መራሕቲ ዓለም ብዛዕባ መጥቃዕቲ ኢራን እንታይ ኢሎም?

ብርቱዕ ትኪ ዝርኣያ ከተማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኢራንን ኣመሪካን ንሰሙናት ኣብ ድርድር ተዓጽየን እየን ቀንየን ነይረን።

ድሕሪ እቲ ናይ ትማሊ መጥቃዕቲ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ "ኣህጉራዊ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ኣሎ" ኢሉ ኣዊጁ ኣሎ።

ንሱ፡ መጥቃዕቲ ኣመሪካን እስራኤልን፡ ከምኡ'ውን ሕነ ምፍዳይ ኢራን፡ ነቲ ዞባ ከምዝበትዖ ብምግላጽ፡ እቲ ግጭት "ቅድሚ ናብ ዞባዊ ደረጃ ምዕባዩን ህይወት ንጹሃት ቅድሚ ምጉዳእን" ብቕልጡፍ ደው ክብል ኣተሓሳሲቡ።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ማይክ ዎክ፡ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተፀወዐ ህጹጽ ኣኼባ "እቲ መጥቃዕቲ ንስትራተጂካዊ ቦታታት ጥራይ ዒላማ ዝገበረ እዩ" ኢሉ።

"ዕላማና ምምዕባል ሚሳይል ደው ምባል እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ሃገራት ከይርበሻ፡ ንኢራን ዝድግፉ ዕጡቓት ንምእላይ፡ እታ ሃገር ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከይትውንን ክንከላኸል ኢና ንደሊ" ኢሉ።

ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሕቡራት ሃገራት ዳኒ ዳኖን ብወገኑ፡ "እስራኤልን ኣመሪካን ኣብ ልዕሌናን መሻርኽትናን ንጸጥታ ዓለምን ዘሎ ሓደጋ ንምምካት ብሓባር ይሰርሓ ኣለዋ" ኢሉ።

"ሓደ መንግስቲ 'ሞት ንእስራኤል'፡ 'ሞት ንኣመሪካ'' ክብል ከሎ ከም ዋዛ ኣይንወስዶን ኢና" ክብል ኣብቲ ዋዕላ ተዛሪቡ።

መሓዛ ኢራን ዝዀነት ሩስያ ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒናቶ።

ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ቫሲሊ ናታንዝ፡ "ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ንመላእ እቲ ዞባ ዝዘርግ ፍጻመ'ዩ" ኢላ።

ሞስኮ፡ ማሕበረሰብ ዓለም "ንሰላምን ምርግጋእን ማእከላይ ምብራቕ ክሰርሕ" ጸዊዓ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ቁልፊ ኣደራዳሪ ዝነበረ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዖማን ባድር ኣልቡሳዲ፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ "ኣዝየ ሰንቢደ" ክብል ኣብ ኤክስ፡ ጽሒፉ።

እቲ ሚኒስተር፤ እቲ መጥቃዕቲ፡ ኢራንን ኣመሪካን ኣብቲ ዝርርብ ርኡይ ምዕባለ የርእዩ ከምዘለዋ ድሕሪ ምግላፁ፡ ድሕሪ ሰዓታት እዩ ተፈጺሙ።

"ኣብ ስምምዕ ሰላም ንምብጻሕ ቀሪብና ነይርና። ናብኡ ንምብጻሕ ንዲፕሎማሲ ዕድል ክንህቦ ኣለና" ክብል እቲ ሚኒስተር ንኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ።

ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ድማ "እቲ ዝካየድ ዝነበረ ፅቡቕ ድርድር ከብቅዕ ገይሩ ኣሎ። ኣመሪካን ዓለምን ካብዚ መጥቃዕቲ ኣይክጥቀሙን እዮም። ነቶም በዚ መጥቃዕቲ ዝጉድኡ ዘለዉ ንጹሃት ሰባት እጽሊ። ኣመሪካ በዚ መጥቃዕቲ ክትቅጽል የብላን። እዚ ኲናት ናይ ኣመሪካ ኣይኮነን" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ ነቲ መጥቃዕቲ ብምኹናን፡ ኣመሪካን እስራኤልን "ዘየበግስናዮ መጥቃዕቲ ፈጺመን" ክብል ገሊጹ።

እቲ ሚኒስተር ነቲ መጥቃዕቲ "ዘይሕጋዊ" ክብል ብምኹናን ኣብ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "ትራምፕ ካብ ፖሊሲ 'ቀዳምነት ኣመሪካ' ናብ 'ቀዳምነት እስራኤል' ተሰጋጊሩ'ሎ" ኢሉ።

ኢራን፤ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዝርከባ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣመሪካን መሻርኽታን ሕነ ፈዲያ ኣላ።

እቲ መጥቃዕቲ ዱባይ፣ ዶሓ፣ ባሕረይንን ኩዌትን ዘጠቓለለ እዩ።

ስዑዲ ዓረብ ነቲ ናይ ሕነ-ምፍዳይ መጥቃዕቲ ኢራን፡ "ዘይተኣደበ መጥቃዕቲ " ብምባል ኮኒናቶ።

መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዘውጽኢ መግለጺ፡ "ምስ ኣሕዋት ሃገራትና ደው ኢልና፡ ብኹሉ ዓቕምና ስጉምተን ክንድግፍ ክንግደድ ኢና" ክብል ኣጠንቂቑ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን፡ ቻንስለር ጀርመን ፍሪድሪክ መርዝን ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመርን ኣብ ዘውጽእዎ ሓባራዊ መግለጺ፡ እቲ ግጭት "ብዘተ ፍታሕ ክረክብ ኣለዎ" ኢሎም።

እተን ሰለስተ ሃገራት ኣብ መጥቃዕቲ ኢራን ኢድ ከምዘይብለን'ውን ገሊፀን።

ምስ ኣመሪካ፣ እስራኤል፣ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕን ማሕበረሰብ ዓለምን ብቐረባ ይሰርሑ ከምዘለዉ እውን ገሊፆም።

"መንግስቲ ኢራን ናብ ዘተ ክምለስ ንጽውዕ። ኢራናውያን'ውን ዕጫኦም ክውስኑ ዕድል ክወሃቦም ኣለዎ" ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ስታርመር፡ ነፈርቲ ብሪጣንያ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ "ረብሓታትን መሻርኽትን ዓባይ ብሪጣንያ ንምሕላው" ከምዝተዋፈራ ገሊጹ።

ፈረንሳ'ውን ንቐረባ መሓዙታ ንምሕላው "ዘድሊ ሓይሊ ከተዋፍር'ያ" ኢላ።

ላዕለዋይ ዲፕሎማት ሕብረት ኤውሮጳ ካጃ ካሊስ ኣብ ኤክስ "ኣብ ልዕሊ ኢራን ጽኑዕ እገዳ ኣንቢርና ኣለና። ጉዳይ ኒዩክለራዊ ዲፕሎማስያዊ ፍታሕ'ውን ደጊፍና ኢና" ክብል ጽሒፉ።

ሓለዋ ንጹሃት ሰባትን ኣህጉራዊ ሕጊን ቀዳምነት ክወሃቦ ኣተሓሳሲቡ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጆርጂ ሜሎኒ ምስ ዞባዊ መሻርኽቱ ብምዝርራብ ነቲ ወጥሪ ንምጉዳል ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣውስትራልያ ኣንቶኒ ኣልባነዝ ብወገኑ፡ ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ንኸይትረክብ፡ ኣመሪካ ከም ዝድግፍ ገሊጹ።

ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ቮልከር ቱርክ፡ "ኩሎም ወገናት ልቦና ከርእዩ፡ ዓመጽ ደው ኣቢሎም ናብ ድርድር ክምለሱ ኣለዎም" ኢሉ።

"ኩሉ ግዜ ኣብ ወተሃደራዊ ግጭት ዝሳቐዩን ዋጋ ዝኸፍሉን ንጹሃት ሰባት ኩሉ እዮም። ንጹሃት ምሕላው ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ቀዳምነት ዝወሃቦ'ዩ" ኢሉ።

ትራምፕ ኣብ ትዊተር ዕላምኡ "ኢራን ኣብ ልዕሊ ኣሜሪካውያን ዘስዕቦ ሓደጋ ንምእላይ" ምዃኑ ገሊጹ።

"ምስ ወዳእና መንግስትኹም መስርቱ። እዚ ኣብ ሓደ ወለዶ ሓንሳብ እትረኽብዎ ዕድል ኣሎኩም" ኢሉ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ናታንያሁ ብተመሳሳሊ ንኢራናውያን "ነቲ ጨቋኒ ስርዓት ገልቢጦም ሰላማዊት ኢራን" ክሃንፁ ተማሕፂኑ።

"ሓባራዊ ስጉምትና ነቶም ተባዓት ኢራናውያን መጻኢ ሃገሮም ንምውሳን ዝሕግዝ'ዩ"።