ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሃገራዊ ዘተ ንስልጣን መራሒ ንምግዳብ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, ebc/screenshot
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሃገራዊ ዘተ ዝካየድ ዘሎ ኣብ ሕገ-መንግስቲ እታ ሃገር ብዘይ ገደብ ግዜ ተቐሚጡ ዘሎ ስልጣን መራሒ እታ ሃገር "ንምግዳብ" ምዃኑ ገሊጹ።
መንግስቲ "ስልጣኑ ብሕጊ ተገዲቡ" ሕገ-መንግስቲ ክመሓየሽ ኣብ ዝሓተሉ ዘሎ ኵነታት፡ ኣብቲ ሃገራዊ ዘተ "ኣይንሳተፍን" ዝበሉ ኣካላት ድማ ወቒሱ።
እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ነዚ ዝተዛረበ፡ ሃገራዊ ኮምሽን ዘተ ትማሊ 15 ግንቦት 2026 ጸብጻብ ኣፈጻጽማኡ ኣብ ዘቕረበሉ እዩ።
ኣብቲ ስነስርዓት፡ ቀዳማይ ምኒስተር ሓዊስካ ላዕለዎት ሰብስልጣን ፈደራል፡ ክልላትን ኣባላት ቀወምቲ ኮሚተታት ቤትምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን ከም ዝተረኽቡ ተገሊጹ።
ኣብቲ መደብ መደረ ዘስምዐ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ መንግስቱ ነቲ ኮምሽን ዝገብሮ ደገፍ ከም ዝቕጽል በዚ ኣጋጣሚ'ዚ ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
"እቲ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ስልጣኑ" ከየብቅዐ፡ እቲ ኮምሽን እማመታቱ እንተ ኣቕሪቡ፡ "ብዝተኻእለ መጠን [...] ኣብ ባይታ ንምውራድ" ከምኡ'ውን "ነቶም እማመታት ተጠቒምካ ንምምሕያሽ" ድሉው ምዃኑ ኣረዲኡ።
ኣብ ሃገራዊ ተለቪዥን ዝቐረበ ናይ ሰለስተ ደቒቕ ዝኸውን ናይ ቪድዮ መደረ ቀዳማይ ምኒስተር ከም ዘርእዮ፡ ኣቢይ ብኣፈጻጽማ ዕዮ እቲ ኮምሽን "ከም ዝተሓበነ" ገሊጹ እዩ።
"ደቅና ኣብ ማህደር ታሪኽ ዕዮኹም፡ ታሪኽኩም እናገምገሙ ክርእዩዎ ከለዉ፡ ብዙሕ ትምህርቲ ከም ዝረኽብሉ ብዙሕ ዘጠራጥር ኣይኰነን፡" ኢሉ።
ኣቢይ፡ "ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ" ከምዚ ዓይነት ስራሕ ዝተፈጸመሉ ኣገባብ፡ ብኸምዚ መራሕቲ እቲ ኮምሽን "ዘካየዱዎ መንገዲ" ከም ዘይኰነ ሓቢሩ።
ቀዳማይ ምኒስተር፡ "ናይ መብዛሕትአን ሃገራት ኣፍሪቃ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕያሽ ዝተገብረሉ ምኽንያት፡ ስልጣን መራሕቲ ንምንዋሕ እዩ፡" ክብል ተዛሪቡ።
ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ "ዝቕየር" ግና ካብዚ ተጻራሪ ብዝዀነ ኵነታት፡ ኣብ ጸንሖት ስልጣን መራሒ እታ ሃገር ገደብ ንምንባር ምዃኑ ኣረዲኡ።
"ኣብ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናይ ቀዳማይ ምኒስተር ውድብ ክሳብ ዝሰዓረን ንሱ ክመርጾ ክሳብ ዝኸኣለን ገደብ ግዜ የብሉን። ሕጂ ንዘራረበሉ ዘለና ግና ንሱ ሓደገኛ እዩ፡ ገደብ ግዜ ንግበረሉ ኢና ንብል ዘለና፡" ክብል መርገጺ መንግስቱ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ሕገ-መንግስቲ ዝጸደቐ "ሒደት ሚእቲታት ተኣኪቦም እዩ" ዝበለ ኣቢይ፡ "ኣብ ካልእ ሃገር'ውን ከምዚ ዓይነት ዘተ ርኢና ኣይንፈልጥን፡" ክንብል ተሰሚዑ።
መንግስቲ ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ምውሳዱ፡ ኣብቲ ሃገራዊ ዘተ "ኣይዘራረብን ዝበሉ ሰባት ገዛእ-ርእሶም ንኽሓቱ ዘገድድ እዩ፡" ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ተዛሪቡ።
ቀዳማይ ምኒስተር ዝመርሖ መንግስቲ "ፈትዩ፡ ፈቒዱ፡ ህዝቢ ተመያዪጡ፡ ስልጣነይ ብሕጊ ተገዲቡ፡ ሕቶታት ህዝቢ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ተጠቓሊሎም ንኽመሓየሹ ፍቓድ ኣሎኒ፡" ይብል ከም ዘሎ ኣልዒሉ።
መንግስቲ እዚ ክብል ከሎ፡ "እዚ ንክኸውን ዝቃለሱ ሰባት ከመይ ኢሎም 'ኣይንዘራረብን' ይብሉ? እንተ ዘይተዘራሪቦምከ ስለምንታይ ፖለቲካ ይደልዩ? ፖለቲካ ብቐንዱ ዘተ እዩ፡" ክንብል ወቒሱ።
"ናይ ፖለቲካን ህርፋን ስልጣንን ዘለዎም ሰባት ነዚ ንምምሕያሽ ዕድል ዝህብ ዘተ ካብ መንግስቲ ንላዕሊ ሕጕሳት ኰይኖም ክሳተፉ ዝነበሮም ይመስለኒ፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Abiy Ahmed Ali
እዚ እኳ እንተዀነ፡ ዕዮ ሃገራዊ ኮምሽን ዘተ "ካብ እኹል ንላዕሊ፡ ድሌት ኢትዮጵያ ክምልስ ዝኽእል፡ ልዕሊ 90 ሚእታዊት ኢትዮጵያውያን ዘሳተፈ፡" ምዃኑ ተዛሪቡ።
ካብዚ ዝተላዕለ ድማ "ንእንሓስቦ ለውጥን ጽገናን መሰረት ዘንጽፍ ይመስለኒ፡" ክብል እምነቱ ገሊጹ።
ሃገራዊ ኮምሽን ዘተ ኣብ 1,234 ወረዳታት እታ ሃገር "ዕውት ኣጀንዳ ናይ ምእካብን ምልላይን" ዕዮ ከም ዝፈጸመ ሎሚ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ገሊጹ ኣሎ። በዚ ዕዮኡ ድማ "93 ሚእታዊት" እታ ሃገር ከም ዝሸፈነ ኣፍሊጡ።
ኣብ ክልል ትግራይ ብተመሳሳሊ መንገዲ ዕማማቱ ከካይድ ዘይከኣለ ኮምሽን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ "ካብ ምሉእ ክልል ትግራይ ዝተዋጽኡ ብጽሒት ዘለዎም ኣካላትን ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ሃገርና ዝርከቡ ተወለድቲ ክልል ትግራይን" ከም ዘሳተፈ ኣብ ጸብጻቡ ጠቒሱ ኣሎ።
ኣብ ዝቕጽል ሃገራዊ ኣጀንዳታት ከም ዝሰርዕን ሃገራዊ ዋዕላ ዘተ ከም ዘካይድን ኣፍሊጡ ኣሎ።
"ብሃገር ደረጃ ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሎም ውጽኢታትን እማመታትን ተፈጻሚነቶም" ከም ዘመቻችእ እውን ተገሊጹ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


