ትንቢታት እቲ ፈረንሳዊ ቆፃሪ ኰኸብ ክሳብ ሕዚ ፍቱዋት ዝኾንሉ ምስጢር እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሙሉእ ሽም ናይቲ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘበን ዝነበረ ቆፃሪ ኰኾብ፡ ሚሼል ዴ ኖተርዳም እኳ እንተኾነ፡ ዓለም ግና ኖስትራዳመስ ብዝብል እዩ ዝፈልጦ።
ኖስትራዳመስ፡ ብለበዳ ንዝተጠቕዑ ሰባት ዝሕክም በዓልሞያ ሕክምና፣ ቀማሚ ኣፋውስ ከምኡ'ውን ቆፃሪ ኰኾብ እዩ ነይሩ።
ብኣርባዕተ መስመራት ግጥሚ ብዛዕባ ዝመፅእ ከቢድ ምዝባዕ ኣየር፣ መወዳእታ ኵናት ዓለምን ምምካኽ እምባታት በረድ ሰሜንን ደቡብን ዋልታት ፅሒፉ እዩ።
ቅድሚ ዓመታት ዝፀሓፎም ትንቢታት ክሳብ ሕዚ ብዙሓት ዝፀርሕዎ፣ ከም ምልክት ዝጥቀምሉን ኖስትራዳመስ ኢሉ ነይሩ ተባሂሉ ዝፅወየሉን ሰብ እዩ።
ሓደሓደ ሰባት ፋል እዩ እንትብሉ ካልኦት ድማ ኣይፋል ዝገሃዱ ትንቢታት ፈላጥ ሰብ እዩ ብምባል ይካትዑ።
እዚ ፈረንሳዊ፡ ነቲ ኣብ 1555 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ዝተሓተመ ስሙይ መፅሓፍ Les Prophéties ዝፀሓፈ ኣማተር ቆፃሪ ኰኾብ ነይሩ።
እዚ መፅሓፍ፡ ብዛዕባ መፃኢ ዝዛረቡ 942 ሚስጥራዊ ትንቢታት (ብኣርባዕተ መስመር ግጥሚ) ዝሓዘ እዩ።
መፅሓፍ Les Prophéties፡ ብዙሕ ግዘ ብዛዕባ ዘጋጥሙ ከበድቲ ክስተታት ዝትንብይ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዞም በዓል ኣርባዕተ መስመር ግጥምታት፡ ብተደጋጋሚ ዘይንፁራትን ዓውዲ ወይ መቓን ዝጐደሎምን ተባሂሎም ዝግለፁ እንትኾኑ፡ ካብኣቶም ሓደ፡ ምስ ሞት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ተዛሚዱ ኣብ ሓደሓደ መርበባት ሓበሬታን ማሕበራዊ ሚድያን ተፀሪሑ ይርከብ።
እዚ ፈረንሳዊ ሓኪም ትንቢት ካብ ዝፀሓፈሉ 1555 ኣቆፃፅራ ኣውሮጳውያን ጀሚሩ ደርዘን ዝኾኑ ሊቃነ ጳጳሳት ስለ ዝሞቱ፡ "ሞት እቲ ብጣዕሚ ዝኣረገ ጳጳስ" ብዝብል ዝተተርጐመ ትንቢት፡ ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ብቐጥታ ከም ዝራኸብ ግልፂ ኣይኰነን።
ቆፀራ ኰዋኽብቲ፡ ኣብ ክስተታት ወድሰብ ፅልዋ ከሕድሩ ከም ዝኽእሉ ዝገልፅ ሳይንሳዊ ድጋፍ ዘይብሉ ልምምድ እዩ።
ቆፀራ ኰኾብ፡ ኣብ መበል 16 ክፍለ ዘበን እዩ ኣዝዩ ስሙይ ኰይኑ።
ቆፀርቲ ኰኾብ በቢ ቦትኡ ሹቓት (ድኳናት) ብምኽፋት፡ ትንቢቶም ደልዩ ንዝመፅእ ሰብ ግልጋሎት ምሃብ ጀሚሮም ነይሮም።
ብዛዕባ ስራሕ፣ ፍቕራዊ ርክብን ጥዕናን ድማ የማኽሩ፡ ይትንብዩ።
ካብ መንጎ እዚኦም፡ ንሃፍታማትን ሰብመዚን ኰኾብ ዝቖፅር ኖስትራዳመስ ይፅራሕ።
ኣብቲ እዋን ቆፀርቲ ከዋኽብቲ፡ ቆፀራ ኰኾብ ናብ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ እዮም ዝመሃርዎ ነይሮም። ኖስትራዳመስ ግና፡ ብዛዕባ ቆፀራ ኰኾብ ስሩዕ ስልጠና ኣይወሰደን ነይሩ።
በዚ ድማ ኣብቲ ዘበን ዝነበሩ ሓደሓደ ሰባት፡ መታለሊ ብምባል የቆናፅብዎ።
ይኹን'ምበር፡ ምሽጥራዊ መልእኽትታት ዝሓዙ ሓፀርቲ ግጥምታቱ፡ ኣብቲ እዋን ብህዝቢ ኣዝዩ ተፈታዊ ክኸውን ካብ ምኽኣል ብዝዘለለ ብብዙሕ ቅዳሕ'ውን ተሸይጦምሉ እዮም።
መበል 16 ክፍለ ዘበን፡ መብዛሕተአን ሃገራት ኣውሮጳ ብኵናት፣ ውድመት ዝራእቲን ጥሜትን ዝተሃሰያሉ ብጣዕሚ ዘሕዝን ግዘ እዩ ነይሩ። ከተማታተን ብለበዳ ተጠቒዐን ነይረን።
ኣብ ከምዚ ዓይነት ዝተመሳቐለ ህሞት፡ ትንቢታት ኖስትራዳመስ መጠንቀቕታን ዘፅናዕንዕ ስምዒትን ብምሃብ፡ ኣብቲ እዋን ተፈተውቲ ኰይኖም።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ ኮሌጅ ማግዳለን ምህርቲ ሳይንስን ታሪኽን ዝኾነት ዶክተር ሚሼል ፕፌፈር፡ "ኣብ ማሕበረሰብ ዝወረደ ሕሰም ከቢድ ነይሩ" ትብል።
"ከምዚ ዓይነት ርግፀኝነት ኣብ ዝጠፍአሉ እዋን፡ ሰባት መልሲ፣ መምርሒ ይደልዩ፣ ከምኡ'ውን ዝሐሸ ግዘ ይመፅእ ከምዘሎ ዘርእይ መረጋገፂ ይደልዩ።"
ኣብዚ ዘበን፡ ሰባት ዘጋጥሞም ንምፍላጥ ገፆም ናብ ሆሮስኮፕ ከም ዘዝሩ ኹሉ፡ ኣብቲ ዘበን እቲ'ውን ሰዓብቲ ኖስትራዳመስ ዝተመሰቓቐለ ዓለምን ለውጢን ይመፅእ ከም ዘሎ ብናህቱ ትንቢታት ክርእዩ ክኢሎም እዮም።
ድሕሪ ኣማኢት ዓመታት፡ ደገፍቱ ዋላ'ኳ ንክልቲኦም ኵናታት ዓለም፣ ነትጕታት ኒኵለር ሂሮሺማን ናጋሳኪን፣ ምምፃእ ሂትለርን ኮቪድ-19ን ሓዊሱ ብዙሕ ታሪኻዊ ክስተታት ብሽም እንተዘይፀርሕዎም፡ ኖስትራዳመስ ከም ዝተንበየ ግና ይዛረቡ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሮድ ኣይላንድ ፕሮፌሰር ታሪኽ ማእኸላይ ዘበን ዝኾነት ጆሌ ሮሎ ኮስተር ትንቢታት ኖስትራዳመስ፡ "ምስ ዝኾነ ዓይነት ኩነታት ክጠዓዓም ብዝኽእል ኣዝዮም ግልፂ ብዘይኾኑ ቃላት" ዝተፅሓፉ እዮም ትብል።
"ትንቢታቱ ዘሻምዩን ብእኹል ኩነታት ንፁራት ኣብ ዘይኰንሉን ግዘ፡ ዝኾነ ሰብ ዝሰማምዖ ነገር ደልዩ ክረኽቦ ይኽእል።"
እዚ ኰይኑ'ውን ግና፡ ሽሙን ትንቢታቱን ኣብ ስእለ-ሕልና ህዝቢ ንነዊሕ እዋን ክነብሩ ክኢሎም እዮም።
ካብቶም ብዙሓት ግዘ ዘየህስሶም ትንቢታቱ ብተወሳኺ፡ ውሑዳት ጥራሕ ዝተወሰኑ መዓልታት ዝሕዙ ምዃኖም፡ ንትንቢታት ኖስትራዳመስ ዝትርጐሙ መፅሓፍቲ ብልዑል መጠን ክሽየጡ ደሪኹ።
ኣብ ዙርያ ትንቢታት ኖስትራዳመስ፡ ብቋንቋ ኢንግሊዘኛ ጥራሕ ልዕሊ 100 ዝተፈላለየ ኣርእስቲ ዘለዎም መፃሕፍቲ ተሓቲሞም እዮም።
ናህቱ ትንቢታት ከም መዛመዲ ዓለምለኻዊ ክስተታት ዜና ዝተርጐሙ ሓደሽቲ ሕትመታት፡ ኣብ መበል 20 ክፍለ ዘበን'ውን ኣብ ኣእምሮ ህዝቢ ዘለዎ ቦታ ንከረጋግፅ ሓጊዘሞ።
ድሕሪ እቲ 11 መስከረም ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ መናቱ ህንፃታት ኒው ዮርክ፡ ሰዓብቱ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ተንብዩ እዩ ምባሎም ስዒቡ፡ መፅሓፍቲ ኖስትራዳመስ ኣብ ዝርዝራት 'ቤስትሴለር' ኣትዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዘ ኒው ዮርክ ታይምስ ከም ዝፀብፀቦ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ዝተፈላለዩ ንባባትን ናህቱ ዘይኰኑ ቃላትን ብምውዳድ፡ 'እንታይ ከም ዝፍጠር ኣቐዲሙ ተንብዩ እዩ' ዝብሉ መልእኽትታት ኢመይል ተቐቢሉ።
እቲ ፅሑፍ "ሓዊ ናብታ ዓባይ ሓዳሽ ከተማ ቀሪቡ፤ ኣብ ከተማ ዮርክ ዓብይ ውድመት ኰይኑ" ዝብሉ ቃላት ዘካተተ እዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ ደገፍቲ እዚ ቆፃሪ ኰኾብ፡ ኖስትራዳመስ ኣፖሎ ኣብ ወርሒ ከም ዝዓርፍ፣ ንሓደጋ መንኰርኮር ህዋ ቻሌንጀር ከምኡ'ውን ሞት ዳግማዊት ንግስቲ ኤልዛቤት ከም ዝተንበየ ይዛረቡ።
ኣብዚ ዘበን ዝበዝሕ ሰብ ናብ መበቆላዊ ፅሑፋት ኖስትራዳመስ ብምኻድ ምምስኻር ገዲፍዎ'ዩ።
እንተኾነ ሕዚ'ውን ብዛዕብኡን ትንቢታቱን፡ ኣብ ኦንላይን ኣብ ዝዝርግሑ ዓንቀፃትን ሜማት (ቀልድታት) ማሕበራዊ ሚድያን ይርከቡ።
ጳጳስ ፍራንቸስኮ ናይ መወዳእታ ሊቀ ጳጳስ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ ንምጥቋም፡ ብቅዱስ ማላቺ ዝተነገረ'ዩ ዝተብሃለ ትንቢት ብገለ ሰባት ዳግማይ ክባፃሕ ተራእዩ።
ኣብ ትኽክለኛነት እዚ ፅሑፍ ሕቶ ዘቕረቡ ምሁራት፡ ብፖለቲካዊ ምኽንያታት ዝተፈጠረ እዩ ይብሉ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ማያሚ ፕሮፌሰር ፖለቲካ ሳይንስ ዝኾነ ጆሴፍ ኡስሲንስ ከም ዝብሎ፡ "ትንቢት ዘሐጕስን ሰሓብን'ዩ።
ስለዚ ሓደ ሓደ ሰባት ካብ ስሩዕ መራኸቢ ሓፋሽ ወፃኢ ናብ ዝርከቡ ከምዚኦም ዝበሉ ሓሳባት የዘንብሉ።ኣካል መንነት ወድሰብ እዩ።"
ሰብሞያ፡ ርግፀኝነት ኣብ ዝጠፍአሉ ዘበን፡ ትንቢታት ኖስትራዳመስን ካልኦት ቆፀርቲ ኰኾብን ተፈተውቲ ኰይኖም ምፅንሖም፡ ዋላ ሓደ ኣየደንቕን ይብሉ።
ዶክተር ፕፌፈር፡"ኣብ ዘጨንቕ ግዘ ቆፀራ ኰኸብን ትንቢትን (ኣብ መፃኢ ዝፍፀሙ ክስተታት ኣቐዲምካ ንምርኣይ ወይ ንምትንባይ ምድላይ ወይ ዝተሓብአ ፍልጠት ንምርካብ ምድላይ) ዓብይ ትኹረት ዝስሕብ እዩ" ይብል።
"ደቂሰባት ኩሉ ግዘ ርግፀኝነት ኣብ ዘይብሉ ህሞት ይናወፁ። ስለ ዝኾነ ድማ ቆፀርቲ ኰኾብን ነገርቲ ትንቢትን ከበድቲ ውሳነታት ንክውስኑ ብምሕጋዝ፡ ኣብ ታሪኽ ዓብይ ቦታ ይወሃቦም። ንሱ ጥራሕ ኣይኰነን፤ ኣብ ውሽጢ ህይወት ዓብይ ትልሚ ከምዘሎ ብምግላፅ፡ ንሰባት ምፅንናዕ ይኽእሉ'ዮም።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







