ኤርትራ-ኣመሪካ፡ ተሓጋጋዚ ጉዳያት ኣፍሪቃ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ተራኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Yeman G. Meskel/twitter
ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ቲቦር ናዥ፡ ሎሚ ናብ ኤርትራ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ከም ዝተራኸበ፡ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ብትዊተር ሓቢሩ።
ክልቲኦም ወገናት ክልተኣዊን ዞባውን ጉዳያት ብምልዓል ከም ዝተዘራረቡ'ውን ተፈሊጡ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ሃገሩ ምስ ኣመሪካ ዘለዋ "ኣብ ምትሕግጋዝ ዝተሰረተ ምውቕ ዝምድና ንምድንፋዕ ሃናጺ ጽምዶ ከተካይድ ድልውቲ ከም ዘላ" ምግላጹ'ውን እቲ ሚኒስተር ጠቒሱ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን፡ ጉዳይ ሰባዊ መሰላትን ብዘይሕጊ ተኣሲሮም ዘለዉ ናይ ሕልና እሱራት ክፍትሑ ንመግስቲ ኤርትራ ክሓትት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝተባህለ ተሓላቒ ጉጅለ ሰባዊ መሰላት ጸዊዑ ምንባሩ ይዝከር።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ፡ ኤርትራን ኣመሪካን ነቲ ሓርፊፉ ዝጸንሐ ዝምድናአን ከመሓይሸኦ ተራእየን'የን።
ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ኢድ ነይርዋ ተባሂሉ ክግለጽ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ምክትል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝኾነ ዶናልድ ያማሞቶ ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዝያ ንኤርትራ ዝበጽሐ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ በዓልስልጣን ምዃኑ ይዝከር።
ክልቲኦም ወገናት ንስምምዕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ ንምሕያል ክሰርሑ ከም ዝተሰማምዑ'ውን እቲ ብትዊትር ዝተዋህበ ሓበሬታ ገሊጹ።
እቲ ኣመሪካዊ በዓል ስልጣን ምስ ካልኦት ላዕለዋት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ተራኺቡ ክዘራረብ ምዃኑ ድማ ሚኒስተር የማነ ገሊጹ'ሎ።
ኤርትራ ብ24 ጉንበት 1993 ናጽነታ ብወግዒ ቅድሚ ምእዋጃ፡ ኣመሪካ ብ27 ሚያዝያ ከም ሃገር ከም እትፈልጣ ኣፍሊጣ። ውጽኢት ህዝበ-ውስነ (ረፈረንደም) ኤርትራ ብወግዒ ድሕሪ ምግላጹ ብኡንብኡ ናጽነታ ከም ዝኣወጀት ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፍሊጡ ምንባሩ ይዝከር።
ንመጀመርታ እዋን ኣብ ሰነ ናይቲ ዓመት ኣብ ኣስመራ ቤት ጽሐፈት (ቆንስል) ብምኽፋት ዝጀመረ ፕሎማስያዊ ርክብ ኣመሪካ ኣብ ታሕሳስ 1993 ናብ ምኽፋት ኤምባሲ ተሰጋጊሩ። እንተኾነ ግን፡ ብፍላይ ካብ 2001 ጀሚሩ እንናሓርፈፈ ዝመጸ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ብደረጃ ኣምባሳደር ዝነበረን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ናብ ደረጃ ፈጸምቲ ጉዳያት (ቻር ዲ ኣፌርስ) ኣውሪድዎ።

ምንጪ ስእሊ, Yeman G. Meskel/twitter
ጠንቂ ምሕርፋፍ ናይቲ ዝምድና፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ካብ 2001 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ፓለቲካዊ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዜጋታት ዝተወስደ ናይ ምእሳር ስጉምቲ፡ ምዕጻው ናይ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን፡ ምድራት ሲቪላዊ መሰላትን ምግሃስ መሳባዊ መሰላትን ምዃኑ ኣመሪካ ክትገልጽ ጸኒሓ'ያ።
ገለ ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ብመንግስቲ ኤርትራ ምእሳሮም'ውን ሓደ ካብቲ ዘቀሓሓሮም ጉዳይ ኮይኑ'ዩ ጸኒሑ።
ኤርትራ ብወገና፡ ቅድሚ'ዚ ዘሎ ምምሕዳር ኣመሪካ ዝነበሩ ሰለስተ ምምሕዳራት ኣብ ጉዳያ ኢድ ብምእታው ኣንጻራ ይሰርሑ ከም ዝነበሩ ክትከስስ ጸኒሓ።
ኣብ 2010 ድማ እቲ ንመወዳእታ ግዜ ኣብ ኣስመራ ዝነበረ ኣምባሰደር ኣመሪካ ክወጽእ ተጌሩ። ድሒሩ'ውን ናይ ቪዛ ኣገልግሎት ምሃብ ኣቋሪጽዎ ከም ዝነበረ ይዝከር።
"ብጠለብ መንግስቲ ኤርትራ መሰረት፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኤርትራ እትህቦ ደገፍ የለን" ይብል ኣብ መርበብ ሓበሬታ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝሰፈረ ጽሑፍ።
ኣብ ኤርትራ ካብ 2009 ጀሚሩ ጸኒዑ ዝጸንሐ ናይ ኣጽዋር እገዳ ክግበር ኣመሪካ ብምድጋፋ'ውን ነቲ ዝነበረ ዝምድና መሊሱ ከም ዘጋደዶ ይንገር።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ መጋቢት 2017 ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ናይ ባዕላ ማዕቀብ ምንባራ ንመንግስቲ ኤርትራ ዘቖጠዐ'ዩ ነይሩ።
"ንምርድኡ ዘጸግምን ዘይምኽኑይ ተወሳኺ ስጉምቲ...ዘይሃናጺ መሰረት ሕግን ሕጋውነት ዘይብሉ ኣረጊት ጸወታ'ዩ" ብምባል'ውን ግብረመልሲ ሂቡሉ'ዩ።
ይኹን'ምበር ካብ 2017 ጀሚሩ ኣብ መንጎአን ዝነበረ ርክብ እናተመሓየሸ ብምምጽኡን፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበራ ኩነተ-ኲናት ከብቅዕ ብምስምምዓ ዲፕሎማስያዊ ዝምድንአን ናብ ንቡር ዝምለስ ዘሎ ይመስል።
ምብጻሕ ናይዚ ላዕለዋይ በዓልስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ ድማ፡ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ርክብ ከተመሓይሽ ድሌት ከም ዘለዋ ዘርኢ'ዩ ክበሃል ይከኣል።
ኤርትራ እቲ ምስ ጎረባብታ ዝነበራ ናብ ግጭት ዘምረሐ ዶባዊ ምስሕሓባት "ብቡራኬን ቀጥታዊ ምትእትታው ዋሽንግቶን" ዝተሳወረ'ዩ ብምባል፡ ኣመሪካ ንኤርትራ "ጅሆ" ክትሕዛ ትህንቅን ምንባራ ብቐጻሊ ከተማርር'ያ ጸኒሓ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







