ዝተወለድናሉ ወርሒ ንባህሪና ክጸልዎ 'ዶ ይኽእል?

ልደቱ ዝብዕል መንእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓደ ሓደ ግዜ ዝተወለድናሉ ወርሒ ምንጋር፡ ባህሪና ንነግር ዘለና ኰይኑ ክስምዓና ይኽእል'ዩ።

ገለ ገለ ሰባት'ውን ዝተወለድናሉ ወርሒ ምስ ነገርናዮም፡ ኮኾብካ ከምዚ'ዩ ባህሪኻ ከኣ ከምዚ እናበሉ ብዛዕባናን ብዛዕባ መጻኢ ዕድልናን ክትንትኑልና ኣጋጢምኩም ይኽውን።

እዚ ምስ ዝተወለድናሉ ወርሒ ዝተሓሐዝ ኰኮብ 'ኣስትሮሎጂ' እዩ ዝብሃል።

ኣስትሪሎጂ ኣብ ዑደት ከዋኽብትን ምድርን ተበጊሱ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት እንታይ ከጋጥም ይኽእል ዝትምቢ ጥንታዊ ባህሊ'ዩ።

ሳይንስ ግን ነዚ ግምታት እዚ ይነጽጎ።

እንተዀነ ዝተወልድናሉ ወርሒ ኣብ ባህሪና ጽልዋ ዝፈጥር እንተዀይኑ ንምጽራይ ሓያለ ሳይንሳዊ ምርመራት ተኻይዶም'ዮም።

ሳይንስ ከ ብዛዕባ ዕለተ-ልደትን ባህሪን እንታይ ይብል?

ተመራመርቲ ካብ 1970ታት ኣትሒዞም፡ ኣብ ሞንጎ ዝተወለድናሉ ወርሕን ባህሪናን ዘሎ ምዝማድ፡ ወይ ምዝማድ ዘየለ እንተኰይኑ ንምፍላጥ ምርምራት ከካይዱ ጸኒሖም'ዮም።

ገለ ተመራመርቲ፡ ባህሪ ናይ ደቂ ሰባት በቲ ኣብ ህይወቶም ዘጋጥሞም ተጋንፎታትን ተመክሮን'ምበር ብዝተወለድሉ ወርሒ ኣይጽሎን'ዩ ብምባል ክነጽግዎ እንከለዉ፡ ገለ ከኣ ዝተወለድናሉ ወርሒ ወይ ወቕቲ ኣብ ባህሪና ጽልዋ ከምዘለዎ ዝገልጽ ምርምራዊ ጽሑፋት ኣሕቲሞም ኣለዉ።

ኣብ 2013 ኣብ 'ጆርናል ኦፍ ሶሻል ሳይንስ' ዝተሓተመ ጽሑፍ፡ ዝተወለድናሉ ወርሒ ህቡብ [ውሩይ] ክንከውን ወይ ንኸይንኸውን ጽልዋ ከምዘለዎ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣስፊሩ።

ኣቶም ተመራመርቲ ን300 ኣብ ፖሎቲካ፣ ስፖርት፣ ተዋስኦን ደርፍን ፍሉጣት ዝዀኑ ሰባት ብምሕራይ ኣብ ዝገበሮ መጽናዕቲ፡ መብዛሕትኦም ኮኾቦም ኣኳርየስ ከምዝዀነ ክፈልጡ ክኢሎም።

ኣኳርየስ እቶም ካብ መወዳእታ ጥሪ ክሳብ መፋርቅ ለካቲት ንዝተወለዱ ዝጽውዕሉ ኮኰብ'ዩ።

ህቡብነትን ዝተወለድናሉ ወርሒን

እቲ ኣብ 'ጆርናል ሳሻል ሳይንስ' ዝተሓተመ ጽሑፍ ኣብ ብዙሓት ተመራመርቲ ዓቢ ክትዕ ኣለዓዒሉ ነይሩ።

ሓደ ካብቶም ርኢቶኦም ዝሃቡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኮኔክትካት ፕሮፌሰር ኮሙኒኬሽን ዝዀነ ዶክተር ማርክ ሃሚልቶን'ዩ።

ዶክተር ማርክ ሃሚልቶን ምስ ካልኦት ጉጅልኡ ብምዃን ኣብ 85 ሽሕ ካብ 3000 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ክሳብ ሕጂ ህቡባት ዝነበሩ ፍሉጣት ሰባት መጽናዕቲ ኣካይዱ።

"ኣብ ኩሎም ሓደ ዓይነት መርመራ ኢና ገይርና እቲ ዝረኸብናዮ ውጽኢት ከኣ ነቲ ዝጸንሓ እመነት ዘራጉድ ኮይኑ'ዩ ጸኒሕና" ይብል።

እሞ እዚ እንታይ ማለት'ዩ?

ቸዝ ዝጻወት ከልቢ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዶክተር ማርክ ሃሚልቶን፡ እቲ ውጽኢት ብ 'ክሮኖባይሎጂ' ዓይኒ ክጥምትዎ ከምዝደረኾም ይሕብር።

ክሮኖባይሎጂ፡ ረምታዊ ኣነባብራ ናይ ህይወት ዘለዎም ነገራት ዘጽንዕ'ዩ።

ዶክተር ማርክ ሃሚልቶን፡ ንሓደ ሰብ ኣብ እዋን ምውላድ ዝህሉ ከም ክሊማን ጸሓይን ዝኣመሰሉ ሮቋሒታት ኣብ ባህሪ ናይቲ ውልቀ ሰብ ጽልዋ ከምዝህልዎ'ዩ ዝሕብር።

"ክሮኖባይሎጂ ብተዛማዲ ሓዲሽ ውጽኢት ምርምር'ዩ። ንሓደ ሰብ ከኣ ዋላ እቲ ኣብ ማህጸን እንከሎ ዘጋጥም ነገራት ኣብ ባህሪኡ ጽልዋ ከምዝፈጥር ኢና ክንርዳእ ክኢልና" ይብል።

ክሮኖባይሎጅን ኣስትሮሎጂን ዘለዎ ምትእስሳር ከብርህ እንከሎ ከኣ፡ እቲ ብክኢላታት ኣስትሮሎጂ ዝውሃብ ግምት ኣብ ክሮኖባይሎጂ ከም መወከስን መራጎድን ጥራይ ከምዝውዕል ዶክተር ማርክ ሃሚልቶን ይሕብር።

ካልእ ብዓል ዶክተር ማርክ ሃሚልቶን ዝገበርዎ መጽናዕቲ፡ ኣብ ሓደ ኣዋርሕ ተወሊዶም ብሓባር ዝምሃሩ ህጻናት ኣብ ህይወቶም ህቡባት ናይ ምዃን ዝልዓለ ዕድል ከምዝህልዎም የመልክት።

እቶም ምስ ተወለዱ ቀልጢፎም ትምህርቲ ዝጀምሩ፡ ዝያዳ ምስቶም ኣብ ተመሳሳሊ ወርሒ ዝተወለዱ ደቂ ክፍሎም ከምዝቐራረቡን ውህደት ከምዝፈጥሩን እቲ ዝተኻየደ መጽናዕቲ የረድእ።

ካልኦት ምርምራትከ እንታይ ይብሉ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ 2024 ኣብ ኮሌጅ ኔሮሳይኮፋርማኮሎጂ ኣውሮጳ ዝተሓተመ ምርምራዊ ጽሑፍ፡ ዝተወለድናሉ ወቕቲ ኣብ ኩነተ ኣእምሮና ጽልዋ ከምዘለዎ'ዩ ዝገልጽ።

ብመሰረት እቲ ዝገበርዎ ምርመር ኣብ ጽድያን ኣብ ክረምትን ዝተወለዱ ሰባት ኣሉታዊ ዝዀነ ኣተሓሳስባ ከምዘለዎም ክርድኡ ክኢ ሎም።

ንነገራት ብቕልል ዝበለን ብኣወንታን ናይ ምርዳእ ልዑል ክእለት ኣለዎም፡ ዋላ ኣብ ኣጨናቒ ኵነት ኮይኖም'ውን ብዛዕባ ሕማቕ ኣይሓስቡን፡ ካብቲ ሕማቕ ጽቡቕ ከውጽኡ ይጽዕሩ።

እቶም ኣብ ሓጋይ ዝተወለዱ ሰባት ከኣ ዝያዳ ተኣፋፍን ነዳርን ባህሪ ከምዘለዎም እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

እንተኰነ ዝተወለድናሉ ወርሒ ምስ ኣድማዕነትናን ምስ እንመርጾ ዓይነት ሞያን ዝዀነ ምትእስሳር ከምዘይብሉ እቲ መጽናዕቲ የረድእ።

ኣብ 2016 'ናሽናል ፉትቦል ሙዝየም' ኣብ ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ተሞርኵሱ ዘሕተሞ ምርምራዊ ጽሑፍ'ውን ህቡብነት ምስ እንውለደሉ ወርሒ ምትእስሳር እንተሃልይዎ'ዩ ተመልኪቱ።

እቶም ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ ዝተወለዱ ምስቶም ካብ ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ ዝተወለዱ ክነጻጸሩ እንከለዉ እቶም ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ ዝተወለዱ ኣዝዮም ዕዉታት ስፖተኛታት ኰይኖም ከምዝተረኸቡ እቲ መጽናዕቲ የረድእ።

እነተኰነ ካብ መስከረም ክሳብ ታሕሳስ ኣይተወለድና ኢልኩም ኣብ ስፖርት ዑዉታት ኣይክንከውንን ኢና ኢልኩም ኣይትፍርሑ፡ ክሪስትያኖ ሮናልዶ ኣብ ለካቲት፡ ልዮነል ሜሲ ከኣ ኣብ ሰነ'ዮም ተወሊዶም፡ ዝተወለድሉ ወርሒ ከኣ ኣዝዮም ዕዉታት ተጻወትቲ ኵዕሶ እግሪ ካብ ምዃን ኣይዓገቶም።

ኣብ ተጻወትቲ ቸዝ ምስ እንምልከት ከኣ፤ ኣብ 2008 ኣብ ዩኒቨርስቲ ብሩነል ዝተኻየደ መጽናዕቲ፡ እቶም ኣብ ጸወታት ቸዝ ኣዝዮም ዕዉታት ኣብ መወዳእታ ሓጋይን ኣብ መጀመርታ ጽድያን ዝተወለዱ ከምዝዀኑ'ዩ ዘርኢ።

ብዘይካ እዚ ኣብ ጸወታታት ቸዝ እቶም ጸጋማይ ኢዶም ዝጥቐሙ ተጻወተትቲ [ዓኴሎት] ዝያዳ ዕዉታት ምዃኖም ከረጋግጽ ክኢሉ።