ቀጥታ, ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኢትዮጵያ “ካብ ሶማልያ ክሳብ ምጽዋዕ ግብረ ሽበራ ዝከላኸል ‘ፍሉይ ሓይሊ’ ሃኒጻ” ኢሉ

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሎሚ ኣብ ሃዋሳ ኣብ ዝተኸበረ መበል 65 ዓመት ምምስራት ፍሉይ እዚ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዘስምዖ መደረ’ዩ ነዚ ቃል ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ብሪጣንያ፡ ዜጋታቱ ናብ ትግራይ ከይገይሹ ኣጠንቂቓ
  • ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ሓድሽ ረጽሚ ትግራይ ብዘተ ክፍታሕ ጸዊዑ
  • መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ዝገብሮም በረራታት ተሰሪዞም
  • ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ናብ ጐንጺ ናይ ምምላስ ዝንባለታት ከም ዘሻቕሎ ገሊጹ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ትራምፕ፡ ‘ኢራን ስለምንታይ ኢዳ ዘይትህብ' ክፈልጥ ከምዝደሊ ተዛሪቡ

    ዘተ ኣመሪካን ኢራንን

    ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE/REX/Shutterstock

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ኢራን ንምንታይ ንወተሃደራዊ ጸቕጢ ኣመሪካ ኢዳ ከምዘይሃበት ንምፍላጥ ድሌት ከምዘለዎ ፍሉይ ልኡኽ እታ ሃገር ተዛሪቡ።

    ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍ፡ ትማሊ ቀዳም፡ ምስ ፎክስ ኒውስ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ኢራንን ዝካየድ ዘሎ ኒዩክለሳዊ ዝርርብ ናብ ስምምዕ ክበጽሕ ከምዘይከኣለ ገሊጹ።

    እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ኣመሪካ ዋላ'ኳ፡ ንፅዕነት መርከብ ተዋጋእቲ ነፈርቲ፡ ናብቲ ከባቢ እንተፀገዐት፡ ኢራን ኢዳ ክትህብ ዘይከኣለትሉ ምኽንያት፡ ትራምፕ ክርዳእ ከምዝደሊ ገሊጹ።

    "ሎሚ ንግሆ ንፕረዚደንት ሓቲተዮ። ተስፋ ቀቢፁ’ዩ ክብል ኣይደልን። ምኽንያቱ ብዙሕ ኣማራጺታት ኣብ ኢዱ ከምዘሎ ስለዝፈልጥ። ኢራን ስለምንታይ ተስፋ ከምዘበፀት ግን ክፈልጥ ይደሊ"።

    ዊትኮፍ፡ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኢራን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከምዘይተፍርን ከምኡ ከምይዘትገብር ጭቡጥ ስጉምትታት ክትሕንጽጽን ከምዝደሊ ገሊጹ።

    ዊትኮፍ ነዚ ዝገለጸ ክልተ ዙር ዝርርብ ክልቲአን ሃገራት ፍረ ዘይምፍራዩ ስዒቡ እዩ።

    ክልቲአን ሃገራት ዝሓለፈ ሰሙን ብሰሉስ ኣብ ስዊዘርላንድ ዝርርብ ኣካይደን ነይረን።

    ኣመሪካ ርኡይ ክፍተታት ከምዘሎ እኳ እንተገለጸት፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ኣባስ ኣራግቺ ግን ኣብ "መሰረታዊ መትከላት" ከምዝተሰማምዑ ገሊፁ።

    ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ኢራን ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ብጽሑፍ ሓሳብ ከተቕርብ ትጽቢት ዝገብሩ ዀይኖም፡ ኣራግቺ ድማ ኣብ ውሽጢ መዓልታት እማመ-ሓሳብ ብጽሑፍ ከምዘቕርብ ሓቢሩ።

  2. ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ካብ ሶማልያ ክሳብ ምጽዋዕ ግብረ ሽበራ ዝከላኸል ‘ፍሉይ ሓይሊ’ ሃኒጻ ኢሉ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

    ምንጪ ስእሊ, EBC

    መግለጺ ስእሊ, ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ

    ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ግብረ ሽበራ ዝከላኸል ፍሉይ ሓይሊ ከምዝሃነጸት ገሊጹ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ከምኡ ዝበለ፡ ሎሚ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣብ ዝተኸበረ መበል 65 ዓመት ምምስራት ፍሉይ እዚ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዘስምዖ መደረ’ዩ።

    ኣብይ ኣሕመድ፡ “ናትና ምድላው ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ሰላም ከምዝህሉ ምርግጋጽ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ “ነዘን ኣብዚ ዞባና ዘለዋ ሃገራት ከኣ ቀንዲ ደገፍን ዋልታን ምዃን’ዩ” ኢሉ።

    ነዚ ንምግባር ከኣ እቲ ኣብ ምድርን ጎቦታትን ዝግበር ዝነበረ ስልጠናታት ናብ ባሕሪ ከምዝተሰጋገረ ሓቢሩ።

    ኣብ ባሕሪ "ካብ ጫፍ ሶማልያ ክሳብ ጫፍ ምጽዋዕ" ኣብ ዘጋጥም ስግኣታት "ንኣሕዋትና ዝኾኑ ህዝብታት ደጊፍና” ግብረሽበራ ንምክልኻልን ልምዓት ንmእርግጋፅን፡ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ ንዞባ’ውን ዝኣክል ፍሉይ ሓይሊ ተሃኒጹ ኣሎ ኢሉ።

    ኣብቲ በዓል ብጀካ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ኢታ ማጆር ሺም ምክልኻል ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ’ውን ተረኺቡ ነይሩ።

  3. ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ክኣቱ ከም ዘይተስማመዐ ገሊጹ

    ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ

    ምንጪ ስእሊ, Office of the President-Tigray

    ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፡ መንግስቲ ፈደራል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ ክኣቱ “ትእዛዝ ከም ዘውረደን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ’ውን ኣብ ናይ ቀደም ካምፕታት ሰሜን እዝ ክሰፈር ከም ዝተሰማምዐን፡” ዝገልጽ ክዝርጋሕ ዝቐነየ ሓበሬታ ነጺጉዎ።

    ኣብቲ ሎሚ 21 ለካቲት ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሓበሬታ፡ “ኣብ ሕብረተሰብ ናይ ምውዛዕ ስትራተጂ ምንጩ ይዅን ከሳኽዖ ዝተደለየ ሽቶ ግልፂ ኰይኑ፡ እቲ ዝንዛሕዘሎ ሓበሬታግን ፍፁምሓሶት፡” ኢሉ።

    መግለጺ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እቲ “ግጉይ” ዝበሎ ሓበሬታ ካበይ ከም ዝመንጨወ ብግልጺ ኣየቐመጠን።

    ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብ9 ለካቲት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ሕዚ ድማ መጠነ ሰፊሕ ናይ ኣፅዋርን ሰራዊትን ምንቅስቓስ ብምግባር ገዚፍ ወታደራዊ ዓቕሙ ናብ ትግራይ ብምፅጋዕ ናብ ካልእ ዙር ደማዊ ኲናት ንምእታው ኣብ ምህንዳድ ይርከብ፡" ክብል ከሲሱ ነይሩ።

    ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ጸለምቲ ኣብ ዝተባህለ ከባቢታት ማይ-ዳጕሻ፡ ማንጫራን ካልኦትን ብኸበድቲ ኣጽዋር ዝተሰነየ ውግእ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ከም ዝተኻየደ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ከም ዝሓበሩ ዝዝከር እዩ።

    ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ መበል 51 ምስረታ ሕወሓት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ እቲ ቅድም ኢሉ ኲናት ትግራይ ንኸብቅዕ ብሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ዘይምትግሩ፡ ስግኣት ሓድሽ ኲናት ከም ዘስዓበ ሓቢሩ።

    ኣቦ መንበር ሰልፊ ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብወገኑ፡ መንግስቲ ፈደራል ንትግራይ "ክወራር" ይዳሎ ኣሎ ድሕሪ ምባል፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ መጥቃዕቲ እንተ ተፈጺሙ፡ ሓይልታቶም ነብሶም ክከላኸሉ ምዃኖም ተዛሪቡ።

    ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ (ICG) ብ18 ለካቲት ዝዘርግሖ ሰነድ፡ ነቲ ኣብ 2022 ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብምጥቃስ፡ እቲ ውዕል ንዂናት ትግራይ ዘብቅዐ'ኳ እንተዀነ፡ ብዅሉ ወገን ሓደገኛ ምንቅስቓሳት ይርአ ከም ዘሎ ስግኣቱ ገሊጹ።

    “ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ሓደጋ ዞባዊ ኲናት ኣጋጢምዋ ኣሎ፡” ክብል ድማ ኣጠንቂቑ።

  4. ናሳ፡ ድሕሪ 54 ዓመታት ሰባት ናብ ወርሒ ክሰድድ እዩ

    ናሳ ድሕሪ 1972 ንፈለማ እዋን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ መጋቢት ደቂ-ሰብ ናብ ዙርያ ወርሒ ክሰድድ መደብ ከም ዘለዎ ገሊጹ።

    እቲ ‘ኣርተሚስ II’ ዝተሰምየ ተልእኾ፡ ኣርባዕተ ጠፈርተኛታት ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ዓባይ ኤስኤልኤስ ሮኬት ኣብ ካፕሱል ኦርዮን ኣስታት 10 መዓልታት ከሕልፉ እዮም። ኣብ ወርሒ ንዝግበር ምዕላብ ደቂ-ሰብ ንመጻኢ መንገዲ ዝጸርግ ከም ዝኸውን ድማ ሓቢሮም።

    ኵነታት ኣየር ምቹእ እንተዀይኑ ብ7 መጋቢት ናብ ዙርያ ወርሒ ጕዕዞኦም ክጅምሩ እዮም።

    ውሽጢ ናይታ መንኮርኰር ክንዲ ዓቐን ሓንቲ ሚኒባስ ኰይኑ፡ ኣርባዕተኦም ተልእኾኦም ክሳዕ ዝውድኡ ኣብኣ ኰይኖም ክበልዑ፡ ክሰርሑን ክድቅሱን እዮም።

    እቲ ተልእኾ ካብ ቅናት መሬት ጀሚሩ ናብ ወርሒ እዩ ከቕንዕ፣ ካብ ኣስታት 6,500 ክሳብ 9,500 ኪሎሜትር ካብ ልዕሊ ምድሪ ብምዃን ንሓያሎ ሰዓታት መጽናዕቲ ከካይዱን ኣሳእል ክወስዱን እዮም።

    ድሕሪ ናይ ኣስታት 10 መዓልታት ከኣ ኣብ ፓስፊክ ጕዕዞኦም ክዛዘም እዩ።

    እዚተልእኾ’ዚ፡ ነታ ኣብ ልዕሊ ወርሒ ንዝዓልቡ ጠፈርተኛታት ዒላማ ዝገበረት ኣርተሚስ ሳልሳይ መንገዲ ንምኽፋት ዝዓለመ ኰይኑ፡ ኣብ 2028 ክፍጸም ትጽቢት ይግበር።

    ቻይናክሳዕ 2030 ኣብ ደቡባዊ ዋልታ ወርሒ ክትዓልብ መደብ ከም ዘለዋ፡ እዚ ድማ ደቂ-ሰብ ናብ ወርሒንምምላስ ዝግበር ዓለማዊ ውድድር ዘጕልሕ እዩ።

    ወዲ-ሰብ ንፈለማ እዋን ኣብ ወርሒ ዝረገጸሉ ብ20 ሓምለ 1969 እዩ፤ ነይል ኣርምስትሮንግ፡ ሚካኤል ኮሊንስን ኤድዋር ኣልድሪንን ብ16 ሓምለ ካብ መሬት ነቒሎም። እቲ ተልእኾ ‘ኣፖሎ 11’ ይበሃል።

    ዓቢይ መንኮርኰር፡ ብድሕሪኡ ድማ ዓባይ ከባብ ወርሒ ትርአ

    ምንጪ ስእሊ, Shutterstock

  5. ሓድሽ ፀብፃብ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ንሓደጋ ከምዝተቓለዐ ኣጠንቂቝ

    ዶ/ር መሓሪ ታደለ

    ምንጪ ስእሊ, Mehari Tadle Maru

    መግለጺ ስእሊ, ሓላፊ እቲ ትካል ፓን ኣፍሪካን ኣጀንዳ፡ ዶ/ር መሓሪ ታደለ ማሩ፡ ኣብ ናይሮቢ ነቲ ፀብፃብ ወግዓዊ ኣብ ዝገበረሉ እዋን

    ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ምትግባር ዝተራእዩ መሰረታዊ ጉድለታት፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ሰፊኑ ዝነበረ ተዛማዲ ሰላም ኣብ ሓደጋ ከምዘእቱ ሓድሽ ጸብጻብ ኣጠንቂቝ።

    እቲ ብዓለምለኻዊ ትካል 'ፓን ኣፍሪካን ኣጀንዳ' ዝተሰናደአ፡ ኣስታት 80 ገፃት ዝሓዘ ፀብፃብ፡ “ውዕል ፕሪቶርያ: ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ናበይ ገፁ?” ብዝብል ኣርእስቲ እዩ ዕላዊ ዀይኑ።

    እቲ ስምምዕ፡ ፡ “ኣሉታዊ ሰላም” ዝበሎ ተዅሲ ደው ምባል ጥራይ ከም ዘረጋገፀ ይገልፅ።

    ካብኡ ሓሊፉ፡ እቲ ውዕል ሕገ-መነግስታዊ ስርዓት ናብ ንቡር ኣብ ምምላስ፣ ንዝተበደሉ ፍትሒ ኣብ ምርግጋፅ፣ ዳግመ ህንፀትን ዘላቒ ዕርቂ ኣብ ምፍጣርን ዘጠቓልል “ኣወንታዊ ሰላም” ክፈጥር ከምዘይካአለ ይድምድም።

    ብመሰረት ርኽበታት ናይቲ መፅናዕቲ፡ ውዕል ፕሪቶርያ ዳርጋ ብኹሉ መዳይ ‘ስርዓታዊ ውድቀት ኣተገባብራ ‘ኣጋጢምዎ ኣሎ።

    እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ፡ ንኣገባብ ምክትታልን ምርግጋጽን ሕብረት ኣፍሪቃ (MVCM) ብምንቃፍ፡ ድኹምን ውጽኢት ዘይብሉን ትካል ክብል ወቚሱ።

    እቲ መጽናዕቲ ብተወሳኺ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰንኪ ሕቶ ቀይሕ ባሕሪን ዝፍጠር ዘሎ ዞባዊ ውጥረት፡ ንውዕል ፕሪቶርያ ናብ ሓደጋ ከየእትዎ ስግኣት ከምዘሎ የጠንቅቕ።

    እቲ ጸብጻብ፡ ዳግማይ ኲናት ከይለዓል፡ ንምሉእን ኣድማዕን ኣተገባብራ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ዓለማዊ ተወፋይነትን ልዑል ደረጃ ዲፕሎማሲዊ ፃዕሪን ክግበር ይፅውዕ።

  6. ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ነበር ንሕልፈት ተፈሪዱ

    ዩን ሱክ ዪኦል

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    ብምልዕዓል ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ነበር ንሕልፈት ክእሰር ተፈሪዱ።

    ዩን ሱክ ዪኦል፡ ዝተዋህቦ ስልጣን ንዘይግባእ መዓላ ተጠቒሙሉ ብዝብል ካልእ ክሲ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ'ዩ።

    ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ዝኣወጆ ወተሃደራዊ ዋጅ ህጹጽ ሓደጋ ('ሕጊ ማርሻል') ንሓድነትን ንሕገ-መግስቲን እታ ሃገር ስለዝተፈታተነ ብሞት ክቕጻዕ'ዮም ጠሊቦም ነይሮም።

    እቲ ጉዳይ ንኮሪያውያን ዝኸፋፈለ ኮይኑ፡ ካብ 20 ክሳብ 30% ዜጋታት እታ ሃገር እቲ ፕረዚደንት ነበር ገበነኛ ከምዘይኮነ ዝኣምኑ እዮም።

    ኣብ ከባቢ ቤትፍርዲ ዝተኣከቡ ደገፍቱ በቲ ብይን ከምዝጓሃዩን፡ ገለ ካብኦም ክነብዑ ከምዝተራእዩን ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም። ኣብቲ ቦታ ዝተረኽቡ ተቓወምቱ ብወገኖም ብሞት ክቕጻዕ ጻውዒቶም ከቕርቡ ተሰሚዖም።

    ስለዚ ድማ'ዩ፡ እቲ ሎሚ ቤት ፍርዲ ዝህቦ ውሳነ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓቢ ፍጻመ ከምዝኸውን ዝግመት ዘሎ።

  7. ኤርትራን ኢትዮጵያን 'ኣብ ድርኲኺት ሓድሽ ኲናት ኣለዋ' ክብል ዓለማዊ ትካል ኣጠንቂቝ

    ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ናይቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝነበረ ምሕዝነት ናብ ሓድሕዳዊ ምጥርጣርን ወተሃደራዊ ምትፍናንን ኣትዩ ኣብ ዘለወሉ፡ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዳግማይ ሓደጋ ዞባዊ ኲናት ኣጋጢምዋ ኣሎ፡ ክብል ዓለምለኻዊ ትካል መጽናዕቲ ቅልውላዋት ኣጠንቂቝ።

    ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ (ICG) ብረቡዕ 18 ለካቲት ዝዘርግሖ ሰነድ፡ ነቲ ኣብ 2022 ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ብምጥቃስ፡ እቲ ውዕል ንኲናት ትግራይ ዘብቅዐ'ኳ እንተዀነ፡ ብዅሉ ወገን ሓደገኛ ምንቅስቓሳት ይርአ ከምዘሎ የነጽር።

    ብፍላይ ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ወጥሪን፡ ካብኡ ሰጊሩ ድማ ምስ ኤርትራ ክግበር ተዓንቂሩ ዘሎ ስግኣት ኲናት ከምዘተሓሳሰቦ ድማ ኣስፊሩ'ሎ።

  8. ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ንዘላ ጐስጓስ ነቒፋ

    ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል

    ምንጪ ስእሊ, shabait

    ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ንዘላ ጐስጓስ ነቒፋ።

    ሚኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ኣብ ዝሃቦ ግብረመልሲ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ዝኽተልዎ ዘለው ተጻባኢ ኣቃውማ'ዩ ዝበሎ ጐስጓት ኣፍ ደገ ባሕሪ ወቒሱ።

    ናብ ቀይሕ ባሕሪ ንምብጻሕ ንዝገብርዎ ዘለው ጻዕሪ ድማ "መደናገሪን ድኹምን ስነ-መጐት" ከም መመኽነይታ ይጥቀሙ ኣለው ኢሉ።

    ኣብ ልዕሊ ሃገሩ ክካየድ ንዝኽእል ኲናት ንምምኽናይ፡ "ዝደኸመ መወከሲታት ብዝሒ ህዝቢ" ከምኡ'ዉን እታ ሃገር ኣፍደገ ባሕሪ ብምስኣና ንወጻኢታት ክፍሊት ወደብን ቁጠባዊ ክሳራን ተቓሊዓ እያ ዝብሉ ጥርዓናት ምቕራቦም ተቐባልነት ከምዘይብሉ እቲ ሚኒስተር ኣነጺሩ።

    ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ብተደጋጋሚ ሃገሩ ኣፍደገ ባሕሪ ከም ዘድልያን ናይ ዋንነት መሰል ከምዘለዋን ክምጉት ይስማዕ እዩ።

    ንሱ፡ ኣብቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተዛዘመ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃን ብ17 ለካቲት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምብጻሕ ምስ ዝገበረ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ብምዃን ኣብ ዝሃቦ ሓባራዊ መግለጺን ነቲ ጉዳይ ደጊሙ ኣልዒልዎ።

    ኣብ መንጐ እዘን ጐረባብቲ ሓዱሽ ኲናት ከይለዓል ዝብል ልዑል ስክፍታታት ከም ዘሎ ይፍለጥ።

    ይኹን'ምበር፡ ሃገሩ ነዚ ውጽኢት ከም ዘይትደሊ ብተደጋጋሚ ክዛረብ ጸኒሑ'ዩ።

  9. መራሕቲ ትግራይ: ን'ወራር' ሰራዊት ፌደራል ክንምክት ኢና ኢሎም፤ ኤርትራኸ እንታይ ኢላ?

    ኣባላት ሓይልታት ትግራይ

    ምንጪ ስእሊ, WOYEN

    መራሕቲ ትግራይ፡ 'ወራር' ኢሎም ንዝገለጹዎ ምንቅስቓስ ሰራዊት ፌደራል ክንምክት ኢና ኢሎም።

    ኣቦ መንበር ሰልፊ ህወሓት ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ኣብ ልዕሊ ትግራይ መጥቃዕቲ እንተ ተፈጺሙ፡ ሓይልታቶም ነብሶም ክከላኸሉ ምዃኖም ተዛሪቡ።

    መንግስቲ ፌደራል ድማ ንትግራይ "ክወራር" ይዳሎ ኣሎ ክብል ከሲሱ።

    ኣብቲ ብረቡዕ ብክልላዊ ቴሌቪዥን ትግራይ ዝተመሓላለፈ ጽንብል መበል 51 ዓመት ምስረታ እቲ ዝመርሖ ሰልፊ፡ መንግስቲ ፌደራል "ንትግራይ ንምውራር ምድላዋትን ምውህሃድ ሃፍቲን፡" ይገብር ኣሎ ክብል ተሰሚዑ።

    እቲ ኣቦ መንበር ወሲኹ፡ "ታሪኽ ህዝቢ ትግራይን ሰማእታትን እናዘከርና፡ ነቲ ዝቃረብ ዘሎ ወራር ብዘተ ንምውጋድ ግቡእና ክንፍጽም ቃል ንኣቱ። ይኹን'ምበር ደሕንነትናን ህላወናን ንምሕላው፡ መስመር ሓሊፎም ንዘጥቅዑና ክንቃለስ ኢና፡" ኢሉ።

    ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ታደሰ ወረደ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ዘመሓላለፈ ኰይኑ፡ እቲ ቅድም ኢሉ ኲናት ትግራይ ንከብቅዕ ብሕዳር 2022 ኣብ ፕሪቶርያ ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ዘይምትግሩ፡ ስግኣት ሓድሽ ኲናት ከም ዘስዓበ ሓቢሩ።

    ጸብጻባት ከም ዘመልክትዎ፡ ኣብቲ ክልል ምትእኽኻብ ሓይልታት ፌደራልን ኣብ መንጐ መራሕቲ ዝርአ ምውሳኽ ናይ ቃላት ኲናትን ኣሎ።

    መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊቱ ኣንቀሳቒሱ ድዩ ኣየንቀሳቐን ንዝብል ክሳብ ሕጂ ዝሃቦ ርእይቶ የለን።

  10. ናይ ሞት ፍርዲ ዘንጸላለዎ ፕረዚደንት ኮርያ ነበር

    ዩን ሱክ ዪኦል ንቤት ፍርዲ ቃሉ እናሃበ

    ምንጪ ስእሊ, EPA

    ብክስታት ምልዕዓል ዝተኸሰሰ ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ ነበር ሎሚ ፍርዱ ክቕበል እዩ።

    ዩን ሱክ ዪኦል፡ ዝተዋህቦ ስልጣን ንዘይግባእ መዓላ ተጠቒሙሉ ብዝብል ክሲ ገበኛ ኮይኑ ስለዝተረኽበ ድሮ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ'ዩ።

    ኣኽበርቲ ሕጊ እታ ሃገር፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ዝኣወጆ ወተሃደራዊ ዋጅ ህጹጽ ሓደጋ ('ሕጊ ማርሻል') ንሓድነት እታ ሃገር ስለዝተፈታተነ ብሞት ክቕጻዕ'ዮም ጠሊቦም ዘለዉ።

    እቲ ጉዳይ ንኮሪያውያን ዝኸፋፈለ ኮይኑ፡ ካብ 20 ክሳብ 30% ዜጋታት እታ ሃገር እቲ ፕረዚደንት ነበር ገበነኛ ከምዘይኮነ ዝኣምኑ እዮም።

    ስለዚ ድማ'ዩ፡ እቲ ሎሚ ቤት ፍርዲ ዝህቦ ውሳነ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓቢ ፍጻመ ከምዝኸውን ዝግመት ዘሎ።

  11. ልዕሊ 30 ሰባት ቀቲሉ ዝብሃል ዘሎ መርዛም ጋዝ 'ካርቦን-ሞኖኦክሳይድ'

    ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ዝግበረሎም ሓያለ ሰባት ከቢቦም ይርኣዩ

    ኣብ ናይጀርያ ሞይቶም ዝተረኽቡ ብውሕዱ 33 ዓደንቲ ብመርዛም ጋዝ 'ካርቦን-ሞኖክሳይድ' ተቐቲሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ መሰኻኽር ዓይኒ ንቢቢሲ ሓቢሮም።

    እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ኣብ ከባቢ ከተማ ዋዝ ኣብ ዝርከብ ናይ ዕደና ቦታ'ዩ ኣብ እዋን ወጋሕታ ኣጋጢሙ።

    ከምቲ ዝብሃል ዘሎ እንተኾይኑ፡ እቲ መርዛም ጋዝ ኣብቲ መናፈሲ ዘይብሉ ኣብ ትሕቲ-መሬት ዝርከብ ጐዳጉዲ ተዋህሊሉ'ዩ ነቲ ጉድኣት ከውርድ ክኢሉ።

    እቶም ምሉእ ለይቲ ክሰርሑ ዝሓደሩ ሰራሕተኛታት ክፍደሱ ምስቀረቡ'ዮም ሃንደበት ክወድቁ ጀሚሮም። በቶም ክትክእዎም ዝኣተዉ መሳርሕቶም ሞይቶም ከምዝተረኽቡ ተፈሊጡ።

    ሓደ ካብቶም ዝረኸብዎም ዝኾነ ሳፊያኑ ሃሩና ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣስታት 20 ካልኦት በቲ ኩነታት ተጠቂዖም ናብ ሆስፒታላት ከምዝተወስዱ ጠቒሱ።።

    "ዝለሓዄ ጋዝ ካርቦን-ሞኖክሳይድ እዩ ቀቲሉዎም" ዝበለ ሃሩና፡ ቁጽሪ ምውታት 37 ምዃኑ ጠቒሱ።

  12. ዘተ ሰላም ሩስያን ዩክረይንን ብዘይ ፍረ ተበቲኑ

    ልኡኻት ሩስያ፡ ዩክረይንን ኣመሪካን ሰሉስን ረቡዕን'ዮም ኣብ ጀኔቫ ተራኪቦም

    ምንጪ ስእሊ, Reuters

    መግለጺ ስእሊ, ልኡኻት ሩስያ፡ ዩክረይንን ኣመሪካን ሰሉስን ረቡዕን'ዮም ኣብ ጀኔቫ ተራኪቦም

    ነቲ ኣብ ሞንጎ ዩክረይንን ሩስያን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ደው ንኽብል ኣብ ሞንጎ ሩስያ፡ ዩክረይንን ኣመሪካን ዝተጀመረ ዘተ ሰላም ብዘይ ፍረ ተበቲኑ።

    እቲ ኣብ ጀኔቫ ዝተኻየደ ስሉሳዊ ዘተ፡ ትማሊ ሰሉስ ጀሚሩ፡ ሎሚ ብስምምዕ ክድምደም’ኳ ትጽቢት እንተነበረ፡ ሎሚ ክልተ ሰዓታት ጥራይ ምስ ተዘራረቡ’ዩ ብዘይ ፍረ ተበቲኑ።

    ዋላኳ ልኡኽ ኣመሪካ ስቲቭ ዊትኮፍ በቲ ዝተኻየደ ዝርርብ ተስፋ ከምዘለዎ እንተገለጸ፡ ልኡኻት ሩስያን ዩክረይንን ግን እቲ ዘተ ‘ከቢድ’ ከምዝነበረ ሓቢሮም።

    እተን ካብ መጀመርታ ርብዒ ዓመት 2022 ጀሚረን ኣብ ኵናት ተጸሚደን ዘለዋ ዩክረይን ሩስያን፡ ኣብ ጉዳይ ዶብን ዝርዝራት ምቁራጽ ቶዅስን ኣዝዩ ዝተረሓሓቐ ሓሳባት ከምዘለወን’ዩ ተገሊጹ ዘሎ።

    ኣብቲ ምዝርራብ ምትእምማን ክጥረ ከቢድ ምዃኑ ዝገለጸ ንሩስያ ወኪሉ ዝመጽአ ልኡኽ ቭላድሚር መዲንስኪካልእ ኣኼባ "ኣብ ቀረባ እዋን" ክካየድ ተስፋ ከምዘሎ ገሊጹ።

    ፕረዚደንትዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ’ውን ብሰንኪፍልልይ መርገጺ ክልቲኦም ወገናት ነቲ ዘተ "ቀሊል ኣይኮነን" ክብል ገሊጽዎ።

    ዩክሬናዊተዛታዩ ሩስተም ኡሜሮቭ፡ እቲ ዘተ "ጽዑቕ" ምንባሩን፡ ምዕባለታት እኳ እንተነበረን "ኣብዚ ደረጃ'ዚ" ዝርዝር ሓበሬታ ክህብ ከምዘይክእልን ኣፍሊጡ።

    ሩስተምኡሜሮቭ ብምስዓብ "ኣብ መንጎ ኩሎም ወገናት ምትእስሳርን ምቅርራብ ንምፍጣርን እኹል ግዜ ዝሓትት ዝተሓላለኸ ስራሕ'ዩ" ይብል።

    ዘለንስኪ ምዝዛም እቲ ዝርርብ ቅድሚ ምግላጹ ኣቐድም ኣቢሉ ሩስያ "ድሮ ኣብ መወዳእታ ደረጃ ክበጽሕ ዝኽእል ዝነበረ ዘተ ክትጎትት ትፍትን ኣላ" ክብል ከሲሱ።

    ልኡኻት ክልቲኤን ሃገራት ብሞንጎኝነት ኣመሪካ ኣብ ጥሪ ኣብ ኣቡዳቢ ተራኺቦም ምንባሮም ዝዝከር’ዩ።

  13. ጀሰ ጃክሰን፡ ሓዘኖም ዝገልጹ መራሕቲን ፍሉጣት ሰባትን ምስክርነት ይህቡ

    ብዙሓት መራሕቲ ሃገራትን ፍሉጣት ሰባትን ብሞት ጀሰ ጃክሰን ዝተሰምዖም ሓዘን ይገልጹ ኣለዉ።

    ፈላሚ ጸሊም ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝኾነ ባራክ ኦባማ ኣብ ዘውጽኦ ሰፊሕ መግለጺ ሓዘን፡ ጃክሰን ንኣመሪካ ኣብ ምቕያር ወሳኒ ግደ ዝተጻወተ ምንባሩ ጠቒሱ።

    "ረቨረንድ ጃክሰን ንልዕሊ 60 ዓመታት፡ ንገለ ኣብ ታሪኽ ደቂሰባት ኣገደስቲ ዝኾኑ ምንቅስቓሳት ለውጢ ዝመርሐ እዩ" ክብል እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣመጒስዎ።

    ኣብ 2008 ኦባማ ፕረዚደንት ኮይኑ ኣብ ዝተመረጸሉ ለይቲ፡ ንመግለጺ ዓወቱ እናሰምዐ ክነብዕ ምርኣዩ ዘይርሳዕ ምስሊ ናይቲ ንዓመታት ንመሰላት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ዝተቓለሰ ጃክሰን'ዩ።

    ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ በወገኑ፡ ናብ ሰልጣን ቅድሚ ምምጽኡ ኣቐዲሙ ከምዝፈልጦ ብምግላጽ፡ "ጥዑይ ሰብ'ዩ ነይሩ፡ ውልቃዊ ሓቦ ዝነበሮን. . .ብህዝቢ ዝፍቶን'ዩ ነይሩ" ከብል ገሊጽዎ።

    ኣብ 90ታት ፕረዚደንት ኣመሪካ ዝነበረ ቢል ክሊንተ ምስ ብዓልቲቤቱ ሂላሪ ኣብ ዘውጽእዎ ናይ ሓባር መግለጺ'ውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ኣለዉ።

    "ረቨረንድ ጃክሰን ሰባዊ ክብሪ ንምድንፋዕ ዝሰርሐ'ዩ፡ ቁጽሪ ዘይብሎም ሰባት ዝሓሸ ናብራ ንክነብሩ'ውን ዕድላት ዝኸፈተ እዩ" ኢሎም።

    ሓያለ ካልኦት መራሕቲ ሃገራት ዓለምን ሃይማኖታት'ውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ብምቅላሕ ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ።

    ጀሰ ጃክሰንን ኦባማን ሰላምታ እናተለዋወጡ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

  14. ንሓይልታት ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘሰልጥኑ ወተሃደራት ኣመሪካ ናይጀርያ ኣትዮም

    ብረቶም ዘጻወዱ ወተሃደራት ናይጀርያ ተሰሪዖም እናኸዱ

    ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

    ኣመሪካ፡ ነቶም ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ንምድጋፍ ወተሃደራት ሰዲዳ።

    እቶም ድሮ ናብ ናይጀርያ ኣትዮም ዘለዉ ኣስታት 100 ወተሃደራት፡ ንሰራዊታት እተን ሃገራት ናይ ምስልጣን ዕማም ተዋሂብዎም ከምዘሎ ይግለጽ።

    ኣፈኛ ሰራዊት ምክልኻል ናይጀርያ፡ ሜ/ጀነራል ሳማይላ ኡባ ከምዝበሎ፡ እቶም ናብ ሓደ ኣብ ዞባ ባውቻ ዝርከብ መዓስከር ሓይሊ ኣየር ዝኣተዉ ኣመሪካውያን ብቐጥታ ኣብ ወግእ ኣይክሳተፉን'ዮም።

    ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣመሪካ ንእስላማውያን ዕጡቓት ናይጀርያ ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ነፈርቲ ኣካይዳ ምንባራ ይዝከር።

  15. ኣቢይ ኣሕመድ 'ኢትዮጵያ ናይ ምስፍሕፋሕ ድሌት የብላን' ኢሉ

    ኣቢይ ኣሕመድ ኢዱ ዘርጊሑ እናተዛረበ፡ ኣብ ቅድሚኡ ጸሊም ማይክሮፎን ይርአ

    ምንጪ ስእሊ, OPM-Ethiopia

    ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንምጅማር ጾመ ሮመዳን ኣመልኪቱ ሰሉስ 16 ለካቲት ብዓረብኛ ኣብ ዘመሓለለፎ መልእኽቲ "ኢትዮጵያ ናይ ምስፍሕፋሕ ድሌት የብላን" ኢሉ።

    እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ መልእኽቱ "ኢትዮጵያ ምድሪ ሓቂ'ያ፣ ንድሕነት ጎረባብታ ከኣ ኣብ ሓደጋ ኣይተእቱን'ያ" ኢሉ። ሃገሩ ምስ ኤርትራ ናብ ኲናት ከይትኣቱ ስግኣት ፈጢሩ ኣብ ዘለወሉ እዋን ነቲ መግለጺ ሂቡ ዘሎ።

    ኢትዮጵያ ብዘልዓለቶ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ምስ ኤርትራ ኣብ ምትፍናን ትርከብ።

    እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብዚ ናይ ጾመ ሮሞዳን መግለጺ "ሓደ ንዓለም ከነረጋግጾ እንደልዩ ነገር፡ ኢትዮጵያ መሬት ንምውራር፡ ንምስፍሕፋሕ ድሌት ከምዘይብላን ንድሕነት ጎረባብታ ኣብ ሓደጋ ከምዘይተእቱን'ዩ"ተዛሪቡ።

    ጉዳይ ማይ ኒል ኣልዒሉ ኣብ ዝበሎ'ውን "ማያዊ ሃብትና ተጠቒምና ንምልማዕ ዘለና ድሌት፡ ብዝዀነ መልክዕ ግደ ካልኦት ዘጕድል ኣይኮነን" ኢሉ።

    ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ብምኽንያት እቲ ኢትዮጵያ ዝሃነጸቶ ዓቢ ግድብ ህዳሰ፡ ካብ ምጅማሩ ኣትሒዘን ንዓመታት ክዛተያ'ኳ እንተጸንሓ፡ ንዅለን ናብ ዘሰማምዕ ነጥቢ ግን ክበጽሓ ኣይከኣላን።

    ኣባይ "ዓቢ መለኮታዊ ህያብ'ዩ" ዝበለ ኣቢይ፡ "ካብ ናይ ምፍሕፋሕ መድረኽ ናይ ምትሕብባር ድልድል" ስለዝኸውን ኵለን ሃገራት ብፍትሕን ብማዕርነትን ክጥቀማሉ ከምዘለወን ገሊጹ።

    ግብጺ ምህናጽ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ንመጠን ማይ ኒል ከጕድሎን ኣብ ሓደጋ ከውድቖን'ዩ ብምባል ክሳብ ምትእትታው ምዕዳም በጺሓ'ያ።

    ሃገሩ ንልዕሊ 130 ሚልዮን ህዝባ ካብ ድኽነት ንምግልጋል ኣብ ቃልሲ ከምእትርከብ ብምግላጽ፡ "ድሕነቱ ዝተሓለወን ብፍትሒ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ዘለና ድሌት ምስ ሰብኣዊ ድሌታትናን ምስ ምውሳኽ ብዝሒ ህዝብናን ዝሳነ ጻውዒት'ዩ፡" ክብል ገሊጹ።

    ሃገሩ ኣፍደገ ባሕሪ ንምርካብ ትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ "ብኻልእ መንጽር ንልዑላውነት ጎረባብትና ዘይትንክፍን ናይ ካልኦት ጥቕሚ ዘይጎድእን ናይ ሽርክነት ዕድመ'ዩ" ድማ ኢሉ።

  16. ‘እቲ ዝሓየለ ሰራዊት ዓለም ዳግማይ ከምዘይለዓል ክውቃዕ ይኽእል’ዩ’- ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ

    ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ

    ምንጪ ስእሊ, AFP

    ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ፡ “እቲ ዝሓየለ ሰራዊት ዓለም፡ ማልሳይ ከም ዘይለዓል ክውቃዕ ይኽእል’ዩ” ብምባል ኣጠንቂቖም።

    ኻሜኒ፡ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ እዮም፡ ነዚ መጠንቀቕታ ሂቦም ዘለዉ።

    ዶናልድ ትራምፕ ዋሽንግተን ምስ ኢራን ኣትያቶ ምስ ዘላ ውጥጥ ብዝዛመድ፡ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ኩሉ ብዛዕባ ሓያልነት ሰራዊት ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ’ዩ።

    ናብ ኢራን መራኽብ ኵናት ዘፀግዐት ኣመሪካ፡ ኢራን ንዝቐርቡላ ቅድመ ኩነታት ተቐቢላ ኣብ ስምምዕ እንተድኣ ዘይበፂሓ፡ ስጉምቲ ከም ዝውሰዳ ትራምፕ ምጥንቃቑ ይፍለጥ።

    ኣያቶላህ ዓሊ ኻሜኒ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፡ “ፕረዚደንት ኣመሪካ ሰራዊቱ ኣብ ዓለም እቲ ዝሓየለ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ይዛረብ። ሓደ ሓደ ግዘ እቲ ሓያል ዝተብሃለ ሰራዊት ከም ዘይለዓል ተገይሩ ክውቃዕ ይኽእል’ዩ” ብምባል ኣጠንቂቖም።

    እቶም ላዕለዋይ መራሒ ወሲኾም፡ ኣመሪካ ንመራኽብ ኵናት ናብ ኢራን ከም ዝለኣኸት ብተደጋጋሚ ትገልፅ ምህላዋ ብምጥቃስ፡ “እተን መራኽብ ሓደገኛ መሳርሒ’የን፤ እንተኾነ እቲ ዝበለፀ ሓደገኛ፡ እዘን መራኽብ ኣብ ትሕቲ ባሕሪ ክጥሕላ ዝገብር መሳርሒ (ኣፅዋር) እዩ” ኢሎም።

    ኣመሪካ ሰለስተ ኣዕነውቲ መጥቃዕቲ ሚሳይል ዝመርሓ፡ ኤፍ 35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ሓዊሱ 90 ነፈርቲ፡ ከምኡ'ውን 5,680 ሰራሕተኛታት ዝፀዓነት መርከብ ኣብርሃም ሊንከን፡ ኣብ መወዳእታ ጥሪ ናብ ዞባ ወሽመጥ ከም ዝተዋፈረት እኳ እንተተገለፀ፡ ዛጊድ ኣብ ምስሊ ሳትላይት ኣይተራእየትን።

    እታ መርከብ፡ ካብ ኢራን ኣስታት 700 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኦማን ተራእያ ነይራ።

    ኣመሪካ እታ ካልአይቲ ዝዓበየት ነፈርቲ እትሽከም መርከብ ኲናት ዓለምና ዝዀነት 'USS Gerald R Ford' ናብ ማእኸላይ ምብራቕ ከም ዝሰደደትን ኣብ ውሽጢ ዝቕፅሉ ሰለስተ ሰሙናት ናብቲ ዞባ ክትበፅሕ ከም ትኽእልን ይግለፅ።

    ምምፃእ ኣብርሃም ሊንከን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰሙናት ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዝርአ ዘሎ ምፅጋዕ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣመሪካ ዝውስኽ ኰይኑ፡ ቢቢሲ ቨሪፋይ ኣብቲ ዞባ ወሰኽ ኣዕነውቲ፡ መራኽብ ውግእን ነፈርቲ ውግእን ኣመሪካ ምህላወን ኣረጋጊፁ’ዩ።

  17. ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይፕ ኤርዶጋን ኣዲስ ኣበባ ኣቲዩ

    ፕረዚደንት ቱርኪ ጣይፕ ኤርዶጋን ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝኣተወሉ

    ምንጪ ስእሊ, EBC

    ወግዓዊ ምብጻሕ ከካይድ ትጽቢት ክግበረሉ ዝጸንሐ መራሒ ቱርኪ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ።

    እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ "ታሪኻዊ ወግዓዊ ምብጻሕ" ክብል ዝገለጾ ዑደት ፕረዚደንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ቱርኪ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘለዋ ተገዳስነትን ረብሓታትን ዘመልክት'ዩ።

    ክልቲኦም መራሕቲ ንግዜኡ ዝተፈላለየ ስምምዓት ድሕሪ ምፍራሞም ጋዜጣዊ መብርሂ ክህቡ ትጽቢት ይግበር።

    እቲ፡ ብኣቡዳቢ ኣቢሉ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከቕንዕ መደብ ዝነበሮ መራሒ ኤርዶጋን፡ እቲ ናይ ሰኑይ ናይ ኢማራት መገሻኡ ተሰሪዙ እዩ።

    ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዝምድና ዘለዋ ቱርኪ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕ እስያን ዘይነዓቕ ተሰማዕነት ረኺባ እያ።

    ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ኣቓልቦ ሃገራት ምዕራብን ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ዝስሕበሉ ዘሎ እዋን'ዩ ኤርዶጋን ነቲ ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ።

    ቱርኪ ብፍላይ ምስ ሶማልያ ሓያል ቍጠባዊን ጸጥታዊን ርክብ መስሪታ ምህላዋ ይፍለጥ።

  18. ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግማይ ኵናት ከይልዓል ስግኣታት ይውስኽ ኣሎ

    ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሓያል ምንቅስቓስ ሰራዊት ፌደራልን ሓይልታት ክልላትን ይረአ ብምህላዉ፡ ዳግማይ ኵናት ከይልዓል ስግኣት ከምዘሎ ሓደ ዲኢፕሎማት ዘለዎ ዓቢ ስገኣት ገሊጹ።

    ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ፡ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ምልውዋጥ ተዂሲ ከምዝነበረ ዝዝከር እዩ።

    ሰብ መዚ ትግራይ፡ እቶም ብሰንኪ እቲ ካብ 2020 ክሳብ 2022 ዝተኻየደ ኵናት፡ ካብ ምዕራብ ትግራይ ዝተፈናቐሉ ኣማኢት ኣሽሓት ናብ ቤት ንብረቶም ክምለሱ’ዮም ዝጠልቡ ዘለዉ።

    እቲ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ፌደራል ምስ መላፍንቱን ንኽልተ ዓመታት ዘካየድዎ ኵናት በቲ ኣብ መወዳእታ 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተበጽሐ ውዕል ሰላም ፕሪቶርያ ከምዝተዛዘመ ይዝከር።

    እንተዀነ እቲ ውዕል ክሳብ ሕጂ ብምሉእነት ከምዘይተተግበረ’ዩ ዝግለጽ፡ ንዘይምትግባሩ ኸኣ ሰብ መዚ ትግራይን ሰብ መዚ ፌደራልን ንሓድሕዶም’ዮም ዝካሰሱ።

    ኣብቲ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኵናት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ከምዝሃለቐ ይግለጽ።

    ኣብዚ እዋን እቶም ኣብ እዋን ኵናት ትግራይ መላፍንቲ ዝነበሩ መንግስቲ ፌደራልን መንግስቲ ኤርትራን ኣብ ዝኸፈአ ዲፕሎማሳዊ ምስሕሓብ’ዮም ዝርከቡ።

    እቲ ምኽንያት፡ ኣዲስ ኣበባ፡ ኤርትራ ንተቓወምቲ ትሕግዝን ተዐጥቕን ብምባል ትኸስስ።

    ኣስመራ ብወገና፡ ኢትዮጵያ ሕቶ ዋንነት ኣፍደገ ባሕሪ ብምልዓል ንልኡላውነተይ ትግህስ ኣላ ብምባል ትወቕሳ።

    ሓይልታት ትግራይ ኣብ እዋን ኵናት

    ምንጪ ስእሊ, YASUYOSHI CHIBA

  19. ፍሉጥ ጸሊም ኣመሪካዊ ተቓላሳይ ሲቪካዊ መሰላት ጀሰ ጃክሰን ዓሪፉ

    ጀሰ ጃክሰን

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    መራሒ ቃልሲ ንሲቪካዊ መሰላት ጸለምቲ ኣመሪካውያን ጀሰ ጃክሰን ኣብ መበል 84 ዓመቱ ዓሪፉ።

    ሰዓቢን ብጻይን ውሩይ ተሓላቒ መሰላት ጸለምቲ፡ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝነበረ ጃክሰን ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ዓቢ ጽልዋ ዝነበሮ እዩ።

    ኣብ 2017 ብሕማም 'ፓርኪንሰንስ' ድሕሪ ምጥቅዑ ዳርጋ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ተኸዊሉ'ዩ ጸኒሑ።

    ኣብ 1984 ከምኡ'ውን 1988 ፈላሚ ጸሊም ፕረዚደንት ኣመሪካ ንምዃን ተወዳዲሩ ምንባሩ'ውን ይዝከር።

    ቤተሰቡ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "ሰሉስ ንጉሆ፡ ብስድራቤቱ ተኸቢቡ ብሰላም ዓሪፉ" ክብሉ ኣፍሊጦም።

    "ኣቦና፡ ዘይሃስስ ታሪኽ ገዲፉ" ሓሊፉ ኣሎ ክብል'ውን እቲ መግለጺ ይጠቅስ።

    እቲ ሃይማኖታዊ መራሒ'ውን ዝነበረ ጃክሰን፡ ብዓልቲቤቱ ጃኲሊን፡ ከምኡ'ውን ሰለስተ ደቁን ሓዲጉ'ዩ ሓሊፉ ዘሎ።

  20. ህይወት ብዙሓት ሰባት ዝቐዘፈ መጥቃዕቲ ናይጀርያ

    ዝነደደት ሞተር ብሽክለታ ኣብ ሓደ ገዛውቲ ዝራኣየሉ ሜዳ

    ምንጪ ስእሊ, Getty Images

    ኣብ ናይጀርያ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም።

    እቲ ኣብታ ኣብ ሰሜናዊ-ምዕራብ እታ ሃገር እትርከብ ዞባ ኒጀር ዘጋጠመ ኩነታት ኣብ ሞተር ብሽክለታ ብዝተሰቕሉ ዕጡቓት ዝተፈጸመ ምዃኑ ሰብመዚ ሓቢሮም።

    ብዙሓት ካልኦት ተጨውዮም ከምዝተወስዱ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።

    ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ ኣብቲ ከባቢ ጂሃዳውያን ዕጡቓት ኣብ ዘካየድዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ተቐቲሎም ምንባሮም ይፍለጥ።