ብወኪል ኢሚግሬሽን ኣሜሪካ ዝተቐተለት ሬኔ ኒኮል ጉድ መን’ያ?

ምንጪ ስእሊ, FACEBOOK
ጓል 37 ዓመት ኣሜርካዊት ሬኔ ኒኮል ጉድ ብሓደ ኣባል ትካል ምቁጽጻር ኢሚግሬሽን (ኣይ-ሲ-ኢ) ተድሕሪ ምቕታላ፡ ተቓውሞታት ይካየዱ ኣለዉ።
ሰብመዚ ፌደራል፡ መዋቲት ሬኔ ኒኮል ጉድ ካብቲ ብረት ዝዓጠቐ ኣባል ንምህዳም ፈቲና’ኳ እንተበለ፡ ከንቲባ እታ ከተማ ግና ብሸለልትነት ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ከሲሱ።
ወላዲ ሬኔ ኒኮል ጉድ፡ ኣብ ቅትለት እታ ካብ ከባቢ ትነብረሉ ገዛ ዝተቐተለት ጓሉ ርኢቶ ሂቡ።
ኣቡኣ ቲም ጋርነር፡ “ሰናይ ግን ድማ በዳሂ ህይወት'ዩ ነይርዋ። እተደንቕ ሰብ'ያ ነይራ” ብምባል ገሊጹዋ።
ሰነተር ክፍለሃገር ሚኒሶታ ዝኾነት ቲና ስሚዝ ብወገና፡ ሬኔ ኒኮል ጉድ ሽልምቲ ገጣሚትን ኣብ ትርፊ ግዜኣ ድማ ጊታር ትፃወትን ነይራ ኢላ።
ኣመሓደርቲ እታ ከተማ፡ ሬኔ፡ ንሕጋውነት ምንቅስቓስ ኣባላት ምቁጽጻር ኢሚግሬሽን (ኣይስ) ትከታተል ከም ዝነበረት ገሊፆም።
ምምሕዳር ትራምፕ ግና “ናይ ውሽጢ ዓዲ ኣሸባሪት” ብምባል እዩ ገሊጹዋ ዘሎ።
ወላዲታ ዶና ጋርነር፡ ውላዳ ምስቶም ኣባላት ኣብ ዝተፋጠጠትሉ ምናልባት “ፈሪሓ ነይራ ትኸውን” ብምባል፡ “ካብ ዝፈልጦም ሕያዎት ሰባት ሓንቲ እያ ነይራ” ብምባል ሓዘናን ንጓላ ዘለዋ ናእዳን ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ቅትለት ከመይ ከም ዝተፈፀመ ዘርእይ ተንቀሳቐሲ ምስሊ፡ እቶም ባላት፡ ኣብ ማእከል መገዲ ናብ ዘሎ መኪና እንትፅግዑ የርእይ።
እቲ መኪና ምንቅስቓስ እንትጅምር፡ ሓደ ካብቶም ኣባላት ሽጉጡ ብምቕናዕ፡ ብውሕዱ ክልተ ግዘ እንክትኰስ ይርአ።
ፌደራላዊ ትካል መርመራ (ኤፍ-ቢ-ኣይ)፡ ምስቲ ቅትለት ብዝተሓሓዝ ገበናዊ ምጽራይ የካይድ ኣሎ።
ዋይት ሃውስ ሰነድ ንዘይብሎም ስደተኛታት ካብ ኣሜሪካ ንምስጓግ የካይዶ ዘሎ ወፍሪ ስዒቡ፡ ኣብ ሚኒያፖሊስ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ሓደሽቲ ኣባላት ኣይስ ተዋፊሮም ይርከቡ።
ኣደ ሰለስተ ቆልዑ ዝኾነት ሬኔ ኒኮል ጉድ፡ ብመኮንን ኢሚግሬሽን ብዝተተኰሳ ጥይት ምቕታላ ስዒቡ፡ ነበርቲ እታ ከተማ ሽምዓ ብምብራህ፣ ጭርሖታት ብምግዋሕን ይቃወሙ ኣለዉ።
ኣመሓዳሪ ሚኒሶታ ቲም ዋልዝ፡ መንግስቲ ፌደራል ብዛዕባ እዚ ቅትለት ንዝበሎ ከም ዘይቕበልን፡ “ሙሉእ፣ ፍትሓዊን ቅልጡፍን መርመራ ክካየድን” ሓቲቱ'ሎ።

ምንጪ ስእሊ, BBC / Madeline Halpert






















