ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣሜሪካ ኣምባሳደር ያማሞቶ ኣስመራ ኣትዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤርትራ፡ ኣብ ሶማል ንዝንቀሳቐስ ጉጅለ አልሻባብ ትድግፍ እያ ብዝብል፥ ውድብ ፀጥታ ሕቡራት ሃገራት ማዕቐብ ካብ ዘንብረላ ኣትሒዙ ምስ አመሪካ ዝነበራ ርክብ ተበላሸዩ ድሕሪ ምጽንሑ'ዩ ሕጂ አምባሳደር ዶናልድ ያማማቶ ድሕሪ 20 ናብ ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ።
እቲ ኣምባሳደር ኣብዚ ናይ ሰለስተ መዓልታት ፃንሒቶም ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ከምዝራኸብን ኣብ ክልተኣዊን ከባብያዊን ጉዳያት ከምዝዝቲ መግለጺ ሚኒስትር ወፃኢ ጉዳያት አመሪካ የረድእ።
ተቖጻጻሪ ኮሚቴ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ፡ ምስ ኣልቓዒዳ ጥቡቕ ርክብ ኣለዎ ንዘበሃል ኣልሸባብ ከምእድግፍ ዝሕብር ፀብፃብ ድሕሪ ምውፅኡ እዩ ብ2009 ማዕቐብ ተገይሩላ ንኽልተ ግዘ ድማ ተናዊሑ።
እንተኾነ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ክሲ ብምንጻግ እቲ ማዕቐብ ንክለዓል ጎስጓስ ክገብር ፀኒሑ'ዩ። ተቖጻጻሪ ኮሚተ ሕቡራት ሃገራት ከኣ ኣብ ናይ ዓሚ ጸብጻቡ፡ ኤርትራ ንኣልሻባብ ምድጋፋ ጭብጥታት ከምዘይረኸበ ምሕባሩ ዝዝከር እዩ።
ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ጉዳይ ዶባት ዘይምፍትሑ ንመንግስቲ ኣመሪካ ሓላፍነት ከሰክሞ ጸኒሑ። መንግስቲ ኣመሪካ ብወገኑ፡ ንኤርትራ ብቐጻሊ'ዩ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝወቕሳን ዝኸሳን።
ኣምባሳደር ነበር ዶናልድ የማማቶ ንኢትዮጵያ እውን ዝበጽሕ እንተኾን ናይ ኣስመራ ጉዕዝኡ ግና ዝያዳ ኣቓልቦ ስሒቡ ኣሎ።
እቲ በዓል ስልጣን ድሕሪ ኤርትራ ንጉጅለ ልኡኽ ሃገሩ መሪሑ ናብ ክልቲኣዊ ፎረም ዝካየደሉ ጅቡቲ ከምርሕ'ዩ። ብድሕሪኡ ከኣ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ምስ ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ክዝቲ ትጽቢት ይግበር።
እቲ ኣምባሳደር ቅድም ክብል ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ፃዕሪ ክገብር ምጽንሑ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







