ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ጽምዶ ኤርትራን ኣመሪካን 'ድብያን ጭውያን' ገጢምዎ

ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ጽምዶ ኤርትራን ኣመሪካን 'ድብያን ጭውያን' ገጢምዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን ንምምሕያሽ ዝተወስደ ተበግሶ ጽምዶ "ዕንቅፋት" ከምዝገጠሞ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወሪቂ ተዛሪቡ።

ኣብቲ ሎም ምሸት ዘካየዶ ናብ ዓለማዊ፡ ዞባዊን ዘቤታውን ጉዳያት ዘተኮረ ቃለመሕትት፡ ዘቕረብዎ ተበገሶ ብወገን ዋሽንግቶን "ተጋራጫዊ" ምላሽ ከምዝተዋህቦም እቲ ፕረዚደንት ኣብሪሁ።

ብፍላይ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዘውጽኦ "ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ኣይክኣልን'ዩ" ዝብል መግለጺ ከምዘቖጥዖ እቲ ፕረዚደንት ኣይሓብአን።

"መደወኒ ወይ ድማ መሰይጠኒ ዓይነት መልእኽቲ እዩ። ብኸመይ መገዲ ከምዚ ተጋራጫዊ መልእኽቲ ክመጽእ ይኽእል?።

"በቲ ሓደ ወገን ኮፍ ኢልና ክንዛረብ ንደሊና ብዛዕባ ወፍሪ ብዛዕባ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ እንድሕር ተባሂሉ፡ ኣብ ኤርትራ ኣይክኣልን'ዩ እንድር ዝብሃል ኮይኑ ንምንታይ'ዩ እቲ ዕላማ? ጸቕጢ ክትገብር፡ ወፍሪ ብናትካ ኩነት ከተገድድ ምእንቲ? ዶስ ነቲ ጽምዶ ንገዛእ ርእሱ ከትብትኖ ምእንቲ'ዩ ዝግበር ዘሎ?

"ኣነ ሕጂ እንታይ'የ ዝብሎ፡ ድብያን ጭውያን'ዩ፡ ከም ስልቲ እንተሪኢኻዮ ድብያን ጭውያን። ከትሪ፡ ትኸትር ኣብ መንገዲ፡ ነቲ ጉዳይ ከይከደ እንከሎ፡ ድሕሪኡ ናትካ ዝመስለካ ኣርእስቲ [ተምጽእ]"።

"እዚ ግን ንዓና ሓድሽ'ውን ኣይኮነን፡ ሓድሽ'ዩ ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን፡ ባህሪ ናይቲ ስርዓትን ኣሰራርሕኡን'ዩ። ትጉንጽ፡ ተፈራርሕ፡ ትህድድ ተሰይጥን፡ ድሕሪኡ ድደለኻዮ ትረከብ ዓይነት፡ ከም ሓደ ናይ ፖሊሲ 'ጋይድላይን' (መርሓ ናይ ፖሊሲ) እዩ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል። ግን ልምዲን ባህልን'ዩ"።

እንተኾነ ኣስመራ በቲ ገጢሙዋ ዘሎ ብድሆታት ተስፋ ከይቆረጸት ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ዝግበር ጽምዶ ከትቅጽሎ ምዃና'ውን እቲ ፕረዚደንት ኣሚቱ'ሎ።

መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ወርሒ መስከረም 2025 ኣብ ዘውጽኦ ሰነድ፡ ሃዋህው ወፍሪ ኤርትራ ንወፍሪ ኣመሪካ ምቹእ ከምዘይኮ ገሊጹ ነይሩ።

ብመሰረት እቲ ሰነድ ብሰንኪ ቁጠባዊ እገዳታት ኣመሪካ፡ ንግዳዊ ሕጊ ዘይምህላው፡ ብዘይካ ካብ መንግስቲ ናብ መንግስቲ ዝግበር ንግዳዊ ንጥፈታት ካብ ኣህጉራዊ ፋይናንሳዊ ስርዓታት ምቁራጽ፡ ከምኡ'ውን መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ኩሉ እቶትን ሰደድን ጽኑዕ ምቁጽጻር፡ ንወጻኢ ወፍሪ ኣዝዩ ይድርቶ ይብል።

መንግስቲ ኣብታ ሃገር እቲ ዝዓበየ ኣስራሒ ኮይኑ፡ ዝበዝሑ ዜጋታት መብዛሕትኡ ግዜ ብኣዝዩ ትሑት ደሞዝ ኣብ ትካላት መንግስቲ ወይ ድማ ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ግዱድ ዕስክርና መደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ሃገር ከምዝሰርሑ የመልክት።

ሃገራዊ ባጤራ፡ ናቕፋ'ውን፡ ኣብ ካልእ ሃገር ዝልወጥ ስለዘይኮነ፡ ብዘይካ ኣብ ጽላት ዕደና ገለ ፍሉያት ጉዳያትን፡ መኽሰብ ካብታ ሃገር ወጻኢ ኣብ ምምላስ ኣጸጋሚ ምዃኑ እቲ ሰነድ ይጠቕስ።

ኣመሪካ፡ ኣብ እዋን ምምሕዳር ባይደ ኣብ ልዕሊ እተን ንቁጠባ ኤርትራ ዓብሊለን ተባሂለን ዝንቀፋ ትካላት ህግደፍ እገዳ ምግባራ ይዝከር።

ቡናዊ ካኪ ዝገበረ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ቀጥታዊ ቃለመሕትት

ምንጪ ስእሊ, Eri-TV, Eritrea/youtube

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብቲ ጽምዶ ንክልተኣዊ ጉዳያት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያን፡ ሶማልያን ሱዳንን ዝበሉ ጉዳያት ናይቲ ዞባ ንኣመሪካ "ሓሳባትና ከነካፍል ኣለና" ኢሉ።

"ኣብ ኩሎም ኣጋጣሚታት፡ ብፍላይ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተላዕሉ እዋን፡ ቅድም ናትና ጉዳይ ክንሰርዕ ኣለና፡ ናትና ጉዳይ ቅድም ከነመዓራሪ ኣለና፡ ክልተኣዊ'ዩ ዝቕድም ዝመጽእ ዝብሃል፡ ክልተኣዊ ኣብ ሳልሳይ ራብዓይ ደረጃ ሰሪዕና ኢና ክንዛረበሉ ጸኒሕና"።

ፖሊሲ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ምፍላጥን ምርግጋእን ቀዳምነት እቲ ዝመርሖ መንግስቲ ምዃኑ'ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ደጊሙ ኣረጋጊጹ'ሎ።

"ኣብዘን ዝመጻ ዘለዋ ሰለስተ ዓመታት'ውን እቲ ጽምዶ ክንቅጽሎ ኢና፡ ንቕይሮ ንብድሎ ኣይክኸውንን እዩ። እንታይ ፍረ ከምጽእ ይኽእል እንድሕሪ ተባሂሉ ግን፡ ሓንቲ ኢድ ንበይና" ኣይተጣቕን እያ ኢሉ።

እቲ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ ቃለመሕትት ንዓለምለኻውን ዞባውን፡ ከምኡ'ውን ዘቤታዊ ጉዳያት ተናኺፉ ኣሎ።

ብእዋናዊ ዓለማዊ ምዕባለታት ስርሒት ኣመሪካ ኣብ ቨነዙዌላ ዝፈለመ ሓተታ ናይቲ ፕረዚደንት፡ ብዶናልድ ትራምፕ ንዝምራሕ ፖሊሲታትን 'ዶክትሪንን" ኣመሪካ ተንቲኑ።

ትራምፕ ዝወስዶ ዘሎ "ብሓይሊ ምእዳብ" ዝብል ስጉምትታት ኣካል ናይቲ "ንኣመሪካ ዓባይ ናይ ምግባር (ማጋ)" ፕሮጀክት ኮይኑ "ባህሪያዊ ጸጋታት ኣብ ነንበይኖም ከባቢታት ናይ ዓለም ዘሎ ምውናን ወይ ምቁጽጻር" እዩ ክብል ነቒፉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ዝምድናታቱ ንምምሕያሽ ተበግሶታት ክወስድ ቅሩብ ምዃኑ ክዛረብ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ ቀዳማይ እብረ ትራምፕ፡ ምስ ዋሽንግተን ናብ "ንጡፍ ጽምጾ" ንምእታው ተበግሶ ከምዝወሰዱ ዝጠቐሰ ኢሳይያስ፡ ብወገን እቲ ኣመሪካዊ መራሒ "እቲ መልሲ ኣወንታዊ ነይሩ፡ ኢንጌጅ [ክጸምድ'የ] ኢሉ" ክብል ሎሚ ተዛሪቡ።

ብኣመሪካ ዝምራሕ "እንኮ ቀጽራዊ ስርዓት" እናተዳኸመ ይኸይድ ምህላዉን "ናይ ኣመሪካ ምንቁልቋል" ከምዘስዓበን ፕረዚደንት ኢሳይያስ መጒቱ።

እቲ ሕጂ ብዋሽንግተን ዝፍጸም ዘሎ ተግባራት ንቻይናን ሩስያን ንምድራት ዝዓለመ ምዃኑ'ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ደጊሙ ተዛሪቡ።

ምስ ምምሕዳር ባይደን ክቕጽልዎ ዝሓሰቡዎ ምምሕያሽ ዲፕሎማሲ ግን "ፋይዳ የብሉን" ኢሎም ተስፋ ከምዝቖረጽሉ ገሊጹ።

"ዓለም ብፍትሒ፡ ብርትዓዊ ዝኾነ ዝምድናታት ክትነባበር ክትክእል ኣለዋ" ይብል እቲ ፍትሒ ብምጉዕጻጽ ዝንቀፍ ፕረዚደንት።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት ተመሳሳሊ ትንተናን መርገጺን ክህብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

እቲ ስሩዕ ጋዜጣዊ መግለጺ ዘይህብ ፕረዚደንት ዘካይዶም ቃለመሕትታት ደጋፊን ተቓዋምን ዓቢ ትጽቢት ዝገብረሎም እዮም።

ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ወጥሪ ኣብ ዝኣተወትሉ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብጉዳይ ሶማሊላንድን ኲናት ሓድሕድ ሱዳንን ብዝኣመሰሉ ምዕበላታት ዘይምርግጋእ ሰፊንሉ ኣብ ዘሎ እዋን'ዩ እቲ ፕረዚደንት ነዚ ቃለመሕትት ኣካይዱ ዘሎ።