ኤርትራ-ኣመሪካ፡ 'ጽምዶ ንምሕዳስ መንገዲ ዝጸርግ ዝርርብ' ኣካይደን

እቶ ዑስማን ምስ ሚስተር ማሳድ

ምንጪ ስእሊ, @Eritrea_UN

ኣብ መበል 80 ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ዝሳተፍ ዘሎ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ብሓሙስ 25 መስከረም ምስ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ሚስተር ማሳድ ፋረስ ቡሎስ ተራኺቡ ከም ዝዘተየ፡ ቤትጽሕፈት ኤርትራ ኣብቲ ውድብ ብመንገዲ ኤክስ ሓቢሩ።

እቲ ዝርርብ፡ ጽምዶ ክልቲአን ሃገራት 'ንምሕዳስ ዘኽእል መንገዲ ዝጸርግ' ምዃኑ ዘመልከተ እቲ ሓበሬታ፡ ዘተን ምትሕብባርን ኣብ ዞባዊ ምርግጋእ፡ ጸጥታን ቍጠባዊ ምዕባለን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ - ኢሉ።

ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካ ንነዊሕ እዋን ደስኪሉ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ምስ ምምላስ ትራምፕ ናብ ዋይትሃውስ ግን ነቲ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ ጻዕርታት ይግበር ከም ዘሎ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝሓለፈ ቃለመሕትቱ ኣሚቱ ነይሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ብመንገዲ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ "ጽምዶ ምስ ዋሽንግተን" ኣብ 2026 ክጅምር ምዃኑ ዘመልከተ ኣቶ ኢሳይያስ፡ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣን ትራምፕ፡ ተፍቲኑ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ "ኣብቲ ናይ ቀዳማይ ሓደ ዓመት ሰሪሕና፡ ብድሕሪኡ ግን ሰለስተ ዓመት ኣይሰርሐን፣ ባይደን ንኣርባዕተ፡ መሊሱ ድማ ሸውዓተ ዓመታት ተኸሲሩ፡" ድሕሪ ምባል፡ ሕጂ ግን ኤርትራ ምስ ኣመሪካ ጽምዶ ክትገብር ድልውቲ ምዃና ገሊጹ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ኣብዚ ናይ ሕጂ ርክብ ኣቶ ዑስማን፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፡ ተፋሰስ ኒልን ብፍላይ ከኣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ልኡላውነት ሃገራት ዘኽብርን ሓባራዊ ረብሓ ዘደንፍዕን ትርጕም ዘለዎ ዘተ ንምክያድ ሃገሩ ድልውቲ ምዃና ጠቒሱ፡ ክብል እቲ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብዚ እዋን ኢትዮጵያ ተልዕሎ ብዘላ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ፡ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ሓድሽ ግጭት ከይሽመም ስግኣት ፈጢሩ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ብዘይካ'ዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ኢትዮጵያ ዝመረቐቶ፡ 13 ዓመታት ዝወሰደ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ፡ ነቲ ጽኑሕ ቍርቍስ ምስ ግብጺ መሊሱ ኣጋዲድዎ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ እቲ ላዕለዋይ ኣማካሪ ትራምፕ፡ ሃገሩ ኣብቲ ንዓለምለኻዊ ንግዲ፡ ጸጥታን ጻዕሪታት ጸረ-ሽበራን ኣገዳሲ ዝዀነ ዞባ ልዝብን ምርድዳእን ክዓሙቕ ዘለዋ ተገዳስነት ገሊጹ።

ሚስተር ማሳድ፡ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ እውን ብ17 መስከረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቡ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, @US_SrAdvisorAF

መግለጺ ስእሊ, ሚስተር ማሳድ፡ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ እውን ብ17 መስከረም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቡ ነይሩ

ብ17 መስከረም ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከም ዝተራኸበ ብመንገዲ ኤክስ ዝሓበረ ሚስተር ማሳድ፡ ኣብ ርክቦም፡ "እቲ ኣውራ ቀዳምነት ፕረዚደንት ትራምፕ እዩ፡" ዝበሎ፡ ኣገዳስነት ናይቲ ኢትዮጵያ ምስ ጐረባብታ እትፈጥሮ ሰላምን ዞባዊ ምርግጋእን ጸቒጦም ከም ዝተዘራረቡ ገሊጹ።

ኣብቲ ንዝምድናታት ኤርትራን ኣመሪካን ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ ምኽፋት ደራኺ ተራ ክህልዎ ከም ዝኽእል ዝተገልጸ ርክብ ኣቶ ዑስማንን ሚስተር ማሳድን፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ርክባቶም ክቕጽሉ ተሰማሚዖም።

እታ ንዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ብሰንኪ እትኽተሎ ፖሊሲ ወጻኢ፡ ብባዕላውን ዓለምለኻውን ዕጽዋ ኣብ ብዙሕ መድረኻት ተነጺላ ዝጸንሐት ኤርትራ ካብዚ ቀረባ እዋናት ንደሓር ዝምድናታታ ከተሐድስ ጻዕሪታት ትገብር ከም ዘላ ትርአ።