ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን ካበይ ናበይ?

ፕረዚደንታት ኢሳይያስን ትራምፕን

ምንጪ ስእሊ, MOI/Getty Images

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብቲ ቀዳም 19 ሓምለ ምስ ተለቪዥን ኤርትራ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ሃገሩ ምስ ኣመሪካ 'ጽምዶ' ክትፈጥር ድሌት ከም ዘለዋ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ፕረዚደንት፡ ነቲ ናብ ብረታዊ ቃልሲ ዝመርሐ ሕዱር ኣጠማምታን ውሳነን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ናጽነት ኤርትራ ጠቒሱ፡ እናተተኻኽኡ ዝመጽኡ ምምሕዳራት ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ "ኣብ ዝሓለፈ 80 ዓመታት በደል ኣብ ርእሲ በደል ክፍጽሙ ጸኒሖም እዮም፡" ብምባል፡ ሕጂ ግን ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ምስ ምልሶት ትራምፕ ክመሓየሽ ተኽእሎታት ከም ዘሎ ኣተንቢሁ።

ኣብ 2016 ትራምፕ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኰይኑ ስልጣን ምስ ሓዘ፡ መንግስቲ ኤርትራ ምቕያር ፖሊሲታት ክመጽእ ትጽቢት ከም ዝገብር ዝትሕዝቶኡ ነዊሕ ደብዳበ ከም ዝጸሓፈሉ ይጥቀስ እዩ።

እንተዀነ; እቲ ዝተገበረ ምንቅስቓስ ንሓደ ዓመት ከም ዝቐጸለ ዘተንብሀ ቃለመሕትት ኢሳይያስ፡ ዝተረፈ ሰለስተ ዓመትን ተወሰኾ ኣርባዕተ ዓመት ዘመነ ባይደን ዝተኽስረ ዓመታት ክብል እዩ ገሊጽዎ።

እቲ ደጋጊሙ፡ "ጽምጾ" ክብል ክገልጾ ዘምሰየ ተበግሶ ኤርትራ ንምምሕያሽ ዝምድና ምስ ኣመሪካ፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክጅመር ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

ምኽንያት ከቕርብ እንከሎ፡ መሪሕነት ኣመሪካ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓበይቲ ውሽጣዊን ዓለማውን ጉዳያት ተጸሚዱ ከም ዘሎ ብምእማት፡ "ምስዚ ሕጂ ኣብ ዋሽንግቶን ዝርአ ዘሎ ምሕቋን፡ ምስኡ ከይተረበሽና፡ ከይተሃወኽና፡ ናብ መደምደምታታት ከይከድና - ነቲ ኣብ ናይ ባይደን ግዜ ኣቋሪጹ ዝነበረ ጽምዶና ኣሐዲስና ክንቅጽሎ ክንክእል ኣለና፣ ክንቅጽሎ ኢና፡" ኢሉ።

ቀጺሉ፡ "ቅድም ስርዑና ኣይንብልን ኢና። እዛ 2025 ንዓና ትጽንሓልና፣ . . . ቀዳምነታት ስለ ዘለዎ። ነቲ ቀዳምነቶም ከኣ ነኽብሮ። . . . ነተን ዝመጽኣ ሰለስተ ዓመታት ግን ብዘይ ምስልካይ ክንከደን ዘለና እየን፡" ብምባል ነቲ ውሽጣውን ዓለማውን ኵነታት ከም ምኽንያት የቐምጥ።

"ካብ 2026 ጀሚርካ ክሳብ 2028 ጽቡቕ ክስራሕ ክኽእል ኣለዎ፡" ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ዘረባኡ እቲ ፕረዚደንት፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ጽቡቕ ጽምዶ ንኸይፈጥር፡ "ኣንጻርና ሰፊሕ ዘመተ ይካየድ ኣሎ፡" ብምባል ድማ ናብ ኢትዮጵያን "ካልኦት ሓይልታትን" ዘነጻጸረ መግለጺ ሂቡ።

ድሕረ ባይታ ዝምድና ኤርትራ ኣመሪካን

ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ብጥርጣረ፡ ምትፍናንን ስትራተጅያዊ ፍልልይ ዝግለጽ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።

ክልቲአን ሃገራት ብቕሉዕ ተጻባእቲ'ኳ እንተ ዘይኰና፡ ኤርትራ፡ ንዝጸንሐ ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ ዘለዋ ዓሚቝ ዘይምትእምማን፡ ብንጹር ዘይግለጽ "ሸርሒታት"፡ ምትእትታውን ካልእን ክትከስስ ትስማዕ።

ብኣንጻሩ ግን ኣብ ቀዳማይ ዘመነ ስልጣን ትራምፕ ሓሓሊፉ ተስፋታት ተራእዩ እዩ።

ኣመሪካ ብወገና ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ምስ ሰብኣዊ መሰላት ኢ-ደሞክራስያዊን ኢ-ቅዋማውን ምሕደራን ብተደጋጋሚ ነቐፌታ ከተቕርብ ዝጸንሐት ኰይና፡ ብተራን ኣሳላጥነትን እታ ብኤርትራውያን ብተሪር እትውቀስ ሱዛን ራይስ ድማ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ እገዳ ከም ዝጸዓን ገይራ እያ።

ስለዚ፡ ነዚ ዳይናሚክስ'ዚ ንምርዳእ እምበኣር፡ ታሪኻዊ ኵነታትን ቀንዲ ፍጻመታትን ምድህሳስ የድሊ።

ታሪኻዊ መሰረታት

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ እተቕርቦ ቅሬታ፡ ካብ 1950ታት ዝጅምር ኰይኑ፡ ኣመሪካ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ንኽትቍረን ንውሳነ ሕቡራት ሃገራት ዝተጻወተቶ ወሳኒ ተራ እዩ ብቐንዱ ዝለዓል።

ኣብ 1950ታት ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝነበረ ጆን ፎስተር ዳላስ፡ "ብዓይኒ ፍትሒ ክርአ ከሎ፡ ርእይቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ ነይሩ። እንተዀነ፡ ንስትራተጅያዊ ረብሓ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ንስለ ኣህጉራዊ ጸጥታን ሰላምን፡ ኤርትራ ምስታ መሓዛና ዝዀነት ኢትዮጵያ ክትቊረን ኣገዳሲ ይኸውን፡" ክብል ነቲ ዝነበረ ክውንነት ብንጹር ቃላት ኣቐሚጡዎ።

እዚ ስጕምቲ'ዚ ብቐንዱ ብጂኦፖለቲካ ዝሑል ኲናት ዝተደፋፍአ፡ ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቐርኒ ኣፍሪካ ህላወኣ ንምርግጋጽን ንናይ ሽዑ መቀናቕንታ ዝነበረት ሕብረት ሶቭየት ንምድራትን ካብ ዝነበራ ድሌት ዝብገስ'ዩ ነይሩ።

ኤርትራውያን ግን ነዚ ውሳነ'ዚ፡ ድሕሪ ናይ 50 ዓመታት መግዛእቲ ኢጣልያን ዝሰዓቦ 10 ዓመት ምምሕዳር እንግሊዝን ዝበዝሕ ህዝቢ ኤርትራ ንዘሕደሮ ናይ ናጽነት ድሌት ዝዓምጸጸ ውሳነ ምንባሩ እዮም ዝዝክሩ።

እቲ ፈደረሽን፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ 1962 ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብሓይሊ ክትሕውሳ ምኽንያት ኰይኑ፣ ን30 ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ናጽነት ኣበጊሱ። ኣብዚ ኵሉ እዋናት'ዚ፡ ኣመሪካ ንስርዓት ኢትዮጵያ ብምድጋፍ፡ ኣብ ኤርትራውያን - ዋሽንግተን ኣብ ምዕፋን ሓርነታዊ ቃልሶም ተሓባባሪት እያ ዝብል ኣረዳድኣ ኣማዕቢሉ።

እዚ ይዅን ግን ኣመሪካ ነቲ ኣብ 1991 ክውን ዝዀነን ኣብ 1993 ወግዓዊነት ዝለበሰን ናጽነት ኤርትራ ብወግዒ ብምቕባል ምስ ኤርትራ ሓድሽ ዝምድና ከም ዝፈጠረት ይፍለጥ።

ንመጀመርታ እዋን ኣብ ሰነ ናይቲ ዓመት ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሐፈት (ቆንስል) ብምኽፋት ዝጀመረ ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣመሪካ፡ ኣብ ታሕሳስ 1993 ናብ ምኽፋት ኤምባሲ ተሰጋጊሩ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ቢል ክሊንተን፡ ኣብ 1995 ኣብቲ እዋን ፕረዚደንት ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ኤርትራ ንዝነበረ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ኦቫል ኦፊስ ብምዕዳም፡ እታ ሃገር ኣብ ጐደና ደሞክራሲ ንዝጀመረቶ ሓያል ስጕሚ ኣድናቘቱ ገለጸ።

ብዶብ ዝተሳበበ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን (1998–2000) ምስኡ ተተሓሒዙ ዝመጽአ ምዕባለታት ድማ መቐይሮ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ምዃኑ እዩ ዝፍለጥ።

ኣብ ምጅማር እቲ ኲናት ብኣመሪካን ርዋንዳን ዝተገብረ ናይ ሽምግልና ተበግሶ፡ ኤርትራ፡ ናብ ኢትዮጵያ ዝወገነ'ዩ ኢላ ብምንጻጋ፡ ነቲ ዝቐጸለ ዘይምትእምማንን ምሕርፋፍ ዝምድናን መበገሲ ነይሩ።

ብፍላይ ካብ 2001 ጀሚሩ እናሓርፈፈ ዝመጽአ ርክብ ክልቲአን ሃገራት፡ ነቲ ብደረጃ ኣምባሳደር ዝነበረን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣብ ደረጃ ፈጸምቲ ጉዳያት (ቻር ዲ ኣፌርስ) ኣውሪድዎ።

ጠንቂ ምሕርፋፍ ናይቲ ዝምድና፡ ኣመሪካ ነታ ምስ ኤርትራ ኣብ ኵነተ-ኲናት ዝነበረት ኢትዮጵያ ከም ስትራጅያዊት ብዓልቲ ኪዳን ኣብቲ ዞባ ምውሳዳ'ኳ እንተዀነ፡ ኣመሪካ ነቲ ዝወሰደቶ ሕርያ ብኣብ ኤርትራ ዝሰፈነ ስእነት ቅዋማዊን ደሞክራስያዊ ስርዓትን ተመኽንዮ እያ።

እቲ ኣብ ፈለማ ተናኢዱ ዝነበረ ምጅማር ናይቲ መሰረት ኵሉ ደሞክራስያዊ ህይወትን ትካላትን እታ ሃገር ክኸውን ትጽቢት ዝተነብሮ መስርሕ ምንዳፍ ቅዋም፡ ብዘይትግባረ ቅዋም በኒኑ።

ብዘይካኡ እቲ ኣብ ኤርትራ ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ፓለቲካዊ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዜጋታት ዝተወስደ ናይ ምእሳር ስጕምቲ፡ ምዕጻው ጋዜጣታት ብሕትን ምእሳር ጋዜጠኛታትን፡ ምድራት ስቪላዊ መሰላትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ምዃኑ ኣመሪካ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ።

ክልተ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብቲ ዓመት ኣብ ኣስመራ ብመንግስቲ ኤርትራ ምእሳሮም'ውን ሓደ ካብቲ ዘቀሓሓሮም ጉዳይ ኰይኑ'ዩ ጸኒሑ።

ኣብ ከምዚ ዝበለ፡ ካብቲ እዋን ኣቢሉ ኣብ ዝሻሕከረ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት እምበኣር፡ ብፍላይ ጉዳይ እዞም ክልተ እሱራት ከም መደራደሪ ክኸውን ከም ዝተራእየ፡ ኣምባሳደር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ ኣብ መጽሓፉ ኣስፊርዎ ኣሎ።

ኣብ 2005 መንግስቲ ኣመሪካ እዞም ክልተ ሰራሕተኛታታ ግቡእ ክሲ ክምስረተሎም፡ ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ክፍትሑን ብኣምባሳደራ ዶናልድ ያማማቶ፡ ንፕረሲደንት ኢስያስ ኣፈወርቂ ዕቱብ ሕቶታት ኣቕረበት።

ኤርትራ ንኽትተሓባበር ቅርብቲ እንተዀይና ድማ ኣመሪካ ብወገና፡ ገዚፍ ፋይናንስያውን ብፍላይ ሃብቲ ማይ ንምምዕባል ዝሕግዝ ተክኒካዊ ደገፍ ወይ'ውን ኤርትራ ኣብ ዝመረጸቶ ጽላት ሓገዝ ክትገብር ምዃናን፣ ብዓቢዩ ከኣ ኣብ ምምልካት ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝግባእ ስጕምቲ ክትወስድ ምዃና ቃል ከም ዝኣተወት ይዝረብ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣምባሳደር ያማማቶ፡ እዞም እሱራት ኣብ ከመይ ኵነታት ከም ዘለዉን ብዓቢዩ ከኣ ብህይወቶም ከም ዘለዉ ንኸረጋግጽ ብኣካል ክርእዮም ሓተተ።

እንተዀነ፡ እቲ ርክባትን ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ብጽቡቕ ኣይቀጸለን፣ እቶም እሱራት ድማ ክሳዕ ሕጂ ሃለዋቶም ብወግዒ ኣይፍለጥን።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ቃልመሕትት ኣብ ዝገበረሉ

ምንጪ ስእሊ, MOI

ኤርትራ ብወገና፡ ተኸታተልቲ ምምሕዳራት ኣመሪካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያታ ኢድ ብምእታው ኣንጻራ ከም ዝሰርሑ ክትከስስ ጸኒሓ እያ። ብዘይካ'ዚ ኣመሪካ፡ ንኢትዮጵያን ኬንያን ከም ቀንዲ ዞባውያን መሻርኽታ ምሕራያ'ውን ንኤርትራ ዘዀርንዐ ሽርሒ ተገይሩ እዩ ተገሊጹ።

ኣብ ርእሲኡ፡ ዋላ'ኳ ኣመሪካ ንዂናት ኢትዮ-ኤርትራ ብምሽምጋል፡ ብፍላይ ኣብ ኣልጀርስ ንዝተበጽሐ ስምምዕ ከም ቀንዲ ኣውሓሲት መንጐኝነት እንተ ነበረት፡ ብኮሚሽን ዶብ (EEBC) ንዝተዋህበ ውሳነ ኣብ ግብሪ ንምትግባሩ ግን ጸግዒ ኢትዮጵያ ከም ዝሓዘት - ኤርትራ ትኸስስ። ብፍላይ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳራት ቡሽን ድሒሩ ዝመጽአ ምምሕዳር ኦባማን ነቲ ብይን ንምትግባር ኣመሪካ "ዝተኸተለቶ ኣካይዳ" ንፍልልይ ክልቲአን ሃገራት ኣዕሚቑዎ።

ኣብ ቀዳማይ እብረስልጣን ምምሕዳር ትራምፕ ግን፡ ዋሽንግተን ነቲ ኣብ ክረምቲ 2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ብምድናቕ "ብ5 ሰነ 2028 ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ 2000 ዝተፈረመ ስምምዕ ኣልጀርስ ምሉእ ብምሉእ ከምእትቕበሎ ምግላጻ ኣመሪካ ትንእድ" ኢላ ምንባራ ይዝከር።

"ከም ምስክር ስምምዕ ኣልጀርስ መጠን፡ ኣመሪካ እቲ ዕላማ [ምምሕያሽ ዝምድና ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን] ንክዕወት ደገፍ ክትህብ ቅርብቲ እያ" ይብል ሽዑ ዝወጸ መግለጺ ዋይት ሃውስ።

ኣብ 2010 ድማ እቲ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ኣምባሳደር ኣመሪካ ክወጽእ ተገይሩ። ድሒሩ'ውን ናይ ቪዛ ኣገልግሎት ምሃብ ኣቋሪጹ ከም ዝነበረ ይዝከር።

ኤርትራ ኣብ 2009 ንዕጡቓት ኣልሸባብ ሶማልያ ትድግፍ እያ ብዝብል ክሲ ብሕቡራት ሃገራት እገዳ ተገይሩላ። ኤርትራ ነዚ ክሲ'ዚ ኣትሪራ ነጺጋቶ።

መርማሪ ጕጅለ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያን ኤርትራን ንዓመታት ድሕሪ ዘካየዶ መርመራ፡ ነቲ ኣብ 2009 ዝተገብረ እገዳ ዝመርሐ - ኤርትራ ንዕጡቓት ኣልሸባብ ትድግፍ እያ - ዝብል ክሲታት ደምዳሚ መርትዖ ከም ዘይረኸበሉ ኣብ ጸብጻቡ ምግላጹ ይፍለጥ።

ንኣመሪካ (ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኦባማ) ንኤርትራ "ብናጻ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኣ ንምቕጻዕ" ዲፕሎማስያዊ ጐስጓስ ኣዋዲዳ ክትብል ድማ ክትከስስ ተሰሚዓ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ መጋቢት 2017 ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ናይ ባዕላ ማዕቀብ ምንባራ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘቘጠዐ'ዩ ነይሩ።

"ንምርድኡ ዘጸግምን ዘይምኽኑይ ተወሳኺ ስጕምቲ... ዘይሃናጺ መሰረት ሕግን ሕጋውነት ዘይብሉ ኣረጊት ጸወታ'ዩ፡" ብምባል'ውን ግብረመልሲ ሂባትሉ።

ብዘይካ'ዚ ኣመሪካ፡ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይ ተወሊዑ ዝነበረ ኲናት ምትእስሳር ኣለዎም ንዝበለቶም፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ስልጣን ዘለዉ ይዅኑ፡ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታን ወልቀሰባትን ናይ ቪዛ እገዳ ከም እትገብር ድማ ኣብ ግንቦት 2021 ኣፍሊጣ።

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ግፍዕታት ከም ዝፈጸሙ ዝኽሰሱ ሓይልታት ኤርትራ ካብ ክልል ትግራይ ክወጽኡ ክጽውዕ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኤርትራ ነቶም ክስታት ትነጽጐም።

ብተወሳኺ፡ ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግብራዊ ዝዀነ፡ "ምስ ሃገራዊ ድሕነት" ብምትእስሳር ምስ ካልኦት 11 ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ምሉእ እገዳ ቪዛ ከም ዘንበረ ኣይርሳዕን።

ስነሓሳባዊ መነጽር

መንግስቲ ኤርትራ፡ ብቐንዱ እቲ ብፕረዚደንት ኢሳይያስ ብተደጋጋሚ ከም ገባቲ፡ ሃዋኺ፡ "ዓለም ናብ ሕንፍሽፍሽ ዘእተወን"፡ ኣመሪካ እትመርሖ "እንኮ ቀጽራዊ ስርዓተ ዓለም" ኣትሪሩ ዝነቅፍ፡ ኣብ ርእሰ-ምርኰሳ፡ ዝተሰርተ ስነሓሳብ ከም ዝኽተል እዩ ዝገልጽ።

ንዞባዊ ይዅን ዓለማዊ ፖለቲካ መብዛሕትኡ ግዜ ብመንጽር "ምዕራባዊ ውዲት" ዝርእዮ ኰይኑ፡ ምዕራባዊ ሊበራላዊ ብስም ሰብኣዊ መሰላት፡ ሰብኣዊ ረዲአት፡ ሕቶ ደሞክራሲ፡ ምርግጋእ፡ ለውጢ ስርዓትን ብዝብልን ምትእትታውን፡ ብኡ ኣቢልካ ድማ "ሕንፍሽፍሽ ምፍጣር" ዘካይድ ምዃኑ እዩ ዝምጕት።

እዞም ምስ ምድንፋዕ ደሞክራሲ፡ ስቪላዊ ማሕበራት፡ ናጻ ፕረስ፡ ትግባረ ቅዋምን ምርጫን ዝኣመሰሉ ብምምሕዳራት ኣመሪካ ዝለዓሉ ዓበይቲ ሕቶታት ድማ ብወገን ኣስመራ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢድ ከም ምእታውን ከም ሓደጋ ልኡላውነትን'ዩ ዝረአ። ክንዮኡ'ውን ከም ስነሓሳባዊ ተጻብኦ ኰይኑ እዩ ዝርአ።

በዚ መንጽር እምበኣር፡ ብ'ኣመሪካ ትቐድም' ዝብል ጭርሖኡ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ትራምፕ፡ ነዚ ናይ 'ምትእትታው' ፖለቲካ ዝመሰረቱን ንልኡላውነት ሃገራት ዘየኽብርን ዓለማዊ ሊበራላዊ ፖሊሲ መኸተምታ ክገብረሉ ትጽቢት ብዙሓት ተዋሳእቲ እዩ።

ብፍላይ ኣብዚ ካልኣይ ዘመነ ስልጣኑ ትራምፕ፡ ንኣመሪካ ኣብ ቅድሚት ንምስራዕ ሓሊኑ ኣብ ውሽጣዊ መደባቱ ብምትኳር፡ ነቲ ሃገሩ ብመገዲ ዩኤስአይድ ተካይዶ ዝነበረት ምወላ ዓለምለኻዊ መደባት ብምንካይ፡ ናይ እንካን ሃባን ዓይነት ፖሊሲ ወጻኢ ሒዙ መጺኡ'ሎ።

እዚ፡ ብመንጽር እቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ "ዋሽንግተን ኣብ ምሕቋን እያ ዘላ.." ከምኡ'ውን እቲ "ዓብልል ገብት" ኢሉ ዝጠቕሶ ስርዓተ ዓለም ተጸንቂቑ ኣብ ምስግጋር ንኣቱ ኣለና ዝብሎ ደማሚርካ ክርአ እንከሎ፡ ብዓይኒ ኤርትራ ካብቲ ዝጸንሐ ምትእትታውን ጸቕጢን ኣመሪካ ከም ዕረፍቲ ተገይሩ ክርአ ዝኽእል ይመስል።

ተበግሶ ሓድሽ ጽምዶ

ኢሳይያስ ምስ ቲቦር ናዥ

ምንጪ ስእሊ, Yeman G. Meskel/twitter

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2016 ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ፡ ኤርትራን ኣመሪካን ነቲ ሓርፊፉ ዝነበረ ዝምድናአን ከመሓይሸኦ ተራእየን ነይረን እየን።

ከምዚ ኣብዚ ናይ ሕጂ ቃለመጠይቑ ዘተንብሆን፡ ኣብ ቀዳማይ እብረ ትረምፕ - 2016 - ኢሳይያስ ብዙሕ ዘይተለምደ ዝመስልን ናይ እንቋዕ ሓጐሰካን ተስፋ ዝህብን ቃና ዝሓዘ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝነበረ፡ "ጸቕጢ ከጕድልን ልኡላውነታ ከኽብርን ይኽእል'ዩ፡" ዝብል ትጽቢት ኤርትራ ዘመልክት ከም ዝነበረ እዩ ዝግመት።

ኣብ ታሕሳስ 2018 ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝነበረ ቲቦር ናዥ፡ ናብ ኤርትራ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሰፊሕ ዘተ ኣካይዱ ምንባሩ ዝዝከር ኰይኑ፡ ነዚ ኣመልኪቱ ምኒስተር ዜና ኤርትራ፡ "ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሃገሩ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ "ኣብ ምትሕግጋዝ ዝተሰረተ ምውቕ ዝምድና ንምድንፋዕ ሃናጺ ጽምዶ ከተካይድ ድልውቲ ከም ዘላ፡" ብትዊተር ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።

"ሓምሳ ዓመታት ዝተበደልናዮ ንረስዓዮ" ኣብ ዝበለ ሓድሽ መግለጺ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ንቕድሚት ንምኻድ ምእንቲ ክከኣል፡ ካብ 2026 ክሳብ 2028 ኣብ ዘሎ ሰለስተ ዓመት ዘመነ ስልጣን ትራምፕ ብኣድማዕነት ክሰርሕሉ ምዃኖም እዩ ተዛሪቡ።

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓበይቲ ናይ ምጽራይ ስርሓት ተጸሚዱ ከም ዘሎ ብምምልካት ድማ፡ "ኣብዚ ሕጂ ብዙሓት ኵነታት እናሓለፉ ይኸዱ ኣለዉ፤ ናይ ዩክረይን ኣሎ ዘይተወድአ፡ ናይ ቻይና ኣይተወድአን ኣሎ። ናይ ፓናማ፡ ግሪንላንድ፡ ካናዳ - እዞም ክድርበዩ ዝጸንሑ ባሎናት ወዲኦም ኣለዉ። ከምዚኦም ባሎናት ንፋስ እናወሰዶም ምስ ከደ፡ ኵሉ ነገር ምርግጋእ ምስ መጽአ፡ ብድሕሪኡ ኮፍ ኢልና ክንረዳዳእ ኢና፡" ኢሉ።

እንተዀነ፡ እቲ ጽኑሕ ኣጠማምታን ፖሊስን ኣመሪካ ንኤርትራ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ ዞባታት'ውን ክቕየር ከመዓራሪ ኣለዎ ብምባል እዩ ዝምጕት። ኣተሓሒዙ፡ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ዞባ ድማ ብሓፈሻ ብሰንኪ ዝተኸተለቶ "ግጉይ" ዝበሎ ፖሊሲታት ዝሰዓበ ዕንወት፡ "ምዝጉብ ዳታ ኣሎና፡" ኢሉ።

ከም ዝፍለጥ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሚያዝያ 2021 እውን ብተመሳሳሊ ቃና፡ ምምሕዳር ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን፡ ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዎ ፖሊሲታት ከመሓይሽ ጸዊዑ ነይሩ እዩ።

ኣብቲ ሽዑ ዝወጽአ መግለጺ፡ ንምምሕዳራት ፕረዚደንታት ነበር፡ ባራክ ኦባማ፡ ጆርጅ ቡሽን ቢል ክሊንተንን ዝተኸተልዎ ንዝበሎ "ግጉይ ፖሊሲ" ብምንቃፍ፡ እቲ ሽዑ ዝነበረ ምምሕዳር ባይደን ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኽተሎ ፖሊሲታት "ኣድላዪ ምምዕርራይ ክገብረሉ" ይጽውዕ።

ኣብቲ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ 2016 ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ፡ ነቶም ኣሉታዊ ዝበሎም ፖሊሲታት ንምእራም ምስ ምምሕዳሩ "ንጡፍ ጽምዶ" ብምግባር፡ ነቶም ዝነበሩ ጸገማትን መፍትሒታቶምን ዘነጽር "ሰፊሕ ሰነድ" ከም ዘረከበ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ሓቢሩ ነይሩ።

ዝርዝር ትሕዝቶ ናይቲ ንኣመሪካ ዝተዋህበ ሰነድ ግን እንታይ ምዃኑ ብንጹር ኣይተጠቐሰን።

እንተዀነ፡ ከም ኣገላልጻ ፕረዚደንት ኤርትራ ኣብዚ ናይ ቀዳም ቃለመሕትት፡ እዋን ባይደን ዝተኽስረ ኣርባዕተ ዓመት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ዝተገብረ ለውጢ ፖሊሲ ከም ዘይነበረ ኣመልኪቱ።

ወሲኹ፡ ኣብቲ ሕጂ ኤርትራ ትደልዮ ዘላ ጽምዶ ግን፡ "ሕርያ ዋሽንግተን ጥራይ ኣይኰነን፡ ማእለያ ዘይብሎም ሎቢታት ኣለዉ፣ ኣንጻር እዚ ንሕና ንደልዮ ካብዚ ጐደቦና ነናቶም ሎቢታት ዘካይዱ ሓይልታት ኣለዉ፣ ነቲ ክካየድ ዝኽእል ጽምዶ ዕንቅፋታት ዝፈጥሩሉ ዝተፈላለዩ ኣረኣእያታት ኣለዉ..." ብምባል ከጋጥም ዝኽእል ብድሆታት እውን ኣሚቱ።

ዝምድና ክልቲአን ሃገራትከ ሕጂ እንታይ መልክዕ ክሕዝ ይኸውን? ዝብል ሕቶ ዝመጽእ ስለስተ ዓመት ስልጣን ትራምፕ ዝምልሶ ክኸውን እዩ።