ሓድሽ ለበዳ ኢቦላ ሰባት ይቐትል

 ኣብ 2018 ከምኡ ከኣ ኣብ 2020 ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝነበረ ለበዳ ኢቦላ ኣስታት 2300 ሰባት ከምዝሞቱ ይግለጽ

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2018 ከምኡ'ውን ኣብ 2020 ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ዝነበረ ለበዳ ኢቦላ ኣስታት 2,300 ሰባት ከም ዝሞቱ ይግለጽ
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ኣብ ምብራቕ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዞባ ኢቱሪ ለበዳ ኢቦላ ከም ዝኣተወ ላዕለዋት ኤጀንሲ ጥዕና ኣፍሪቃ ኣፍሊጡ።

ማእከል ምክልኻል ሕማማት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣብቲ ዞባ ብፍላይ ከኣ ኣብተን ወርቂ ዝዕደነለን ከተማታት ሞንጉዋሉን ርዋምፓራን 246 መልከፍትን 80 ሞትን ተመዝጊቡ ምህላዉ ሓቢሩ።

ሰብመዚ ዩጋንዳ'ውን ብዓርቢ፡ ሓደ ወዲ 59 ዓመት ካብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ናብ ዩጋንዳ ዝኣተወ ውልቀሰብ ተመርሚሩ ብኢቦላ ምልካፉ ከም ዘረጋገጹ ገሊጾም።

እቲ ወዲ 59 ዓመት ተወላዲ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝዀነ ሰብኣይ ኣብ ካምፓላ ኣብ ሆስፒታል ምስ ኣተወ ከም ዝዓረፈ'ውን ተገሊጹ።

እቲ ሓዲሽ ለበዳ ኢቦላ ተራእዩወላ ዘሎ ኣብ ምብራቕ ደሞክራስያዊት ኮንጎ እትርከ ዞባ ኢቱሪ ምስ ምዕራብ ዩጋንዳን ብገለ ጸቢብ ሸነኻ ከኣ ምስ ደቡባዊ ሸነኽ ደቡብ ሱዳን ትዳወብ'ያ።

ካብተን ብኢቦላ ተጠቒዐን ዘለዋ ከተማታት ቅምሶ ተወሲዱ ኣብ ርእሰ ከተማ ኪንሳሻ መርመራ ምስ ተገበረሉ፡ ካብ 20 ቅምሶ እቲ 13 መልከፍቲ ኢቦላ ከም ዝጸንሖ ምኒሰትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ኢቦላ እንታይ ዓይነት ምዃኑ ንምፍላጥ ከኣ ተወሳኺ መርመራታት ይግበር ኣሎ።

ኢቦላ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 1976'ዩ ኣብ ኮንጎ ተረኺቡ፡ እቲ ሕማም ብመንካዕ ከም ዝመሓላለፍ'ዩ ዝግለጽ።

ኣብታ ሃገር ቅድሚ ሕጂ'ውን ተመሳሳሊ ለበዳ ይረአ ነይሩ'ዩ እዚ ከኣ መበል 17 ለበዳ ኰይኑ ተመዝጊቡ'ሎ።

ሕማም ኢቦላ ብቐጥታዊ ኣካላዊ ምትንካፍ ብዝሓለፍ ከም ርሃጽ ዝኣመሰለ ፈሳሲ፡ ብቝስሊ መሳሊ ዝተበስዐ ቈርበት ዝመሓላለፍ ኰይኑ፡ ብርቱዕ መድመይትን ውሽጣዊ ኣካላትን ብምጥቃዕን ናብ ሞት ዘቃልዕ ቀታሊ ሕማም'ዩ።

ኣብ መጀመርታ ብርቱዕ ረስኒ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት፡ ረሸሽታ፡ ሕማም ርእሲን ምሕርሓር ጐረሮን ዝኣመሰሉ ምልክታት ብምርኣይ ጀሚሩ ተምላስ፡ ውጽኣትን መድመይትን የኸትል።

ክሳብ ሕጂ ንሕማም ኢቦላ ፈውሲ ዝኸውን ኣፍልጦ ዝተዋህቦ መድሃኒት የሎን።

ውድብ ጥዕና ዓለም በዚ ሕማም ዝተለኸፈ ሰብ ናይ ምማት ዕድሉ 50 ምኢታዊት ምዃኑ'ዩ ዝገልጽ።

ኣብ ዝሓለፈ 50 ዓመታት ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ በዚ ሕማም ኣስታት 15,000 ሰባት ከም ዝሞቱ'ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ 2018 ከምኡ ከኣ ኣብ 2020 ዘጋጠመ ለበዳ ኢቦላ ህይወት ልዕሊ 2300 ሰባት'ዩ ቀዚፉ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዘጋጠመ ተመሳሳሊ ለበዳ'ውን 45 ሰባት ኣብታ ሃገር ከም ዝሞቱ መዛግብቲ ይሕብሩ።

እተን ለበዳ ኢቦላ ተራእይወን ዘሎ ከተማታት ሞንዋሉን ረዋመፓራን ዘርኢ ካርታ