላኸሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ጋና ብሰንኪ ቫይረስ ማርበርግ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱን እቲ ቫይረስ ከምዘለዎም ዝተጠርጠሩ 98 ሰባት ከምዝተወሸቡን ድሕሪ ምግላጹ፡ ረስኒ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት፡ ውጽኣት፡ ተምላስን መብዛሕትኡ ግዜ ኸኣ ብሰንኪ ክቱር ምፍሳስ ደም ሞት ዘስዕብ ብርቱዕ ተመሓላላፊ ሕማም ከይላባዕ የስግእ ኣሎ።
ቫይረስ ማርበርግ እንታይ እዩ?
ቫይረስ ማርበርግ ምስቲ ቐታሊ ዝዀነ ቫይረስ ኢቦላ ዝምድና ከምዘለዎ ውድብ ጥዕና ዓለም ይሕብር። ቫይረስ ማርበርግ ንመጀመርታ ግዜ ዝተርኣየ፡ ኣብ 1967 ኣብ ከተማታት ጀርመን፡ ማርበርግን ፍራንክፈርትን ከምኡ'ውን ኣብ ቤልግሬድ ሰርቢያን ክኸውን እንከሎ፡ ብሰንኪ እቲ ለበዳ 31 ሰባት ሞይቶም እዮም።
እዚ ለበዳ እዚ ካብ ዩጋንዳ ብዝተወስዱ 'ሓምላይ ህበይ ኣፍሪቃ' ዝመጸ ከምዝዀነ ይእመን።
ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ግን፡ እቲ ቫይረስ ምስ ካልኦት እንስሳታት እውን ክተሓሓዝ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ሰባት ከኣ መብዛሕትኡ ግዜ፡ መንካዕ ኣብ ዝርከባሉ በዓቲታትን መዐደኒታትን ነዊሕ እዋን ዘሕለፉ ሰባት ይዝርጋሕ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ጋና ንመጀመርታ ግዜ ነቲ ቫይረስ ምርካባ ትግለጽ እምበር፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ነይሩ እዩ። ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን፡ ዚምባብወን ካብ መንጎ እተን ሃገራት ዝጥቀሳ እየን።
እቲ ለበዳ ኣብ 2005 ኣብ ኣንጎላ ልዕሊ 300 ሰባት ቀቲሉ።
ኣብ ኤውሮጳ ግን ኣብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት ሓደ ሰብ ጥራይ ክመውት እንከሎ፡ ኣብ ኣሜሪካ ድማ ኣብ ዩጋንዳ ናብ በዓቲታት ተጓዒዙ ዝነበረ ሓደ ሰብ፡ ናብ ሃገሩ ምስተመልሰ ከምዝሞተ ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀንዲ ለበዳታት
ኣብ 2017 ኣብ ዩጋንዳ ሰለስተ ሰባት ተረኺቦም ሰለስቲኦም ድማ ሞይቶም።
ኣብ 2012 ኣብ ዩጋንዳ 15 ሰባት ተረኺቦም ኣርባዕተ ሞይቶም።
ኣብ 2005 ኣብ ኣንጎላ 374 ሰባት ተረኺቦም 329 ድማ ሞይቶም።
ካብ 1998-2000 ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ 154 ሰባት ተረኺቦም 128 ሞይቶም።
ኣብ 1967 ኣብ ጀርመን 29 ሰባት ተረኺቦም ሸውዓተ ሞይቶም።
ምንጪ፡ ውድብ ጥዕና ዓለም
እንታይ ዓይነት ሕማም የስዕብ?
እቲ ቫይረስ ሃንደበት ክጅምር እንከሎ ነዞም ዝስዕቡ ምልክታት የርኢ፡
- ረስኒ
- ከቢድ ሕማም ርእሲ፡ ከምኡ'ውን
- ቃንዛ ጭዋዳ
ብድሕሪኡ መብዛሕትኡ ግዜ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ነዞም ዝስዕቡ ምልክታት የርኢ፡
- ቀጢን ውጽኣት
- ቃንዛ ከስዐ፡
- ዕግርግር ምባል፡ ከምኡ'ውን
- ተምላስ።
"ኣብዚ ደረጃ'ዚ ዝርከቡ ሕሙማት 'ከም መናፍስቲ' ዝስሕብ መልክዕ፡ ዓሚቝ ኣዒንቲ፡ መግለጺ ዘይብሉ ገጽ፡ ከምኡ'ውን ሕሉፍ ድኻም ከም ዘለዎም ተገይሩ ይግለጽ፡" ይብል ውድብ ጥዕና ዓለም።
ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ኣካላቶም ክቱር መፍስሰቲ ደምን ስቓይን የጋጥሞም እሞ፡ ኣብ ውሽጢ 8 ወይ 9 መዓልቲ ይሞቱ።
ውድብ ጥዕና ዓለም ከምዝገለጾ እቲ ቫይረስ ብገምጋም፡ ፍርቂ እቶም በዚ ሕማም'ዚ ዝተታሕዙ ሰባት ይቐትል እዩ። እቶም ኣዝዮም ጐዳእቲ ዝዀኑ ሕማማት ግን ክሳዕ 88 ሚእታዊት ይቐትሉ እዮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብኸመይ ይዝርጋሕ?
ፍሩት ባትስ ዝበሃላ መንካዕ ግብጺ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ቫይረስ ዝስከማ እየን።
ኣብ ሓምላይ ህበይ ኣፍሪቃ ይዅን ሓሰማታት እውን ክስከምዎ ይኽእሉ።
ኣብ ደቂ ሰብ ብኣካላዊ ፈሳሲታትን ብእኡ ዝተበከለ መደቀስን ኣቢሉ ይዝርጋሕ።
ሰባት እንተሓወዩ'ውን ንኣብነት ደሞም ወይ ዘርኦም ንሓያሎ ኣዋርሕ ንኻልኦት ሰባት ክለክፍ ይኽእል እዩ።
ብኸመይ ይሕከም?
ነቲ ቫይረስ ዝኸውን ፍሉይ ክታበት ወይ ሕክምና የለን።
ውድብ ጥዕና ዓለም ግን ዝተፈላለየ ዓይነት ደም፡ መድሃኒትን ከምኡ'ውን ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ይዳሎ ከምዘሎ ይገልጽ
ሓካይም ንሕሙማት ሆስፒታል ብዙሕ ፈሳሲ ብምሃብን ዝጠፍአ ደም ብምትካእን ነቲ ምልክታት ክንክዩ ይኽእሉ ይዀኑ።
ብኸመይ ንከላኸሎ?
ኣብ ኣፍሪቃ ዝነብሩ ሰባት፡ ስጋ እንስሳታት መሮር ካብ ምብላዕ ወይ ካብ ምሓዝ ክቝጠቡ ከም ዘለዎም ጋቪ ዝበሃል ክታበት ዘተባብዕ ዓለምለኻዊ ትካል ይሕብር።
ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ብወገኑ፡ ኣብቲ ሕማም ዘለዎ ከባቢ ዝርከቡ ሰባት ምስ ሓሰማታት ክራኸቡ ከምዘይብሎም ይገልጽ።
እቶም በዚ ቫይረስ እዚ ዝተታሕዙ ደቂተባዕትዮ፡ ንሓደዓመት ዝኸውን ወይከኣ ዘርኦም ክልተ ሳዕ ተመርሚሩ ካብቲ ቫይረስ ናጻ ምዃኖም ክሳብ ዝረጋገጽ ኮንዶም ክጥቀሙ ኣለዎም።
እቶም በቲ ቫይረስ ንዝሞቱ ሰባት ዝቐብሩ ኸኣ፡ ነቲ ሬሳ ብኣእዳዎም ከይትንክፍዎ ክጥንቀቑ ይግባእ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







