"ኲናት ዓድዋ ዝደምደመ ብሚስጢር ተታሒዙ ዝፀንሐ ውዕሊ ፈረስማይ እዩ"

መምህር ገብረኪዳን

መምህር ገብረኪዳን ዝፀሓፍዎ "አፄ ዮሃንስና አፄ ምኒልክ፥ በኢትዮጵያ ታሪክ መነፅር" ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ መፅሃፍ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ መቐለ ተመሪቑ። አዘራራቢ ድማ ኾይኑ ቀንዩ።

ብዙሓት ፀሓፍቲ ሃፀይ ሚኒሊክ ከም ጅግናን ናይ ኲናት ዓድዋ ገባርን ሓዳግን ገይሮም'ዮም ኣብ ታሪኽ ስኢሎሞም።

ኲናት ዓድዋ ከም አቆፃፅራ ፈረንጂ ብ1896 ኣብ መንጎ ጣልያንን ኢትዮጵያን ዝተኻደ እንትኸውን እቲ ዝተረኽበ ዓወት ንብዙሓት ኢትዮጵያውያን ምንጪ ኩርዓትን ሓቦን እዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ግና ቅድሚ እቲ ኲናት ዝተፈረመ ውዕሊ ውጫሌ ሓዊሱ እቲ ኲናት ዝተዛዘመሉን ብፍላይ ድማ ግዝኣት ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ ገዛኢ ጥልያን ክፀንሕ ዝተገበረሉን ኩነታት ኣልዒሎም ሃፀይ ምኒሊክ ዝነቕፉ ሙሁራትን ተመራመርትን እናበዝሑ እዮም።

ካብ መንጎ እዚኦም ሓደ መምህር ገብረኪዳን ደስታ ይርከቡዎም።

ጭብጢ እቲ ሓድሽ መፅሓፎም፥ ሃፀይ ዮሃንስ ንህልውና ኢትዮጵያ ዘካየድዎ ተጋድሎን ፥ ኣብ ኲናት ዓድዋ ዝተኸፈለ መስዋእትነትን ከምኡውን ሃፀይ ሚኒሊክ እቲ ኲናት እንትዛዘም ብድሕሪት ተዋዓዒሎሞ ዝበሉዎ ምስጢራዊ ውዕል ዝትንትን ምዃኑ ይዛረቡ።

ብጎኒ ዝተፈረመ ውዕ

"ዕላማ ዓወት ዓድዋ ንጣልያንን ፀራሪግካ ናብ ባሕረ ኤርትራ ምስጣም እዩ ነይሩ።" ይብሉ ፀሓፋይ ታሪኽ መምህር ገብረኺዳን።

"ንጥልያን ምስተሰዓረ በዓል ራእሲ ኣሉላ መረብ ሰጊሮም ቀልቀል ዓዲ ዃላ በፂሖም እዮም። ካልኦት ድማ ብሩባ በለሳ ገይሮም ንኣኮለግዛይ ሰጊሮም ንጥልያን የባርርዎ ነይሮም" ይብሉ።

ከምኡ ድማ፥ " እቲ ኲናት ብዓወት ተዛዚሙስ ነቲ ብሰንኪ ሃፀይ ምኒሊክ ብውዕል ውጫለ ኣብ ትሕቲ ጥልያን ክውዕል ዝተገብረ ግዝኣት ትግራይ ትግርኚ ሓራ ንምውፃእ እቲ ውግእ ቀፂሉ ነይሩ፤" ይብሉ።

እቲ ውግእ ቀፂሉ። ጥልያንን ሃፀይ ምኒሊክን ግን ብድሕሪት "ውዕሊ ፈረስማይ" ከምዝተውዓዓሉ እዮም ዝዛረቡ።

ድሕሪ ዓወት ዓድዋ "ምኒሊክ ተዓዊቶም ፤ ንጉስ ኢቦርቶ እውን ተዓዊቱ" ይብሉ።

መምህር ገብረኪዳንን በዓል ሃፍቲ ኣይተ ዳዊት ገብረ እግዚኣብሄርን
መግለጺ ስእሊ, መምህር ገብረኪዳንን ዕዱም በዓል ሃፍቲ ኣይተ ዳዊት ገብረ እግዚኣብሄርን

"ከመይ እንተበልካ" ክብሉ ይሓቱ ፥ "ከመይ እንተበልካ ንጉስ ኡምቦርቶ እንተይተዋገአ መረብ ምላሽ ረኺቡ፤ ሃፀይ ምኒሊክ ድማ ዓንቀፅ 17 ተሰሪዙሎም" ብምብል መደምደምታ ይህቡ።

"ንሕና ፍርቂ ጎንና ኢና ተቘሪፅና" ዝበሉ መምህር ገብረኪዳን ካብ ዘመነ ደኣማት፣ ዘመነ ኣግኣዝያን፣ ካብ ዘመነ ኣክሱማዊት መንግስቲ ኣትሒዙ ቀይሕ ባሕርን ኣዶሊስን ሒዙ ን3000 ዓመታት ዝነበረ ህዝቢ ቆሪፁ ንጥልያን ዘረከበ እዩ ብምባል ይትንትኑ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ምሁር ታሪክ ዶክተር ፀጋይ በርሀ ሓደ ካብቶም ነቲ መጽሓፍ ዝገምገሙ ምሁራት እዮም።

"እቲ መጽሓፍ ሓደ ጥንኩር ጎኑ ዝረኣናዮ ቅድሚ ሕዚ ብልሙድ ኲናት ዓድዋ ብውዕል ኣዲስ ኣበባ ከምዝተዛዘመ ተገይሩ ይውሰድ ነይሩ። ሕዚ መምህር ገብረኪዳን ዘቕረብዎ መርትዖ ኲናት ዓድዋ ዝደምደመ ብሚስጢር ተታሒዙ ዝፀነሐ ውዕሊ ፈረስማይ እዩ" ይብሉ።

"እቲ ናይ ኣዲስ ኣበባ ውዕል ነዚ እዩ ኣጠናኺሩ። ስለዚ እቲ ኲናት ዝተዛዘመ መጋቢት 8 1888 ኣብ መንጎ ምኒሊክን ጥልያንን ብዝተኻየደ ውዕሊ ፈረስማይ ምዃኑ ተረጋጊፁ'ሎ" ኢሎም ዶክተር ፀጋይ።

ከመይከ ንዳንዮም?

ብኻልእ ገፅ ዶክተር ፀጋይ ዝሓለፉ ንጉሳት ክንዳንዮም እንተለና ብናይ ሎሚ ፍልጠት፣ቴክኖሎጂን ስልጣነን ንድሕሪት ተመሊስና ንምዝነሉ ኣከያይዳ ብዓይኒ ገምጋም ታሪኽ ጌጋ ከይንፍፅም ጥንቃቐ ክግበር ከምዘለዎ የተሓሳስቡ።

"ሓደ ሰብ ብዋናነት ክምዘነሉ ዝግበኦ በቲ እዋን ዝነበረ ኩለመዳያዊ ባህሪ፣ ኣተሓሳስባ፣በቲ እዋን ዝነበረ ንፖለቲካዊ ስልጣን ዝወሃቦ ቦታ እዩ ክግምገም ዘለዎ።" ይብሉ።

ንኣብነት ሃፀይ ቴድሮስ፣ሃፀይ ዮሃንስን ሃፀይ ምኒሊክን ውፅኢት ዘመነ መሳፍንቲ ምዃኖም ወሲኾም እዛረቡ።

"ኣብቲ እዋን ንወፃእተኛ ሓይሊ ከም ሓደ ፍልፍል ስልጣን ደኣ'ምበር ከም ሓደጋ ናፅነትን ሉኣላውነትን ሃገር ተገይሩ ኣይውሰድን ነይሩ። ከም ከባብያዊ መስፍን ኰይንካን ከም ሃገር እተመሓዳድር ንጉሰ ነገስት ኰይንካ እትሓስቦን ሓደ ኣይኰነን። ስለዚ በቲ ዘመኖም ክንመዝኖም ጠቓሚ እዩ" እንትብሉ ምሁራዊ ትንታነ ሂቦም።

ዕዱማት ምረቓ መፅሓፍ መምህር ገብረኪዳን
መግለጺ ስእሊ, ዕዱማት ምረቓ መፅሓፍ መምህር ገብረኪዳን

ዘሰክፋ ዓንቀፃት

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣክሱም ምሁር ታሪኽ ሳሙኤል ኪዳነ ብወገኖም ነቲ መጽሓፍ ቅድሚ ምሕታሙ ከምዝገምገሙዎ ይገልፁ።

ብዛዕባ ሃፀይ ምኒሊክ ምስ ጥልያን ኣብ ውዕል ፈረስማይ ዘካይድዎ ስምምዕ ኣመልኪቶም ድማ ብኽልተ ገፁ ፈላልዮም ኣቕሪቦምዎ።

"ብልሒ ሃፀይ ምኒሊክ ተባሂሉ ክጥቀስ ካብ ዝግበኦ ሓደ ነጥቢ፥ ጥልያን ዝደልዮ ዝነበረ ዕድል ኣይሃብዎን። ጥልያን ኣብ ዕርዱ ኰይኑ ንዝመፅኦ እናተኸላኸለ ክስዕር እዩ ደልዩ ነይሩ። እዚኣ ድማ ውፅኢታዊት ኣይኰነትን።" ይብሉ።

ካብዚ ወፃኢ ግና ጣልያንን ኢትዮጵያን ከምቲ ብልሙድ ዝዝረብ ብዓንቀፅ 17 ከምዘይተበኣሳ የረድኡ።

"እቲ ቐንዲ ኣብ ዓንቀፃት ሰለስተን ኣርባዕተን ዝሰፈረን ሃፀይ ምኒሊክ ኣብ መረብ ምላሽን ኣብታ ናይ ሎሚ ትግራይ ዝነበረ ህዝቢ ተፈላልዩ ንኽነብር ዝነበሮም ድልየት ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ። እዚ ድማ ህረፍ ስልጣን ዝወለዶ ፀገም እምበር ክልቲኡ ህዝቢ ነንበይኑ ነይሩ ዝብል ታሪኻዊ መርትዖ ወይ ድማ ጭብጢ የብሉን" ኢሎም።

እቲ መፅሓፍ ብቋንቋ ኣምሓርኛ እዩ ተሰናዲኡ፤ብኣምሓርኛ ዝተፀሓፈሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ "ዝበዝሕ ኢትዮጵያዊ ከንብቦን ክርደኦን ይኽእል እዩ ኢለ ስለዝሓሰብኩ እየ ፅሒፈዮ" ብምባል መልሲ ሂቦም መምህር ገብረኪዳን።

እቲ መፅሓፍ 542 ገፅ ኣለዎ፤ ኣብ 19 ምዕራፋት ዝተመደበ እዩ። ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን መቐለን ንንባብ ተባፂሑ'ሎ።

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ብትካል ኣከፋፋሊ መፅሓፍቲ ሜጋ ኣቢሉ ናብ መላእ ሃገር ከምዝባፃሕ ተፈሊጡ'ሎ።

መምህር ገብረኪዳን ደስታ ቅድሚ ሎሚ ብኣምሓርኛ ብ1998 ዓ.ም "የትግራይ ህዝብና የትምክህተኞች ሴራ ከትላንት እስከ ዛሬ" ብዝብል ኣርእስቲ ዝፀሓፍዎ ብስፍሓት ዝተባፀሐን ብዙሕ ዘካተዐን መፅሓፍ ምንባሩ ይዝከር።

ብድሕሪኡ እውን ብ2005 ዓ.ም "እምቢታ ኣንፃር ወረርቲ፥ታሪኽ ዘበነ መዋእል ሃፀይ ዮሃንስ ንጉሰ ነገስት ዘኢትዮጵያ" ዝብል ስያመ ዝሓዘ መፅሓፎም እውን ፅሒፎም።

መምህር ገብረኪዳን ብተወሳኺ ንዕብየት ቋንቋን ባህልን ህዝቢ ትግራይ ዝሕግዙ "ፅውፅዋይ ትግርኛን መቐረት ምስላታት ትግርኛ" ዝብሉ ክልተ ስነ ቃላዊ መፅሓቲ ትግርኛ እውን ፅሒፎምን ኣሐቲሞምን እዮም።