ቁፅሪ ብ ‘ፍንጣጣ ህበይ’ ዝተትሓዙ ሰባት 80 በፂሑ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብውሑዱ ኣብ 12 ሃገራት ዓለም፡ 80 ሰባት ብፍንጣጣ ህበይ ከምዝተትሓዙ ኣፍሊጡ።
እቲ ትካል ስም እተን ሃገራት እንከይፀርሐ፡ ካልኦት 50 በቲ ሕማም ዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ምርመራ ከምዘለዉ ገሊፁ።
እቲ ሕማም ኣብ ትሽዓተ ሃገራት ኣውሮጳ ድሕሪ ምርኣዩ፡ ኣብ ኣሜሪካ፡ ካናዳን ኣውስትራልያን'ውን ተመዝጊቡ እዩ።
ፍንጣጣ ህበይ ኣብ ርሑቕ ክፋላት ማእከላይን ምዕራብን ኣፍሪካ ዝርአ ሕማም እዩ።
ኣገልግሎት ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ከምዝበሎ፡ እዚ ዘይተለመደ ረኽሲ ቫይረስ መብዛሕትኡ ግዘ ቀሊል ኮይኑ፡ ኣብ ብዙሓት ሰባት ድማ ኣብ ሒደት ሰሙናት ዝሓውይ እዩ።
እዚ ቫይረስ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቐሊሉ ዘይላባዕን፡ ኣብ ህዝቢ ዘስዕቦ ሓደጋ’ውን ትሑት ከምዝኾነን ተገሊፁ።
ዛጊድ ንፍንጣጣ ህበይ ዝተረኸበ ክታበት የለን። እንተኾነ ምስ ስሩዕ ሕማም ፍንጣጣ ተመሳሳሊ ብምዃኑ፡ ክታበት ፍንጣጣ 85 ሚእታዊ ዓቕሚ ምክልኻል ይፈጥር።
ውድብ ጥዕና ዓለም ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ “እቲ ሕማም ኣብ ዘይላብዓለን ሃገራት (non-endemic countries) እዚ ሕማም ምኽሳቱ ዘይልሙድ እዩ” ኢሉ።
እቲ ትካል፡ በዚ ሕማም ንዝተጎድኡ ሰባት ንምርካብ፣ ንምሕጋዝን ክትትል ሕማማት ንምዝርጋሕን፡ ምስ ዝተሃሰያ ሃገራት ይሰርሕ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ በዚ ሕማም ንዝተተሓዙ ሰባት ምግላል ከይህሉ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣጠንቂቑ።
እቲ ትካል፡ “ምግላል፡ ነዚ ለበዳ ንምግታእ ብድሆ ክኸውን ይኽእል እዩ። ምኽንያቱ ሰባት ሕክምና ከይረኽቡ ክዓግት ይኽእል። ናብ ዘይተኸሸፈ ለበዳ ከኣ ይመርሕ” ኢሉ።
ኣብ ውድብ ጥዕና ዓለም ዳይሬክተር ጨንፈር ኣውሮጳ ሃንስ ክሉጅ፡ “ናብ ኣዋርሕ ሓጋይ ምስ ንኣቱ፡ ምትእኽኻባት፣ በዓላትን ድግሳትን ስለዝህልዉ፡ ነዚ ለብዒ ከጋድዱ ይኽእሉ እዮም” ክብል ኣጠንቂቑ።
ኣብዚ ቀረባ ግዘ ብፍንጣጣ ህበይ ዝሓመሙ ሰባት፡ እዚ ሕማም ናብ ዘለወን ሃገራት ተጓዒዞም ከምዘይፈልጡ እቲ ዳይሬክተር ገሊፁ።
መጀመርያ ኣብ ብሪጣንያ በዚ ሕማም ተታሒዙ ዝተረኽበ ሰብ፡ ብ 07 ግንቦት እዩ። እቲ ሰብ ናብ ናይጀርያ ተጓዒዙ ስለዝነበረ፡ ነቲ ቫይረስ ሒዙ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ከምዝተመልሰ ይእመን፡ ብምባል ትካል ኣገልግሎት ጥዕና ብሪጣንያ ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ጥዕና ዓባይ ብሪጣንያ ሳጂድ ጃቪድ፡ ኣብታ ሃገር ዛጊድ 20 ሰባት በዚ ቫይረስ ከምዝተለኸፉ ገሊፁ።
ሰብመዚ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ክታበት ፍንጣጣ ብምዕዳግ፡ ንሕማም ፍንጣጣ ህበይ ብልዑል ኩነታት ንዝቃልዑ ሰባት ምሃብ ከምዝጀመሩ ሓቢሮም።
ሰብመዚ ጥዕና ስፔን ድማ፡ ነዚ ለበዳ ንምምካት ኣሽሓት ክታበት ፍንጣጣ ከምዝዓደጉ፡ ጋዜጣ ኤል ፓይስ ፀብፂቡ።
ኣብ ኣውስትራልያ በዚ ሕማም ዝተትሓዘ ፈላማይ ሰብ፡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ ተጓዓዘ ከምዝተረኸበ፡ ክፍሊ ጥዕና ቪክቶርያ ኣፍሊጡ።
ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ ሰብመዚ ጥዕና ግዝኣት ማሳቹሴትስ ድማ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ካናዳ ዝተጓዓዘ ሓደ ሰብ በዚ ቫይረስ ከምዝተለኸፈ ኣረጋጊፆም።
እቲ ግዳይ ኣብ “ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ” ከምዘሎን “ንህዝቢ ስግኣት ክኸውን ከምዘይኽእልን” እቶም ሰብመዚ ተዛሪቦም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







